25
Mon, Nov
0 New Articles

ዜና መንፈሳዊ ምንቕቓሕ 2009 ሮማ ኢጣልያ

News
Typography
ብነሐሰ 3 ክሳብ 9 2009 ኣብ ከተማ ሮማ ኢጣልያ እተገብረ 9 ዓመት ምንቕቓሕ ሕ.ክ.ኤ.ኤ. ብረድኤት እቲ ልዑል ብዘስተንክር ዓወት ተዛዚሙ። ኣቐዲምና ነቲ ኣጀሚሩ ኣብ ፍጻመ ዘብጽሓና  ኩሉ ኽብሪ ዝግብኦ ጀማር እምነትናትን ደምዳሚኣን ዝኾነ ልዑል ኣቦና ክብርን ምስጋናን ዕብየትን ተኣዛዝነትን ንእኡ ይኹን ንብል ኣሎና፡፡ ሎሚውን ከም ቀደሙ ከይተሐለለ ዝባርኽን እቲ ምዱብ ምኽሩ ንደቁ ዘፍስስን ኣብ ማእከልና ብምርካቡ ኣዚና ተሐጉስና። ዓመት መጸ ዓመት ከደ ንሱ ግና ከምቀደሙ ኮይኑ ከይተለወጠ ከም እሙን ባዓል ቆጸራ ምስ ኣብ ሮማ ምስ መጻና ዘይኮነስ ኣቐዲሙ ሐሊፉ ጸኒሑ ተረኺቡልና፡፡ ቅድሚ ምጅማር ምንቕቓሕና ዝነበረ ቀዳመ ሰንበት ድሮ ኣብታ ኣብ ሮማ እትርከብ ብፓስተር ሄኖክ ሃብተ እትምራሕ መሰረት ሃዋርያትን ነብያትን ቤተክርስትያን ሮማ ኢድ ኣምላኽ እተረኣእየትሉ ምንቕቓሕ ከምዝጸንሐ እቶም ኣቐዲሞም ኣብ ሮማ ዝኣተዉ ተጋባእቲ ምንቕቓሕ ሕ.ክ.ኤ.ኤ ገሊጾምልና።

እቲ ሐዊ ድማ ድሮ ብኣጋኡ ሰኑይ ምሸት ኣብ ዝነበረና መፈለሚ መደብና ኣብ ድንኳን መነቓቒሒና ተላቢዑ። ክሳብ ምዝዛም መንቕቓሕና መለት ሰንበት ነሐሰ 9 ኢድ ኣምላኽ ከይተፈለየትና ካብ ሐደ ዓወት ናብ ካልኣይ ዓወት እናተሰጋገርና ቀኒና። ‘' ነቲ ኩሉ ሳዕ ብክርስቶስ ገይሩ ናብ ዓወት ዝመርሓና ኣምላኽን ኣቦ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ። እተን ብብዙሕ ሃንቀውታን ጽምኣትን ካብ ዝተፈላልያ ከተማታት ኤውሮጳን ካብ ከተማ ሮማን ዝመጻ ነፍሳት ከከምቲ ትጽቢተን ጎይታ ተራኺብወን፡፡

መደባትና

1.      ክፍለ ጊዜ ትምህርቲ፡ ሰኑይ ኩሉ ሰብ ከካብ ቦታኡ ዝኣትወሉ ሐሙስ ልሙድ መዓልቲ ዕረፍቲ ምንባሩ ሰንበት ድማ መወዳእታ መዓልቲ ምንቕቓሕ ምንባሩ እንተ ዘይኮይኑ ኣብተን ዝተረፋ መዓልታታት ብዝተፋላለዩ መማህራን Iተፈላለየ ኣርስትታት ዝሐዘ ትምህርቲ ኣቕሪቦም።

ሀ. ወንጌላዊ ሳምሶን መብራህቱ ፡ ካብ ህያው የሱስ ቤተክርስትያን ዓባይ ብሪጣንያ "ምስፋሕ ወንጌል"  ዝብል ኣርእስቲ ሰሉስን ሮቡዕን 4 እብረታት ነቶም ልቦም ኣብ ምስፋሕ ወንጌል ዝወደቐን ዝዓረፈን ስልትን ብድሆታትን ምስፋሕ ወንጌል ብሰፊሑ ምሂሩ። ሓያሎ ተጋባእቲ እቲ ትምህርቲ ብዙሕ ትምህርቲ ከምዝረኸቡን ብተወሳኺ ኣብ ዘዝኸድወን ማሕበራት ነቲ ትምህርቲ ከስፍሕዎ ቃል ኣትዮም። ንሕቶን መልስን ዕድል ተዋሂብዎም ግቡእን ዘዕግብን ምላሽ ረኺቦም ብተወሳኺ ኸኣ ነቲ ዝቐረበ ትምህርቲ ብጽሑፍ (handout) ተዋሂብዎም።

