19
Fri, Apr
0 New Articles

ወደ መዝሙር ምዃን

Message 1
Typography
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ወደ መዝሙርነት ብዙሕ ነገራት ይጠቅስ፣ ጎይታ ወደ መዝሙር ክኸውን ዝደሊ ሰብ ብዛዕባ ከማልኦ ዘለዎ ረቛሒታት ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ ኣሎ፣ ከምቲ ዝኾነ ኣስራሒ ንሓንቲ ፍልይቲ  ናይ ስራሕ ቦታ ሰራሕተኛ ንምቑጻር እቲ የድሊ እዩ ዝበሎ ረቛሒታት ዘቐምጥ እሞ ነቲ ረቛሒታት ዘማልኡ ጥራይ ክቑጸሩ ዝኽእሉ ከምኡ ከኣ ጎይታ የሱስ ነቶም ክስዕብዎ ዝደለዩ ሰባት ክጽብጽብዎ ዘለዎም ነገራት ይነግሮም ኔሩ፣

ንምዃኑ ወደ መዝሙር እንታይ ማለት እዩ? ኣብ መጽሓፍ ቅዱስከ ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ?
   
ወደ መዝሙር ማለት ተመሃራይን ሰዓብን ማለት እዩ፣ ‘ወደ መዝሙር’ ዝብል ቃል ኣብ ሓዲሽ ኪዳን  ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ንረኽቦ፣ እቲ ናይ ጎይታ ጸራግ መንገዲ ዝነበረ ዮሃንስ መጥምቕ ደቀ መዛሙርቲ ከምዝነበርዎ ማቴ.9።14 ። ዮሃ.1።35። ፈሪሳውያን ንርእሶም ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ይቖጽርዋ ከም ዝነበሩ ዮሃ.9።28። ፈሪሳውያን ብወገኖም ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝነበርዎምን ማቴ.22።16። ጎይታ የሱስውን ደቀ መዛሙርቲ ከምዝነበርዎን ማቴ.9።14-15። ማር.2።18። ዮሃ.6።60-61 ነንብብ፣ እዞም ደቀ መዛሙርቲ እዚኦም እንተ ርኢናዮም ብዝተኻእለ መጠን ናይቲ ዝኽተልዎ ሰብ ትምህርቲ ብጽኑዕ ይእዘዙ ከም ዝነበሩ ክንርኢ ንኽእል፣ ፈሪሳውያን ንርእሶም ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ይቖጽርዋ ስለ ዝነበሩ ብውሑዱ በቲ ግዳማዊ ነገራት ንትምህርቲ ሙሴ ይምርምርዎን ይትግብርዎን ምንባሮም ክንርኢ ንኽእል፣ ነታ ክትዝሙ ዝረኸብዋ ሰበይቲ ኣብቲ ሙሴ ዝሃቦም ሕጊ ተመርኩሶም እዮም ብዳርባ እምኒ ክቐትልዋ ንጎይታ ሓቲቶሞ ዮሃ.8።5፣ ንምግባሩን ንምምሃሩንውን ጽሑፋት ይምርምሩ ከም ዝነበሩ ጎይታ መስኪሩሎም ኣሎ ዮሃ.5።39፣ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ከኣ ትምህርቲ ዮሃንስ ዝኽተሉ ዝነበሩ ኮይኖም ምስኡ ከም ዝነበሩ ዮሃ.1።35። ይጾሙ ከም ዝነበሩ ማቴ.9።14። ካብ ዮሃንስ ተላኢኾም ናብ ጎይታ ከም ዝመጹ ማቴ.11።2። ንዮሃንስ ድሕሪ ምስያፉ ከም ዝቐበርዎ ማር.6።29 ነንብብ፣ እቶም ቀዳሞት ናይ ጎይታ ሃዋርያትውን ካብዞም ትምህርቲ ዮሃንስ መጥምቕ ዝተማህሩን ደቀ መዛሙርቱ ዝነበሩን እዮም ዮሃ.1።35-42፣ ነዚ ጥቕስታት ብምርኣይውን ወደ መዝሙር ዝብል ቃል ተመሃራይን ሰዓብን ከም ዘመልክት ንርኢ፣

