26
Fri, Apr
0 New Articles

መንፈሳዊ ፍረ

Message 2
Typography

ንስኻትኩም'ውን ብእኡ ቃል ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡ ምስ ሰማዕኩም ብእኡ'ውን ምስ ኣመንኩም ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሓተምኩም (ኤፌ 113)

ከም መቐጸልታ ድሕነትና እቲ ናይ ተስፋ መንፈስ ኣብ መነባብሮ፡ ኣካይዳ፡ ኣተሓሳስባ፡ ኣጠማምታ፡ ኣዘራርባ፡ ኮታ ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወትና ለውጢ ከርኢ ግድን ኢዩ። እዚ ዝኸውን ድማ ነቲ ንነፍሲ ከድሕና ዝካኣሎ ትኹል ቃል ብግርህነት ምስ እንቕበሎ፡ ንኸነዋሃህዶ'ውን ምስ እንምርምሮን  እነጽንዖን እዩ። እቲ መንፈስ ድማ ባዕሉ ነቲ ካብኡ ዝኾነ ዘበለ ይምስክረሉ። ብረዲኤትን ሓይልን መንፈስ ቅዱስ ትብዓት ምስ እነርኢ፡ ኣብ  ኣተሓሳስባናን ኣካይዳናን ንሓጢኣት ያዕ ኢልና መንፈሳዊ ፍረ ክንፈሪጅምር። እዚ ማለት ድማ ነቲ ኣረጊት ሰብና ቀንጢጥና፡ ክርስቶሳዊ ባህሪ ክንለብስ ከሎና እዩ።    


ኣብ ገላ 5:25 ህይወት ብመንፈስ እንተ ኣልያትናስ ብመንፈስ ንመላለስ ዝብል ነንብብ። ተመላለስ ማለት፡ ብእግሪኻ ወይ ግዙፍ ኣካልካ  ምንቅስቓስ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ተመላለስ፡ ተጎዓዝ፡ ንበር: ምስ መንፈስ ቅዱስ ተዛረብ: ወዘተ። ስለዚ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ዝምህረና ዘሎ ምስ መንፈስ ቅዱስ ጥብቕ ዝበለ ርክብ ንኽህልወና እዩ።

እስከ ነስተብህል: ህይወትና ከመይ ዝበለ ለውጢ ይህልዎ፡ ምስ መንፈስ ቅዱስ ቀጻሊ ሕብረት እንድሕር ኣለና። ነቲ ቃል እንተ ኣስተብሂልናሉ መንፈስ ቅዱስ ምሳና ክኸውን'ዩ ተጸዊዑ። ". . . ንስኻትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሓድር፡ ኣባኻትኩም'ውን ክነብር እዩ እሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም" (ዮሃ 14:17) መንፈስ ቅዱስ: የሱስ እንታይ ከም ዝማሃረና የዘኻኽረና'ዩ፡ ንየሱስ የምስለና፡ የጸብቐና፡ ይሕግዘና፡ ይመኽረና፡ የስተኻኽለና፡ ይምህረና፡ ሓድሽ ነገራት የርእየና፡ ብእምነት ክንዓቢ ድማ ይድግፈና። እቲ ኣቦይ ብስመይ ዝሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ኵሉ ክምህረኩም፡ ዝነገርክኹም ዘበለ'ውን ከዘክረኩም እዩ (ዮሃ 14:26)    

