20
Sat, Apr
0 New Articles

እቲ ንምሕላወይ ብርቱዕ

Message 2
Typography

ጁሊ እቲ መንእሰይ ወንጌላዊ ቡዙሕ ግዜ በቶም ፈጠርቲ ራዕዲ ወይ ግብረሽበራውያን ናይ ፔሩ ስራሕ ወንጌሉ ደው ከብል ተነጊርዎን ምፍርራሕ በጺሕዎን እዩ። "ካብ ሕጂ ንኘው ምስባኽ ደው ተብሎ እንተ ዘይኮይኑ ትንፋስካ ኣብ ኢድካ ደምካ ኸኣ ኣብ ምድሪ ክንክዕዎ ኢና" በልዎ። እዞም ግብረ ሽበራውያን ከኣ ነቲ ጁሊ ዝሰብከሉ ዝነበረ ቦታ ኩሉ ሓደ ብሓደ ተቖጻጸርዎ።


 

ነቲ ናይቲ ዓዲ ምምሕዳር ከኣ ብናቶም መምርሒ ተክእዎ። ዝኾነ ሰብ ከኣ ምስኦም እንተ ዘይተሓባቢሩን መምሪሕኦም ከኣ እንተ ዘይሲዒቡን ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ከም ተወድቕ ኣዋጅ ኣወጁ።

ጁሊ ግና እዚ ኣዋጅ እዚ ፈጺሙ ኣይዓጀቦን ንክርስትያናት ምትብባዕን ወንጌል ከኣ ምሳባኽን ቀጸለ። ደጊሞም ደጋጊሞሞ ከኣ ኣጠንቀቕዎ። ንመጠንቐቕትኦም ግና ጸማም እዝኒ ሂቡ ውራይ ምስባኽ ወንጌሉ ቀጸለ። ኣብ መጨረሻ ኸኣ በል ሓይልናን ምፍዳይ ሕነናን ከመይ ዓቢ ምዃኑ ከነርእየካ ኢና በልዎ።

ሓደ ግዜ ኸኣ ከም ፈኸርኦም ሓዝዎ። ናብቲ ብዙሕ ህዝቢ ዘለዎ ከተማ ኸኣ ወሰድው። ፍርዱ ክርእዩ ኸኣ ኩሉ ሰብ ተኣከበ። እቶም ግብረ ሽበራውያን ከኣ ፍርዲ ጁሊ ንብዙሓት ክርስትያናት ከፍርሕን ከርዕድን ከም ዝኽእል ዓቢ መጠንቀቕታን መፈራርሕን ከም ዝኸውን ኣመኑ። ንጁሊ ኸኣ ኣእዳውን ኣእጋሩን ኣሲሮም ኣብ ሰድያ ኮፍ ኣበልዎ። ኣብ ዝርእዩኡ ብምሉእ ኸኣ ፈንጂ ወይ ዳይናማይት ዝበሃል ተባራዒ ገበርሉ። ጁሊ ንኽብሪ ኣምላኽ ምስጋና እናዘመረን ካልኦት ክርስትያናት ከኣ ብማዕዶ ንዕኡ ንምድጋፍ እናዘመሩ ከለዉ እታ ናይቲ ተባራዒ ፈንጂ ቓታ ተሳሕበት። ነጎድጓድ ድምጺ እቲ ፈንጂ ኸኣ ብዓውታ ተሰምዐ።

ሹዑ እዩ ሓደ ተኣምራት ዝተራእየ። እቶም ግብረሽበራውያን ጅሊ ዝተርፎ የብሉን ኢሎም ሓሰቡ። እቲ ትኪ ብዘሎ ምስ ጸረየ ኸኣ ዝኾነ ነገር ንምዕዛብ ናብቲ ጁሊ ዝነበሮ ቦታ ኸዱ። ጁሊ ኸኣ ኮፍ ኢሉ ምንም ከይኮነ እንዳዘመረን ንኣምላኽ ክብሪ እንዳሃበን ጸንሖም። እቶም ግብረ ሽበራውያን ዝሕዝውን ዝዛረብዎን ጠፍኦም። በቲ ዝኾነ ነገር ፈርሖም ከኣ እግረይ ኣውጽኒ ኢሎም ሃደሙ። ኩሎም እቶም ክርስትያናት ከኣ እዚ ተኣምራታዊ ሓለዋ ኣምላኽ እዩ በሉ።

ኣምላኽ ንምሕላው ደቁ ብርቱዑ ዝኾነ ኣምላኽ እዩ። ብርግጽ እቲ ናይቲ ትማሊ ኣምላኽ ሎሚ እውን እንተ ኾነ ሓለውኡን ከለልኡን ኣብ ልዕሊ እሙናቱ ፈጺሙ ኣይተቐየረን።እዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና ሓቀኛ ምስክርነት ሓውና ጁሊ ዓቢ መረጋገጺ እዩ።እቶም ጸላእቲ ነዚ ወንጌላዊ መንእሰይ እዚ ንምጥፍኡን ንምድምሳሱን እዮም ተጋዮም። እቲ ዝኽእልዎ ኩሉ ከኣ ጌሮም ንጥፍኣቱ ኸኣ ተጋይዮም። እቲ ንሰብ ኣብ ገጽ ምድሪ ክጥፍእ ዝኽእል መሳርሒ ተጠቂሞም እዉን ቀቲሎሞ ኣዮም። ይኹን እምበር  እቲ መናሰይ ዘምልኾ ኣምላኽ ንምሕላው ቡርቱዑን ፉጡንን ስለ ዝኮነ እንሆ ብህይውት ተሪፉ ንጸላኣቱ ኸኣ ንራዕዲ ኮይኑ።

ጳውሎስ ናይ ክርስቶስ ሃዋርያ እውን ኣብ ጹሑፉ ብዛዕባ ምድሓንን ሓለዋ ኣምላኽን ክዛረብ እንከሎ ከምዚ ይብል "እቲ ስብከት ብኣይ ምእንት ኪምልእ ኩሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኺሰምዑ ግና ጎይታ ቆመለይ ኣበርትዓኒ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ እግዚኣብሄር ካብ እኩይ ግብሪ ዘበለ ኼንናፈን ንኣብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኽኣቱውን ኬድሕነኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘልኣለም ንዘልኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን" 2ጢሜ 4።17-18። ይብል ኣብ ህይወትና እውን ዝረኣን ዘይረኣን ኣዚዩ ብቑጽሪ ቡዙሕ ዝኾነ ሓለዋ ኣምላኽ ሪኢና ኣሎና።

ዘማራይ ዳዊት ኣብ መዝሙር 91።1።2 ከምዚ ይብል "ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዝሓደር ኣብ ጽላል እቲ ኹሉ ዝኽእል ይነብር ንእግዚኣብሄር ጸግዐይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እየ እብሎ ኣለኹ"  ዳዊት ከምዚ ኢሉ ክዝምር እንከሎ ስቕ ኢሉ ግጥሚ ስለ ዝመጾ ወይ ከኣ ጥዑም ዜማ ስለ ዘለዎ ኣይኮንን ዘሚርዎ። ብህይወቱ ተመኪሩ ዝሓለፎ እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ኸኣ እዩ "ብርባርባ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ ኩፉእ ኣይፈርሕን እየ" ዝበለ

ኣብ ኣምላኽ ዘተጸገዐ ሰብ ኩሉ ግዜ ዘይፈርህን ዘይስንብድን መሎኮታዊ ፉጡር ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ ኣብ ፈጣሪ እቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ ስለ ዝተማዕጸነ እዩ። ዳዊት ኣብ ካልእ መዝሙሩ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ድንቂ ዝኾነ ሓለዋ ኣምላኽ ክዝምር ከሎ "እግዚኣኣብሄር ኸውሐይ ዕርደይ መናገፍየይ ኣምላኸይ ዝሃድመሉ ጸግዔይ ዋልታይ ቀርኒ ምድሓነይ ልዕል ዝብለሉ ኸውለይ እዩ። ናብት ሞሳ ዚግብኦ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ እሞ ካብ ጸላእተይ ደሓንኩ" ይብል ኣብ መዝ 18።2-3።

ኣብዛ ቡዙሕ ጥፍኣትን መከራን ዘለዋ ዓለም ተሓሊኻን ብዘይፍርሃት ምውጻኣን ምእታውን ክትክእል ሓለዋ ኣምላክ ክበዝሓልካ ኣለዎ። እዚ ኣንተ በዚሑ ኸኣ ከምቲ ጸሓፊ ናይ ምሳሌ ሰለሙን "ጻድቕ ከም ሽደን ኣንበሳ ይተብዕ ረሲእ ግና ዘፈራርሆ ዘይብሉ ይሃድም" ዝብሎ እቲ ሓለዋ ኣምላኽ ዘልዎ ሰብ ከምኡ እዩ። ኣቲ ምንታይስ "ስም እግዚኣብሄር ጹኑዕ ግንቢ እዩ ጻድቕ ናብኡ ጎይዩ ይዕቆብ" ምሳሌ 18።10 ስለ ዝኾነ እቲ ሚስጥር።

ሓለዋ ኣምላኽ ኣብ ደቁ ብዝተፍላለየ መንገዲ እዩ ዝግለጽ። ሓለውኡ ኸኣ ምስ ክብሩን ምስቲ ንሱ ኣብ ዝምድሪ ክንገብሮ ዘሎና ዕላማ ዝተተሓሓዘ እዩ። እቲ ንረድኤትካ ኣብ ሰማያት ዝተወጠሐ ኣምላኽ ኣሙን እዩ ከም ተባህለ ንዓና ንደቁ ኸኣ ካብ ዝመጽእ ቁጠዐን መግደራ ክሕለዋን ቡቁዕ እዩ።

ንኣብነት ሓለዋ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እስራኤልዋያን እንተሪእና ኣዚና ኢና ንግረም። ኣብቲ ግብጻውያን ንምጭናቖም ብዓቢ ቁጥዓ ኣብ ዝተላዕልሉ እዋን እሞ ኸኣ ኣምላኽ ንከገልግልዎ እንዳለየ ክነሱ እቶም ጨቆቶም ምስ ከልከልዎም። ኣምላኽ ኣብታ ምድሪ ቁጥዓን መረግምን እዩ ኣምጽዩ ኣዚ ኩሉ ጥፋኣት ክኸውን ከሎ ግና እሞ ኸኣ ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣብ ማእከላ ድማ እስራኣኤልውያን ዘለውዋ ሃገር እቲ መርገምን ቁጡዓ ኣምላኽ ከይትንከፎም ሃዲኦምን ዓሪፎምን ይነብሩ ኔሮም።

እዚ ነገር እዚ ናብ ገዛእ ርእስና እንተ ኣምጺናዮ ኣብ ገዛእ ህይወትና ብዙሕ ግዜ ተፈጺሙዩ ኣዩ። ዓለም ብሰንኪ ክፍኣትና ርኽስታን ውሽጣዊ ዕረፍቲ ሲእና ክትናወጽ ኣብ ማእከል ርኽሰት ሃልሃልታ ዕረፍቲ ክትስእን እቶም ሰዓብቲ ኣምላኽ ግና ኣብዚ ኸምዚ ነውጺ እዚ ሓለዋ ኣምላክ በዚሕልና ብሰላም ንነብር ኣልና። ሓልዋ ኣምላኽ ልዕሊ እቲ ንሕና እንግምቶ ዓብን ሰፊሕን እዩ።

ሰይጣን ንሕና በዒንቲ ስጋ ዘይንርእዮ ንዓና ከጥፍእ ዝጥቀመሉ ማንትጋትን ሜላታትን ማእለያ ዘየብሉ ነገር እዩ ግና እቲ ብስውር ውግእና ዝዋጋኣ እምላኽ ኣብ ዝፋኑ ወትር ስለ ዘሎን ስለ ዝነቅሕ ምንም ገይገበረና ብህይወት ንነብር ነዚ ኸኣ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ "ግናኸ እቲ ዜጽናዕኩምን ካብ ክፍእ ዚሕልወኩምን ጎይታ እሙን እዩ" 1ተስ 3።3። ዝበለ

