25
Mon, Nov
0 New Articles

ኣዋጅ ጾምን ጾሎትን

News
Typography

ካብ ሶኑይ ዕለት 17/08/09 ጀሚሩ ንሰማንያ መዓልቲ ዝቕጽል መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ተኣውጁ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ፍቓደኛ ዝዀነ ሰብ ካብ ኣብ ሰሙን ዘለዋ ሸውዓተ መዓልቲ ሓንቲ መዓልቲ መሪጹ ቀትሪ ብምልኣ ብጾም ይውዕል ምሸት ከኣ ምስቶም  ኣብዚ ናይ ጾምን ጸሎትን ዝሳተፉ ዘለዉ ኣሕዋት ይሓብር። እዚ ኣዋጅ ጾምን ጸሎትን ካብ ዘዳግም 2፣3  “ነዚ ኸረን ምዛር ይኣኽለኩም” ብዝብል ዝተወስደ ጥቕሲ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ከም ሃገርን ህዝብን ዘሎና መከራን ስቓይን ኣደራዕን ሕሰምን ጥሜትን ስደትን ሞትን መቕዘፍትን ብቓላት ክግለጽ ዘይከኣል እምብዛ ዓቢ እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝነበርናሉ እዋናትን ዓመታትን መዓልታትን ከኣ ክኣክል ኩላትና ብስቡርን ቁጥቁጥን መንፈስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንቀረብ ኣሎና።


ኣብዚ ከምዚ ዝነበርናሉ እዋናትን ዓመታትን መዓልታትን ከኣ ክኣክል ኩላትና ብስቡርን ቁጥቁጥን መንፈስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንቀረብ ኣሎና። ብተወሳኺ ኣብዚ መዓልታት እዚ መጽሓፍ እያሱ ብምልኡ ከነንብቦ ኢና። ኣብታ ቐዳመይቲ ሰሙን ህይወትና ብውልቅና እንምርምረላ ሰሙን ክትከውን እያ። እዚ ጾም ጸሎትን ልክዕ ሮቡዕ ዕለት 4/11/2009 ክዛዘም እዩ። ነዚ ዘሎናዮ እዋን ንኣምላኽ ይኣክል በቃ ኢልና ክንሓቶን ክንምህለልን ኢና። ኣምላኽ ሰማይ ድማ ክረድኣና እዩ።