ለ. ፓስተር ኤግሞንት ሚካ፡ ካብ ረሐቦት ቤተክርስትያን ስዊድን ስቶክሆልም " ኣጸናንዓ መጽሐፍ ቅዱስ ንውልቕኻ" ዝብል ሰሉስን ሮቡዕን ጎድኒ ጎድኒ "ምስፋሕ ወንጌል"  ዝተፋላለየ 4 እብረታት ነቶም ብብሕቶም ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ክውስኹ ንዝደልዩ ከምኡውን ናይ ብሕቲ ጽምዋ ጊዜ ብቓል ኣምላኽ ከመይ ከሕልፍዎ ከምዝኽIሉ ዝሐበር ሰፊሕ ትምህርቲ ተዋሂቡ፡ ተጋባእቲ እቲ ትምህርቲ ከምዝመስከርዎ  "እንታይ ከንብብ እየ? ኣየናይ ክፍሊ መጽሐፍ ቅዱስ እዩ እምነተይ ዘዕብዮ" ዝብሉን ተመሳሰልቲ ሕቶታትን ከም እተመለሰሎም ተዛሪቦም።

ሐ. ፓስተር ኣማኑኤል መኮነን፡ ካብ ረሐቦት ቤተክርስትያን ስዊድን ስቶክሆልም " ኣምልኾ" ዝብል ሰፊሕ ኣርእስቲ ኣብ ዓርብን ቀዳምን ኣብ ኩሉ ደረጃ እምነት ዘለዉ ሰባት ካፈልዎ ብዝኽIሉሉ መገዲ ብውሕሉል ኣቀራርባ ኣቕሪቡ፡፡ ተጋባእቲ እቲ ትምህርቲ ነቲ ትምህርቲ ዝነበሮም ህንጥዩነትን ተገዳስነትንበቲ ትምህርቲ ስለዝተሳሕቡ ገለ ደቓይቕ ከይሐልፎም ብምባል ብውሑድ 10 ደቓይቕ ቦታኦም ይሕዙ ነይሮም፡፡ እቲ ዝተዋህበ ትምህርቲ ብዝርዝር ኣብ መርበብ ረሐቦት ቤተክርስትያን ስዊድን ስቶክሆልም ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ ኣድራሻመርበብ፡ www.fana.be እዩ።

2.      ክፍሊ ምንቕቓሕ፡ ምሸተ ምሸት ካብ ሰዓት 7 ክሳብ 10 ብዝተፋላለዩ ኣገልገልቲ ወንጌል መልእኽትታት ቀሪቡ፡፡ ንብዙሓት ንፈውሲ ንምስግጋር ንሕቶ ምምላስን ንምፍታሕ ሕንቅልሕንቅሊቶይን መድረኽ ዝኸፈተ ኢድ ኣምላኽ ዘለዎ ድሙቕ ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ክካየድ የምሲ ነይሩ።

ሰኑይ፡ ኣቦ ወንበር ሕ.ክ.ኤ.ኤን ጓሳ ማሕበር ምሉእ ወንጌል ቤተ ክርስትያን ፍራንክፈርትን ፓስተር ምሕረተኣብ መንግስትኣብ መሪሕ ጥቕሲ እዚ ዓመት  " ኣቱም ብተሰፋ እተኣሰርኩም ናብቲ ዕርዲ ተመለሱ......." ዘካ.9፡12  ዝብል ጥቕሲ  ብምጥቃም ነቲ ዓመታዊ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ብዕሊ ከፊትዎ። ዝርዝር ሓሳብ እቲ ጥቕሲ ሰብ ብተስፋ ንስ ዝእሰር ክገብሮን ክኾኖን ዘለዎ ነጥብታት ብምስራዕ ነዚ ዓመት Iዚ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ብውልቁ ብቤተሰ ብማሕበርን ብሃገር ደረጃን ተስፋ ዝሃቦ ክፍጽም እሙን ከምዝኾነን ነዚ ኸኩሉ ኣማኒ ብትዕግስቲ ቦታኡ ከይገደፈ ክጽበ ከምዘለዎ ኣገንዚቡ።

ሰሉስ፡ ጓሳ ማሕበር ምሉእ ወንጌል ቤተ ክርስትያን ቦሎኛ ጣልያን " ጊዜኻ ሕጂያ" ዝብል ኣርእስቲ ካብ መሳ,4፡14 ነብዪት ዲቦራ ንባራቅ ንጉስ እስራኤል " እታ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድካ ዝሃበላ መዓልቲ ሎሚ እያ'ሞ ተንስእ ዝበለቶ ቃል ብምውሳድ ንተጋባእቲ ዘጻናንዕን ዘናቓቕሕን ጊዜ ምብጻሕ ከምዝበጽሐ እሞ ተንሲእና ናብቲ እተሐንጸጸልና ክንኣቱ ከምዘለና ኣበራታቲዑ።

