25
Thu, Apr
0 New Articles

ጥርይ ድፍኣዮ

Message 2
Typography

ሓደሰብኣይ ኣብ ዓራቱ ተገምሲሱ ከሎ ገዝኡ ብብርሃን መልኣ ኣምላኽ ድማ ተራእዮ። ኣምላኽ ድማ ነቲ ሰብኣይ ሓደ ዕዮ ክዓየሉ ከምዝደለዮ ነገሮ። እቲ ሰብኣይ ድማ ኣምላኸይ ይዓየልካ ጥራይ ንገረኒ በሎ። ኣምላኽ ድማ  ኣብቲ ጥቓ ገዝኡ ሓደ ኣዚዩ ገዚፍ እምኒ ነበረ እሞ ንዕኡ ብዘሎ ሓይሉተጠቂሙ ክደፍኦ ነገሮ። እቲ ሰብኣይ ድማ ፍቓደኛ ዀይኑ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ መዓልታዊ ክደፍኦ ጀመረ። ንኣዚዩ ብዙሕ ዓመታትድማ ካብ ንግሆ ዕራርቦ ክሳብ ጸሓይ ትዓርብ ነቲ ዘይንቅሳቐስ ከቢድ ዝዀነ እምኒ ደፍኦ። ንገዝኡ ክምለስ ከሎ ብድኻምን ጥሜትንተሰኒፉ እዩ ዝመጽእ። እቲ እምኒ ስለ ዘይንቀሳቐስ ድማ ጉልበቱ ግዜኡ ንኸንቱ ዝባኸነ ኰይኑ ይስምዖ። እቲ ሰብኣይ ኣዚዩ ተስፋቐረጸ እምብዛ ተሓለለ። ሰይጣን እቲ ኸሳሲ ድማ መጺኡ ሕሹኽ በሎ “ ንስኻ ነዚ እምኒ ክትደፍኦ ካብ እትጅምር ግዜ ዓሪቡካ ግናክሳብ ሕጂ ኣይተንቀሳቐሰን” እቲ ሰብኣይ ነዚ ድምጺ ምስ ሰመዐ መሊሱ ተሓለለ እሞ እቲ ዝገብሮ ዘሎ ከም ዘይከውን ስቕ ኢሉዝህውትት ከም ዘሎ መሰሎ። ሰይጣን ደጊሙ “እንታይ ገድሽካ ብዘሎ ሓይልኻን ግዜኻን ተባኽን በቃ ምድፋእ ድፍኣዮ ግና ብዘሎሓይልኻ ዘይኰነስ በበቑሩብ ግበሮ” በሎ 


 

እቲ ሰብኣይ ከኣ እዚ ሓሳብ ኣዚዩ ግሩም ሓሳብ እዩ ኢሉ ተቐበሎ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ድማ ወሰነ። ቕድሚ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ምፍታኑ ግና ብጸሎት ነቲ ዝኣዘዞ ኣምላኽ ክሓቶ ወሰነ “ ኣምላኽ ኣብቲ ንስኻ ዝበልካኒ ኣገልግሎት ንነዊሒ እዋን ብዝከኣለኒ ሓይሊ ኹሉ ደኺመን ጽዒረን ክሳብ ሕጂ ግና ነታ እምኒ ሓንቲ ስድሪ እኳ ከንቀሳቕሳ ኣይከኣልኩን እንታይ እዩ እቲ ጸገም ኣበይ እየ ወዲቐ” ኢሉ ኣምሪሩ ሓተቶ ኣምላኽ ድማ ብፍቕሪ ከምዚ ክብል መለሰሉ “ ወደይ ንዓይ ኣገልግለኒ ምስ በልኩኻ ፍቓደኛ ዀንካ ኣነ ድማ ነቲ እምኒ ብዘሎ ሓይልኻ ድፍኣዮ ኢልካ ንስኻ ድማ ሓራይ ኢልካ ተኣዚዝካኒ። ሓንቲ መዓልቲ እኳ ትኹን ነቲ እምኒ ኣንቀሳቕሶ ኢለካ ኣየልጥን እየ። ኣነ ክትደፍኦ ጥራይ እየ ኣዚዘካ። ሕጂ ናባይ መጺኻ ዝገበርካዮ ኹሉ ፍረ ከም ዘይብሉ ንኸንቱ ምኻኑ ትነግረኒ ኣሎኻ። ግና እቲ ሓቂ ንሱ ድዩ? እስከ ንግዛእ ርእስኻ ረኣያ፣ ቐላጽምካ ኣዚዩ ሓይሉን ጠንኪሩን ኣሎ፣ ሕቖኻ ኣዚዩ ደልዲሉ ኣሎ። ኣእዳውካ ንስራሕ ኡቑዕ ኰይኑ ኣሎ። በቲ ዝገጠመካ ብድሆታት እምብዛ በርቲዕካን ደልዲልካን ኣሎኻ። ሓቂ እዩ ነቲ እምኒ ኣየንቀሳቐስካዮን ግና ጻዊዒትካ ነቲ እምኒ ክትደፍኦ እዙዝ ምዃን እዩ። እዚ ድማ ንዓይ ኣሚንካ ኣብ ጥበበይ ተወኪልካ መታን ክትዕቢ እዩ። ወደይ ሕጂ ነቲ እምኒ ባዕለይ ከንቀሳቕሶ እየ።

እዚ ስእላዊ ዝዀነ ዛናታ ኣብ ህይወት ዝምህረና ነገር ኣሎ እዩ። ኣምላኽ እቲ ንሱ ዝደልዮ ክንገብር እዩ ዝደልየና። ኣምላኽ ሓደ ነገር ክነገብር ክእዘዘና ከሎ ልዕሊ ዓቕምና ክንገብር ኣይሓተናን እዩ። ኣምላኽ ድማ ነቲ ዝብለና ክንገብሮ ኣሜን ኢልና ብእምነት ክንእዘዞ እዩ ዝደሊ፣ እቲ ዝተረፈ ኩሉ ናይ ኣምላኽ እዩ። ሃውርያ ጳውሎስ ነዚ ኣጠቓልል ኣቢሉ ኣብ 1ቆሮ 3፣6-9 ‘ኣነ ተኸልኩ ኣጵሎስ ኣስተየ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ። 7 - እምብኣርሲ እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዕብሱ የብሎምን። 8 - እቲ ዚተክልን እቲ ዜስትን ሓደ እዮም ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ። 9 - ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።” ስለዚ ካብዚ እንርዶኦ ኣማኒ ግብኡ ክገብር ጥራይ ከም ዝተጸውዐ እዩ። ብዙሕ ኣዋን እቲ ኣምላኽ ክንዓሞ ዝደልየና ኣገልግሎት ክንገብር እንከሎና ኣብ ጉዕዞና ዘጋጥሙ ማእለያ ዘይብሎምብድሆታት እዮም ዝመጹ፣ እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣብ እዋን ኣገልግሎትና ዝመጹ ነገራት ኣብ ህይወትና ክልተ ዝዓይነቱ ውጺት ከምጹልና ይኽእሉ እዮም እቲ ቐዳማይ ኣሰኒፎም ካብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዕማም ክፈልዩና ወይ ድማ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዕማም ብዝግባእ ዓሚምና ፍረ ዘለዎ ውጺት ከነምጽእ። ብሕጽር ዝበለ እምብኣር ከምቲ ኣምላኽ ዝበለናን ዝደልየናን ክንከውን እዩ ፍቓድ ኣምላኽ።

ኩሉ ግዜ ከምቲ ኣምላኽ ዝደልየና ኣገልግልት ከነገልግል ከሎና ሰይጣን ብዝከኣሎ መጠን ከም ዝዋጋኣና ክንፈልጥ ይግባኣና፣ ብዙሕ ግዜ ኣገልግሎትና ኣድማዕነት ዘይብሉ ፍረ ኣልቦ ግዜሩ ከርእየና ይኽእል እዩ፣ እዚ ዓይነት መርዚ ኣብ ኣእምርኦ ብዙሓት የእትዩ ኣብቲ ኣምላኽ ዘይደልዮም ቦታ ክጋየዩ ኣሞ ኸኣ ንኻልኦት ዕንቅፋት ኰይኖም ብዘይፍረ ዝገበሮው ዉሑዳት ኣይኰኑ ስለዚ ውዲት ከነለልዮ ይግባኣና። ኣምላኽ በቲ ንዕኡ እንቅርቦ ኣገልግሎት ክንእደና እንተ ኸይኑ ካብቲ ንሱ ዝኣዘዘና ከይወጻና ከምቲ ዝበለና ክንገብር ከሎና እዩ እምበር ከምቲ ንሕና ንደልዮ ክንጐዪ እይኰነን። ፈረ ኣገልግሎትና ብመመዘኒ ኣምላኽ ከምዝምዘን ድማ ኣይንስሓት። ሎሚ ኣብቲ ኣምላኽ ዝደልየካ ቦታ ኣገልግሎት ተቐሚጥካ ክነስኻ ብዙህ ፍረ ዘይረኣኻ ሰብ ተስፋ ዘቑሩጽ ምኽንያት የብልካን ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ምብቃል ናይ ኣምላኽ ስራሕ እምበር ናትና ስራሕ ስለ ዘይኰነ። እዚ ሎሚ ንሕና እንዓጽዶ ዘሎና ፍረ ቀደመ እቶም ናይ እምነት ኣቦታትን ሃዋርያትን ዝዘርእዎ ግና ብየዒንቶም ዘይረኣይዎ እዩ ነዚ እዩ ኣብ መጽሓፍ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንደቂ መዛምርቱ ከምዚ ዝበሎም “ሓደ ኸም ዚዘርእ ሓደ ኻልእ ከኣ ከም ዚዐጽድ በዚ እዚ ዘረባ እዚ ሓቂ እዩ እሞ እቲ ዚዐጽድ ውዕለቱ ይቕበል እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ ኸኣ ንዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ። 38 - ኣነ ንኣኻትኩም ኣብ ዘይጸዐርኩምሉ ኽትዐጽዱ ለኣኽኩኹም። ካልኦት ጸዐሩሉ ንስኻትኩም ኣብቲ ጻዕሮም ኣቶኹም።” ዮው 4፣36-38 ኣብ እብራውያን 11፣ እውን “ጀካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ኸይበጽሑስ ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሐይሽ ስለ ዝሐለየ እዚኦም ኲላቶም ብእምነት ተመስኪሩሎም ዘሎ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን።” እብ 11፣39 ስለዚ ከምቲ ንሕና እብቲ ብእምነት ዝዘርእዎ ፍረ ተቓደስቲ ዀይና ብበረኸት ንነብር ዘሎና ሎሚ እውን ንሕና ኣብቲ ኣምላኽ ዝተቐመጥናዮ ቦታ ተቐሚጥና ንመጻኢ ዝኸውን ፍረ ክንፈሪ ኣይንተሓለል።

ንዝክር እንተዀይና እኒ ጳጥሮስን ብጾትን ምሉእ ለይቲ ዓሳ ክገፉ ሓዲሮም፣ ምንም ዓሳ ግና ኣይረኸቡን። እኒ ጳጥሮስ ዓሳ ዘይምርካቦም ናቶም ጉድለት ወይጥፋኣት ኣይኰነን ናይ እኒ ጳኤጥሮስ ሓላፍነት መርበቦም ዘርጊሖም ዓሳ ምግፋፍ እዩ ኣብዚ ከምዚ እዋን ግና የሱስ መጺእዎም ከምዚ ድማ ኢልዎም “ዘረባኡ ምስ ወድኤ ኸኣ ንስምኦን ናብቲ ዓሚቚ ቅርብ በል እሞ መርበብኩም ንምግፋፍ ደርብዩ በሎ።” ግብረ መልሲ ጳኤጥሮስ እንታይ ኔሩ “ስምኦን ከኣ መምህር ለይቲ ብምልእታ ጽዒርና ዝሐዝና የብልናን” ኣዚ እሞ ሕጂ ናባና ነምጻዮ። ብዙህ ግዜ ኣብ ውሽጢ ኣገልግሎት ኣምላክ ከነግልግል ከሎና ከምዚ ዝዓይነቱ ምኽንያት ነቕርብ ኢና፣ እዚ ኹሉ ጐየ ጺዒረ ፍረ ኣይረኸብኩን፣ ንምንታይ ይደክም? ንምንታይ ግዜይ ዘባኽን? ሓቂ ንምዝራብ ኣዚ ኩሉ ግዜ እንደጋግሞ ቓላት እዩ። ከምዚ ብምባልና ኣምላኽ ዝሕጐስ ከይመስለና ከምይሲ ብዛዕባ ዕዩ ሓላፍነት ዘለዎ ኣምላኽ እምበር ንሕና ኣይኰናን ናትና ሓላነት ከምቲ ኣቀዲምና ዝበልናዮ ጀላቡና ምድርባይ እዩ እቲ ዓሳ ዘምጽእ ኣምላኽ እዩ። ጴጥሮስ ዋላ ስለ ምፍታን ኢሉ እካ እንተ ፈተነ ግና ተዓዊቱ ኣብታ ቐዳመይቲ ምኽንይቱ ጥራይ ኰፍ ኣይበለን እቲ ቓል ወሲኹ ከምዚ ይብለና “ብቓልካ ግና ነዚ መርበብ እድርብዮ ኢሉ መለሰሉ። 6 - እዚ ምስ ገበሩ ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ሐዙእቲ መርበቦምውን ተቐደ። 7 - ነቶም ኣብታ ኻልኣይቲ ጃልባ ዘለዉ ብጾቶም ከኣ መጺኦም ኪድግግዎም ኣመልከትዎም። መጺኦም ድማ ንኽልቲኤን ጃልባ ጥቓ ምጥሓል ክሳዕ ዚቐርባ መልእወን።” ኣምላኽ ምብቃልን ምፍራይን ግዲኡ እዩ እሞ ብእምነት ጥራይ ነገልግል

እቲ ዝዓብየ ዘይምእምን ብዝዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ዕማም ምጭናቕ እዩ። ኣምላኽ መተዓይይቱ ዀይን በረኸት ክንዓጽድ ስለ ዝደልየና ኣይ ኣኣብቲ መንፍስው ግራቱ ዘዋሳኣና ኣምላኽ ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ ገለ ከም ዝጨነቖ ኢድ ሰብ ኣይተገልግሎን እያ። ንሱ ብመንፈሱ እዩ ዝግልገል ብስጋ ኣይኰነን ስለዚ ድማ ባዕሉ ብምልኣት እዩ ብዛዕባ እቲ ዕዩ ሓላፍነት ዝወስድ ስለዚ ንሕና ደገፈቲ ኣምላኽ ከም ዘይኰና ንፍለጥ። ንዝክር እንተ ዀየና ሓደ ግዜ ዳኢት ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ የርሳሌም ከእትዎ ከሎ እቲ ታቦት ክወድቕ ምስ ደለየ ዕዛ ክድግፎ ምስ ሓሰበ ኣይተቐዝፈን ድዩ። እምብኣር እንታይ ክብል ደልየ እየ ብዛዕባ ስራሕ ኣምላኽ ክንጭነቕ ዘይኰና ተጸዊዒናስ ኣብ ስራሕ ኣምላኽ ከምቲ ዝተባህለና ዀይና ክንሰርሕ እIዩ ተነጊርና። ስለዚ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ እታ ቐዳመይቲ ክንፈልጣ ዘሎና እምብኣር ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣምላኽ ቐዳማይ ሓላፍነት ዝወስድ ኣምላኽ እዩ። ካባና ንላዕሊ ብዛዕባ ስራሕ ኣምላኽ ግዲ ዝብሎ ንሱ ባዕሉ ኣምላኽ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሕና ሻንብቆ መተሓላለፍቲ ምኻና ኣይንዘንግዕ። ኣኣብ ኤፌሶን ክዛረብ ከሎ “10 - ፍጡራቱ ኢና እሞ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና።” ኤፍ 2፣10 ዑት ዝበሃል ኣገልግሎት ኣብቲ ኣምላኽ ዝበለካ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዘካ ኰንካ ምግልጋል እዩ።

ካልእ ክንፈርሖ ዘሎና ኣብ ኣገልግሎትና ብዙሕ ፍረ ስለ ዘይፈረና ዘይኰነስ እቲ ግቡኡና ኣምላኽ ዝበለና ከይገበርና ሸለል ምባልና እዩ፣ ኣብ 2ዜና 29፣11 “ኣቱም ደቀይ ንዕኡ ከተገልግሉ እሞ፣ ኣገልገልቱ ዀንኩም፣ ዕጣን ክትዓጥንሉ፣ ኣብ ቅድሚኡ ደ ክትብሉ፣ እግዚኣብሂር ንዓኻትኩም ሓርዩ እዩ ኣሞ ሕጂስ ሸለል ኣኣይትበሉ” ይብለና ኣብ ኤርምያስ እውን ነቲ ዕዮ ኣምላኽ ሸልል ዝብሎ ርጉም ይኹን ተባሂሉ ትጻሒፉ ኣሎ። ስለዚ እምብኣር ኣብቲ ኣምላኽ ዘቐመጠና ኣገልግሎት ሸለል ምባልና እንመጾ ፍረ መሪር እዩ እሞ ንጠንቐቕ። ካህን ኤሊ ንዕዮ ኣምላኽ ሸልል ስለ ዝበለ እዩ ክብሪ ኣምላኽ ካብ ቤቱን ሃገሩን ዝጠፍኣ፣ “ኣብ መሰውእየይ ብኸንቱ ሓዊ ኸይተንድዱስ ደጌታት ዚዐጹ ኾታ ኻባኻትኩም ሓደ እንተ ዝህሉ። ኣነ ኣይሕጎሰልኩምን ካብ ኢድኩምውን ገለ መስዋእቲ ኣይቅበልን እየ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 11- ስመይ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ዓብይ ስለዝኾነ ስመይ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ኣብ ኣህዛብ ዓብዩ እዩ እሞ ኣብ ኩሉ ቦታ ንስመይ ዕጣን ይዐጥኑ ንጹህ መስዋእቲ ድማ የቕርቡ ይብል እግዝዚብሄር ግይታ ሰራዊት። 12- ንስኻትኩም ግና መኣዲ እግዚኣብሄር ረኺሱ ረባኡ እቲ ምግቡ ሕሱር እዩብምብላክም ተርክስው አሎኹም። 13- ንስኻትኩምውን ኣየ ኽንደይ ድኻምን ትብሉ ኡፍ ድማ ትብሉሉ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ተዘምተን ሓንካስን ሕሙምን ተምጽኡ ከምኡ ጌርኩም መስዋእቲ ተቕርቡ። እሞኸ ነዚዶ ኻብ ኢድኩም ክቕበሎ እየ ይብል እግዚኣብሄር። 14- ኣነ ዓብዩ ንጉስ እየ ስመይ ድማ ኣብ ኣህዛብ እተፈርሄ እዩ እሞ እቲ ኣብ መጓሰኡ ተባዕታይ ዘለዎ ተምባጺዑ ኸአ ንእግዚኣብሄር ጎደሎ ዚስውኣሉ ጠባርስ ርጉም ይኹን ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።”ሚል 1፣10-14

