26
Fri, Apr
0 New Articles

መለኮታዊ ሕቶታት ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?

Message 2
Typography

1.   ዘፍ4*9፡ Ï"እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየል፡ ኣቤል ሓውካ፡ ኣበይ ኣሎ? በሎ።÷" ክቡር ክርስትያን ነዚ ጽሑፍ እዚ ከመይ ገይርካ ኢኻ እተንብቦ ዘለኻ? ቀደም ንቃየል ከምእተባህለ ጥራይ ዶ? ቃል ኣምላኽ ህያው እዩ፡ እብ4*12 እሞ፡ ሎሚ ድማ እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ንዓይን ንዓኻን ይሓተና ኣሎ። እዛ ኣቤል ሓውኻ እትብል፡ ኣነ ግና ---------------- ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ኢልካ ከተንብቦ እምሕጸነካ ኣለኹ።

ቃል ሓቂ ናይ ምድሓንካ ወንጌል ብእኡ ሰሚዕካ ብእኡ ናብ እምነት ዝመጻእካ ሓውኻ ሕጂ ኣበይ ኣሎ? መቸም ብዘይሰባኺ ኣይኣመንካን ፡ ሮሜ10*14-17፡ 1ቈረ3*5።

እቲ ዝንገር ቃል ምእንቲ ክርደኣካ፡ ስሌኻ ዝነብዐን ዝጸለየን፡ ንስኻ ኣብዚ በጺሕካዮ ዘለኻ ደረጃ ክትበጽሕ ምሳኻ ግዜኡ ዘጥፈኤ፡ መንፈሳዊ ምኽርታትን ኣእምራዊ ምዕዶታትን እናለገሰ ብመጠን እታ ዝበጽሓ ንምልኣትካ ዝተጋደለ ፡ ሕጂ ኣበይ ኣሎ? መገዲ ቃየል ዲኻ ሒዝካ ዘለኻ? ኣነ ግና እብለካ ኣለኹ፡ እቶም ቅዱሳንሲ ኣድጊ እንተጠፍኦም እኳ ይጭነቁ እዮም። 


ሓቀኛ ኣምልኾ ዘፍለጠካ፡ እግዚኣብሄር ብእኡ መንፈሱ ዝመልኣካ፡ መን እዩ? ሕጂ ከ ኣበይ ኣሎ? ንስኻ ኸ ኣበይ ኣለኻ? ምዘን ኣምላኽ ቅኑዕ ሚዛን እዩ ዝፈቱ እሞ፡ ዕድሜኻ ምእንቲ ክነውሕሲ ቅኑዕን ድልዱልን ሚዛን

 ደኣ ይሃሉኻ። እትገብሮ ፍለጥ ቃየል ብዛዕባ ሓው ዝመለሶ ኣንቢብናዮ ኣለና።

እቲ ህያው ሰብ ግና ክቡር ስለዝኾነ ክቡር ሓሳብ ይሓስብ እዩ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ እዩ እሞ፡ ስለዚ ህያው እየ ትብል እንተኮይናካ፡ ከም ቃየል ኣይክትከውንን ኢኻ። ኣነ ዝሓተካ ዘለኹ፡ ዝመስከረልካ እሞ፡ ብእኡ ናብ እምነት ዝመጻእካ ሰብ ሕጂ ኣበይ ኣሎ? ዶኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ? በርናባስ ግና ንዘይመስከረሉ ግን ከኣ ሓዉ፡ ብክርስቶስ መዋርስቱ ስለዝኾነ ጥራይ ነቲ ደሃይ ዘጥፈኤ ጳውሎስ ደለዮ፡ ሳላ ዝረኸቦ ከኣ ንብዙሓት ንበረኸት ምኽንያት ኮነ። እንሆ እኳ እቲ በረኸቱ ኣርኪቡልናስ ሃናጺ መልእኽትታቱ ነንብብ ኣሎና፡ ግ.ሃ11*25-26። እሞ ኸ ግዲ እቲ ዝመስከረልካ ናብዚ እምነት እዚውን ዘምጽኣካ ዘይምግባርካ፡ በርናባስ ክኹንነካ እዩ ይብለካ ኣለኹ። እቲ ዘመን ምሕረት ኣብዚ ምድሪ እዚ ክሳዕ ዘለኻ እዩ። ናብታ ዘይትምለሳ ምስ ከድካ ግና መዓልቲ ፍርዲ ጥራሕ ኢኻ እትጽበ፡ እብ9*27፡ እምበኣርሲ ደሓርይካ ምእንቲ ክጽብቅ ሕጂ ነዚ መለኮታዊ ሕቶ መልሶ።

 እከለ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? እወ ኣምላኽ ንዕኡ በጥ ኣቢሉ ሕቁኡ ኣርጊጹ ዘስገረካ ኣብቲ ዓሚቕ ሩባ ዮርዳኖስ ደው ኢሉ ማያት ዮርዳኖስ ናብ ኣዳም እተበሃል ስፍራ ዝኾመረልካ ንስኻ ሳላ ደው ምባሉ ዝሰገርካ፡ ሕጂ ኣበይ ኣሎ? መዝ66*10፡ እያ3*10-16፡ ንስኻስ ሳላ ዘስገረካ ጸባ ማዓርን ትሰቲ ኣለኻ፡ እቲ ስሌኻ ንብዓት ዝተቀለበኸ ብሓቂ ኣምላኽ ስለ ዝምሓሮ ደኣ እምበር፡ ከም ኤጳፍሮዲጦስ ንምግልጋል ቅዱሳን ክሳዕ ኣብ ሞት ዝበጽሐ ሕጂ ኣበይ ኣሎ? ፊሊ2*25-30፡

ከም ኣቢጋይል መስተውዓልቲ ንኹን ነቶም ብጾምን ብጸሎትን ቀጽርና ዝኾኑ ብፍቅሮም ዘሞቁና ከም ሕያወይቲ ኣደ ኮይኖም ዘፋጡኑና ዘዕበዪናን ዝነበሩ ሕጂ ሃለዋቶም ንግበር፡ ናባል ክንክን ናይ ዳዊትን ሰቡን ዝረስዐ ሰብ ነበረ፡ እንታይ ከምዝበጽሖ ከኣ ንፈልጥ ኢና። ግዲ እቲ ዝመስከረልና ዘይምግባርና፡ ሃለዋት ናይቶም ኣብ ጸበባና ጸቢቦም መናብዕትና ዝነበሩ ዘይምግባርና ብሓቂ እንታይ ውሬታ ንመልሰሎም ኣሎና?

ጻማ ናይ ክርስቶስ ምዃንካ ትፈልጥ ዲኻ? እሞኸ ጻማኡ ክትከፍሎ ዲኻ? እምበኣርሲ ክርስቶስ በቲ ዝመስከረልካ ሰብ እዩ ዘሎ፡ ብእኡ እንተዘይህሉ ዶ ደኣ ብኢድ ሓውኻ መንፈስ ቅዱስ ምተቀበልካ ይመስለካ ኣሎ? ነቢ ዳኒኤል ዘክርዎ ብዛዕባ ሕልሚ ንጉስ ባቢሎንን ትርጉሙን ክመጻሎም ዝጸለዩ ኣርባዕተ ነበሩ፡ ኣምላኽ ግና ንዳኒኤል ገለጸሉ፡ ብምኽንያት እቲ ምግላጽ ዳኒኤል ልዕል በለ፡ እሞኸ ነቶም ሰለስተ ዝረስዖም ዶ ይመስለኩም ኣሎ? እቲ ጽሑፍ ግና፡ ዳኒ2*49፡ ð"ዳንኤል ንንጉስ ለሚኑ፡ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞም።÷" ይብል እዩ እሞ፡ ከቶ ኣይረስዖምን። ንጉስ ዳዊትውን፡ ነፍሰይ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፡ ምስ በለ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኩሉ ከኣ ኣይትረስዒ ይብል። ስለ ዘይረስዐ ከኣ፡ ኣቢጋይል ኣብ ጸበባኡ ዝገበረትሉ ዘከረ። መገዲ ኩላ ምድሪ ክከይድ ከሎ ከኣ ደቂ ባርዚላይ እቲ ጊልዓዳዊ ዝገበርሉ ዘከረ እሞ፡ ምሕረቱ ኣርኣዮም፡ ከክብሮም ድማ ንንጉስ ሰሎሞን ምሕጽንታ ሃቦ። 1ሳሙ25*1-42፡ 1ነገ2*7። እምበኣርሲ ሓደ እኳ መንፈስ ኣምላኽ ኣሎኒ ዝብል እንተሎ፡ ኣምላኽ ውዕለት ኣይርስዕን እዩ እሞ፡ ንሱውን ክርስዕ ኣይግብኦን እዩ፡ እብ6*9-10። ብሓቂ ሰብ ብክርስቶስ ዝኾነ ህይወት እንተደኣ ኣልያቶስ ክቡር ነገር ክሓስብን ክገብርን እዩ።.......

1.2. ስውር ውድቀት፡- ራእ2*4-5፡ †"ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻ እሞ፡ እዚ ረኺበልካ ኣሎኹ። እምበኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቅኻ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቀዳማይ ግብሪውን ግበሮ።´" ይብል። ኣብዚ ስፍራ እዚ፡ ስውር ውድቀት ከምዘሎ ትርእዩ ዶ ኣለኹም? ማሕበር ኤፌሶን ፍቕሪ ንኣምላኽ ዘለዋ ማሕበር እያ ነይራ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ እንተዘይነብራ ስለ ስሙ ኣይምተጻወረትን ነይራ። ኣብ ርእሲ እዚ መልላይ ዝወነነትውን እያ ነይራ፡ ማለት ነቶም ሃዋርያት ዘይኮኑ ክነሶምሲ ሃዋርያት ኢና ዝብሉ፡ ሓሰውቲ ምዃኖም ዝፈለጠት ማሕበርውን እያ። ማኣስ እዚ ጥራይ ንምህሮ ኒቆላውያን እትጻረር ማሕበር ድማ እያ፡ እቲ ዘለዋ ጽቡቅ መንፈሳዊ ነገራት ነቲ ዝወደቀቶ ውድቀት ከይትርእዮ እሞ ከይትምለሰሉ ዝኽልክል መጋረዲ ኮይንዋ ነበረ።

      ዎ ክቡር ክርስትያን፡ ሎሚ ኣብ ሂወትካ ጽቡቅ መንፈሳዊ ነገራት ዘሎካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፡ ግናኸ እቲ ዘሎካ ጽቡቅ ነገራት ውድቀትካ ከይተስተብህል ጋሪዱካ ከይህሉ ተጠንቀቅ። ሎሚ ክብሪ ንኣምላኽ፡ ብዙሕ መንፈሳዊ ንገራት ዘቃልሑ ዌብሳይታት እርኢ ኣለኹ፡ ኣብቲ ዌብሳይታት ክዕዘብ ከለኹ ድማ ዋሕዚ መዛሙር፡ ፈልፋሊ ምስክርነታት፡ ጠቃሚ ምኽርታት፡ ትንቢታት፡ ናይ ጸሎት ሕብረት ኣስተብሂለ ኣሎኹ፡ ብጣዕሚ ዘሐጉስ ከኣ እዩ። እዚ ኩሉ ጽቡቅ ነገራት ግና ንውድቀትና ሰዊሩልና ከይህሉ ነታ ቀዳመይቲ ፍቅርና ኣዛሕቲልዋ ከይከውን ንሕሰብ። ማሕበር ኤፌሶን ዝሓደገታ ቀዳመይቲ ፍቅራ እንታይ እያ?

      እምበኣርሲ ማሕበር ኤፌሶን ዝገደፍዋ ቀዳመይቲ ፍቕሮም፡ ነቲ ወንጌል ዝሰበኸሎም ሃዋርያ ጳውሎስ ምርስዖም እዩ። መጀመርያ ወንጌል ዝሰበኸሎም፡ ሰለስተ (3) ዓመት ምሉእ ዝመሃሮምን ዘገልገሎምን ጠቃሚ ምኽርታት እናሃበ ዝተኸሎምን ቅርጺ ማሕበር ዘትሓዞምን ኮታ እቲ ዝድለ ኩሉ ዝገበሮሎም ባርያ ኣምላኽ እዩ። ግ.ሃ19*1-7፡ ግ.ሃ20*18-21። ካብ ዓይኖም ምስ ገለለ ግና ካብ ልቦም ድማ ገለለ፡ ስለዚ ከኣ ግዳይ ካልእ ትምህርቲ ኮኑ።

      ማሕበር ኤፌሶን ካብዚ ውድቀታ ስለዘይተመልሰት፡ ሎሚ ሕላገት ክርስትና ዘይብላ መናሃርያ መሓመዳዊ ትምህርቲ ኮይና ተሪፋ ዘላ ቱርኪ እያ። ፍቑራት ኣንበብቲ፡ ኣእላፋት መዕበይቲ ስለዝረኸብና ነቶም ዝወለዱና ማለት፡ ናብ ጐይታ ዘምጽኡና ኣሕዋት እንተ ረሳዕናዮም እዚ ፈጣሪ ዝፈልጦ ውድቀት እዩ፡ እዚ ውድቀት እዚ ከሎካ ጉያኻ ናበይ እዩ? ምግልጋልካከ ንመን እዩ? መንፈሳዊ ንጥፈታትካ ከ ንክብሪ መን? ምናልባሽ ንክብሪ ገዛእ ርእስኻን ኣብ ሰባት ክትስመ እንተደሊኻን እንተኾይኑ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እንተኾይኑ ግና ጐይታ በዚ ከምዚ ኣይከብርን እዩ ይብለካ ኣለኹ።

      እዚ ምባለይ ከምዚ እዩ፡ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ኣብ ዝነበረ ውራይ መርዓ፡ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ እምበር፡ ንበይኑ ከምዘይተዓደመ እኳዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም? ጐይታ በቲ ዝገብሮ ተኣምራት ማለት ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ባሪኹ ንሓሙሽተ ሽሕ ህዝቢ ምስ ኣጽገበ፡ እቶም ህዝቢ ካብ ደቀ መዛሙርቱ መንዚዖም ከንግስዎ ምስ ደለዩ፡ ግዜ ንግስነቱ ስለ ዘይበጽሐን፡ ስለቲ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ክምንዝዕዎ ምሕሳቦምን ካባታቶም ወጺኡ ናብ ከረን ከምዘግለሰ´'ከ ኣየንበብኩምን ዲኹም? ሎሚውን ከምኡ እዩ፡ ጐይታ ንኣኻ በቲ ናብ ጐይታ ምእንቲ ክትመጽእ ዝመስከረልካ ሰብ ጌሩ እዩ ዝፈልጠካ፡ በታ መዓልቲ ጐይታውን ናይቲ ዝመስከረልካ ሰብ ኣኽሊል ኢኻ፡ ስለዚ ጐይታ ክትጽውዖ እንከለኻ ንሱን እቲ ዝመስከረልካ ሰብን ብመንፈስ ሓቢሮም ከምዘለዉ ፍለጥ።

      እምበኣርሲ ዝመስከረልካ ሰብ ረሲዕካ ካብን ናብን ክትሓልፍ ኣስካላ (ደረጃ) ዝኾነልካ ረጥሪጥካ ንጐይታ እንተኣምለኽካዮ፡ ኣምልኾካ ቅቡል ኣይከውንን እዩ። ኤልሳእ ክሳዕ መወዳእታ ጊላ ኤልያስ እንተዘይከውን እቲ መንፈስ ዕጽፊ ኮይኑ ናብኡ ኣይምመጸን ነይሩ። ባርኖስ ናይ ኤልያስ ተቀቢሉ ነቲ ሩባ ዮርዳኖስ ክወቅዖ ከሎ፡ ኣምላኽ ኤልያስ በለ እምበር፡ ኣምላኸይ ክብል እኳ ኣይደፈረን። ኤልያስ ዓሪጉ ክነሱ ኤልሳእ ኣምላኽ ኤልያስ ምባሉ፡ ነቲ ናብዚ ዕብየት እዚ ዘብጽሖ ኤልያስ ዘይምርሳዑ
እዩ ዘግህደልና፡ 2ነስ2*1-14። ብዘመን ሙሴ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ሙሴ እንታይ ከምዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና ኢሎም፡ ፈትዮም ክርስዕዎ ከለዉ እኳ እያሱ ግና ጊላ ሙሴ ነበረ እሞ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ንማሕበር እስራኤል ናብታ ሃገር ተስፋ ዘውርሶም ኮነ። ከምዚ ዝበለ ትሕትና ኣብ ዘመንና ከመይ ኢሉ እዩ ጠፊኡ? ብሓቂ ክንነብር እንተደሊና እቶም መዕበይቲ እንበሃል ኩላትና፡ ነቶም ምሳና ዝጉዓዙ ዘለዉ ኣሕዋት ናብቶም ዝመስከሩሎም ከነጠምቶም ይግብኣና እዩ። ንሕና ንባዕልና እኳ ከይተመስከረልና ኣይመጻእናን እሞ፡ ነቶም ቃሉ መሊኦም ሓራ ዘውጽኡና ኣሕዋት ክንደልዮምን ግዶም ክንገብርን ይግብኣና እዩ።

      ኣብ ዘመንና በዚ ቀልጢፉ ዘይልለ ውድቀት ምእንቲ ክንወድቅ ሰይጣን ዝጻወቶ ተራ ከምዘሎ ትፈልጡ ዶ? ሎሚ ኣብ ኩላተን ኣብያተ ክርስትያናት ሓደ ነገር ተኣታትዩ ኣሎ፡ ንሱ ከኣ ወረ ሓሶት ምንዛሕ እዩ። ወረ ሓሶት ምንዛሕ ክብል ከለኹ ንሰብ ዘይእምነቱ ምሃብ፡ እዚ ማለት ብሕጊ ሙሴን ነብያትን መዛሙራት መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳንን ዝኣምን ክነሱ ምህሮ መናፈቅነት ከም ዘለዎ ምንዛሕ፡ ግ.ሃ24*14፡ ምጥቃን፡ ዘይትምህርቱ ምልጋብ፡ ብዘይገበሮ ምጽላም ወዘተ... እዩ። በዚ ከምዚ ሜላ ነቶም ዝመስከሩልና ሰባት ዘረስዑና እረ ሽሞም ንምዝካር እኳ ክሳዕ እንፍንፉኖም፡ ዝገበሩና ንክንደይና እዮም? ኣብ ክንዲ ጽቡቅ ዝገበሩልና ብዛዕባኦም ብሓሶት ስለዝመላእና ግና እከይ ዝገበርናዮምን ዘይኢዶም ዝፈደናዮምን ክንደይ ኢና?

      እምበእርሲ መወዳእታና ምእንቲ ክጽብቅ ሕጂ ንነሳሕ ኣሕዋተየ ንመርምር እምበር ብሳኦላዊ ምህሮ ኣይንስከር። ሳኦል ኣብ ዳዊት ካብ ዝነበሮ ቅንኣት ዝተላዕለ ንደቂ እስራኤል ብዛዕባ ዳዊት ገባር ክፉእ ከምዝኾነ ሰቢኽዎም ነበረ፡ ዝተቀበልዎ ድማ ነበሩ፡ 1ሳሙ22*6-8፡ ሓደ ካባታቶም ድማ ናባል እዩ። ዳዊትን ሰቡ ንናባል ንዘለዎ ኩሉ መካበብያኦም ነበሩ፡ ለይትን መዓልትን ድማ ይሕልውዎም ነበሩ፡ ካብ ኣባጊዕ ናባል ሓንቲ እኳ ኣይጠፍኤትን፡ ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ ግና ዳዊት ኣባጊዕ ክህቦ ሰባት ናብ ናባል ምስ ሰደደ፡ ናባል ድማ፡ ዳዊት መን እዩ? ወዲ እሰይከ መን እዩ? ሎምስ ከካብ ጐይተቶም ዝመለቁ ገላው ብዙሓት እዮም። እንጌራይን ማየይን እቲ ንቘረጽቲ ኣባጊዔይ ኢለ ዝሐረድክዎ ሕሩደይ ወሲደስ ካበይ ምዃኖም ንዘይፈልጦም ሰባትዶ ክህቦም እየ? ኢሉ መለሰ፡ ብሓቂ ዶ ንጉስ ዳዊት ሽፍታ ነይሩ እዩ? ንሱስ ግምባር ጐልያድ ኣንሂሉ ንእስራኤል ሓርነትን ዕረፍትን ዝኣወጀ ንንግስነት ተቀቢኡ ክነሱ ንጉስ ሳኦል ሓለቃ ሽሕ ገይሩ እንተሰደዶ ብፍቕሪ ዝተኣዘዘ፡ ነቲ ተንኮል ዝወድየሉ ሳኦል ብኢዱ በገና እናሃረመ፡ ስቃዩ ዘርሕቀሉ ሰብ ድኣ ነበረ። እታ ናባል ዝመለሳ ምላሽ ንንጉስ ዳዊት ዘይትግባእ ስለዝነበረት፡ ኣምላኽ ንናባል ከመይ ከምዝቀዘፎ ኣንቢብናዮ ኣሎና። 1ሳሙ25*1-40።

     ፍቁር ኣንባቢ ሓቂ እዩ ኣብ ደቂ ሰባት ለውጢ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ቀደም ሓቂ መስኪሩልካ ዝነበረ ሕጂ ኣብ ከንቱ እምነትን ኣብ ሓሶትን እንተሎ እኳ፡ ክትመልሶ ድለ እምበር ቀልጢፍካ ኣይትርሓቆ። ብፍልጠት ክትመልሶ እንተዘይ ከኣልካ ብብርክኻ ዋጋ ክፈል፡ ሰባት ስለ ዘጸለምዎ ኣይትርሓቆ፡ እቲ ብዛዕብኡ ዝበሃል ባዕልኻ ብጽሓዮ። እቲ ዝነበረ እዩ መሊሱ ዝነብር እሞ እቲ ብዛዕብኡ ዝብሉኻ ዘለዉ ወይ ሓቂ ኮይኑ ክትረኽቦ ኢኻ ወይ ድማ ጸለመ ኮይኑ ክትረኽቦ ኢኻ።

     ደቂ ነብያት ብዛዕባ ኤልያስ ንኤልሳእ ክሳዕ ዝሓፍር ዶ ኣይተዛረብዎን እዮም? ሎሚውን ከምኡ ዝበለ ነገራት ኣሎ። እሞ ነቶም ኣምላኽ ብኣእዳዎም መንፈሱ ዝሃበና ብእኦም ውን ናብ ምድሓን ዘምጽኣና ብእኦምውን ዝጓሰየና እግሪ ዘትከሉና ኣሕዋት ኣይንሕፈር። የግዳስ ንድለዮም እሞ፡ ነቲ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዝብል መለኮታዊ ሕቶ ቅኑዕ ምላሽን ንጹሩ ጸብጻብን ንሃብ።

1.3. ጠንቂ ምዝሕታል እታ ቀዳመይቲ ፍቕርና፡- ራእ2*4-5፡ †"ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻ እሞ፡ እዚ ረኺበልካ ኣሎኹ። እምበኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቅካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቀዳማይ ግብሪውን ግበሮ።´" ይብል። ሮሜ10*14፡ ô"...ብዛዕባኡ ከይሰምዑከ ከመይ ገይሮም ብእኡ ክኣምኑ? ብዘይሰባኺከ ከመይ ገይሮም ኪሰምዑ?ê" ዝብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ብርግጽ ከኣ ደቂ ጐይታ ከይመስከሩልና ናብ ጐይታ ኣይመጻእናን። እምበኣርሲ ንጐይታ በቶም ዝመስከሩልና ሰባት ኢና እንፈልጦ፡ ጐይታውን ብእኦም እዩ ዝፈልጠና እሞ፡ እታ ቀዳመይቲ ፍቕርና እቶም ዝመስከሩልና እዮም።

 

     ንማሕበር ኤፌሶን እታ ቀዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻ ክብሎ ከሎ፡ እታ ኣብ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበረቶም ፍቕሪ ዛሕቲላን ጠፊኣን ምዃና እዩ ዘግህደሎም ዘሎ። ሓደ እኳ እታ ቀዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻ ዝብል ጽሑፍ ወሲዱ፡ ማሕበር ኤፌሶን ንኣምላኽ ዝነበራ ፍቕሪ ከምዘጉደለት እዩ ዘመልክት ዘሎ፡ ዝብል እንተሎ፡ ራእ2*3፡ †"ትዕግስቲ ከኣ ኣሎካ፡ ስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካ፡ ኣይሰልኬኻን።" ይብል እዩ እሞ፡ ማሕበር ኤፌሶን ፍቕሪ ንኣምላኽ እንተዘይነብራ ስለ ስሙ ኣይምተጻወረትን ነይራ እብለካ ኣለኹ። ከምቲ ኣቀዲመ ዝበልክዎ ግና እታ ዝሓደግዋ ቀዳመይቲ ፍቕሮም እታ ኣብ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበረቶም እያ።

     ንርእስና ክንጥብር እንተዘይፈቲና ሕጂውን ከምናይ ማሕበር ኤፌሶን ዝዓይነቱ ውድቀት ኣብ ዘመና፡ እወ ኣባና ኣሎ። ኣብ ሕሉፍ ጽሑፈይ ጠንቂ ናይዚ ውድቀት እዚ፡ ስለ እከለ ሓሶት ምንዛሕ እዩ፡ ኢለ ኣለኹ። ሕጂ ድማ  ጠንቂ ምንዛሕ ሓሶት እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ እዩ እብል ኣለኹ።

     ጠንቂ ምንዛሕ ሓሶት፡

ሀ. ቅንኢ፡- ቅንኢ ሓደ ካብቲ ብሓዊ መንፈስ ቅዱስ ክብላዕ ዘለዎ ግብሪ ስጋ እዩ። ወይ ድማ፡ ቅንኢ፡ ሓደ ካብቶም ክቅተሉ ዘለዎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ (ኣብ ስጋ) ዘሎ ኣካላት እዩ። ገላ5*19-21፡ ሮሜ8*12-13። ቅንኢ ኣብ ቤተክርስትያን ክሳዕ ዘሎ፡ እታ ቤተክርስትያን ክትዓቢ ኣይትኽእልን እያ፡ ከመይሲ ቅንኢ ጸረ መንፈሳውነት ስለዝኾነ እዩ። ቅንኢ ንቀናኢኡ ወይ ድማ ንዝግዝኦ ብስጋ እኳ ከይተረፈ የማስኖ እዩ። ምስ14*30። ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ድማ ንዘዝትንስኡ ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ዘይግብሮም እናኣልገበ፡ ዘይስሞም እናሃበ፡ ዘይመሃርዎ ሚሂሮሞ እናበለ፡ ከም ዝወገዙን ኣብ ሰባት ተቀባልነት ንከይህልዎም ልቢ ደቂ ሰባት ንክዕጸወሎም ዝገብር ዘሎ እዚ ቅንኢ እዚ እዩ። ቅንኢ ኣብ ምንታይ እንተበልኩም ቅንኢ ኣብ ጸጋ፡ ኣነ ኩሉ እፈልጥ፡ ኣነ ኩሉ እየ፡ እዚ ድምጺ ቅንኢ እዩ። ዘይኮንካዮ ከምዝኾንካ ምምሳል፡ እዚ ንዘስተውዕል ሰብ፡ ፊደላት ቅንኢ እዩ።

 

     ዎክቡር ክርስትያን፡ ቃየል ንሓው ኣቤል ዝቀተሎ ብቅንኢ ዶ ኣይኮነን? ማለት ኣምላኽ ናይ ኣቤል መስዋእቲ ከም እተቀበለ ናይ ቃየል ከኣ ከምዘይተቀበለ ምስ ረኣየ፡ ብቅንኢ ንሓዉ ቀተሎ። ስለዚ እየ ከኣ ሎሚð'ውን ምቅናእ ኣብ ጸጋ ኣሎ ዝብል ዘለኹ። ናብ ዘመን ንጉስ ሳኦል እስከ ንምጻእ ዳዊት ግንባር ጐልያድ ኣንሂሉ ንእስራኤል ዕረፍቲ ምስ ኣወጀ፡ እተን ኣንስቲ እስራኤል፡ í"ሳኦል ሽሑ ቀተለ፡ ዳዊት ግና እልፉ ቀተለË" ኢለን ቃላት ሓቂ ምስ መስከራ፡ ሳኦል ኣብ ዳዊት ዶ ኣይቀንኤን እዩ? 1ሳሙ18*7-9። ክልተ ሳዕ ኲናት ወርዊሩ ክቀትሎ ዝፈተነ ኣብ ምንትምንታይ እዩ? ነቲ ጽላል እስራኤል ዝኾነ ዳዊት፡ ሳኦል ከም ቆቃሕ መዓልቲ መዓልቲ ዝሃድኖ ዝነበረከ ስለምንታይ እዩ? ዳዊት ገለ ክፉእ ስለ ዝገብረ? ኣይኮነን፡ ብቅንኢ ጥራይ እዩ እዚ ኩሉ ዝገበሮ። እወ ብቅንኢ ከኣ ብዛዕባ ዳዊት ኣብ ደቂ እስራኤል ክፉእ ተዛረበ፡ ንደቂ እስራኤል ብዛዕባ ዳዊት ብኣበሳ ሃነጾም። ኣን2*12-14። ስለዚ ከኣ ደቂ እስራኤል ክሳዕ ዳሓር እኳ ኣብ ዳዊት እንታይ ግደ ኣሎና? ኣብ ወዲ እሰይ ርስቲ የብልናን፡ ክሳዕ ዝብሉ ብዛዕባ ዳዊት ክፉእ ዘሪእሎም እዩ።1ነገ12*16። እዚ ኩሉ ግና ቅንኢ እዩ ዝገበሮ፡ ክቡራት ኣንበብቲ፡ ኣብ ዘመንና…'ውን እዚ ነገር እዚ ኣሎ። ቅንኢ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ክሳዕ ዘሎ፡ እታ ማሕበር ዓንያ ከምእትነብር ኣይትፈልጡን ዲኹም? ማለት ንጉስ ሳኦል ብቅንኢ ንብዘላ ሃገር እስራኤል ብሒትዋ ክሳዕ ዝነበረ እዋን፡ እታ ሃገር ብመንፈሳዊ ነገራት እናማሰነት ዶ ኣይከደትን እያ? ናይ ቃል ኣምላኽ ጥሜት ተኣታቲዋስ ሳኦል ንምርካብ ቃል ኣምላኽ ኢሉ ክሳዕ ኣብ እግሪ እታ ጠንቃሊት ዝሰግድ ኮነ። እዚ እዩ እምበኣር፡ ናይቲ ብቅንኢ ዝመጽእ ርኡይ ዕንወት።