ረቡዕ ፡   ጓሳ ማሕበር መድሃኔ ኣለም ቤተ ክርስትያን የተቦሪ ሽወደን ህይወት ዮሴፍ ወዲ ያዕቆብ ብምጥቃም "ምሕረት" ዝብል ኣርእስቲ ሒዙልና ቀሪቡ። ዮሴፍ ነቡኡ ምስ ቀበሮ ኣቦኦም ኣብ መወዳእታ ዘመን ህይወቱ እተዛረቦም ለበዋ  ኣሕዋቱ ምስ ነገርዎ  ኣይትፍርሁ ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ? ......... ኣጸናንዕም ንልቦም ዘሐጉስውን ተዛረቦም ብምባል ኣብ ሞንጎ ኣመንቲ ኣብዚ ዘመን እዚ ውሒዱን ተሳኢኑን ዘሎ ንሱ ስለዝኾነ ኣመንቲ ብውልቆም ይኹን ብማሕበር ደረጃ ከተግብርዎ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ሐሙስ፡ ጓሳ ማሕበር ኣኽናፍ ምድሓን ቤተ ክርስትያን ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ " ሳላ ደም ኪዳንኪ" ብዝብል ኣርእስቲ ነቲ ፓስተር ምሕረተኣብ መንግስትኣብ ካብ ዘካ.9፡12 ብሰኑይ 3 ነሐሰ ዝጀመሮ "ብተሰፋ እተኣሰርኩም ናብቲ ዕርዲ ተመለሱ......." ዝብል ቃል ዘጽንዕ ምንቕቓሕ ዝነበሮ ቃል ሒዙልና ቀሪቡ፡፡ ኣምላኽና ነቲ ተስፋኡ ዝፍጽሞ ነቲ ብደም ወዱ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዝኣተዎ ኪዳን ብምዝካር እዩ ብምባል ነቶም ተጋባእቲ ብዛዕባ ተስፋታት ኣምላኽ ብምንም ዓይነት መገዲ ክዋላወሉሉ ከምዘይብሎም ኣዘኻኺሩ።

ዓርቢ፡ ፓስተር ሄኖክ ሃብተ ጓሳ ማሕበር  መሰረት ሃዋርያትን ነብያትን ቤተክርስትያን ሮማ "ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈሊ መን እዩ" ብዝብል ሓሳብ ካብ ሮሜ. 8፡37-39 ሰፊሕ ሓሳብ ተንቲኑ፡፡ መልእኽቱ ዘናቓቕሕ ዘባራብር ዘወስን ኣብ መዓልታዊ ናብራ ኣማኒ ዘተኮረ መልእኽቲ ነይሩ። ካብ ሓደ ኩነት ህይወት ናብ ካልእ ዘሰጋግር ድማ ነበረ፡፡ ተጋባእቲ ብዕቱብ ምክትታል ተታሒዞም ስለዝነበሩ መልእኽቲ ክዛዘም ከሎ ገና ዝጅመር ዝነበረ መሲልዎም ነበረ።

ቀዳም፡ ዘማሪ ዳን ኤል ተስፋይ ካብ ሂውስተን ቴክሳስ ኣሜሪካ ኣጋጣሚ ብዝመስል ግናኸ ብመደብ ኣምላኽ "ነሕዋተይ ክርኢ" ብዝብል መንቀዲ ኣብ ማእከልና ተረኺቡ ብቓልን መዝሙርን ኣገልጊሉና፡፡ " ተዓጠቕ ! በትሪ እግዚኣብሄር ሐዝ! ከመዓልካ ኣይትበል ኣይትቀበልውን" ዝብል ንነፍሱወከፍ ኣማኒ ነገልግሎት ንኽትንስእ ዝብድህ መልእኽቲ ሑዙ ቀሪቡ፡፡ ኣምላኽ ንመንፈስ ትፋባእቲ ኣነቓቒሑ ክውሰኑ ድማ በዲሁ፡፡

ሰንበት፡ ፓስተር ኣቤል መብራህቱ ኣገልጋሊ ሻሎም ቤ.ክ ኦስሎ መዛዘሚ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ሕ.ክ.ኤ.ኤ. 2009"መንፈሳዊ ውግእ" ዝብል ኣርእስቲ ሒዙልና ቐሪቡ። ብድሕሪኡውን ንተጋባእቲ ንቕድሚት ብምጽዋዕ ንዝተፋላለየ ድልየቶም ጸሎት ብኹሎም ኣገልገልቲ ምስ ተገብረሎም ከምቲ ኹሉ ሳዕ ዝግበር ድራር ጎይታ ተሰሪዑ ከሉ ሰብውን ተኻፋሊ በረኸት ኮይኑ፡፡

