19
Fri, Apr
0 New Articles

ዚጉህዩ ምጽንናዕ ክረኽቡ እዮም

Message 1
Typography
ዚጉህዩ ምጽንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ ብጽኣን ወይ ሕጉሳት አዮም፣

  “ዚጉህዩ ምጽንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ ብጽኣን ወይ ሕጉሳት አዮም” ማቲ 5።4፣

እዛ ጥቅሲ እዚኣ ካብተን ኣብ ማቲዎስ ተጠቂሰን ዘለዋ ናይ ብጽእና መገድታት ካልኣይቲ ደረጃ ዝሓዘት እያ፣ ከም ቤተሰብ ኣምላኽ ነዛ ጥቅሲ ኣብ ህይወትይኩም ተግባርዊት ጌርኩም ምሱኡ ብዕምቀት ክተመላለሱ ኣምላኽ ኮታ አንተዝድግፈኩም ከመይ ሰናይ ኔሩ፣

ዚጉህዩ ምጽንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ ብጽኣን ወይ ሕጉሳት አዮም፣


ካብቲ ንዓይ ኣዚዩ ዝገርመኒን ዘደንጽወንን ነገር እንተ ሃልዩ ዕቤት ኣምላኽን ህላውነትኑ ብምልኣት ዝለማመደሉ እዋናት ኣብቲ ኣብ ኹቱር ሓዘንን ጓህን ኣብ ዝህልወሉ ጊዚያት እዩ፣ ኣብቲ ናይ ህይወተይ ኣዚዩ ጽንኩርን ኣሸጋርን ህሞት ከይተረፈ ንሱ ኣዚዩ እሙን ኮይኑ ኣብ ጥቓይ ይኸውን፣ ኣነ ኣዚየ ዘርጋገጽክዋ ነገር እንተሃልዩ ኣቦናን ኣምላኽና ኣብቲ እዚና ዝሓዘናሉ ጊዚያትን ልብና ዝተሰብረሉ ሰዓትን ምጽንንዑ ኣባና እምብዛ ከም ዘዕዝዞን ከም ዘብዝሖን እዩ፣ኣብ ዘመን ህይወተይ ዝሓዘንኩለን ጊዜ ኣብ ክልተ ይኸፈላ። ኣብዚ ግዚያት እዚ ከይተረፈ ኣምላኽ ከጸናናዕኒ ርእየ ኣለኹ፣ እዚ ምጽንናዕ እዚ ግና ንዓይ ጥራይ ዘይኮነስ ንብዘለዉ ክርስትያናት እዩ፣

እታ ቐዳመይቲ ዝጋህኹላ ኣጋጣሚ ኣብቲ ብሰንኪ ዝፈጸምክዎ ሓጥያት ምስ ክርስቶስ ዝነበረኒ ሕብረት ምስ ተቓረጸ እዩ፣ ሓጥያተይ ክሳብ ኣብ ውሽጢ ኣምዑተይ ዝፍለጠኒ እዩ ብጓሂ ጣዕ ኣቢሉኒ፣ ኣብ ኣምላኽ ዘለካ እምነት ምድርባይ ኣብ ውሽጥኻ ዝፈጥሮ ጥፍኣት ኣዚዩ ዓቢ እዩ፣ እንተኾነ ካብ ብዝሒ ምሕረቱን ለውሃቱን ዝተላዕለ ዝነበርኒ ርክብ ከሐድሰለይ ርእየዮ እየ፣ ኣነ ብንስሓን ብጣዕሳን ናብኡ ኣብ ዝመጻኹሉ ጊዚያት ንሱ ንዓይ ንምቕባል እዩ ዝጓየይ፣ ምንም እኳ ንህይወት ጎይታና የሱስ ከንጸባርኽ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ይበጽሕ እንተኾንኩ ንሱ ግና ካብ ብዝሒ ምሕረቱ ዝተላዕለን ከምኡ ድማ ለውሃቱ እምብዛ ስለ ዝዓዘዘለይ ኣዚየ ይጸናናዕ፣

“ነእጋረይ ካብ መርበብ ከውጸን እዩ እሞ። የዒንተይ ኩሉጊዜ ናብ እግዚኣብሄር እየን፣” መዝ 25።15፣ “ካብ ጉድጋድ ጥፍእት ከኣ ካብ ረግረግ ጸብሪ ኣውጻኣኒ ኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቖመ ንስጉምተይ ከኣ ኣጽንዖ” መዝ 40።2፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውደቀተይን ኣበሳይን ከምኡ ድማ ካብቲ ባዕለይ ዝፈጠርክዎ ውደቀት እንደገና ተመሊሰ ናብቲ ፍጹም ምሕረተኛ ኣምላኽ ይምለስ እሞ ካብ ወደቀትይ ኩሉ ኣተንሲኡ መሊሱ የጸናንዓኒ፣ ነእጋረይ ካብቲ ንምኽንያት ውድቀት ዝኾነኒ ሓጥያት ኣውጺኡ እንደግና ነእጋረይ ኣዚዩ የጽንዐን፣ እብ 12።1፣

ወለዲ ንውልድኩም ብዛዕባ ሓጥያት ትነግርዎም ዶ? ከም ቤተሰብ ብዛዕባ ሓጥያኣት ትበክዩን ትጉህዩን ምሕረት ትሕቱን ዶ? ነፍሲ ወከፍና መንፈስ ቕዱስ ብዛዕባ ሓጥያትና ክረትዓና እንከሎ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ቀሪብና ጸብጻብ ክንህብ ይግባኣና፣ ሓጥያት ኣብ ህይወትና ሰፈር ረኺቡ ንጉዕዞ ህይወትና ኣብዘ ሰናኽለሉ እዋናት ኣብዚ ሰዓት እዚ ክንበክን ክንሓዝንን ይግባኣና፣

“እምበኣርሲ ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዝጠብቀኒ ሕጊ ኮይኑ ረኸብክዎ፣ ብናይ ውሽጢ ሰበይሲ ብሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ፣ ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዝዋጋእ ናብቲ ኣብ ኣካለተይ ዘሎ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ ናብቲ ኣብ ኣካለተይ ዘሎ ሕጊ ሓጥያት ኣቢሉ እውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ ኣለኹ፣ ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኮን ክድሕነኒ እዩ፣” ሮሜ 7.21።24፣ እቲ መልሲ የሱስ እዩ፣

ኣምላኽ ተስፋ ኣትዩልና እዩ፣ ንኣምላኽ ብጐይትና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ እምበኣርሲ ኣነ ባዕለይ ብሓሳበይ ንሕጊ ኣምላክ ብስጋይ ግና ንሓጢያት ይግዝኦ እለኹ፣ እምበእርሲ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ኩነኔ የብሎምን፣ እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ሕጊ መንፈስን ህይወትን ካብቲ ሕጊ ሓጥያትን ሞትን ነጻ ኣውጺኢኒ እዩ እሞ ንሕጊ ብስጋ ስለ ዝደኸመ ኪገብሮ ዘይከነሉስ ኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢያተኛ ስጋን ከም መስዋእቲ ሓጥያትን ሊእኹ ነቲ ሓጥያተኛ ስጋን ከም መስዋእቲ ሓጥያት ልኢኹ ነቲ ሓጥያት ብስጋ ኮነኖ፣ ኣባና ብመንፈስ እምበር ብስጋ ኣብ ዘይንመላለስ እቲ ድሌት ሕጊ ኸምኡ ኾይኑ ኺምላእ እዩ፣ ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዝሓስቡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዝሓስቡ፣ እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምኻኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኮነሉን ድማ እዩ እሞ ስለዚ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ፣”ሮሜ 7።25-86፣

እቲ ካልኣይ ዝሓዘንኩሉ ኣጋጣሚ ድማ፣ ኣብ ጉዕዞ ህይወተይ ብዝገጠመኒ ዝሐዝን ፍጻሜታት እዩ፣ ኣዚኻ እትፈትዎ ሰብ ብሞት ካባኻ ክፍለየካ ከሎ ኣዚዩ ዘሕዝን እዩ፣ ብፍላይ ድማ እቲ ሰብ ቀረባኻ ኮይኑ ንጐይታ የሱስ ከይፈለጠ ክምውት ከሎ። እዚዩ ዘጉህይ ፍጻሜ እዩ፣ ይኹን እምበር ኣብዚ ጊዜያት እዚ እውን ከይተረፈ እቲ ብሩኽ ሰማያዊ ኣቦይ ብፍቕሩን ምጽንኑዕን ይኸበኒን የጎልብበንን፣ ብዙሕ ግዚ በቲ ዘምለጠኒ እዚዩ ምቹእ ሃዋህው ዝዀነ ክሰርሓሉ ዝግባኣኒ ጊዜ ኣዚየ ይሓዝን፣ ብዛዕባ ምድሓን ብጎይትና የሱስ ምኻኑ ክዛረብ ክፉት ኣፍደገ ተኸፍቱለይ ክነሱ ብሰንኪ ትብዓትን እምነትን ምስኣን ከይተዛረብኩ ስቕ ክብል ክግደደ ከለኹ ልበይ ብጋሂ እምብዛ ይረዝዝ፣ ብዛዓባ እዚ ነገር ድማ ብንስሓ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ ቀረብኩ ኣምላኸይ ምሕረት ጌሩ ሓይሉ ኣዕጢቑ ንዝመጽእ ብዝበለጸ ኽዓዪ ይድግፈኒ፣ ገለ እውናት ድማ ኣሎ ንጎይታ ክምስከረሎም ዘለዎም ሰባት ከምጻለይ ዝሓተሉ እዋናት፣
ቤተስብኩም ዶ ብገለ ጋሂ ሓሊፉ ወይ ይሕልፍ ኣሎ ይኸውን? ምናልባት ናይ ቤተስብ ዘይምቅዳው ሕማም ወይ ሞት ዶ ኣጋጢምኩም ኣሎ? “ንህዝበይ ኣጸናንዑ ኣጸናንዑ ይብል እግዚእብሄር” ኢሰ. 40።1፣

ዝጉህዩ ክጸናንዕ እዮም፣

 ስለምንታይ እዮም እቶም ዝጉህዩ ብጹኣን? ምክንያቱ ኣምላኽ ከጸናንዕም ቃል ስለ ዝኣተወሎም ብሩኻት ወይ ብጹኣን እዮም፣ ንሱ ዝጉህዩ ምጽንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም እዩ ዝበለ፣ እዚ ቐጥታዊ ተስፋ ናይቲ ብሩኽ እቦና ኣምላኽ እዩ፣ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣጸናንዔ ንሽጉራቱውን ክምሕሮም እዩ እሞ ኣቱም ሰማያት እልል በሉ እቲ ምድሪ ተሓጎሲ ኣቱም ኣኽራን እልል እናበልኩም ጨድሩ” ኢሰ 43።13፣ ኣብቲ ብንሳሓን ብጉህይ ልብን ናብ ኣምላኽ መጺኻ ምሕረት ኣብ ዝሓተትካሉ እውን እሞ ድማ ንሱ ይቕረ ምስ በለልካ ኣብ ህይወትካ ገለ ልውጢ ዶ ኣይረኣኻን? ስለዚ ንዘሎና ሓዘን ናብ ሓጎስ ከምዝልውጦ ኣብ ኣምላኽ እምንቶ ደ የብልናንእዩ?

“ምሸት ብብኽያት ይሕድር ንግሆ ግና ብእልልታ ይመጽእ” መዝ 30።5፣ ናብ ጎይትና የሱስ ብጋሂ ኣብ ንመጸሉ ጊዚያት ንሱ ናብቲ ዘግርም ህላውንቱ እዩ ዳግማይ ዝስሕበና፣ ካብ ሓጥያትና ኣንጺሁ ንስብራትና ጸጊኑ ዳግማይ ብህላውንቱ የጸናንዕናን ይፍውሰናን፣ ዝገርም ድ ኣይኮነን ሓዚና ናብ ኣቦና ኣብ ዝመጻናሉ ኣጋጣም ዳግማይ ምጽንናዕ ሂቡ ከሐድሰና?፣ ሃና ብሰንኪ ዘይምውላዳ ዓቢ ጋሂ ልቢ ነርዋ፣ ጋሂኣ ድማ ኩሉ ኣብ ቅዲሚ ኣምላኽ ኣፍሲሳቶ፣ ኢሊ እቲ ኣብቲ እዋን ካህን ዝነበር ድማ ከምዚ ኢልዋ፣ “ሹዑ ኤሊ ከምዚ ኢልዋ ብሰላም ኪዲ ኣምላኽ እስራኤል ድማ ዝለመንክዮ ይሃብኪ” 1ሳሚ 1።17፣ ሃና ድማ ተጸናኒዓ፣ ልክዕ ከምዚ ድማ ንስኻ ንኣምላኽ ምስ እትደልዮ ኣምላኽ ምጽንናዕ ድማ ኣብ ቤተስብካ ሰላምን ቅሳነትን ከስፍን እዩ፣

ቤተሰባዊ ጸሎትን መጽናዕትን

የሱስ ብዛዕባ ናይ ከረን ስብከት ክምህረና ከሎ ንጹር ዝኾነ ዓላማ ኣለዎ፣ ካብዚ ቀጺልና እምበእር ነታ ዝረኣናያ ዚጉህዩ ምጽንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ ብጽኣን ወይ ሕጉሳት አዮም፣ትብል ጥቕሲ ከም ቤተሰብ ብኸመይ እገባብ ኣብ ህይወትና ተግባርዋኢት ክንምገብራ ከምንኽእል ክንዘራረብ ኢና፣

እስከ ሓቢርኩም ብዛዕባ እቲ ፈርሳውይን ተጋውን ኣብ ሉቃስ 18።9።14 ተጻሒፉ ዘሎ ኣንብብዎ፣ ብዛዕባ እቲ ፈርሳዊ ንገዛእ ርእሱ ከመይ ጻድቕ ከም ዝሓሰባ ድማ ተዘራረቡ፣ እንደገና ድማ እቲ ተጋዊ ንገዛእ ረሱ ፈንፊኒ ከመይ ጌሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምሕረት ከም ዝቀረበ ኣስተብህሉ፣ እስከ እዚ ዛንታ እዚ ምስታ ዚጉህዩ ምጽንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ ብጽኣን ወይ ሕጉሳት አዮም፣ትብል ናይ ማቲዎስ 5።4 ጥቅሲ ኣገናዝብዎ፣

እቲ ሓዘንን ንስሓን እቲ ተጋዊ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘምጻሉ ምጽንናዕ ከመይ ዓቢ ምኻኑ ከምኡ ድማ ብኣንጻሩ ትዕብትን ርእሰ ተኣማንነት እቲ ጉቡዝ ፈርሳዊ ኣብ ህይወቱ ዘምጾ ሓዘንን ጋህን ተቐባልነት ምስኣንን ከምይ ከም ዝነበረ እስኪ ከም ቤተሰብ ተዘራረቡ፣

እስከ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጸልማት ዘለዉ ዘይተነስሑ ሰባት ሓቢርኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸሎት ግበሩ፣ ኣምላኽ ብሓይልን ክብርን ኣብ ህይወቶም ጣልቃ ክኣቱ እሞ ህይውቶም ድማ ካብ ግዝኣት ጸልማት ናብ መንግስቲ ፍቑር ወዱ ክትመጽእ ከም ቤተሰብ ሓቢርኩም ብጋሂን ንብዓትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅረቡ፣ ንስኻትኩም እውን ተኾንኩም ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ክጥቀመልኩም ስለ ዝኽእል ድልዋት ኩኑ

እስከ ሕጂ ድማ ኣብ ካልእይ ቆሮንጦስ ምዕራፍ ሓደ ካብ 3-5 ዘሎ ጥቅሲ ኣንብብዎ፣”ኣምላኽ ኣቦ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኩሉ ምጽንናዕ ይባረኽ፣ በቲ ንርእስና እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ኹላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ክከኣለናስ ብጸበባና ዘበለ ዘጸናንዕና ንሱ እዩ፣ ከምቲ ስቓይ ክርስቶስ ኣባና ዝዓዝዝ ዘሎ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ዝኸነልና ምጽንናዕ ይዓዝዝ እዩ፣” እስከ ንቤተስብኩም ምሕዛን ማለት እንታይ ማለት ምኻኑ ሕተትዎም፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይታ ስድራ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ወረቐት ወይ ሰሌዳ ጸሓፍዎ፣ ብድሕሪኡ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ስድራ ቅድሚ ሕጂ ዝሓልፍዎ ጋሂ ወይ ካልኦት ዝተመክርዎ እንተሎ ክዛረብ ዕድል ሃብዎ፣ ብዛዕባ እቲ ግብረመልሲ ዓው ኢልኩም ተዛረቡሉ፣ እምበር ብድሕሪ እዚ ተምክሮኹም ኣብ ጋሂ እንታይ ከምዝመስል ተዘራረቡ፣ብፍላይ ድማ ኣብ ህይወትና ብግልና ዝገጠመና ጋሁን ኣደራዕ ካልኦትን እንታይ ከምዝኾነ ብግልጺ ንዘራረብ፣

ንቤተሰብኩም ኣብ ጊዜ ጋሂና እንታይ ክንገብር ከም ዝግብኣናን ግብረ መልስና ኣብቶም ዝሓዘኑ ድማ እንታይ ክመስል ከምዘለዎ ድማ ንዘራረብ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ስድራ ድማ ስለ የሱስ ኢልና ዝገሃናዮ ጋሂ ምጽንንዑ ኣብ ልዕሌና ከም ዝፈስስ ክትፈልጡ መታን ንዘራረብ፣በዚ ከምዚ መገዲ ድማ ኢና ነቶም ካልኦት ኣብ ሓዘንን ጋህን ዘለዉ ሰባት ከንጸናንዕ ዝግባኣና፣

ኣብ ሮሜ 12።15 እንድሕር ኣንቢብና “ምስቶም ዝሕጎሱ ተሓጎሱ ምስቶም ዝሓዝኑ ድማ ሕዘኑ” እዩ ዝብለና ብጭቡጥ መንገዲ ድማ ንቶም ኣብ ሓዘን ዘለዉ ብኸመይ መንገዲ ክነጸናንዖም ከም ዝግበኣና ንሕሰብ፣ ነቲ ኣምላኽ ምጽንናዕ ድማ እዚና ነመስግኖ፣ እስከ ነቶም ኣብ ሓዘንን መከራን ዘለዉ እንፈልጦም ሰባት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣምላኽ ምጽንናዕ ቀሪብና ንጸልየሎም፣ ምናልባት እቶም ኣብ ጋሂን ስቓይን ዘለዉ ኣሕዋት ዘይኣመንቲ ክኾኑ ይኽእልኩ እዮም ንስኻትኩም ግና ከም ኣምንቲ ቤተሰብ በቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ነገር ኣምላክ ናብ ምድሓን ኣምጺኡ ናብቲ ቡልጽ ምጽንንዕ ክመርሑ ጸልይሎም፣

እስከ ሕጂ እውን ነታ ኣብ 2ቆሮ 7።10-11 ዘሎ ጥቕስታት ንነብቦ “ማለት ጋሂ ከ ፍቓድ ኣምላኽሲ ንምድሓን ዚኸዉን ዘይትጣዓሰሉ ንስሓ የምጽእ ጋሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜምጽእ፣ እንሆ እዚ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝጌሄኩሞ ክንደይ ጸዓት ዘየምጻልኩም ክንደይ ምምጽራይ ዜምጻልኩም ክንደይ ምንጽርጻር ክንደይ ፍርሃት ክንደይ ቅንኣት ክንደይ መግናሕቲ ዘየምጻልኩም በዚ ነገር እዚስ ኩላትኩም ንጹሃት ምኻንኩም ኣርኣኹም”፣ እስከ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ስድራ ሓጥያት መዓረ ክንደይ ሓዘን ከም ዘምጻላ ተዘራረቡ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኻውን ዓለማውን ጋሂ ዘሎ ፍልልይ እንታይ ምኻኑ ተዛተዩ፣ ኣምላኻዊ ጋሂ ኩሉ ጊዜ ናብ ንስሓን ቕድስናን እዩ ዝመርሓካ ዓለማዊ ጋሂ ግና ናብ ጥፍእት እዩ ዘብለካ፣ እታ ቤተሰብ ኩሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓትያታ አናትኣመነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ከምቲ ኣብ ሮሜ 12።1-2 ተጻሒፉ ዘሎ እናጸለይት ክትጋዓዝ  ይግብኣ፣

ጸሎት

ኩቡር ኣቦና ካብ ምሕረትካ ዝተላዕለ ሓጥያትና ይቅረ ካብ በልካልና ሕጂ ድማ ከም ቤተሰብ ገዛእ ረስና ዝተቐደሰን ባህ ዘብል መስዋእቲ ጌርና ንዓኻ ንውፍዮ ኣሎና፣ በጃኻ እዚ ከም ቁዱስ ኣምልኾና ጌርካ ተቐበለና፣ ነዛ ዓለም እዚኣ መታን ከይንመስል ብናታ መገዲ ድማ ከይንኸይድሲ ርድኣና፣ ብምሕዳስ ሓስብና ክንልወጥ እቲ ባህ ዘብል ምሉኡን ሰናይ ፍቓድ ኣምላኽን ድማ ክንፈልጥ ድማ ደግፈና፣ ጎይታ ኣብ ቤተሰብና ብእትፍጽሞ ዘሐጉስን ባህ ዘብል ምጽንናዕካ ነመስግነካ፣

“ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ መንፈስ እግዚእብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ፣ ንስቡራት ልቢ ክዝንን ንምሩኻት ሓርነት ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ፣ ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽን ክእውጅ ንኹሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፣ ኣእዋም ጽድቂ ንኽብሩ ዝኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄር ተባሂሎም ምእንቲ ኪስመዩ ድማ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓሙኹስቲ ዘውዲ ኪደፍኣሎም ኣብ ክንዲ ሓዘን ከ ዘይቲ ሓጎስ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጋሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣከኒ” ኢሰያስ 61።1-3፣ እስከ በዛ ምሸት እዚእ ብዛዕባ እዚእ እናተዘራረብኩም ኣብ ሉቓስ 4።16-21 ዘሎ ጥቅስታት እንቢብኩም ብሓባር ኮይንኩም ጸልዩ፣ ነቲ ኣምላኽ ምጽንናዕ ዝኾነን የሱስ ድማ ኣመስግንዎ፣