 

     ክቡር ኣንባቢ፡ ብዛዕባ እቲ ዝመስከረልካ ሰብ ግዱ ንኸይትገብር ዘገድደካን ዝለወጠካን ዝደረኸካን ካብ ካልኦት ዝሰማዕካዮ ምህሮ ድዩ? ወይስ ባዕልኻ ዘረጋገጽካዮ ነገር ኣሎ እዩ? ብሓቂ እቲ ዝመስከረልካ ሰብ ካብ ወንጌል ሓቂ ዘቢሉ ሓሶት ከምዝኣመነ ባዕልኻ እንተረኺብካዮ፡ ዝከኣለካ እተኮይኑ ክትመልሶ ደኣ ፈትን፡ ዘይከኣለካ እንተኾይኑ ከኣ ብዛዕባኡ ከይባተኽካ ጸሊ፡ እቲ ጸሎት ድኹማት ዘይንዕቅ ከኣ ክሰምዓካ እዩ። ስለዚ ዝኾነ ይኹን ነገር ብሂወትካ ከተረጋግጾ ደኣ ፍቶ። ብቅንኢ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝመስከረልካ ሓሶት ምንዛሕ ክህሉ ከምዝኽእል ፍለጥ እሞ፡ ድሕሪ ሕጅስ መርምር ደኣ እምበር ኣማኒ ጥራይሲ ኣይትኹን፡ እቲ ምእማንካ ብፍልጠት ደኣ ይኹን።

 

ለ. ጉድለት ቃል ኣምላኽ፡- ሰብ ናይ ቃል ኣምላኽ ምልኣት እንተዘየብሉ፡ ብዛዕባ እከለ ወይስ ብዛዕባ እከሊት ሓሶት ንምንዛሕ ዝተቃልዐ ምዃኑ ትፈልጡ ዶ? እዚ ምባለይ ከምዚ እዩ፡ ንኣብነት እቲ ዝመስከረልካ ሰብ ምስትውዓል እንዳወሰኸ ብዝኸደ መጠን፡ ኣብቲ ንኣኻ ዝመሃረካ ጥራይ ኣይክውሰንን እዩ። ምስትውዓሉ ስለ ዝስፈሐ ድማ ከምዝን ከምዝን ኢሉ ክምህር እዩ። እቲ ሕጂ ዘዕብየካ ዘሎ ሰብ፡ ነቲ እቲ ዝምስክረልካ ሕጂ ዝምህሮ ዘሎ ፍልጠት ስለዘይበጽሖ፡ እከለስ እምበር ሓሶት ይምህር ኣሎ፡ እከለ ካብ ምድሓን ሸተት ኢሉ፡ ካብ ጸጋ ጎዲሉ፡ ነታ ሓቂ ስሒቱ ካብ እምነት ርሒቁ፡ እናበለ ሓሶት ይነዝሕ። ንስኻ ድማ ትቅበሎን ትኣምኖን፡ ቀሪቡ ከየረድኦ ድማ ከይስሕት ይፈርህ፡ ስለዚ ሓሶት ኣብ ምንዛሕ ጥራይ ይውሰን። እዚ ዝገብር ዘሎ ግና፡ ብቅንኢ ወይ ብተንኮል ኣይኮነን፡ ናይ ቃል ኣምላኽ ምልኣት ስለዘየብሉ እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ቃል ክርስቶስ ብኩሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም ዝበለና። ቈሎ3*16

 

ሐ. ግርህነት ናይቲ ዝሰምዕ፡- ግርህነት ናይቲ ሰማዒ ምባለይ ከምዚ እዩ፡ እቲ ሕጂ ዘዕብየካ ዘሎ፡ ፍጹም ጌርካ ምውሳድ፡ ማለት ካብ ቅንኢ ሓራ ከምዝወጸ ብፍልጠት ኣምላኽ ከም ዝሃፍተመ ጌርካ ምሕሳብን፡ ክጋገ ከምዝኽእል ዘይምሕሳብን ፈጺምካ ምእማንን ኣሎ። ስለዚ ከኣ ስለ እከለ ገለ ነገር እንተተባህለ ከይመርመርካ ምእማንን ካብ እከለ ተፈሊኻ ምንባርን ዝውቱር ባህሪ ናይ ክርስያናት ኮይኑ ኣሎ። ግርህነት ናይ ምእመናን ዝፈልጡ ሰባት በዚ ከምዚ ብልሒ መናገዲ ይገብሩና እዮም። ማለት ብግርህነት ከም እንኣምን ስለ ዝፈልጡ እቶም ዝመስከሩልና ብቅንዕና ዝበልዎ ዘይናቱ ትርጉም ሂቦም ይነግሩና እሞ፡ ሰብ ልበ ገርሃ ድማ ንኣምኖም። ንገሌና ጉጅል ኣቢሎም ከኣ ሓደ ዝኾነ ሽም ሂቦም እከለ ዝብል ሚኒስትሪ (ማሕበር) የቁሙ፡ በዚ ከምዚ እዮም መናገዲ ይገብሩና ዝበልኩ።2ጴጥ2*3። ስለ ሓቂ ካብ ዘለኒ ቅንኣት እተላዕለ እየ እዚ ዝብል ዘለኹ። ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ ጐይታ የሱስ ብዛዕባ መቅደስ ስጋኡ ምስ ተዛረበ እቶም ደቂ መዛሙርቱ፡ በቲ የሱስ ዝበሎ ቃልን በቲ ጽሑፍን ኣመኑ፡ ይብል እምበር በቲ የሱስ ዝበሎ ቃል ጥራይ ካብ ዘይኣመኑ፡ ዮሃ2*22፡ ማለት ንትምህርቲ ናይቲ ገላጽ ሓቂ ዝኾነ ክርስቶስ፡ በቲ ጽሑፍ ካብ መርመርዎ፡ ምስናይ እዚï'ውን ሰብ በርያ ነቲ ሃዋርያት ዝሰበኹሎም እስኪ እዚ ነገር እዚ ከምኡ እንተኾይኑ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነተን ጽሑፋት እናመርመሩ ካብ ተቀበልዎ፡ እምበር፡ ብግርህነት ጥራይ ካብ ዘይኣመኑ፡ ኣብ ዘመንና ዘሎ ደኣ ግዳ ዘይምርመር እንታይዋይ እዩ ክኸውን? ክምርመር ዘይደሊ ከኣ ሓቂ ዘይብሉ ጥራይ እዩ። ባዓል ሓቂ ግና ክምርመር ባህ ይብሎ እዩ። ከመይሲ እንተተመርመረስ ደይ ሓቂ ካልእ ኣይርከቦን እዩ። 1ቈረ2*15-16፡ ø"እቲ መንፈሳዊ ንኹሉ ይምርምር§" ዝብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ እምበኣርሲ ምምርማር ባህሪ መንፈሳውያን እዩ። ሓደ እኳ ኣነ መንፈስ ኣምላኽ ተቀቢለ እየ ዝብል እንተሎ፡ ንኹሉ ክምርምር ይግብኦ እዩ።

 

