ታሪኹዘይፈልጥ ህዝቢ መሰረቱ ድልዱል ኣይኰነን። እዛ ንነብራ ዘሎና ዓለምብታሪኽ ዝተነድቀትን ዝተኸበበትን እያ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝተፈጸሙ ማእለያ ዘይብሎም ዘሓጉሱን ዘጉሁይን ዘኹሩዑን ዘሕፍሩን ኰታማእለያ ዘይብሎም በበዓይንቱ ዝሕብረኦም ታሪኽ ተፈጺሞም እዮም። ብፍላይ ከኣ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ሕመረት ታሪኽ ዓለምና ኣዚዩልዕሉን ዕዙዝን ማእከላይ ቦታ ዘለዎ እዩ። ብዛዕባ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ማእለያ ዘይብሉ ጹሑፋት ተጻሒፉ እዩ። ብቓንቃ ትግርኛዝተጻሕፈ ጹሑፍ ግና ኣዚዩ ሒደት እዩ። እንሆ ሕጂ ግና ሓው ኣማኒኤል ኤልያስ በቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጡ ዘቐመጦ ጸጋን ቅንኣትን ተበጊሱብዛዕባ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን እትገልጽ መጽሓፍ ብቛንቋ ትግርኛ ናብ ዕዳጋ ቀሪቡልና ኣሎ። እዛ ቐዳመይቲ ቕጺ መጽሓፍ ( VOLUMONE) ኰይና፣ ብድሕሪ እዚኣ ዝቕጽላ ክልተ ክፋላት መጽሓፍቲ ከም ዘለዋ ነዘኻኽር። ስለዚ ነዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ ታሪኽ ንምፍላጥ ነዛመጽሓፍ ገዚእኩም ተጠቐሙላ።
ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ሓዳስ መጽሓፍ ብኣማኒኤል ኢልያስ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode