19
Fri, Apr
0 New Articles

ንመን ትሓሪ?

Message 1
Typography
ንእስነት ክልተ ገጻ ኣለዎ በቲ ሓደ ወገን ናይ ናጽነትን ጸወታን ሓድሽ ተመኩሮታትን እዋን ክኸውን ከሎ፣ በቲ ሓደ ወገን ድማ ዕድመ ብዘምጽኦ ድፊኢታት ናብቲ ውዕውዕ ናይ ተፈጥሮ ኩነታት ናብ ዘይድለ ሕማቕ ኩነታት ክንሳገር ዝከኣል እዩ።

ንፍለጦ ወይስ ኣይንፍለጦ፣ ንሕና ደቂ ሰብ ዋና ኣሎና። ኣብዛ ዓለም ተወሊድና ብህይወት ክነብር እሞ ህይወትና ንአምላኽ ኣኽቢሩ መታን ክነብር ኢና ተፈጢርና። በዚ ገለ ሰብ ተረዲኡዎ ስሙር ህይወት ከሕልፍ ከሎ ገለ ድማ ነዚ ካብ ዘይምርዳእ ብድላዩ ክማላለስ ከሎ ይራአ። ቀንዲ ዝተፈጠርናሉ ምኽንታይ ናአምላኽ ንምኽባር ካብ ኮነ ክነሱ ከምዚ ንምግባር ዘይምውሳን ግና ሳዕቤን ኣለዎ።

           
ንእሰነትን ብጽሕነትን ቀልጢፉ ዝሐልፍን ግዝያውን ሸባብን ተርእዮ ምዃኑ፣ ኣብዚ እዋን እዚ እንውስኖ ውሳኔታት ከኣ ኣብ መወዳእታ ጉድአት ወይ ድማ ራህዋ ከስዕበልና ከም ዝኽእል ግና ኣይንዘንግዕ።

እቲ ህቡብ ንጉስ ሰሎሞን ካምዚ ክብል ይምዕደና ‘ንእሰንትን ብጽሕነትን…. ‘ከም ዋዛ ይሸብብ እሞ ሎሚ ብሸለልትነት ብዝይ ምሕሳብ ዝወሰንናዮ ጽባሕ መረር ፍረ ከይነጥሪ ሎሚ ንጠንቀቕ።

ኣምላኽ ኣብ ላዕሊ ኮይኑ ንሕና ክንጾሮ ዘይንኽእል ከቢድ ጾር አሰኪሙ ‘እስከ ነዚኣ ውጹዋ’ ብምባል ዓቕሊ ዘጽብብ ትእዛዝ ኣየሰክመናን እዩ። የሱስ ክርስቶስ ጎይታና ከምዚ በለ፣ ‘ኣቱም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ እሞ ኣነ ከዕርፈኩም እየ። ኣነ ጾረይ ቀሊል ኣርዑተይ ፈኹስ ልበይ ከአ ትሑት እዩ…’ ክብል ኣዊጁልና ኣሎ።

ኣብዛ እንነብራ ዓለም ክመልከና ዝኽእል ብዙሕ ሓይልን ዓቕምን ከም ዘሎ ኩላትና እንተ ብዓቢኡ ወይስ ብንእሽቶ ተረዲኡና ኣሎ። ርግጽ እዩ ንሕና ኣምላኽ ክፈጥረና ከሎ ምስ ኩሉ ምሉእ ፍቓድ ስለ ዝኾነ በቲ እንመርጾ ምርጫ ብዓሉ ኣይመርጸልናን ወይ ከኣ ብግዲ ከምዚአ እንተዘይገበርኩም ብምባል ብጎንጺ ነታ መግዱ ክንመርጻ ኣየገድደናን።