    እምበኣርሲ ክቡር ኣንባቢ፡ እንተስ ብቅንኢ፡ እንተስ ምልኣት ቃል ኣምላኽ ብዘይምህላው ሓሶት ምንዛሕ ኣሎ እሞ፡ እዚ ምህላዉ ፈሊጥካ መርምር ድማ እምበር፡ ገርሂ ሰማዒ ጥራይ ኣይትኹን፡ እዚ ምስ እትገብር፡ ግዲ እቲ ዝመስከረልካ ድማ ክትገብር ኢኻ። ጠንቂ ምዝሕታል ፍቅሪ፡ ሓሶት ምንዛሕን ነቲ ዝተነዝሐ ሓሶት ሓቂ ከምዝኾነ ገይርካ ምእማንን ክከውን ከሎ፡ ጠንቂ ምንዛሕ ሓሶት ድማ ቅንኢ፡ ምልኣት ቃል ኣምላኽ ዘይምህላውን፡ ገርሂ ሰማዒ ብምዃንካ መጋበርያ ረብሓኦም ክገብሩኻ ካብ ዝትንስኡን እዩ ዝመጽእ።

 

    ስለዚ ብዛዕባ እቲ ዝመስከረልካ ወይ ዝመስከረትልካ፡ ዝሰማዕካዮ ብቅንኢ ዝተባህለ ድዩ? ወይስ ናይ ቃል ኣምላኽ ምልኣት ዘየብሎም ሰባት ዘውረይዎ ድዩ? ወይስ ገርሂ ኣማኒ ምዃንካ ስለ ዘጽንዑኻ ደይ መደይ ኢሎ ኣባሎም ክገብሩካ ዝበልዎ እዩ? ንምምርማሩ ኣይትተሃከ ብጽሓዪ ደኣ። ተነሳሕ ነቲ ቀዳማይ ግብርኻውን ግበሮ። ማለት ነቲ ዝመስከረልካ ብኹሉ ሸነኽ ክትገብረሉ ዘለካ ኩሉ ግበር እሞ፡ ነቲ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዝብል መለኮታዊ ሕቶ ብቅዑ ምላሽ ክትህብ ተዳሎ።     

 

1.4. ንስሓ ንኹሉ፡- ራእ2*4-5፡ †"ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻ እሞ፡ እዚ ረኺበልካ ኣሎኹ። እምበኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቀዳማይ ግብሪውን ግበሮ።´" ይብል። ክቡራት ኣንበብቲ እቲ ንማሕበር ኤፌሶን ዝተዋህበ ናይ ንስሓ ዕድል ሎሚð'ውን ንዓና ተዋሂቡ ኣሎ። እዚ ከኣ፡ ዕብየት ለውሃቱን ዕዘት ምሕረቱን ማዕረ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ እዩ ዘርእየና ዘሎ። እቶም መዕብየቲ እንበሃል ንነሳሕ፡ እቶም ኣብ ትሕቲ መዕበይቲ ኮይንና ዝመስከሩልና ሰባት ረሲዕና፡ ንርእሰይ ጥራይ ይጥዓመኒ ብጸጋ ጥራይ ጠሊለ ይንበር ዝዓይነቱ ጉዕዞ ተታሓሒዝናዮ ዝጸናሕናÃ'ውን ንነሳሕ። እቶም መዕበይቲ ስለ ክልተ ነገር ክትንስሑ የድልየኩም እዩ፡-

1. ግዲ እቶም ዝመስከሩልኩምን ኣብዚ ደረጃ እዚ ዘብጽሑኩምን ኣሕዋት ዘይምግባርኩም፡ እዚ ርእሱ ዝኸኣለ ውድቐት እዩ እሞ፡ ስለዚ ዛዕባ እዚ ብንስሓ ተመለሱ።

 

2. ነቶም እተዕብይዎም ዘለኹም፡ ናብቶም ዝመስከሩሎም ሰባት ከተጠምትዎም ዘይምኽኣልኩም እዚ ፈጣሪ ዝፈልጦ ኣበሳ እዩ። ስለዚï'ውን ተነስሑ። ብቅንኢ ነቶም ዝመስከርሎም እናኣጸለምኩም ወይስ ዘይስሞም እናሃብኩም ነቶም ነብሳት እንተሓዝኩምዎም እንታይ ረብሓ ኣለኩም? ዘይወለድካዮ እንተኮይንካ ምንም እኳ እንተኣዕበኻዮ ውሉድካ ክኸውን ግና ኣይከኣሎን እዩ። ጻማ ካልኦት ክትሓፍስ፡ ብዘይ ኣኽሊልካ ክትምዕርግ ምህቃን፡ ብዘይጸዓርካሉ ምምካሕ ዘይግራትካ ምዕጻጽ ዘይፍሬካ ምሕፋስ እዚ ርኡይ ዓመጻ እዩ።

 

     እቶም ሕጂ እነዕብዮም ዘለና በታ መዓልቲ ጐይታ ኣኽሊል ናይቶም ዝመስከሩሎም እዮም እምበር፡ ኣኽሊልናስ ኣይኮኑን። እዚ ክብል ከለኹ ግና ሸለል ንበሎም ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ፡ ግናኸ ዘይኣኽሊልና ምዃኖም እናፈለጥና ግቡእና ምግባር ኣይንሕደግ እየ ዝብል ዘለኹ። እቲ ክንገብረሎም ዘሎና፡ ስለ ዝግብኣና ንግበረሎም እምበር፡ ኣኽሊልና ክኾኑ ኢልና ኣይኹን። ኣብ ዓለም ገበርቲ ሰናያት ኣለዉ…'ዶ ኣይኮኑን? እሞኸ ንደቂ ድኻታት ኣኪቦም እንተ ኣዕበይዎምን እንተ ኣምሃርዎምን በዚዶ እቶም ደቂ ውሉዶም ክኾኑ እዮም። ዓለም እኳ ምግባር ሰናይ ካብ ፈለጠትሲ፡ ንሕና እቶም ምሕረት ኣምላኽን ጸጋኡን ዝጠዓምና ደኣ ግዳ ክንደይ ኣዚና ሰናይ ክንገብር ዘይግብኣና ይመስለኩም? ስለዚ ኣቱም ኣዕበይቲ ነቶም እተዕብይዎም ዘለኹም ንመንፈሳውያን ወለዶም ኣጠምትዎም ይብለኩም ኣለኹ። በታ በዓልቲ ጐይታ ብኣኽሊልኩም ደኣ ተመክሑ።

 

     ንሃዋርያ ጳውሎስ ኣርኣያኹም ግበርዎ። ንሱ ኣብቲ ካልኦት ዘዳለውዎ ሰበኻ ከይኣቱ፡ ወንጌል ኣብ ዘይተሰብከሉ ቦታታት ከይዱ ወንጌል ክሰብኽ ነዚ ከምዚ ዝበለ ተግባር ክብረቱ ገይርዎ እዩ። ኢሳ52*15፡ ሮሜ15*20፡ 2ቈረ10*15-16። እዚ ማለት ግና ኣብቲ ካልእ ሰበኻታት ኣየገልግልን ማለት ኣይኮነን፡ ግናኸ ኣቦ ናይቶም ዘይመስከረሎም ኣይከውንን። ብዘይኣኽሊልውን ኣይምካሕን፡ ዘይጻማኡውን ኣይሓፍስን ነበረ። እዚ ሰብ እዚ ከምኡ ክንዲ ዝኾነ ከኣ ጐይታ ክሳዕ ክንደይ ከምዘዕበዮ ትፈልጡ ኢኹም። እምበኣርሲ ነቶም እተዕብይዎም ዘለኹም ነቲ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዝብል መለኮታዊ ሕቶ ብቁዕ ምላሽ ምእንቲ ክህቡ፡ ብፍልጠት ኣምላኽ ኮስኩስዎም፡ ግዲ እቲ ዝወለድዎም ክገብሩ መሃርዎም። ካብቲ በረኸቶም'ውን እንተኾነ ከምቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ መሰል ጥራይ ተኻፈሉ። እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ መሰል ከኣ፡  ዘዳ23*24፡ ª"ናብ ዘራእቲ ብጻይካ ምስ ኣቶኻ፡ ሰዊት ብኢድካ ቕጸ፡ ማዕዲድካ ግና ኣብ ዘራእቲ ብጻይካ ኣይተእቱë" ዝብል እዩ።

 

     ብሓፈሻ ኹላትና ከይተመስከረልና ኣይኣመንናን፡ ቅዱሳን ከይጻዓሩልና ኣብዚ ደረጃ እዚ ኣይበጻሕናን። ኣቦና ኣብርሃም ነቲ ዘይጸዓረሉን ዘይመሃሮን ዘየዕበዮን ምስኡê'ውን ብዙሕ ግዜ ዘየሕለፈን ካህን ልዑል ኣምላኽ ስለዝኾነን ስለ ዝመረቆን ጥራይ ንመልከዴዴቅ ካብ ዘለዎ ኩሉ ዕሽር ካብ ሃበ፡ ዘፍ14*18-20፡ ኣቦና ያእቆብውን ነታ ተተርኢስዋ ዝሓደረ እምኒ፡ ከይርስዓ ዘይቲ ካብ ኣፍሰሰላ። ዘፍ28*18-22። መዓስ እዚ ጥራይ እያሱ ነታ ዝተሓባበረቶም ረሃብ ኣመንዝራ፡ ካብ ዘይረሰዓ፡ እያ2*1-21፡ እያ6*22-23። ዳዊትñ'ውን ነቲ ገለ ዘይጸዓረሉ እኳ ደኣ ንጥፍኣቱ ዝምህዘሉ ዝነበረ ንንጉስ ሳኦል፡ ቅቡእ እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈሊጡ፡ ከኽብሮን ክእዘዞን ኢሉ ካብ ዝጽዕት፡ እሞኸ ንሕና ነቶም ዝመስከሩልና ነቶም ዝጸዓሩልና ምርሳዕና ደኣ ምስ ምንታይ እዩ ክቁጸር? ስለዚ በታ መዓልቲ ፍርዲ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎም ቅዱሳን ከይኩንኑናስ ሕጂ ንነሳሕ።

 

     ኣሕዋተይ ኣብ ሕጊ ሙሴ ጉዕዞ ደቂ እስራኤል ከመይ ከምዝነበረ ምኽንያት ጥፍኣቶምውን እንታይ ከምዝኾነ ኣስተብሂልክሞ ክትኮኑ ተስፋ እገብር። ቀንዲ ምኽንያት ጥፍኣቶም ኣብቲ ኣርዑት ፈርኦን ሰይሩ ካብ መግዛእቲ ፈርኦን ሓራ ዘውጽኦም፡ ብየማየይቲ ኢድ እቲ ልዑል ተሰንዩ ባሕሪ ኤርትራ ዘሳገሮም ሙሴ ምጒሩምራሞምù'ዶ ኣይኮነን? ሓደ ካብቲ ጠንቂ ምጒርምራሞም ከኣ ዕልወት ቆራሕ እዩ። መሰረት ዕልወት ቆራሕ ከኣ ኣብ ሙሴን ኣብ ኣሮንን ምቅናእ እዩ። መዝ106*16-18፡ ይሁ1*11። ስለዚ ከኣ እቲ ህዝቢ ተወደኤ። እምበኣርሲ እቲ ዝነበረ እሱ እዩ መሊሱ ዝነብር እሞ፡ እቲ ኣብ ዘመንና ዘሎ ወለዶ¬'ውን ብብልሽውና እቶም ቀዳሞት ተባላሽዩ እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ይነሳሕ። ዘዳ32*18፡ ª"ዝወለደካ ኸውሒ ሓደግካ፡ ዝፈጠረካ ኣምላኽ ድማ ረሳዕካŠ" እናበለ ዝግስጾ ዘሎ ንመን እዩ? ነቶም ዝመስከሩልና ንዝረሳዕና›'ዶ ኣይኮነን? ምርሳዕን ዕልወትንሲ ንሓዋሩ ነርሕቆ ደኣ።

 

     ኣብዚ ከየገንዘብክኹም ክሓልፍ ዘይደሊ ኣሎ፡ ዝወለደካ ከውሒ ሓደግካ ከይበለ፡ ዝፈጠረ ኣምላኽ ረሳዕካ ኣይበለን እሞ፡ ዝመስከረልካ ኣብ ምሕዳግ ዘለኻ ሰብ፡ ንዝፈጠረካŠ'ውን ክትርስዕ ኢኻ እብለካ ኣለኹ። ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ከም ዝሓመይዎ ኣንቢብና ኣሎና። ቅድሚ ንእግዚኣብሄር ምሕማዮም ግና ኣብ ሙሴን ኣብ ኣሮንን እዮም ኣጒሮምሪሞም። ድማ እቲ ጽሑፍ ንኣኻትኩም ዝቅበል ንኣይ እዩ ዝቅበል›'ዶ ኣይበለን እዩ? እቲ ንኣይ ዝቅበል ድማ ነቲ ዝለኣከኒ እዩ ዝቅበል ድማ ይብል። ዮሃ13*20፡ ማቴ10*40። ስለዚ ኣብቲ ናብ ምድሓን ዘምጽኣካ እንተኣጒሮምረምካ ነቲ ዝመስከረልካ ድማ እንተሓደግካ ነቲ ልዑል ፈጣሪ ድማ ክትርስዖን ክትክሕዶን ኢኻ።

 

     ከምዚ እንተኾይኑ ጉያና ከንቱ ይኸውንé''¬ ኣይሎን እዩ? ጻዕርናከ ብዘይፍረ ይኸውንé'ዶ ኣይሎን? እምበኣርሲ ንከንቱ ከይንደክም ጻዕርናÄ'ውን ብላሽ ከይከውንሲ ዝወለደና ከውሒ ኣይንሕደግ። እወ ነቲ ዝተተርኣስናሉ እምኒ ብፍቅሪ ኣብ ልብና ንቅብኣዮ፡ እቶም ዝመስከሩልና ኣብ ልብና እቲ ዝግብኦም ስፍራ ነትሕዞም።

 

     ኣብ ሕጊ ሙሴ ኣይትስረቕ ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ኣይትስረቕ ምባሉ ግና ኣቓልቦ ደቂ ሰብ ንከይንሰርቕ§'ውን እምበር ገንዘብ ወይስ ዝኾነ ካልእ ንብረት ከይንሰርቕ ጥራይ ኣይኮነን ዝእዝዘና ዘሎ። ኣብ ካልእ ስፍራ ዘዳ24*7፡ ª"ሓደ ሰብ ንሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ካብ ደቂ እስራኤል ሰሪቑ፡ ባርያ ኺገብሮ ወይ ኪሸጦ ኸሎ እንተ ተረኽበ፡ እቲ ሰራቒ እቲ ይሙት። እቲ ክፉእሲ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።..." ብምባሉ ነዚ ዝብሎ ዘለኹ ዝበለጸ ኣብሪህዎ ኣሎ። ኣቤሰሎም ብጽቡቅ ቃል እናሓባበለ ልቢ ደቂ እስራኤል ካብ ዳዊትñ'ዶ ኣይሰረቖን እዩ? ስለዚ ከኣ እየ ኣቃልቦ ደቂ ሰብ ከይንሰርቕ§'ውን እዩ ዝእዝዘና ዘሎ ዝበልኩ። 2ሳሙ16*4-6።

 

