26
Tue, Nov
0 New Articles

መንግስቲ ኤርትራ ብዙሓት ኣምንቲ ክርስትያናት ኣሲሩ

News
Typography
ኣብዚ ሰሙን እዚ ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትያናት ብመንግስቲ ኤርትራ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም ኣለዉ። ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትያናት ብሰንኪ እምነቶም ካብ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ማእሰርትን ስቓይን ሞትን ኣደራዕ ይበጽሖም ኣሎ። ብፍላይ ኣብዚ ሰሙን እዚ ገዛ ገዛ እናኸድካ ዝግበር ዘሎ ማእሰርቲ ክቕጽሎ ምኻኑ ምንጭታት ሓቢሮም ኣለዉ። ኩላትና ብዛዕባ እዞም ኣብ ዝተፈላለየ ሽግርን ስቓይን ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣበርቲዒና ንጸሊ ምስኦም ደው ንበል። ድምጺ ድማ ንኸኖም። ወንጌል ኣብ ዘመናት ኩሉ ተኣሲሩ ኣይፈልጥን እዩ።