መንግስቲ ኤርትራ ከም መቐጸልታ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝጀመሮ ማእሰርቲ ሕጂ እውን ኣብ ከተማ ከረን ቀጺሉ ከም ዘሎ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣስታት 8 ኣመንቲ ተኣሲሮም ኣለዉ። እዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ጀሚርዎ ዘሎ ናይ ምስቓይን ምእሳርን ስጉምቲ ብወግዒ ብዝተፋላለየ መንገዲ ክቕጽሎ ምዃኑ ይዛረብ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት እዉን ብዙሓት ኣመንቲ ሰዓብቲ ክርስትና ኣሕዋትን ኣሓትን ተኣሲሮም ከም ዘሎ ይፍለጥ። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ ንኣመንቲ ንምህዳን ዝተፈላለየ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ። ኩላትና ብዛዕባ እዞም ኣብ ዝተፈላለየ ስቓይን መከራን ዘለዉ ኣሕዋት ብጸሎትን ብዝከኣለና ደገፍን ደው ክንብል ይግባእ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከረን ብዙሓት ኣሕዋት ኣሲሩ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode