27
Wed, Nov
0 New Articles

“ኣታ ዋልታና ዝዀንካ ኣምላኽ ርኤ” መዝ 84።9

News
Typography

ኩቡራትን ፉቕራትን ኣሕዋትን ኣሓትን

ካብ እግዚኣብሄር ኣቦን ካብ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምስ ኩሉኻትኩም ይኹን፣

ከም ዝዝከር ኣገልግሎት ኤሪ ሆፕ (www.erihope.com) ኣብ ዝሓለፈ ወር ናይ ጸሎት ኣርእስቲ ሂባ ኣላ። እንሆ ሎሚ ነዚቅነ ናይ ጸሎት ኣርእስቲ

መቸም ኣብዚ እዋን እዚ ንሕና ኤርትራውያን ወሪዱና ዘሎ ፖሎቲካዊ ኢኮኖሚያዊ መንፈሳዊ ከምኡ ኸኣ ኣህጉራዊ ቅልውላው ከመይ ዓቢ ምኻኑ ካብ ኩላትና ዝተሰወረ ኣይኮነን፣ ኣብ ከመይ ከቢድ ፈተናን ኣደራዕን ከም ዘሎና ኩላትና ንሓልፎ ዘሎና ጉዳይ ስለ ዝዀነ ንምትንታኑ ቡዙሕ ኣይድልን እዩ፣


ብፍላይ መንእሰይ ሃገርና ኣብ ከመይ ዝበል ዓቢ መዋጥር ኣትዩ ከምዘሎ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ሓቒ እዩ፣ በቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ድማ ናብ ፈቐዶ ዓድታት ይስደድ ኣሎ፣ ኤርትራዊ መንእሰይ ዘይተሰዶን ዘይነጠቦን ቦታ ብፉጹም የሎን፣ ናብ ሰሜን ደቡብ ምብራቕ ከምኡውን ምዕራብ ተበታቲኑ ኣሎ፣ ኣብ ምድረበዳ ዝጠፈኣ ባሕሪ ዝወሓጦ ኣብ ማእሰርቲ ዓዲ ጓና ዝተዳገነ ቑጹር ኣዚዩ ቡዙሕ እዩ፣

ስደት ኤርትራዊ ግና ንመንእሰይ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ዓብን ቆልዓን እውን ኣረኻኪብሉ እዩ፣ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ከምዚ ናይዘን ዝሓለፈ ዓመታት ስደት ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን እዩ፣ ስለዚ ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ክንጽሊ "ኣታ ዋልታና ዝዀንካ ኣምላኽ ርኤ" ክንብል ሓላፍነትና እዩ ስለዚ ነዛ ወርሒ ብሙልኣ ብዛዕባ እዞም ስደተኛታት እንጽልየላ ወርሒ ክትከውን እያ፣

1.     ንሰብ እቲ ዝዓበየ ተስፍኡ ወንጌል እዩ እሞ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ፈቐዶ ሃገራትን ዓድታትን ዘለዉ ስደተኛታት ኤርትራውያን ክጥምቶም እሞ ብሓይሊ ወንጌል ክበጽሖም

 

2.     ነቶም ኣብ ፈቐዶ ማእሰርቲ ዝተፈላለየ ሃገራት ዘለዎ ስደተኛታት ኣምላኽ ብፍትሒ ክጥምቶም፣

 

3.     ነተን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሲረን ናብ ዓዶም ክመልስኦም ዝጋደላ ዘለዋ ከም እኒ ሊብያ ሱዳን ግብጺ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣምላኽ ነዚ ጉዳይ እዚ ብሓይሊ ቕልጹሙ ክዓግቶ፣

 

4.     ነቶም ብሰንኪ መንበሪ ወረቐት ምስኣን ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት ኣምላኽ ኣብተን ሃገራት መጐስ ክህቦም እሞ መንበሪ ወረቐት ክረኽቡ ክረድኦም፣

 

5.     ኣምላኽ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ስደተኛታት ናይ ስራሕን ናይ ትምህርትን ኣፍደገ ክኸፍተሎም፣

 

6.     ነቶም ብሰንኪ ስደት ኣብ ዓቢ ሕማምን ጭንቀትን ዘለዉ ስደተኛታት ኣምላኽ ክዝክሮም፣

 

7.     ኣምላኽ ብዛዕባ ኤርትራውያን ዘለዎም ኣደራዕን ስቓይን ተረዲአን ግቡኡ ዝዀን ፍትሕ ክህብኦም ክኽእላ ንብዘለዋ ሃገራት ዓለም ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራውያን ክርድኣን ዓይነን ክኸፍተለንን ብዛዕብኦም ዝጣበቑ ሰባት ከተስኣሎም

 

እምብኣር ኩቡራት ኣሕዋት እዛ ወርሒ ኣዚኣ ብዛዕባ እዞም ዝረኣናዮም ኣርእስትታ ክንጺ ኢና ዎ ኣምላኽ ርኣየና ንስደተኛታትና ዘክሮም ኢልና ብድንጋጸን ብርሑሩሕ ልብን ንጸሊ እቲ ዝሰምዕ ኣምላኽ ከኣ ክሰምዓና እዩ፣

 

"ኣታ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣዒንተይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ

እንሆ ከምቲ ኣዒንቲ ባሮት ናብ ኢድ ጐይታኦም

ከምቲ ኣዒንቲ ገረድ ናብ ኢድ እምቤታ ዚጥምታ

ከምኡውን ኣዒንትና ንሱ ኽሳዕ ዚርሕርሓልና

ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይጥምታ ኣለዋ፣

ምሕረና ንዕቐት ኣዚና ጸጊብና ኢና እሞ

ጎይታይ መሓረና" መዝ 123።1-3