ኦም ህይወት ወይስ ኦም ሞት ሎሚ ንምረጽ

 
ኣዴና ሄዋን ምስ ኣዳም ኮይኖም ነቲ ብምስሊ ተመን መሲሉ ከስሕቶም ዝመጸ ድያብሎም ድምጹ ሰሚዖም ካብታ ‘ኣይትብልዑ’ ኢሉ ዝአዘዞም ፍረ ኦም በልዑ። ሳዕቤን ናይቲ ምርጭኦም ግና መሪርን ከቢድን ነበረ እሞ ንብዘሎ ትውልዶም መሪር መርገም ኣምጽኡልና።

ኣብ ገነት ኤደን ክልተ ኦም ነበራ። ሓንቲ ህይወት እትህብ እታ ካልአይቲ ድማ ንምርአያ ጽብቕቲ ጥበብ እትህብን ምቅርትን እትመስል ግናኸ መወዳእታ ሳዕቤና መሪር ስለ ዝነበረት፣ ኣዴና ሄዋን በቲ ብጉርሒ ናይ ሰይጣን ዝቐረበላ ምሕባል ተታሊላ ካብታ ፍረ በልዐት እሞ፡ ኣብ ርእሳን ኣብ ኩሉ ወዲ ኣዳምን መርገም ኣስዓበት።

ኣዳምን ሄዋንን ድማ ብሰንኪ እታ ዝመረጹዋ ምርጫ ካብ ገነት ኤደን ተሰጉ፣ ካብ ናብራ ቅሳነትን ባህታን ናብ ናብራ መርገምን ስእነትን ሞትን ሕማምን ከኣ ንኹላትና ዳረጉና።

ሎሚ ክቡር ኣንባቢ ንዓይን ንዓኻን ክከምቲ ናኣዳምን ንሄዋንን ዝመስል ምርጫ ይቐረበልና ኣሎ።

ዓለም ምስ ኩሉ ምዕዛማን ግዝያዊ ጽባቔኣን ቀልብኻ መሲጣ በቲ ብልጭልጭታኣን ዕሙር ደርፋን ባህታ ዝህብ ዝመስል (መወዳእታኡ ሞት ዘምጽእ)፣ ኩሉ ምቁር ዝመስል ግና መርዛምን ቀታልን ድምጻ እናላሳለሰት ተድህየልካ ኣላ።
ግና ኣነን ንስኻን ክንፈልጦ ዘሎና  ግና እቲ ዓለም ኣትህቦ ባህታ  ኩሉ ግዚያዊ ምዃኑ ጥራሕ እዩ። ርግጽ ዘይከሓድ ባህታ ናይ ሓጥያት ንፈለማ የሐጉሰካ ይኸውን፣ ኣብ መወዳእታ ግና መሪር ሳዕቤን ኣውሪሱ፣ ናብ ናይ ዘልአለም ሞት ዝውፍያካ ምዃኑ ግና መጽሓፍ ቅዱስን፣ ተመኩሮ ብዙሓትን ይነግረና እዩ እሞ ሎሚ ምርጫና ክነዐሪ እላበወካ።

መርከብ ኣብ ምድረ በዳ


ኖህ ዝበሃል ጻድቕ ሰብ ኣብ ዘበን ጥንቲ ዝነብር ዝነበረ ሰብ በቲ ሽዑ ደቂ ሰብ ዝገብርዎ ዝነብሩ ሓጥያት ኣምላኽ ንዓለም ብማይ ኣይሂ ከጥፈአ ምስ ደለየ ንሱ ግና ገባር ጽድቂ ስለ ዝነበረ፣ ሞገስ ረኸበ እሞ ካብቲ ክመጽእ ዝነበሮ ደምሳሲ ውሕጅ ምእንቲ ክድሕን መርከብ ክሰርሕ ተኣአዘዘ ብአምላኽ።