ካልእ ክንፈልጦ ዘሎና ከምቲ ኣቀዲምና እውን ዝበልናዮ ኣብ ሽጢ ዕዮ ኣምላኽ ኣብ እንዋሳእሉ እዋን ብዙሕ ዘዕይነቱ ፈተናን ተቓውሞን ከምዘሎ እዩ። ግና ክንርድኦ ዘሎና ዕይዮ ንኣምላኽ እምበር ነቲ ዝገጥመና ኩነት ወይ ንሰብ ስለ ዘይኰነ ጸኒዒና ኢና ክንዓዪ ዝግብኣና፣ ብዙሕ እዋን ኣብ ደንበ ኣገልግልት ፈተናን ክበጽሓና ኸሎ ንድሕሪት ንኽንምለስ እንፍትነሉ እዋን ዉሑድ ኣይኰነን፣ ዕርፊ ትስክሙ ዝኸይድ ንድሕሪት ዝኸይድ ወይ ዝምለስ ድማ ወዲ መዝሙር የሱስ ክኸውን ከም ዘይበቅዕ ቃሉ ሓቢሩና ኣሎ። እቲ ንሰብን ንኻልእንናኢሉ ዘገልግሉ ክሳብ ዉሱን ቦታ እዩ ዝኸይድ እቲ ኣምላኽ ኢሉ ጥራይ ዘገልግል ግና ክሳብ እቲ ኣምላኽ ክበጽሖ ዝደሊ ቦታ እዩ ዝኸይድ። ኣገልግሎትና ምስ ኣምላኽን ምስቲ ዝበልናን ዝተኣሳሰር ክኸን ኣለኦ እምበር ምስ ሰባት ዝተተሓሓዘ ክኸውን የበሉን። ኣብቲ ሰባት ዘይተቐበሉኻ እዋን ምግልጋል ይከኣል እዩ። ኣብቲ ከቢድ ኩነታት ምግልጋል ይከኣል እዩ ከመይሲ “መንፈሰይ እምበርብኽእለትን ብሓይልን ኣይኮነን ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ኣታ ዓብዩ ኸረን መን ኢኻ ኣብ ቅድሚ ዙሩባቤል ጎልግሎ ክትከውን ኢኻ። ጸጋ ጸጋ ንእኡ እናተባህለ ኺጭደር ከሎ ነቲ እምኒ ርእሲ ኸውጽኦ እዩ ኢሉ ነገረኒ።” ዝብል ኣብ ዘካርያስ 4፣6-7 ተጻሒፉ ስለ ዘሎ እወ ዕዮ ኣምላኽ ብመንፈስን ብጸጋን እምበር ብስጋን ብሓይልን ኣይኰነን። ነዚ ኢና ድማ ወትሩ ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ክንውከልን ክንጽጋዕን ዝግባኣና። ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ምውዳቕን ምትንሳእን ከም ዘሎ ኣይንዘንግዕ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ከም ዘሎ ንዘክር እዚ ነገራት እዚ መመሊሱ ናብ ኣምላኽ እናቕረበ ዕዉት ዝዀነ ተሞክሮ ዝመልኦ ኣገልግሎት ከነገልግል እዩ ዝገብረና።

ኤርምያስ ናብ ኣገልግሎት ነቢነት ምስ ተጸወዖ እናትይ እዩ ዝበለ ኣነ ድኣ እሞ ንእሽቶይ እንድየ ኣምላኽ እንታይ ኢልዎ፣ ኣነ ምሳኻ እየ ኢሉ እዩ መሊስሉ እምብኣር እቲ ኣገዳሲ ኣምላኽ ምሳና ምህላዉ እምበር መንነትና ኣይኰነን። ኣብ ኣገልግሎትና ኣድማዕነት ዝህልዎ ንሕና መን ብምኻና ዘይኰንስ ኣምላኽ ምሳና ምህላዉ እዩ። ካልእ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓቢ ንእሽቶይ ዝብሃል ኣገልግሎት የሎን ዓቢ ንእሽቶይ ዘብልካ ጽፍሒ ኣገልግሎትካ ዘይኰነስ ተኣማንነትካን ተኣዛዝነትካን እቲ ኣምላኽ ዝበለካ ምግባርካን እዩ። ኣምላኽ በዚ  መዐቀኒ ዓቂኑ እዩ ዝንእደካ። ክሳብ ክንደይ ኣገልጊልካ ኣይከነን እቲ ሕቶ ክሳብ ክንደይ ነቲ ኣምላኽ ዝበለካ ብተኣማንነት ዓሚምካ እዩ እቲ ቑምነገር። ስለዚ ነቲ ንኣገልግለቱ እሙናት ክንክውን ብዘሎ ጸግኡ ሓይሉ ዝሃበና ኣምላኽ ኣብቲ ንሱ ዝደልየና ዕዮ ክንዋሳእ ጸግኡ የብዝሓልና። በዛ ጥቕሲ ክፋነወኩም “እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸውዓኩም ኬበርትዓኩም ኪስርተኩምውን እዩ። 11 - ንዘለኣለም ኣለም ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።”