ወደ መዝሙር ትምህርቲ መምህሩ ዝስዕብን ግብሪ መምህሩ ዝገብርን እዩ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘሎ መምዘኒ ተበጊስና ፈሪሳውያን ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ከም ዘይነበሩ ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና፣ ወደ መዝሙር ነቲ ዝተማህሮ ዝትግብር ክኸውን ከሎ። ፈሪሳውያን ግን ይብሉ እምበር ይገብሩ ኣይነበሩን ማቴ.23።1-4፣ ሓደ ካብቲ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ መጥመቕ ካብ ፈሪሳውያን ዝፈልዮም እዚ እዩ፣ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ንትምህርቲ ዮሃንስ ዝስዕቡ ስለ ዝነበሩ ንዮሃንስ ሰሚዖም ንጎይታ ስዒቦሞ ዮሃ.1።35፣ ፈሪሳውያን ናይ ተመሃራይ መንፈስ ኣይነበሮምን። ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ግን ኔርዎም ስለዚ ድማ ንጎይታ ስዒቦሞ፣ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ነቲ ዝሰምዕዎ ናይ ምትግባር ፍቓድን ትግሃትን ኔርዎም ስለዚ ድማ ምስ ዮሃንስ ንዝነበሮም ምትእስሳር ክበትክዎ ጊዜ ኣይወሰደሎምን፣ ፈሪሳውያን ግን ጽሑፋት መርሚሮም ናብ ክርስቶስ ምስ ኣብጽሖም ንጎይታ ክቕበልዎ ስለ ዘይደለዩ ምስቲ ጽሑፋት ክበኣሱ ይነብሩ ኔሮም ዮሃ.5።39-40፣

ወደ መዝሙር ንምዃን ተመሃራይን ሰዓብን ምዃን የድሊ፣ ተመሃራይ ንክመሃር ዘድልዮ ኩሉ ነገራት ማለት ጊዜ። ትግሃት። ድሌት። ተገዳስነት። ናውቲ ትምህርቲን ትዕግስቲን ከማልእ ፍቓደኛ ዝኾነ እዩ፣ ጎይታ ደቀ መዛሙርቱ ተመሃሮ ከም ዝኾኑ ማቴ.10።24-25። ማቴ.11።29-30 ጠቒሱ ኣሎ፣ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ንምዃን እዚ ተመሃራይ ከማልኦ ዘለዎ ነገራት ከነማልእ ይግብኣና፣ ካብ ቃልን ግብርን ጎይታ የሱስ ክመሃር ድሌትን ተገዳስነትን ዘይብሉ ሰብ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፣ ብዘይካ ብሓጢኣት ብኹሉ ከምዚ ከማና ስለ ዝተፈተነ ዘይከኣል ህይወት ንበሩ ኣይበለናን እብ.4።1416። እኳ ደኣ ብኹሉ ዝሓለፎ ኣስኣሰሩ ክንስዕብ ኣርኣያ ገዲፉልና ኣሎ ። 1ጴጥ.2።21፣ ካብ ጎይታ ንኽትመሃር ንቃሉ ብትግሃት ምጽንዑን ምስትንታኑን ምግባሩን ይግባእ፣ ድሕሪ ምምሃርካ ዝመጽእ ነገር ነቲ ዝተመሃርካዮ ምግባር እዩ፣ ጎይታ የሱስ ዝገብሮ እዩ ዝምህር ኔሩ። ንደቀ መዛሙርቱውን ቅድሚ ክምህሩ ምጅማሮም ነቲ ዝመሃሮም ክገብርዎ ይእዝዞም ኔሩ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ደቀ መዛሙርቲ ክገብሩ ክልእኾም ከሎ ነቲ ንሱ ዝኣዘዞም ኩሉ ንካልኦት ክምህርዎም ከም ዘለዎም እዩ ነጊርዎም ማቴ.28።19-20፣ ኣብዚ ቃል ከም እንርእዮ ቃል ጎይታ ንመሃር ንኽንገብሮ እምበር ንኽንምህሮ ኣይኮንናን፣ ጎይታ ተማሂርና ክንስዕቦ። እናሰዓብና ከኣ ከነገልግሎ እምበር ተማሂርና ከነገልግሎ ኣይጸውዓናን ማር.3።19 ። ዮሃ.12።26፣ ስለዚ ንኽንገብር ንመሃር ሽዑ ከምቲ ኣምላኽ ዘብዝሓልና ጸጋ እንተ መሃርና ሰናይ ይኾነልና፣ በዚ ሓሳብ ርእስና እንተ ፈተሽና ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዝኾንናዶ ይመስለና?

                     ጎይታ ይደግፈና!
መጽሄት መልእኽቲ ቁ.8