ኣምልኾ፡ ኣብዚ ዓመት ካብ ሰኑይ ክሳብ ቀዳም ብምቅብባል ብመዝሙርን ኣምልኾን ዘገልገሉና  ሻሎም ቤ.ክ ኦስሎን ዘመርቲ  መሰረት ሃዋርያትን ነብያትን ቤተክርስትያን ሮማን እግዚኣብሄር ኣዕዚዙ ይባርኮም።

ኣገልግሎት ህጻናት፡ ማዕረ ማዕረ  መደብ ንብጹሓት ንቆልዑን መንእሰያትንውን መደብ ተሰሪዑሎም ነይሩ። ከም ወትሩ ዓመት ካብ ዓመት  ከይተሃከያን ደኺሙና ከይበላን ነቶም ደቂ ተጋባእቲ ብትምህርትን ብዝተፋላለየ መዘናግዕታትን ብመሪሕነት ዘገልገላና  ብሌን ኣስገዶምን ማርታ ኣስገዶምን ቦርድ ሕ.ክ.ኤ.ኤን ወለድን ጎይታ ኣዕዚዙ ይባርከን ከይበሉ ክሀልፉ ኣይደልዩን። ተጋባእቲ ብዛዕባ ደቆም ከይሐስቡን ከይጽገሩን ብምባል ንርIሰን ክግክገላ ከይበላ ንደቅና ምግልጋለን ካብ ወለዲ ብዙሕ ምስጋና ቀሪቡለን፡፡

ኣኼባ መራሕትን ተወከልትን ሕ.ክ.ኤ.ኤ.  በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ክትካፈሉ ዘይካኣልኩም መራሕቲ ማሕበራት ኣቦ ወንበር ፓስተር ምሕረተኣብ መንግስትኣብ ፓስተር ኣቤል መብራህቱ ከም ዋና ጸሐፊ ወ/ዊ ሳምሶን መብራህቱ ተቖጻጻሪ ሕሳብ ፓስተር ኤግሞንት ሚካ ኣባል ኮይኖም የገልግሉ ከም ዘለዉ ክንሕብር ንፈቱ፡፡ ሐሙስ መዓልቲ ዕረፍቲ ስለዝነበረ እቲ ጉባኤ መራሕቲ ሕ.ክ.ኤ.ኤ. ሐድሐደ ህጹጽ ኣጀንዳታት ኣልዒሉ ተዛትዩ፡፡ ካብ ዝዝተፈላለዩ ማሕበራት ተወኪሎም ዝመጹ ኣገልገልቲ በቲ ቦርድ ሕ.ክ.ኤ.ኤ. ክርአ ከምኡውን ህጹጽ ስጉምቲ ክውሰደሉ ዝግብኦ ኣርእስትታት ቀሪቡ፡፡ እተወስደ ስጉምትታን ውጽኢታቱን  ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝግበር መደብ ስልጠናን ዓመታዊ ኣኼባን በቲ ቦርድ ሪፖርት ክቐርብ ከኣ ተወሲኑ፡፡ 

  ኣገልገልትን ኣመንትን መሰረት ሃዋርያትን ነብያትን ቤተክርስትያን ሮማ ምሉእ መዓልቲ ስራሕ ውዒሎም እናመጹ ደኺሙና ከይበሉ ንኹሉ ሰብ ኣብ ቤቱ ከም ዘሎ ክስምዖ ዝገበርዎ ዘይሕለል ጻዕሪ ከይተረቑሐ ዘይሕለፍ እዩ።ስለቲ ዘርኣዩና ፍቕርን ዝይሕለል መስተንግዶን ካብ መሪሕነት ክሳብ ኩሎም ኣባላት ብስም ኩሉ ታጋባእን ተወከልቲ ማሕበራትን ጎይታ ይባርኽኩም ንብል፡፡

መጻኢ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ሕ.ክ.ኤ.ኤ ማለት 2010 ዓስራይ ዓመት እቲ ሕብረት ምኽንያት ብምግባር ብዝተፈልየ ኣገባብ ክጽምበል ከምዝኾነ እቲ ዝግበረሉ ቦታ ኣብ ዝሐጸረ እዋን መነራሕትን ምእመናንን ክሕበር ከምዝኾነ ነፍልጥ፡፡

ኣገልገልትኹም ቦርድ ሕ.ክ.ኤ.ኤ.