እቶም ዝሓለፈ ሰሙን ብመንግስቲ ኤርትራ ካብ ገዛ ዝተወስዱ ኣመንቲ ዛጊት ኣበይ ከም ዘለዉ ኣይተፈልጡን። ዝሓለፈ ሰሙን ዕለት 13/10/2009 መንግስቲ ኤርትራ ብሓይልታት ጸጥትኡ ናብ ገዛ ኣባይቲ መንበሪ ኣመንቲ ብምኻድ ብዙሓት ደቀ ንስትዮን ደቂ ተበዓትዮን ዝርከቡዎም ምእመናን ሰዓብቲ ክርስትና ኣሲሩ ኣሎ። ዛጊት ናበይ ከም ዝወሰድዎም ኣይተፈልጠን ዘሎ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝዀኑ ኣመንቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣደራዕ እምብዛ ብዙሕ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ኣመንቲ ድማ ናይ ስቓይን ማእሰርትን ናይ ሞትን ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ኤርትራ ብዙሓት ጠቆምቲ ወይ ሓበርቲ ብምውፋር ንኣመንቲ ንምህዳን ስርሐይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ ኣሎ። ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርትታትን ኮንቴነራትን ብምስቃይ ድማ እምነቶም ክኽሕዱ የገድድዎም ኣለዎ። ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ኣኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ከቢድ ስግኣትን ፍርሕን ኣለዉ። ኩላትና ብዛዕባ እዞም ኣኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንጽሊ ምስኦም ደው ክንብልን ኣፍ ክንኰኖምን ኣገልግሎአት ወንጌል ፈነወ ኤርትራ የተሓሳስብ