መርከብ እሞ ኸኣአ ኣብ ማእከም ምድረ በዳ ምስራሕ ማለት ዘመስል ዘረባ ዕሽነት እዩ። ማይ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ መርከብ ሰርሐ። ንተዓዛቢ ግር ዘብልን መስሓቕ ሰብን ከም ዝኾነ ጥርጥር የለን። ንሱ ግና ሰብ ኩኩ ካብ ዓመጽን ሓጥያትን እንተዘይተፈልዩ መወዳእትኡ ጥፍአትን ምንብርሳን ከም ዝኾነ ስለ ዝፈለጠ ን120 ዓመት ዝአክል ንኹሉ ፍጡር ወንጌል ሰበኸሉ።

ኣቲ ዘሕዝን ግና በቲ ንሱ ዝሰበኾ ስብከት ዝድሓነ ሰብ ኣዝዩ ውሑድ ነበረ። ንሱን ሻምናይ ርእሱን ጥራሕ ደሓኑ። ብዙሓት ማይ ኣይሂ ምህራም ምስ ጀመረ ናብታ ናይ ምድሓን መረከብ ኣትዮም ክድሕኑ ይደልዩ ከም ዝነብረኡ ጥርጥር የለን። ግና ኣታ መርከብ ብደገ ብኢድ ኖህ ዘይኮነትሲ ብኢድ ኣምላኽ ስለ ዝተዓጸወት ከፈቲ ኣይነበረን።

ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ዘበን ኖህ ከምዚ ይብል ‘ኣብ ዘመን ኖህሲ ይበዑን ይሰትዩን የእትዉን የኣአታታትውን ነበሩ። ክሳዕ ኣቲ ኖህ ናብ መርከብ ዝአትወላ መዓልቲ ድማ ናብ ጥፍአት ከም ዝቀረቡ ኣይፈልጡን ነበሩ።

ሎሚ ብተማሳሳሊ ካልእ ዓይነት ናይ ምድሓን መርከብ ተዳልያ ኣላ። እዚ ካብ ናይ ዘልአላም ጥፍአት ዝብጆ መድሓኒ ከኣ የሱስ ክርስቶስ ጎይታና እዩ። ንሱ ነቶም ዝውከሉዎ ኩሎም ካብቲ ዝመጻ ናይ ዘልአለአም ጥፍአት ክብጀወካ ይኽእል እዩ። ርግጽ እዩ ልክዕ ከምቲ ዘመን ናይ ኖህ እዚ ንሰብኮ ዘአኦና ንሰብ ዕሽነት ይመስል እዩ ግና መጽሓፍ ቅዱስ ሕጂውን ‘ሰላምን ደሓንን እዩ ክብሉ ከለው ሽዑ ብደነግት ይመጽእ።’

ስለዚ ውሕጅ ከይመጸ መገዲ ውሕጅ ጽረግ ከም ዝበሃል ሎሚ ብትሕትና ናብ ኣምላኽ ምጻእ።

 
ኣብ ዘበኑ  ኖህ ብዙሓት ኣብ ክንዲ ናብ ጽድቅን ኣምላኽን ገጾም ዝመልሱ ናብ ናብራ ሓጥያትን ዓመጽን ስለ ዘድሃቡ እሞ ኸኣ ካብቲ ግብሮም ክንስሑ ሰለዘይፈቐዱ ግቡእ ፍርዲ ኣምላኽ ተቐበሉ። ነስተውዕል ግና ኣምላኽ ቅድሚ እቲ ፍርዲ ንሚእትን ዕስራን ዓመት ዝአክል ክምለሱን ካብ ሓጥያቶም ክናዘዙን ዕድል ሂቡዎም እኳ እንተነበረ ነዚ ኣየቕለቡሉን።

ሎሚ ኣማልኽ ሳላ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ብብዙሕ ምሕረት ይጽውዓናን ይደልየና ኣሎ። ነስተውዕል ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ፣ ክሳዕ ሎሚ ብህይወት ምንባርና ዘይሙማትና ባዕሉ ሐደ ናይ ምሕረት ኣምላኽ ምልክት እዩ። ከይንመውት ኣምበር ብህይወይ ክነብር ዝተሐደግና ብንስሓን ብጣዕሳን ነቲ ዝበደልናዮ ኣምላኽ ይቕረታ ሓቲትና ውሉዱ ክንከውን ጥራሕ እዩ።

