19
Fri, Apr
0 New Articles

የሱስ ክርስቶስ ተወሊዱ!!! ርሑስ ልደት!!!

Message 2
Typography

 "እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ እያ ስሙ ኸኣ ኣማኒኤል ኪብልዎ እዮም ትርጉሙ ኸኣ ኣምላኽ ምሳና እዩ" ማቴ 1፣23

እቲ ጸልማት ክቕንጠጥ ነቲ ድነ ክገልህ ንሕማም ክፍውስ ደጌታት ገሃነም ክዓጹ ነቲ ምረት ከርሕቕ ተስፋ ከስንቕ ምሕረት ክኸውን ንጸላኢ ክስዕር ሰላም ከበሰር ክብሪ ክኸውን እቲ ወዲ ኣምላኽ መላኺ ኩል ስለ ፍቕሪ ንፍቕሪ ብፍቕሪ ሰብ ኰይኑ የሱስ እወ የሱስ እቲ ሓላል እወ የሱስ እቲ ፈቃር እወ የሱሱ እቲ ደንጋጺ እወ የሱሱ እቲ መሲሕ ኣብ መብልዕ ማል ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ።


 ልደት ትርጉሙ እዚ እዩ። ኣምላኽ ኰን ክንደይ የቅረና ይፈትወና ይሓልየልና እዩ። ስለዚ ምብላዕን ምስታይን ምኽዳንን ምዝላልን ኣይኰነን ልደት። ውህበት ምልውዋጥን ካልእን ኣይኰነን ልደት። ሰለዚ እዚ ኣምር ኣብ ልብና ጌርና ኣብ ሓሳብና ወቒጥና ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበና ህያብ ህይወትና ደጊምና ነቲ ህያብ የሱስ ንሃብ።

ሰላምና ክበዝሕ ሓጐስና ክድንፍሕ መጻኢና ክበርህ ተስፋና ክምላእ ጸልማትና ክቕንጠጠ ንየሱስ ኣብ ልብና ልደት ኰይኑ ከም መብልዕ ማል ክውለደሉ ንፍቀደሉ። ከምቶም ብልደት የሱስ ንኣምላኽ ክብሪ ዝሃቡ መልኣኽቲ ንየሱስ ነኽብሮ። ከምቶም ብልደቱ ዝተሓጐሱ ጓሶት ልብና ብመድሓኒ ይፈሳህ። ከምቶም ህያብ ሒዞም ካብ ሩሕቕ ዝመጹ ንመድሓኒ ህያብ ፍቕርና ህይወትና ንሃቦ። ከምቲ ንየሱስ ብህጻኑ ኣብ ሕቕፍኡ ዝሓቖፎ ስምኦን ንሕና እውን ኣብ ልብና ንሕቖፎ። ከምታ ምድሓን እቲ ህጻን ንኹሉ ዝነገረት ሃና ጓል ፋኒኤል ምድሓኑ ንብዘሎ ንንገር። ከምቶም ብልደት የሱስ ዝተናወጹ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይንናወጽ። ከምቲ ንምስዳድ የሱስ ዝተሃንደደ ሄርዶስ ኣይተሃንደድ። ብልደት የሱስ ክብሪ ክዀነልና ነኽብሮ።

ነዛ ኣብ ጸልማት ኣብ ድነ ሞት ዘላ ሃገርና ብርሃን ክዀነላ የሱስ ኣብ ድርኹኺት ምድርና ክረግጽ ንፍቀደሉ። ሳዕስዒት ጓይላ ጭፈራ መግለጺ ልደት ዘይኰነስ ንልደት ዘሕስር ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ኸኣ ምንዓቕ እዩ። ልደት ንኣምላኽ ነኽብረሉ የሱስ ከኣ ኣብ ህየወትና ዳግማይ ክውለድ እንፈቕደሉ ሰዓት እዩ።

ከምቲ ሓደ ግዜ የሱስ ንምድሓን ሰባት ኣብ ሑሱር ቦታ መብልዕ ማል እተወልደ ሕጂ ኸኣ ደጊሙ ኣብ ሓጺር እዋን እወ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ንኽብርን ንፍርድን ብግርማን ብሓይልን ክግለጽ እዩ። ስለዚ ኣብቲ ናይ ክብሪ ምምጻእ ብኽብሪ ክንግለጽ ሎሚ ኣብ ህይወትና የሱስ ክውለድ ነፍቅደሉ። በዚ ኣጋጣሚ ኣገልግሎት ወንጌል ፈነወ ኤርትራ ማለት መርበብ ሓበሬታ ኤሪ ወንጌል ኤሪ ሆፕን ብስራትን ንኹሎም ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለዉ ኤርትራውያንን ካልእን እንቋዕ ብሰላምን ብደሓንን ናብ በዓል ልደት ኣብጽሓና ርሑስ ልደት ከኣ ይግበረልና ንሃገርና ኸኣ ሰላም የውርደላ ትብል። ኣምላኽ ይባርኽኩም

ኣገልገልቲ መርበብ ሓበሬታ ኤሪዎንጌል