ክንደይ ግዜ ኮን ኢና ጠፊኢና ኣኺልና ኣብ ዝበልናሉ ሰዓት ሓልዋ ኣምላኽ ብፍጥነት መጺልና ብህይወት ደው ዝበልና? ኣምላኽ ኣብቲ ንፍተንሉን ብመከራ እንሓልፈሉ ሰዓት ኩሉ ግዜ እዩ ሓለውኡ ዘብዝሓልና ስለዚ ኸኣ እዩ ብዓቢኡ ናይ ኢሰያስ ምዕራፍ 43 ነዚ ዝዛረብ "ሕጂ ግና እታ ያእቆብ እቲ ዝፈጠረካ ኣታ እስራኤል ድማ እቲ ዝደኮነክ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ተበጅየካ ኣየ እሞ ኣይትፍራህ ብስምካ ጸዋዕኩኻ ንስኻ ናተይ ኢኻ። ብማያት ምስ እትሓልፍ ምሳኻ ክኸውን እየ ብውሒዝ ምስ እትሰግር ከኣ ኣይኬጥሕለካን እዩ ብሓዊ ምስ ኣትኸይድ ኣይክትነድድን ኢኻ ሃልሃልታውን ኣይኪህምዀካን ኣዩ"

ብውሒዝ ከይዳካ ዘይትጥሕል ብሓዊ ከይድካ ዘይትነድድ ብሃልህልታ ከይድካ ድማ ዘትህሞኽሲ ተኣምር ዶ ኣይኰነን? ነዚ ሓቂ እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ህይወቱን ኣብ ህይወት ብጾትን ብዝገጠሞ ሓቂ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ ከምዚ ኸአ ይብል "ኣሕዋተይ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝረኸበና ጸበባ ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ ሓለፋ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበድና ክንሓብኣልኩም ኣይንፈቱን ኢና። ኣብቲ ንምውታት ዜተንስእ ኣምላኽ ኣምበር ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልስ ሞት ከም እተፍርድና ኣብ ውሽጥና ይስማዓና ነይሩ። ንሱ ኻብ ክንድዚ ዚኣክል ሞት ኣድሒኑና የድሕነና ድማ ኣሎ ንዳሕራይውን ከም ዜድሕነና ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣሎና" ይብል 2ቆሮ 1።8-10።

ብመዓልትን ብለይትን ብምሸትን ብቐትርን ኣብ ሃሩርን ቁርን ኣብ ለምለምን ምድረበዳን ኣብ ጽጋብን ጥሜትን ኣብ ጣዕምን ኣብ ራህዋን ሓለዋ ኣምላኽ እምብዛ እዩ ኣብቶም ሰዓብቱን ደቁን ዝዓብን ዝዓዝዝን። መርከብ ኣብ ባሕሪ ማዕበለት በዚሕዋ ክትጭነቕ ከላ እሞ ኸኣ ጠፋእና ኣብ ንብለሉ ሰዓት እቲ ንምሕላውና ብርቱዕ ዝኾነ ኣምላኽ ንማዕበልና ጸጥ ከብል ሓለውኡ ኸኣ ከብዝሑ ኣብ ግዚኡ ሰዓቱ እዩ ዝግለጽ። ኣምላኽ ንምክንኻንን ንሓለዋ ደቁ ካብ ማንም እኳ ድኣ ካብ ትንፋስና ንላዕሊ ቐረባ እዩ። በዚ ኸኣ ኢና ኣዚን ተስፋ እንገብርን እንጸንዕን።

ሓደ ግዜ ኣብቲ ንጉስ ህዝቅያስ ዝነግሰሉ ዘመን ንጉስ ስንካሬብ ዝብሃል ጸላኢ ኣይሁድ ብዘሎ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ብባጫን ብጸርፍን ንህዝቢ ኣይሁድ ክድምስስ መጸ ግናኸ ኣቕደሙ ንጉስ ህዝቅያስ ምስ ነቢይ ኢሰያስ ኮይኑ ሓለዋ ኣምላኽ ሓቲቶም ስለ ዝነብሩ ብሓለዋ ኣምላኽ ተኣማሚኖም ንሰራዊት እዚ ንኣምላኽ ዘይፈርሕ ንጉስ ክገጥምሉ ተዳለው ንጉስ ህዝቅያስ ነቲ ህዝቢ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብሎም "ጽንዑን ትብዑን ካብቲ ምስኡ ዘሎስ ምሳና ዘሎ ይዓቢ እዩ እሞ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶርን ኣብ ቅድሚ ኹሉ እቲ ምስኡ ዘሎ ጭፍራን ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን። እቲ ምስኡ ዘሎ ቕልጽም ስጋ እዩ እቲ ኪረድኣናን ውግእና ክዋጋኣልና ምሳና ዘሎ እግዚኣኣብሄር ኣምላኽና እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ በቲ ዘርባ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሃዴኣ"

ብድሕርዚ ከኣ ወሲኹ እቲ ቓል ከምዚ ይብለና "እግዚኣብሄር ድማ ንህዝቅያስን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩን ካብ ኢድ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶርን ካብ ኢድ ኩሎም ካልኦትን ኣድሓኖም ብኹሉ ወገን ድማ ሓለዎም" እዚ ታሪኽ እዚ ኣብ 2ዜና 32 ኢና እንረኽቦ። ብርግጽ ኣምላኽ ውግእ ህዝቡ ዝዋጋእ ቀቅድሚ ህዝቡ ወጽዩ ኸኣ ንተጻብእቲ ደቁ ዝደቁስ ኣምላኽ እዩ።

ኣምላኽ ምሳና እንተ ዘይነብር ከምቲ ዘመራይ ዳዊት ኣብ መበል 124 መዝሙር ዝበሎ ኣሕዛብ ብህይወት ከሎና ምዋሓጡና ሓርቆቶም ከኣ ኣብ ልዕሌና መፍሰሱ ግናኸ እቲ ንምምንጫት ኣስናኖም ክንከውን ዘይወፈየና እግዚኣብሄር ይባርኽ። ናትና ቃል እውን እዚ እዩ።

ንሕሰብ እሞ ኣምላኽ እንተ ዘይሕልወና ኔሩ ጽላሉ ኸኣ ኣብ ልዕሌና እንተ ዘይጽልል ኔሩ ጸላኢ ጽድቂ ዝኾነ ሰይጣን ብህይወት ከንብረና ምኸኣለዶ ኔሩ? ብፉጹም ግናኸ ኣግዚኣብሄር ከም ሓያል ጅግና ምሳና ስለ ዝኾነ እንሆ እኳ ኣብ ማእከል ሓዊ ከይመኸኽና ኣብ ማእከል ባሕሪ ከይጠሓልና ብሃልሃልታ ባርዕ ከይተሃሞኽና ካብ ሰዓርቲ በሊጽና ንመላለስ ኣሎና። ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ ብንጽህናን ብቑኑዕ ልብን ከኣ ዝስዕብዎ ገዳሞምን ጸግዖምን እዩ። ሰይፊ ሓበኖም ኮይኑ ኸኣ ይነብር።

ዳዊት እቲ መንእሰይ ህዝቡ በቲ ንኣምላኽ ዘይፈርሕ ሓያል ዝመስል ጎልያድ ምስ ተጨነቑ እሞ ኸኣ ቅንኣት ኣምላኽ ቐኒኡ ንዕኡ ንምግጣም ኣብ ዝቐረበሉ እዋን። ንጉስ ሳኦል ብዛዕባ ዳዊት ዓቕሚ ተጠራጢሩ ንኡስ ምኻኑ ምስ ሓበሮ ዳዊት ዝመለሰሉ መልሲ ኔሩ እዩ እሱ ኸኣ ከምዚ ዝብል እዩ "እቲ ኻብ ኢድ ኣንበሳን ካብ ኢድ ድብን ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብዚ ዘይግዙር ፍልስጤማዊ ከድሕነኒ እዩ በለ"1ሳሜ 17።37። ዳዊት ከኣ ነዚ ቡርቱዕ ዝኾነ ሓለዋ ኣምላኽ ኣሚኑ እዩ ነቲ ዓቢ ሓያል ዝመስ ጎልያድ ገጢሙ ግንባሩ ዘንሃሎ። ሎሚ እውን እንተ ኾነ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዝተገተረ ዓቢ ዘፍርሕ እንገጥሞን ነቲ ዘይስገር ከኣ እንሰግሮ ነቲ ሓላዊና ቡሩቱዕ ዝኾነ ኣምላኽ ሓለውኡ ኣብ ልዕሌና ብርቱዕ ምኻኑ ምስ እንኣመንን ምስ እንቕበልን ጥራይ እዩ።

እሞ በዛ ጥቕሲ እዚኣ ክፋነወኩም "እግዚኣብሄር ሓላዊኻ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ። ጸሓይ ብመዓልቲ ወርሒውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ። እግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ክሕልወካ እዩ። ንነፍስኻ ኺሕልዋ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘልኣለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ" መዝ 121።5-8