ገሊኦም ግና ነቲ ምሕረት ኣምላኽን ትዕግስቱን ኒዒቖም ካብ ሓጥያቶም ምምላስ ዝአበዩ ኣይወሓዱን መወዳእትኦም ጸልማትን ስቓይን ዋይዋይታን ከም ዝኾነ ግና መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ይነግረና።

እወ ሎሚ ኣምላኽ ነቶም ብንስሓን ብትሕትናን ናብኡ ዘይምለሱ ኩሎም ከም ቀደም ብማይ ኣይሂ ዘይኮነስ ብዝሰካሕክሕ ሓዊ ክፈርዶም ከም ዝኾነ ቅዱስ ጴጥሮስ  ከምዚ  እናበለ ይዘረብ፣ ‘    

ኣብ ዘበን ኣብራሃም ድማ ሎጥ ዝበሃል (ዘመዱ ኣብርሃም) ሰብ ጓሶቱን ጓሶት ናይ ኣብርሃምን ስለ ዝተበአሱ ክልቲኦም ክፋላለዩ ግዲ ኮነ እሞ። ኣብርሃም ንሎጥ ቦታ ክመርጽ ዕድል ምስ ሃቦ በቲ ኣዒንቲኡ ዝረኣዮን ዝመሰጦን ሻኻ ናይ ሰዶም ልቡ ተማሪኹ፣ ብዝይምስትውዓል ጽቡቕ ዝመስል ግና ዘይሰናይ ምርጫ መረጸ። እወ  ንግዚኡ ዝኸውን ንሽዑ ንግዱን ስርሑን ከም ዝዓመረሉ ጥርጥር የለን።

ቁሩብ ጸኒሑ ግና እዚ ሰብ ኣብ ክወጸሉ ዘይክእል ማሕልኻ ተፈንጢሩ ተታሕዘ። ከተማ ሰዶም ሓጥያታ ስለ ዝበዝሐ ብሓውን ድኒን ክትጠፍእ ብአምላኽ ተፈርዳ እሞ፣ ካብቲ ክመጽእ ዝነበሮ ሓውን ዲንን  ነዛ ህይወቱ ንምድሓን ንምሙላቕን ነቲ ንብዙሕ ዓመት ዘጥረዮ ንብረቱን ገንዘቡን ሓዲጉ ናብ በረኻ ተሰደ።

ካብዚ እንመሃሮ ዓቢ ቁም ነገር እንተ ኣልዩ ሎሚውን ጽቡቕ ዝመስል ግና ሓላፊ ንብረት ዓለም ካብቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ሕብረት ዝፈላልየና እንተ ኮይኑስ ንሕና ከም ሎጥ ዘይኮነስ ከም ኣብራሃም ምስ ኣምላኽ ኮይንና ነቲ ንግዚኡ ሕማቅ ዝመስል ግናኸ ዘላአለማዊ ህይወትን ርስትን ንምረጽ።

ሙሴ ዝበሃል ሰብ ባርያ ኮይኑ ክዓቢ ዝግብኦ እኳ ክንሱ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ናይ ግብጺ ዓበየ። ንሱ ግና ልቡን ቀልቡን ምስቶም ብባርነት ዝሳቀዩ ዝነበሩ እሕዋቱን ደቂ ዓዱን ስለ ዝነበረ ካብ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ምስ ኩሉ ሃብትን ዝናን ህቡብነትንሲ ምስ እሕዋቱ ሽግርን ጸበባን ድኽነትን (ደሓር ግና ኣብ ሰማይ ምሉእን ረዚንን ርስቲ) ሓረየ።