     ከምቲ እቲ ዝሰረቐ ይሙት ዝተባህለ፡ እቲ ልቢ ሰብ እስራኤል ዝሰረቐ ኣቢሰሎም÷'ውን መወዳእታኡ ከምዝሞተ ትፈልጡ ኢኹም። በቲ ዘለካ ጽቡቕ ሂወት ልቢ እቲ ዘይመስከረካሉ ግን ከኣ ተዕብዮ ዘለኻ ሰብ ካብቲ ዝመስከረሉ ሰብ ኣይትስረቕ፡ ኣብ ከውሑ ክጸንዕ ብፍቅሪ እቲ ዝወለዶ ሃልሃል ክብል እናገብርካ እባ ደኣ ኣዕብዮ። እቲ እተቀበልናዮ ጸጋ ንኽንተሃናነጸሉ እምበር፡ ንክንሳረቐሉ ኣይኮነን። እቲ ኣይትስረቕ ዝበለ ኣምላኽ ንኽንሰርቕ ኢሉ ጸጋኡ ኣይህበናን እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ጸጋ ኣምላኽ ንከንቱ ከይትቅበሉ ኢሉ ዝመዓደና፡ 2ቈረ6*1። ሰረቕቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከምዘይወርስዋ ተጻሒፉË'ዶ ኣይሎን? 1ቈረ6*9-10። እቲ ብጐይታ ምእማንና ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታውé'ዶ ኣይኮነን? እሞኸ እንተስ ብቅንኢ እንተስ ብዘይርዳእ ልቢ እቶም ዘይመስከርናሎም ሰባት ብምስራቕና ነቲ ምእማንና ከንቱ ንገብሮ ንምንታይ? እምበኣርሲ ካብ ምስርራቕ ንተሓሎ፡ ንሕና ኣይንስረቕ፡ ብካልኦት ድማ ኣይንሰረቕ። ነፍሲወከፍና ግዲ እቶም ዝመስከሩልናን ናብ እምነት ዘብጽሑናን ብጸሎትን ብምኽርን ብጾምን ብምንቃሕን ብተግሳጽን ብቅጽዓትን ኣብዚ ሕጂ ዝበጻሕናዮ መድረኽ ክንበጽሕ ዝጸዓሩልና ድኣ ንግበር።

 

     እዛ ካበይ ከምዝወደቕካ ዘከር እትብል ጽሕፍቲ፡ ንግዜን ንቦታን እያ ተመልክት ዘላ። ንግዜ ክብል ከለኹ ከምዚ እዩ፡ ካብ መኣስ ኢኻ ነቲ ዝወለደካ ከውሒ ዝሓደግካ? ክትንሳሕ እንተደሊኻ ናብታ ዝሓደግካላ ግዜ ተመለስ። ስለምንታይ ነቲ ዝወለደካ ከውሒ ከምዝሓደግካŠ'ውን ርኸቦ። ድሕሪ ደጊም ብኸምዚ ዓይነት ውድቐት ኣይክትርከብን ኢኻ። ካበይ ክብል ከሎ ብኻልእ ሸነኽ ቦታ ወይ ስፍራ እዩ ዘመልክት ዘሎ ምባለይ ከኣ፡ ከምዚ እዩ፡ እቲ ዝመስከረልካ ሰብ መንፈሳዊ ስፍራኡ ኣበይ ምዃኑ ትፈልጦ ዲኻ? ካብ ከመይ ዝዓይነቱ ኣቦ ኢኻ ወዲቕካ ዝብል ዘሎ። ማለት እዚ ቃል እዚ ንሰብ ኤፌሶን ክንገሮም ከሎ ሰብ ኤፌሶን ነቲ ዝወለዶም ከውሒ ማለት ጳውሎስ÷'ዶ ኣይኮኑን ረሲዖም? ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ብጸጋ ጸብለል ዝበለ፡ ንኹሎም ሃብቲ ኣምላኽ ከብርሃሎም ዝተዋህቦ ሰብኣይ እዩ። ኤፌ3*9። ካበይ ከምዝወደቕካ ክብሎም ከሎ እምበኣር ካብ ኢድ እቲ ልዑል መንፈሳዊ ስፍራ ዘለዎ ሰብ፡ ከምዝወደቁ ክስወጦም እሞ ክንስሑ እዩ ዘዘካክሮም ዘሎ።

 

     እምበኣርሲ፡ ተሰሪቕና እንተ ኣሊና ኣቃልቦና ናብቲ ዝወለደና ከውሒ ይመለስ እሞ ንነሳሕ። ሰሪቕና እንተኾይንና ከኣ እቶም ዝሰረቕናዮም ነናብ እቶም ዝመስከርሎም ነጠምቶም እሞ፡ ንንጻህ። እቲ ብጐይታ ምእማንና ንከንቱ ኣይኩን። ደጊመ እብል ኣለኹ፡ ነቶም ናብ እምነት ዘምጽኡና ንዘክሮም ዝኾነ እንተኾነ ኣብ መወዳእታ ንሕና ኣኽሊል ናይቶም ዝመስከሩልና ኢና፡ እቶም ካልኦት ዝመስከርሎም እሞ እነዕብዮም ዘለና ድማ ኣኽሊል ናይቶም ናብ ጐይታ ዘምጽእዎም ምዃኖም ፈሊጥና፡ ነፍሲወከፍ እቲ ዝግብኣና ንግበር። ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ክንበሃል ከሎና ከኣ እንሆ ሓወይ እቲ ዝጸዓረለይን ዝደኸመለይን እንሆ ምሳይ፡ እኔኹ ኣነ…'ውን ምስኡ ክንብልን ቅኑዕ ጸብጻብ ከነቅርብን እዋኑ ሕጂ እዩ።

 

    መዓልቲ ጐይታ ዘይናፍቃ ሰብ የልቦን ነቶም ክንሳሕ ዝግብኣና ክነስና ጽቡቕ ዘለና ስለዝመሰለና ግና ከይተነሳሕና ንጉዓዝ ንዘለና ሰባት ኣመልኪቱ ኣሞጽ ክዛረበና ከሎ፡ ÷"መዓልቲ ጐይታ ንኣኻትኩም እንታይ ክትጠቅመኩም እያ¥" ኣሞ5*18፡ ኢሉና ኣሎ። ብሓቂ ከኣ እዚ ዝውድቀትና መዓልቲ ጐይታ ደኣ እንታይ ክትጠቅመና? ግናኸ ንነሳሕ እሞ፡ እቲ ቀዳማይ ግብርና ማለት እቲ ቅድሚ ኩሉ ክንገብሮ ዝግብኣና ንግበር። ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ መጺእና ሂወትና ንመርምር። ንዘሎና ናይ ንስሓ ዕድል ዕሽሽ ኣይንበሎ። እቲ ዝግበረልና ዘሎ ምሕረት ንጠቀመሉ። እወ ግዲ እቶም ዝመስከሩልና ንግበር። ኣምላኽ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ሓፍትኻ ኸ ኣበይ ኣላ? እናበለ ይሓተና ኣሎ እሞ፡ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ሕልናና ኣደንዚዝና ከም ንባብ ፊደል ጥራይ ኣይንሕለፋ። እቲ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ዝረግጽ ንሱውን ምእንቲ ክርገጽሲ ክድርበ እዩ። ስለዚ ዕሽሽ ምእንቲ ከይበለና ነዚ ቀዳማይ መለኮታዊ ሕቶ ዕሽሽ ኣይንበሎ። እምበኣርሲ፡ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? እናበለ ይሓተና ኣሎ።

 

     ነቲ ቀዳማይ መለኮታዊ ሕቶ መሰረት ብምግባር ዝመጻኣለይ መልእኽቲ ኣብዚ ተወዲኡ ኣሎ። ኣብ ካልኣይ መለኮታዊ ሕቶ ብሰላም የራኽበና። ጸጋ ጐይታና የሱስ ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን