20
Sat, Apr
0 New Articles

እቲ ሓርቢ ማይ ምስ ተወደኣ

Message 2
Typography

ላዕሊ ተጠመተት ሰማይ ታሕቲ ተረኣየት ምድሪ ኮይንዎ ትሕዞን ትገብሮን እዩ ጨኒቕዋ። ጸዊዓ ማንም ክረድኣ ኣይክእልን እዩ። ንረዲኤት ደሊያ እውን ኣለኹልኪ ዝብላ ሰብ ማንም የለን። ንዓኣ ኩሉ ጸልማት እዩ። እታ ሞት ተኾነት እውን ከም ባህጋ ቐልጢፋ ኣይመጸትላን። ኣብ ሓዲግ ሞት ተንጠልጢላ ኸኣ እንትርፎ ምብካይ ካልኣ ኣማራጺ የብላን። ተስፋኣ ኩሉ ሓንቲ ከይተርፎ ተጸንቂቑ እዩ። ስለምንታይ እዚ ኹሉ ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምርኦ ተደቂኑ ካብቲ ዝነበራ ጭንቀት ንላዕሊ ኮይኑ ኣሳቒዋ እዩ።


ሰባት ክሳብ ክንድዚ ድዮም ጨካናት? እሶም ሲ ሰባት እኮ ፍጡራት ደቂ ኣዳም ፈጣሪ ኸኣ ንምንታይ ይጭክን? ኣነስ ፍጥርቱ ዶ ኣይኮንኩን? እናበለት መንፈሳን ልባን ብሓዘን ተሴሩ እዩ። ካብ ኩሉ ጾር ኮይንዎ መዓንጣ ኸብዳ ዘሕርራ ዘሎ ናይቲ ምስኣ ዘሎ ሕንጫል ቆልዓ እዩ። ናተይሲ ዝኾነ ምስ ኮነ ናይዚኸ? እንታይ ቅርስስቲ መዓልቲ ኮን እያ ማህጸነይ ነዚ ዉላድ ድቂ ዝሓዘትላ? እናበለት ንበይና ዓው ኢላ እያ ኣብቲ ምድረበዳ ተጉሮምርም።

እተን ንጉዕዞ ዝነበርኦም ስንቅን ማይን ኩለን ተወዲኣን እየን። ሕጂ ተርፋቶም ዘላ ስንቂ ግና ሓንቲ እያ ሞት። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብዚ ምንም ክግበረሉ ዘይከኣል ሰዓት እንታይ ክገብር እየ? ናበይ ክኸይድ እየ? ነዚ ናተይ ናይ ማህጸነይ ፍረ ኸ ከመይ ኢለ ኣናጋዓረ እናተሳቐየ ስቕ ኢለ ክርእዮ? በቓ ሙማትና ዘይተረፈና ኣቐዲመ ባዕለይ ህይወተይ ዶ ኸጥፍእ? እናበለት እያ እታ ኣደ ምስ ገዛእ ርእሳ ትማጎት።

ኣብ መወዳእታ ግና ሓዳ ሓሳብ መጺላ። እወ በለት ሞት እዚ ቡሩኽ ወደይ ዘፍቀሮ ዉልደይ ከይርኢ ካብኡ ኣሪሒቐ ክኸይድ እይ ኢላ ወሰነት። ኣነ ይፈትወካ እየ የፍቅረካ እየ ኣብዚ ምድረበዳ ኣጻምእ ምንም ዘይብሉ ግና ምንም ክገብረካ ኣይክእልን እየ። እታ እንኮ ክገብራ ዝኽእል ስቓይካ ከይርኢ ጋዓርካ ከይሰምዕ ኣርሒቐ ምኻድ ጥራይ እዩ። ካብቲ ወዳ ሪሒቓ ኸኣ ሞቱ እናተጸበየት ዓው ኢላ ብጋዓር ትበኪ ነበረት። ናታ ነገር ኩሉ ተወዲኡ እዩ። ዓቕማ ዘፍቀዶ ዘበለ ኹል ኸኣ ጌራ እያ ግና ኣይተዓወተትን። ኣብዚ እዋን እዚ ሓይላ ሓንቲ እያ ንሳ ኸኣ ገዓር ብኽያት እዚ ኸማን ክሳብ እተን ዘለወኣ ሓይሊ ዝጽንቀቓ። እቲ ቖልዓ እውን ካብ ገዓር ኣይቃረጸን ኣብ ኣፋፊት ሞት ኮይኑ ትልኽ ይብል ኣሎ።