እዚ ሙሴ ዝመረጾ ምርጫ ንናይ እዋኑ ተዓዛቢ ዕሽነት ይመስል ይኸውን፣ ግና ታሪኽ ከም ዝሕብረና ሙሴ ከምዚ ንአምላኽ ክኸብር ብምምራጹ ስሞ ገኒኑ ዓብይ ብሰብ ዘይተሓሰበ ኣብ እዝኒ ዘይተሰምዐ በዒንቲ ደቂ ሰብ ዘይተራእያ ረስቲ ንምውራስ በቕዐ።

ሎሚ ክቡር ኣንባቢ ዝላበወካ እንተሎ ሎሚ ምስ ሙሴ ነቲ ዕሽነትን ክሳራን ዝመስል መግዲ ኣምላኽ ክትመርጽ እሞ ብሓይሊ ኣምላኽ መሊእካ ናይ ዘልአለም ህይወት ክትረክብ እዩ።
 
ሎሚ ኣነን ንስኻን ንመርጾ ምርጫ ኣብ ዝመጽእ ህይወትና ዓቢ ግደ ኣለዎ። ሰብ ብዓንተቡኡ ንዘልአላም ክነብር ከም ዝተፈጠረ መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ። ንሕና ብምስሊ ኣምላኽ ስለ ዝተፈጠርና መጀመርታ ደአ እምበር መወዳእታስ የብልናን።

ስጋናን መንፈስናን ይፋላለ እምበር ክንነብር ኢና ንዘላላአልም። ንምላኽን ንቃሉን እንተ ተኣዘዝና ናይ ዘላአላም ህይወት ይወሃበና ምስ ኣምላኽ ከኣአ መንግስቲ ሰማያት ወሪስና ምስኡ ንዘላአለም ክንነብር፣ ንምሕረት ኣምላኽ እቢና ሓጥያት ምግባር እንተ ቀጸልና ግና ናይ ዘላአለም ጥፍአት ስለ ዘሎ ናብኡ ከይንኸይድ ሎሚ ንጠንቀቕ።

ነቲ ጸባብን ቐጣንን መገዲ ጽድቂ እንተ መረጽና ኣብዛ ምድሪ ዕላም ምስ ኣምላኽን ምስ ኩሉ ሰብን፣ ከምኡ ድማ ኣብ እታ እትመጽእ መንግስቱ ክብረትን ጸጋን ረኺብና ክነብር ተዓዲልና ኣሎና።

 

ሴክስ (ርክብ ስጋ)


ሴክስ ሓጥያት ኣይኮነን። ሰክስ ግና ካብ ወጻኢ ሓዳር ዝግበር እንተ ኮይኑ ግና መወዳእታኡ ሕማቕን ሕጊ ኣምላኽ ምፍራስን እዩ። ሎሚ ኣብ ብዘላ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ተጋኒኑ ይንገረሉ ኣሎ።

ሎሚ ስይጣን ሓይሊ ሩካቤ ስጋ (ሴክስ) ስለ ዝፈልጦ ብዘለዎ ሓይሉ ንመንእሰያት ንምጥላፍ ዝተፋላለየ ጥበብ ሚሂዙ ንብዙሓት ከም ዝማረኾም ንዕዘብ። ብሰንኪ እዚ ብዕልግና እዚ ድማ ሕማም ኣይድስ ዝሓዞም ሰብ ኣይወሓዱን። ሴክስ (ካብ ሓዳር ወጻኢ) ናይ ብዙሓት ሓዳር በቲኑ ንዓቢ ኮነ ንንእሽቶ ናአደዳ ጓህን ሓዘንን ከም ዝወፈየን ብሓፈሻ ህይወት ሰብ ከም ዝዘረገ ጥርጥር የለን።
 
ዮሴፍ ዝበሃል በቶም ኣሕዋቱ ከም ባርያ ተሸይጡ ኣብ ሃገር ግብጺ ሰፈረ። ኣብ ትሕቲ ጶጢፋር ዝበሃል ሰብ ድማ ሕለቓ ናይ ኩሉ ቤትን ንብረቱን ገበሮ። ሰበይቲ ጶጢፋር ግና ንዮሴፍ ብዝሙት ክትሃድኖ ሃቀነት። ብዙሕ እዋናት ፈቲናስ ንሱ ግና ጸኒዑ ኣበያ።

ዮሴፍ መልክዑን ቁመናኡን ጽቡቕን ማራኽን ብምንባሩ በዚ ደጋዊ መልክዕ ዝተማረኸት ሰበይቲ ጎይታኡ ዝገበረትሉ ናይ ግብረ ስጋ ጻዊዒት ከይተዓዘመ በቲ ዝቐረበሉ ምርጫ ከይተታለለ ንአምላኽን ሕጉን ኸየዕበረ ካብአ ሃደመ።

ክቡር ኣንባቢ ዮሴፍ ካብ ሓጥያት ክናገፍ ዝኸኣለ ብናቱ ብርቱዕ ጸዓትን ሓይልን ዝይኮነስ ኣብ ውሽጡ ብዝንበረ መንፈስ ናይ ኣምላኽ እዩ። እዚ መንፈስ እዚ ኣብ ውሽጥኻ ሰሪጹ ነቲ ብድያብሎስ ዝቐርበልካ ምሕባልን ምትላልን ተጻዊርካን ሲዒርካዮን ክትከይድ ሓይሊ ክህበካ እዩ።

ዮሴፍ ካብቲ ሰበይቲ ጶጢፋር ዝቐረበሉ ፈተና ምስ ሃደመ፣ ኣምላኽ ንግዚኡ እኳ ክስቀ እንተ ሓደጎ፣ ኣብ መወዳእታ ግና ናብ ንግስነት ናይታ ሃገር ኣብጽሖ። እቲ ንዮሴፍ ቅድሚ አሸሓት ዓመታት ካብ መፈንጠራ ናይ ሴክስ ዘናገፈ ኣምላኽ ሎምውን እንተ ተኣአሚንካዮ ክሕልወካን ንሕስይሊ ሓጥያት ከግዝኢልካን ይኽእል እዩ። ብዘይ ሓገ ኣምላኽ ግና ነዚ ንምግባር ዓቕሚ ኮነ ድላይ የብልካን እሞ ኣብ መፈንጠራ ናይ ድያብሎስ ክትአቱ ቀሊል እዩ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ሳምሶን ዝበሃል መስፍን ሃገር እስራኤል ነበር፣ ደሊላ ብእትብሃል ሰበይቲ ብዝቐረበትሉ ናይ ርክብ ስጋ ስሚዒት ተማሪኹ፣ በታ ብደጌኣ ምልክዕቲ ብውሽጣ ግና መርዛም ሰበይቲ ተዓዚሙ፣ ኣብ ብርቱዕ ክሳራ ከም ዝወደቐ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ።

ደሊላ ንሳምሶን በቶም ጸላእቱ ተዓሲባ ክነሳ፣ እተፍቅሮ ተመሲላ ምስጢር ናይቲ ሓይሉን ምስ ተረደአትን፣ ብድሕሪኡ ከም ዘይጠቕማ ተረዲአ ንዘሰቅይዎ ጸላእቱ ኣሕሊፋ ሃበቶ እሞ፣ ንሳቶም ድማ ከይተዳናጎዩ ኣዒንቱ እዕዊሮም ባርያ ናቶም ገበሩዎ።

ካብዚ እንመሀሮ ዓቢ ቁም ነገር እንተሎ እቶም ሎሚ ፈተወትና ተመሲሎም ዝመሓዘዉና እሞ ኸኣ ካብ ፍርሃት ኣምላኽ ዝፈልዩና፣ ጽባሕ መልክዕናን ጉልበትናን ዓቕምናን ምስ ገሸ ከም ዝጠልሙናን  ታሪኽን መጽሓፍ ቅዱስን ከምኡ ድማ ተመኩሮና ይምስክረልና እዩ።