ኣብዚ ኸምዚ ናይ ጸልማትን ናይ ምረትን ሰዓት ግና ሓደ ተኣምር ተፈጥረ። ነዛ ኣደን ወድን ከኣ ኣብዚ ህሞት እዚ ዘድልዮም ዝነበረ ተኣምር ጥራይ እዩ። ኣብ ሰማይ እዚ ዝፋኑ ምድሪ ኸኣ መርገጺ እግሩ ዝኾነ ኣምላኽ ድምጺ እቲ ቆልዓ ሰመዓ። ካብ ሰማይ ከኣ ናይ ተስፋ ናይ ኣጆኺ ዝብል ናይ ምጽንናዕ ቃል መጸ። እዚ ንዓኣ ሕልሚ እዩ። ኣብ ዘይተጸበየቶ ሰዓት ኣብ ነገራታ ዘሞተሉ እዋን ኣለኹልኪ ዝብል ጉሩም ድምጺ። ልዕሊ ማንም ሰብ ኣብ ጎንኺ ክኸውን መጽየልኪ ኣለኹ። ሞት ዘይኮነስ ህይወት ክሰርዓልኪ መጽየ እኒኩ በላ። እቲ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ። መዓስ እዚ ጥራይ ነዚ ንሞት ትጽበዮ ዘለኺ ቆልዓ ዓቢ ክገብሮ እየ ስለዚ ተንስኢ ሕቖፍዮ ኣልዕልዮ ደግፍዮ በላ። ኣብቲ ምድረ በዳ ከኣ ኣምላኽ ሰማይ ዓይኒ ማይ ኣንተዓላ ካብኡ ቐዲሓ ኸኣ ኣስትየቶ። ሞት ከኣ ኣብኡ ኣብቲ ምድረበዳ ብዓወት ተሳዒራ ዝባና ሂባ ሃደመት።

ኩቡራት ሰማዕትና እዚ ዛንታ እዚ ጸውጽዋይ ዘይኮነስ ሓቀኛ ፍጻሜ ናይ ቃል ኣምላኽ እዩ። እዚ ታሪኽ ዛንታ ናይታ ኣጋር እትብሃል ግዝእቲ ሳራ ሰይቲ ኣብርሃም ዝነበረት እዩ። ሓደ ግዜ ኸኣ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኢሳቕን እስማኤልን ደቂ ኣብርሃም ብዝተፈጸመ ባእሲ ሳራ ንኣጋር ካብ ገዘኣ ምስ ኣብረረታ ዝተፈጸመ ታሪኽ እዩ። ምንም እኳ ኣብርሃም ንኣጋር ክከላኸለላ እንተፈተነ ኣምላኽ ግና ከምቲ ሳራ ዝበለቶ ክገብር ምስ ኣዘዞ ሓርቢ ማይ ኣሸኪሙ እዩ ክትከይድ ኣዚዝዋ። ኣምላኽ ጨካን ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ ንኣጋር ኣብ ምድረበዳ ሓደ ዓቢ ትምህርቲ ክምህራ ስለ ዝደለየ እዩ እዚ ኹሉ ዝተፈጸመ።

ብፍላይ ሕጂ እስከ ናብ ገዛእ ርእስና ንምጻእ። ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ዝገጥመና ስቓይን ብድሆን ኣደራዕን ማእለያ ዘይብሉ ዓቢ ምኻኑ ኩላትና ንሓልፎን ንርእዮን ኣሎና። ምድረ ሰማይ ልኩት ኢልካ ትጭነቐሉን ሞት ትምነየሉን ካዕቦ ትነብዓሉን ሰዓት ሒደት ኣይኮነን። ካብ ምጉርምራም ሓሊፍካ ኸኣ ስለምንታይ ብዝብል ሕቶ ተመሊእካ ኣብ ምድረበዳ ኮለል ትብለሉ ሰዓት ማእለያ ዘይብሉ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ እቲ ፈታኒ ጸላኢ ጽድቅን ኣምላኽን ዝኾነ ሰይጣን ኣብዚ ኸምዚ እዋን ኣብ ኣእዛንካ ሕሹክ እናበለ ዘስምዖ ናይ ተስፋ ቑርጸት ቃላት ኣዚዩ ቡዙሕ እዩ። ክንደይ ሳዕ ኮን እዩ ዝተጸጋዕካዮ ዝጠለመካ? ተስፋ ዝገበርካሉ ኸ ሃደሽ ዝበልካ? ወርግ ክንደይ ሳዕ እዩ ይኾነኒ እዩ ኢልካ ዝሓዝካዮ ከምቲ ንኣጋር ዝተወደኣ ዝተወዳኣካ? እስከ ንጽበጽብ ክንደይ እዋን ኢና ህይወት ትርጉም ዘይብላ ኾይና ኣናተሰማዕትና እሞ ሞት ዝበሃግ?

ሎሚ ግና ተስፋ ኣሎ ብርግጽ ከመይ ዘይህሉ። እቲ ንኣጋር ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ኮይኑ ዝጠመታ ኣምላኽ ሎሚ እውን ተኾነ ንዓካ ንዓይ ንዓኺ ክጥምት ሓይልን ዓቕምን ኣለዎ። ንኣምላኽ ዝፈልጥ ሰብ ብፉጹም ብዘይተስፋ ኣይኮነን ተስፋ ኣለዎ። እንሓልፎ ጎደና ህይወት ኩሉ ኣምላኽ ሓደ ብሓደ እዩ ዝርእዮ። ስቓይና ቃንዛና ዝስምዓ ኣምላኽ እዩ።

ኣብ ኣእምሮ ሰባት ስለምንታይ ከምዚ ወይ ከምቲ ዝብል ሕቶ ኣሎ። ነዚ ማንም መልሲ የብሉን። እቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ ግና ኣለዎ። እዛ እንነብረላ ዘሎና ምድሪ ተስፋ ተጸንቂቑ ምድረ በዳ ኮይናትሉ ዘላ እዋን ኢና ንነብር ዘሎና። ሓቂ እዩ ተስፋ ዝመስል ነገር ግና ዘይኮነ ተስፋታት ግና ማእለያ የብሉን እሱ ኸኣ ኣርተፍሻል ስለ ዝኾነ ክጽንቀቕ ናይ ግድን እዩ። ሰባት ተስፋ ይኾነኒ እዩ ዝበልዎ ነገር ካብ ምግባርን ተስፍኦም ካብ ምምላእን ዓዲ ኣዎኣሉን የግድስ ኣዚ እውን ኣየከይድን እዩ። ኣብዛ ከምዚኣ ዝኣመሰልት ምድሪ ግና ንጸልማት ከብርህ ንሞት ብህይወት ክስዕር ንነገራት ክገላብጥ ዝኽእል መሎኮታዊ ዝኾነ ሓይሊ ኣሎ እዩ። እወ ሓይሊ ኣምላኽ።

 ኣብዛ እዋን እዚ ኣበየናይ ናይ ምድረበዳ ህይወት ኣለኹም? ላዕሊ ጠሚትኩም ሰማይ ታሕቲ ሪእኹም ምድሪ ኮይንኩም ትሕዝዎን ትጭብጥዎን ጠፍእኩም ኣብ ሕንፍሽፍሽን ኣብ ድንግርግር ዝበለ ህይወት ኣቲኩም ምፍጣርኩም ኣጽሊእኩም ወይ ኣነ እናበልኩም ምስ ፈጣርን ገዛእ ርእስኹምን ተማረሩ ሰባት ኣምላኽ ካብ ሰማይ ክርእየኩም ተዳሊዩ ኣለ እሞ ኣጆኹም።

ሓደ ጊዜ ዳዊት ዘማራይ ንዝነበሮ ኩነታት ብኸምዚ ገሊጽዎ “መኣሰር ሞት ከቢቡኒ ወሓይዝ ብልያል ከኣ ኣሸቢሩኒ መኣሰር ሲኦል ከቢቡኒ መፈንጥራታት ሞት በጺሑኒ ነይሩ” ንሕሰብ እሞ  ዳዊት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ መከራ ወዲቑ ከም ዝነበረ። በቃ እሮማይ ኣኺሉኒ እዩ ኣብዝ በለሉ እዋን ግና ሓደ ነገር ጌሩ እስከ ንቐጽል ንባብና “ብጸበባይ ግና ናብ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ ናብ ኣምላኽ ኣእዌኹ ንድምጸይ ካብ መቕደሱ ሰምዖ ኣውያተይውን ናብ ቅድሚኡ ኣብ ኣእዛኡ ብጽሔ” መዝ 18፣4-6።

ኣጋርን ወዳን እውን ከምኡ እዮም ጌሮም ጊዒሮም የእውዮም ኣምላኽ ከኣ ሰሚዕዎም። ሎሚ ናብ ሰባት ኣእዊኻ ኣይተስማዕኻን ትኸውን ንረድኤት ሓቲትካ ተነጺግካ ትኸውን እቲ ክትገብሮ ዝግበኣካ ኩሉ ፈቲንካ ኢኻ ግና ኣይሰለጠካን። ሕጂ ሓንቲ እወ ሓንቲ ተሪፋትካ ናብ ኣምላኽ ሰማይ ገዓር ናብኡ ጠምት ንዕኡ ጸውዕ ንሱ ኸኣ መልሲ ኣለዎ። ንዳዊት ዝሰመዐ ኣምላኽ ከመይ ንዓኻ? ኣብ ጸልማት ብርሃን ይኹን ዝበለ ኣምላኽ እዩ እሞ ንጸልማትካ ከብርህ ንሕቶኻ ክምልስ ዓቕሚ ኣለዎ።

እሰከ ናብ ኣጋር ንመለስ ኣምላኽ ስለምንታይ እዩ ንኣጋር ኣብ ምድረበዳ ከርተት ክትብል ዝፈቐደ? ብዙሕ ግዜ ንሕና ተኾና እውን ስለምንታይ ኣምላኽ ኣብ ህይወተይ እዚ ክኸውን ፈቒዱ ንብለሉ እዋን ዉሑድ ኣይኮነን። ኣምላኽ ዘሕልፈና ጎደና ግና ኹሉ ጸሊኢና ወይ ኣንጻርና ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ ሓደ ኩቡር ነገር ካባና ከውጽእ ስለ ዝደለየ ጥራይ እዩ። ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ከም ምኽሩ ኸኣ ዝተጸዉዑ ኩሉ ነገር ንሰናይሞ ከምዝድግፎም ንፈልጥ ኢና ይብል እቲ ቓል። ብዝተፈላለየ ጎደና ህይወት ክንሓልፍ ከሎና ካብኡ ኩቡር ነገር ከምዘሎ ኣምላኽ ይፈልጥ እዩ። ምላንባት ካብ ብዝሒ መከራናን ስቓይናን ዝተላዕለ ነቲ ብሰንኪ እዚ ዝመጽእ በረኸት ኣይንርእዮን ንኸውን ኣምላኽ ግና ዝገብሮ ዘበል ኹሉ ይፈልጦ እዩ።

እወ እዋናት ኣሎ እዩ ኣምላኽ ብዛዕባና ግዲ ዘይብሉ ዝመስል። ኣምላኽ ዝባኑ ሂቡና ዝረሰዓና ኩሉ ነገር ሕውስውስ ዝበለና ሰዕት እውን ኣሎ። ኣብዚ ኹሉ እዚ ግና ኣምላኽ ይርኣየና እዩ። ኣምላኽ ክንዮ መከራናን ገዓርናን ዝርኢ ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ እምንቶና ኹሉ ኣብኡ መታን ክንገብር ዘሕልፈና ጎደና ኣለዎ እዩ።

 ሎሚ ብምንታይ ትሓፍ ወይ ትሓልፊ ኣለኻ/ኺ ኣምላኽ ክንዮ እዚ ኩነታት ሰናይ መደብን ተስፋና ከምዘሎ ኣይትረስዕ ኣይንዝነግዕ። ካእቲ ዝድለ ሓደ ነገር እዩ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ኣብኡ ተስፋ ምግባር ጥራይ። እቲ ንረዲኤት ኣብ ሰማያት ዝተወጠሐ ኣምላኽ ከምቲ ናይ ትማሊ ሎሚ እውን ህያው እዩ።

ብዛዕባ ኣጋር ካብ ኣልዓልና ሓደ ጊዜ እውን ኣብ ህይወታ ዝተፈጸመ ታሪኽ ኣሎ እዩ። ሓደ ግዜ ኣጋር ግዝእቲ ሳራ ካብ ኣብርሃም ምስ ጠነሰት ኣብ ልዕሊ ሳራ ብትዕቢት ተላዕለት እሞ ሳራ ኸኣ ካብ ገዛ ኣባረረታ ኣጋር ከኣ ብውርደት ካብ ሳራ ሃደመት። ኣጋር ከኣ ኣብ ዓቢ ውረደት ወደቐት ኩሉ ነገር ከኣ ጸበባ።

መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ይብለና ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ኣብ በረኻ ረኸባ። ንሱ ድማ ኣቲ ኣጋር ግዝእቲ ሳራይ ካበይ መጺኺ ናበይ ከ ትኸዲ ኣለኺ በላ። ንሳ ኸኣ ኣነ ኻብ ቅድሚ እመበአተይ ሳራይ እህድም ኣለኹ በለት። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ናብ እመቤትኪ ተመለሲ ኣብ ትሕቲኣ ድማ ትሕት በል በላ…..እግዚኣብሄር መከራኺ ሰሚዑ እዩ እሞ ሱሙ እስማኢል ኣውጽእሉ” በላ ድሕሪ እዚ ኣጋር ዝተዛረበቶ ሓደ ጉሩም ዝኾነ ዘረባ ኣለ “ንሳ ድማ ነቲ ዝርእየንስ ኣብዚዶ ርእየዮ እየ ኢላ ስም እቲ ንኣኣ እተዛረባ እግዜኣብሄር  ኣታ ዝርኢ ኣምላኽ ኢሉ ኣውጽኣትሉ።

እወ ዝርኢ ኣምላኽ። ኣብቲ ስበ ዘይርእየካ ዝርኢ ጎይታ ኣብቲ መከራኻ እዋን ኣለኹ ዝብ ኣምላኽ። እናታ ነገርካ ከቢዱ ኣምላኽ መዓስ ኮን እዩ ዝርእየኒ መዓስ ኮን እዩ ነገረይ ዝውዳኣለይ ትብል ሰብ እትጥመተሉን እትሕሰበሉ ሰዓት ርሑቕ ኣይኮነን እሞ ኣጆኻ። ዝጸልመተ እንተጸልመተ ዝመረረ እንተመረር ዝኸበደ እንተኸበደ እቲ ካብ ሰማይ ኣንቆልቂሉ ዝርኢ መድሓኒ የሱስ ክጥመተካ እዩ ሰዚ ተስፋኻ ኣብኡን ብኡኡን ይኹን።

ጽባሕ እንታይ ክኸውን እየ? እምበርከ ክሓልፈልይ ድዩ? ዝብላ ቓላት ኣብዚ እዋን እዚ መውጺ ኣፍና ኾይነን ኣለዋ። ብዙሑ ግዜ ብዛዕባ ጽባሕ እንርእዮ ራኢ ኩሉ ጸልማት እዩ። ከመይሲ ተከቢብናሉ ዘለና እዋን ናይ ጸልማት ጊዜ ስለ ዝኾነ እንተ ኾነ ሕጂ እውን እብል ኣለኹ ነቶም ኣብ ኣምላኽ ዝተጸግዑ ሰባት ንጽባዕ እውን ዓቢ ቡርቱዕ ድሙቕ ተስፋ ኣሎ።

ነቲ ርሱዕ ዝዝክር ነቲ ዉዱቕ ዘተስእ ነቲ ሑዙን ዘጸናንዕ ተቲ ዱርብይ ዘልዕል ነቲ ነዳይ ዝሓሊ ኣምላኽ ኣሎ። ኣብዚ ግዜ ኸኣ እቲ እንኮ ዘዋጽእ ነገር ኣብኡ ተስፋ ምግባር ጥራይ እዩ። ኣብ ኣምላኽ ተወኪሉ ዝሓፈረ ንሱሙ ጸዊዑ ኸኣ ዝኸሰረ ብፉጹም ማንም ይሎን። ኣምላኽ ዝርስዕ ገፋዒ ኣምላኽ ኣይኮነን’ ሓቂ እዩ እንሓልፎ ጎደና ኹሉ ጎደና መከራ ስለ  ዝኾነ ነዚ ምቕባል ክኸብደና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ኣምላኽ ብዛዕባና ግዲ ይብሎ እዩ። ንነግርና እውን መኸተምታ ክገብርሉ ይክእል እዩ ጥራይ ንኣምላኽ ሃድእና ንጸበዮ።

ዳዊት ዘማራይ ከምዚ ኢሉ ኣሎ “ንእግዚኣብሄር ተዐጊሰ ተጸቤኹዎ ንሱውን ናባይ ደኒኑ ኣውያተይ ሰምዔ። ካብ ጉድጋድ ጥፍኣት ከኣ ካብቲ ረግረግ ጸብሪ ኣውጽኣኒ ኣእጋራይ ኣብ ከውሒ ኣቖሙ ንስጉምተይ ኣጽንዖ ሓድሽ መዝሙር ምስጋና ንኣምላኽና ኣብ ኣፈይ ኣንበረ ብዙሓት እዚ ርእዮም ኪፈርሁ ናብ እግዚኣብሄር ኪዉከሉ እዮም” መዝ 40፣1-3።

ኣብ ካልእ ናይ ዳዊት መዝሙር ከኣ “ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ ንሱእውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም ካብ ጸልማትን ድነ ሞትን ኣውጽኦም መቐዉሖም ከኣ ሰባበረ ምሸጎር ሓጺን ሰባቢሩ እዩ እሞ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን ስለቲ ንድቂ ሰብ ዝገብሮ ታምራቱን የመስግንዎ” መዝ 10ዝ 13-16። ብርግጽ እዚን ጥቕስታት እዚኣተን ኣምላኽ ከመይ ረዳኢ ኣምላኽ ምኻኑ መረጋገጺ እዩ። ሎሚ ኣብ ውሽጢ መከራና ኮይና ድምጽና ዓው ኣቢልና ናብቲ ከኣሊ ኹሉ ዝኾነ ኣምላኽ ምእዋይ ኣይንሕደግን ኣይነቃርጽን። ኣብኡ በይኑ ጥራይ እዩ ተስፋ ዘሎ እወ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ እዩ እት እንኮ መፍቲሒ ዝርከብ። ኣምላኽ እዩ ፍትሒ ንጩንቓት ቅንዕና ኸኣ ንድኻታት ዝገብረሎም እሞ ደኣ ነዚ ፈሊጥና ኣብኡ እንተ ተወከልና ተስፋና ኹሉ እውን ኣብኡ ተገበርና እንታይ ክሳራ ኣለዎ ድዩ?

ተስፋና እሙንቶና ሓበና ኩርዓትና ንኣምላኽ ንግበሮ። ሹዑ ተስፋና ከም ጸዓይ ደሚቑ ክንርኢ ኢና። ኣቱም ብእግዚኣብሄር ተስፋ እትገብሩ ኣጆኹም በርትዑ ልቡኹም ቀጥ ይብል ተባኢሉ ከም ዘሎ ንሓልፎ ዘሎና ጎደና ህይወት ብዘየገድስ ተስፋን መፈጸምታን ከምዘሎ ፈሊጥና ተስፋና ኣብ ኣምላኽ ነጽንዕ። ንሱ ኣብቲ ምዱብ ጊዜ ክራየና እዩ። ኣብቲ ምድረበዳንና ኸኣ ዓይኒ ማያት ከንተዕልና እዩ። ረዲእIአት ሰብ ኩሉ ከምንቱ ኣዩ ንሓጺር ጊዜ ጥራይ ከኣ እዩ ዘሳሊ ናይ ኣምላኽ ሓገዝን ረዲኤትን ግና ዘልኣለማዊው እዩ።

ድሕሪ ምድረበዳ ለምለም ሻኻ ድሕሪ ጸልማት ከኣ ብርሃን ከምዘሎ ኣይንዘንግዕ። እዚ ሎሚ ንሓልፎ ኹሉ እቲ ኣብ ሰማይ ኮይኑ ዝርኢ ኣምላኽ ምስ ረኣየና ከም ዘይነበረ ክንርስዕ ኢና። ሎሚ ዝኸበብና ደም ዘንባዓና ነገር ጽባዕ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢላና ክንዕልልን ክንሕጎስን ኢና ስለዚ ትውክልትና ኹሉ ኣብቲ ናይ ሰማይ ኣምላኽ ይኹን።