ሓጥያት ማራኽን ባርያ ገይሩ ከአ ዘውርድን ሓያል መሳርያ ናይ ሰይጣን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እነንብቦ፣ ሳምሶን ትማሊ ኣምላኽ ምሳይ ስለ ዝነበረ፣ ንብዙሓት ጸላእቱ ሲዒሩ ዝተዓወተ፣ ደሓር ግና ብሰንኪ ዘይምትብዑን ካብ ሓጥያት ዘይምህዳሙን ናኣደዳ ጸላእቱ ተወፈየ። ተዋረደ ሓሰረ ባርያ እቶም ትማሊ ዝሰዕሮም ከኣ ኮነ።

ሎሚ ጸላኢ ነፍስና በቲ ናይ ሴክስ ፈታና ብዙሓት ናብ ዘይወጹሉ ዓዘቕቲ ኣትዮም ኣለው። ነዚ ሓይሊ ሴክስን ዓለማውነት ክንብዶሆ እንኽእል ብሓይሊ ኣምላኽ ጥራሕ እዩ እሞ ልብናን ቀልብናን ናብኡ ጌርና ንማህለል።

ኣምላክ ነቶም ዝውከልዎ ኩሎም ኣብ እዋን ጽቡቕና ኣብ ቀረባና ኣብ እዋን ሕስራና  ድማ ዝርሕርሕ ኣምላኽ ኣይኮነን እሞ ሎሚ ነዚ ሰናይካ ዝደሊ ኣምላኽ ምረጽ።

ስለዚ ክቡር ኣንባቢ ሎሚ ዝምዕደካ እንተሎ ልብኻ ናብ ኣምላኽ ገይርካ ነቲ ሓዲግ ሰማይን ምድርን ምእንታይን ምእንታኻን ክብል ጠልጠል ዝበለ የሱስ ክርስቶስ ክትመርጽ እሞ ናይ ዘላአለም ህይወት ክትወርስ ጥራሕ እዩ።

ክቡር ኣንባቢ ንስኻ ሎሚ ንዝመጸካ ጽቡቕ ዝመስል ግናኸ መወዳእታኡ መሪር ዝኾነ ሳዕቤን ዘምጽእ ምርጫ ገዲፍካ እርኑብን ሰናይን ናብራ ኣብዛ ምድሪ እዚአ፣ ከምኡ ድማ ኣብ ሰማይ ናይ ዘልአለም ህይወት ንኽትወርስ ከም ዝከኣለካ ከበስረካ።

የሱስ ክርስቶስ ጎይታና ቅድሚ 2000 ዓመት ኣቢሉ ናብ ምድሪ መጺኡ ኣብ መስቀል ብሙማት ናይ ሓጥያትካ ዕዳ ከፊሉ ነቶም ብስሙ ዝኣምኑ ኩሉም ናይ ዘልአለም ህይወትን ዕረፍትን ከም ዘረስተዮም እሞ ሎሚ ድማ ንስኻ ብምሉእ ልብኻ ብንስሓን ጣዕሳን ንኣምላኽ እንተ ደለኻዮ ንሱ ክርከበልካን ሓድሽ ህይወት ኣብ ህይወትካ ከፊቱ ድማ ውሉዱ ክገብረካን ከም ዝኽእል አረጋግጸልካ።

አምላኽ ምሕረት ክገብረልካ ድሉው እዩ። ንሱ ምሕረት ዝገብረልካ ቀንዲ ንኣንኮ ምኽንያትን የሱስ ክርስቶስ ጎይታና ኣብ መስቀል ብሙማት ዕዳና ስለ ዝኸፈሎ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይነገርና።

እምበኣርከስ ነቲ ብናጻ ዝተዓደለ (ግናኸ ክቡር) ምሕረት ኣምላኽ ሎሚ ንስኻ ካብ ልብኻ ተቐቢልካ  ሓጥያትካ ተኣሚንካ ብትሕትና ብጸሎት ናብኡ ክትቀረብ እሞ መሰል ውልደነት ተቐቢልካ ሓድሽ ናብራ ክትጅምር እዕድመካ።
Ev. Samson Tesfay, London