ክርስትያን ምዃን ማለት ናይ ላዕሊ ሓይሊ ምርካብ ነቲ ዘይክኣል ዝመስል ነገር ኣብ' ምድሪ ጼርካ ብዓወት ምምልላስ ኢዩ።

ከምዚ ትብል ምስላ ኣላ፡ ሓደ ቆልዓን ኣደን ኣብ ሓደ ናይ ጥንቲ ነገራት ዝሽየጠሉ ድኳን ይኣትው። ኣደ ንወዳ፡ ኣብ' ድኳን ሓደ ነገር ከይትትንክፍ ትብሎ: ወየ ወዲ ኢዱ ንድሕሪት ኣጣሚሩ፡ ብምርኣይን ምዕዛብን ብኢዱ ከይተንከፈ በቲ ኣብቲ ድኳን ዘሎ ነገራት እናተፈሰሀ ምስ ኣዲኡ ክጓዓዝ ወዓለ። ብተግባራት ወዳ ድማ ባህ በላ። ስለዚ ምስ መንፈስ ቅዱስ ክንመላለስ ከለና፡ ልክዕ ከምኡ ኢዩ። ነቲ ኣይትግበሩዎ ዝተባህለና ከይንገብር፡ እናተኣዘዝና ምጉዓዝ እዩ ዘድልየና። ዝማረኸና ነገራት ብስምዒት ከይንትንክፍ መንፈስ ቅዱስ የዘኻኽረና። ብተወሳኺ ብመንፈስ ምስ እንመላለስ፡ እቲ ፍረ ኣብ ባህሪያትና ይንጸባረቕ። ኣብ ዙሪያና ዘለው ሰባት ድማ ከለልዩና ኣይጽገሙን። ኣሪስቶቲል ይብል: ተባዕ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰብ፡ በቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ መምሪሕታት ዝነብር ሰብ እዩ።

ብሓይልናን ክእለትናን ዘይኮነስ ብረዲኤትን ጸጋን እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ኢና ክንፈሪ እንጅምር። ጳውሎስ ከምዚ ይብል "ኣነ ኣይኮንኩን ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ" (ገላ 2:20)። ብመጠን ፍቓድና ንመንፈስ ቅዱስ ዘግዛእናዩ ብኸምኡ መጠን ድማ ጽቡቅ ፍረ ንፈሪ። ፍረ መንፈስ ቅዱስ ውጽኢት ርክብና ምስ እግዚኣብሄር እዩ። እዚ ግን ብሕግን መርሖታትን ምቕያድ ኣይኮነን። ህልውና ናይ ሓጥያት ዘብቕዕ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ምስ ዝህሉ እዩ።

ልክዕ ከምቲ ምጉብዕባዕ ጎልያድ ምስ ምምጻእ ዳዊት ዘብቀዐ፡ መንፈስ ቅዱስን ህላውንኡን ኣብ ህይወትና ምስ ዝዓዝዝ ድማ ሓጥያት ኣብ ህይወትና ቦታ ይስእን።  ሓጥያት መስሎኺ ቦታ ዘይትረኸበሉ፡ ኣብ ብፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝተመልኤ ናብራ እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ንኸይንደግሞ ዝድግፈና፡ ነቲ ዝስበር ሰቢርና ናብቲ ኣብ ቅድሜና ዝጽበየና ዓወት ክንሰጋገር የኽእለና። እንተደአ ብመንፈስ ተመላሊስና: ነገራትና፡ ናብራና ኩሉ ዝሓሸ መልክዕ ይህልዎ። መን እዩ እቲ ዘርኢ፧      

ኣብ ኢሳ 11:1 "ካብቲ ኽሩት ጉንዲ እሰይ ከአ ሓደ ጠጥዒ ክጭብጭብ እዩ፡ ሓደ ጨንፈር'ውን ካብ ስሩ ፍረ ክፈሪ እዩ" ዝብል ነንብብ። ፍረ: ዝተፈላለየ ትርጉም ዝሓዘ ኣምር እዩ። ፍረ ክንብል ከሎና ቀልጢፉ ኣብ ሓሳብና ዝመጽእ ቃል እንተሎ ተኽሊ እዩ። ፍረ ካብ ሓደ ህይወት ዘለዎ ተኽሊ ዝርከብ ድሕሪ ቆጽሊ ዕንባባ ምፍራዩ፡ ካብ ዕንባባ ዝርከብ ነገር እዩ። ኣብ ፍረ ኣዝዩ ኣድላዪ ነገራት ይርከብ። ከም ዘርኢ፡ ቀጻልነት ተኽሊ፡ መግቢ ወዘተ።

ኣብ ገላ 5:22-23 ከም ዝገለጾ ትሽዓተ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኣለዋ። ንሳተን ከአ ፍቕሪ፡ ሓጎስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድአትን ይኣኽለኒ ምባልን እየን። ነዚ ከምዚ ኣዝመሰለ ጽቡቕ ተግባር ዝጻረር ሕጊ ድማ የልቦን። ዝኾነ ሰብ ኣብ ኣምላኽ ይእመን ኣይእመን፡ ብሞራላዊ ኣተሓሳስባ ነዚ ነገር ይቕበሎ እዩ። ዋላ'ኳ ኣተገባብርኡ ይፈላለ: መብዛሕትኡ ሰብ ነዚ ንምትግባር ይጽዕር እዩ። ገሊኡ ኣንፈቱ ስሒቱ ዝተፈላለየ ስነ ኣእምሮአዊ ፍልስፍና ምርኩስ ብምግባር ነዘን ነገራት ንምድላብ ሓርኮት ይብል። ካልኦት ድማ እዚ ምስ ወዲ ሰብ ዝተፈጥረ ባህሪይ ኮይኑ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተለዋወጠ ዝኸይድ ተግባራት እዩ ይብሉ። እቲ ንየሱስ ከም ጎይታኡን መድሓኒኡን ተቐቢሉ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝመላለስ ሰብ ግን፡ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ምፍራዩ ንቡር እዩ።              

ሓደ ክርስትያን  ከየባተኸ ክጽሊ፡ ከየባተኸ መጽ ቅዱስ ከንብብ ድማ ሕብረት ምስ ክርስትያናት የድልዮ።

ኣስዒብና እምበኣር ነዞም ዓይነታት ፍረ መንፈስ ቅዱስ ብዝርዝር ንርኣዮም፡

1. ፍቕሪ

እታ ኣምላኽዊት ፍቕሪ ብግሪኽ ኣጋፐ ትብሃል። እዚ ማለት ሓልዮትን ጽቡቕን ድሌትን ንብጻይካ ምድላይ፡ ብኸምኡ ንብጻይካ ምፍቃር፡ ጽቡቕን ሰናይን ነገራት ምድላይ፡ ምሕላይን ምሕላንን እዩ። ፍቕሪ ንስስዐ እተባርር፡ ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ንኽትግደስ እትድርኽ፡ ንሕውነት ድማ እተበግስ መሳሪሒት እያ። እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር ኣቦ ብወዱ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዝገለጾ ትምህርቲ እንተሎ፡ ከምቲ ንርእስና እነፍቅር ከምኡ ድማ ንኻልኦት ሰባት ከነፍቅር ምሂሩና። ካብዚ ሕልፍ ኢሉ ድማ ንጸላእትና ከነፍቅሮም ኣዚዙና። ዋላ ነቶም ክጎዱኡና ዝብገሱ ከይተረፈ ከም ነፍስና ጌርና ከነፍቅር ይምህረና (ሉቃ 627-28) ዋላ' እቲ ዘለና ብቕዓት ከም ደቂ ሰባት ውሱን እንተኾነ፡ ምስ መንፈስ ቅዱስ ሓቢርና ምስ እንሰርሕ ብሓይሊ እቲ ልዑል ነቲ ዘይካኣል ዝመስል ከም ዝካኣል ኮይኑ ንረኽቦ (ፊሊ 413)     

ፍቕሪ ኣብ ናብራ ክርስትና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንሱ ከአ ንመንፈስና፡ ንነፍስና፡ ዋላውን ንስጋና ፈውሲ እዩ። ኣፍቀርቲ ምስ እንኸውን እፎይታ፡ ቅሳነት፡ ኮታ ኵሉ ጸጽቡቑ ድማ ክስዕበና ከሎ ንሪኦ። ዘፍቕር ሰብ ሕማቕ ባህሪ ኣይረኣዮን። ናይ ፍቕሪ ሰብ ንኻልኦት ብኣሉታ ኣይጥምትን፡ ኣይርዳእን እዩ። ከምቲ ኣድላዪነት ቋንቋ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ንምርድዳእ ዝኾነ፡  መረዳድኢ ክርስትና ድማ ፍቕሪ እዩ። 

2. ሓጎስ

ሓጎስ ናይ ፍቅሪ ሓይሊ እዩ። ሓጎስ ማለት ካብ ብዙሕ ጽቡቕ ስምዒት ምስማዕ፡ ባህ ምባል፡ ኣብ ፍቕሪ፡ ጸጋ፡ በረኸትን መብጻዓታትን ናይ እግዚኣብሄር ምህላውን ኣብ ህላውነት ኣምላኽ ምምልላስን እዩ።  ኣብ ህይወት ወዲ ሰብ ሓጎስ ዝውሕደሉ ኣጸጋሚ ዘመን እኳ እንተሃለና፡ ምስ መንፈስ ቅዱስ ሕብረት ምስ ዝህልወና ሓጎስና ወሓዚ ይኸውን።

ኣብዛ ዘለናያ ምድሪ ማንም ዘይስሕቶ ሓቂ ኣሎ፡ ግዝያዊ ሓጎስ ብጣዕሚ ክመጽእ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ሞራላዊ ሕጊ ኮይኑ ንረኽቦ። እንጀራን ሃብቲን መሊኡዎም፡ ኵሉ እቲ ንስጋ ዘድሊ ሒዞም፡ ብሰንኪ ሓጎስ እግዚኣብሄር ምስኣን ዝሳቐዩ ግን ብዙሓት እዮም። ነዚ እዩ ዳዊት "ካብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝሔ ዝሕጎስዎ ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጎስ ኣንበርካ" (መዝ 4:7) ዝበለ። ስለዚ ሰብ ክጥዕሞ ከሎ ይሕጎስ ኣሎ ማለት እዩ። ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ መሰረታዊ ናይ ሓጎስ ምንጪ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘየብሎም። ክርስትያን ግን ኣብ ክርስትና ህይወቱ ብስጋ ይጥዓሞ ኣይጥዓሞ፡ እፎይታ ይርከብ ኣይርከብ፡ ኣብ ራህዋ ይኹን ጸበባ በቲ ሓላፊ ናብራ ዘይኮነ ናብቲ ዘይርኤ ዓስቢ እናጠመተ ክሕጎስ ከሎ፡ ናብራ ክርስትና ጥዒሙዎ ይሕጎስ ኣሎ ማለት እዩ። ነዚ ኣብነት ዝኾኑና ናይ እምነት ጀጋኑ ከም ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ዜማ የዜሙ ነበሩ። እቲ ዝነበርዎ ኩነታት ጥዑም ኮይኑ ዘይኮነስ ምንጪ ሓጎሶም ነገራት ስለ ዘይነበረ እዩ። ሓጎስ ንክርስትያን ህላውነቱ የረድኦዩ። ናይ ሓጎስ ፍረ ዝፈሪ ክርስትያን ካብ ካልኦት ሰባት ፍልይ ዝበለ ህይወት ኣለዎ። ኣብ መዝ 119:16 "ብስርዓታትካ ባህ እብል፡ ንቃልካ ኣይክርስዖን እየ" ዝብል ነንብብ።    

ድያብሎስ ነቲ ህያው ቃል ክሰርቕ ህርድግ ምስ በለ እዩ። ምኽንያቱ ምንጪ ሓጎስ እንታይ ምዃኑ ኣይስሕቶን እዩ። ካብ ቃላት ጎይታ የሱስ እንተንበብና ". . . ምእንቲ ከይኣምኑን ከይድሕኑን ኢሉ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ቃል ካብ ልቦም ይወስዶ" (ሉቃ 8: 12) ሓጎስ ከመይ ከም ዝስረቕ እስከ ንርአ፡ ቃል ኣምላኽ ተማሂርና ምስ ወጻእና፡ ግዜና እቲ ዝተማሃርናዮ ቃል ኣብ ኣስተንትኖ እንተ ዘይተጠቐምናሉ፡ ሰባት ዘይሓሰብናዮ ዘረባ ይድርብዩልና እሞ፡ ንዑኡ ተቐቢልና ምስ እነሰላስሎ እቲ ዝነበረና ሓጎስ ክስረቕ ይኽእል።      

ቃሉ ለይትን መዓልትን ምስ እነስተንትኖ ንሓጎስ እግዚኣብሔር ዝወስዳ ዋላ ሓደ የልቦን። ነብዪ እንባቆም ንቃሉ ካብ ኣፉ ዝፈልዮ ስለ ዘይነበረ ከምዚ ዝብል ንሂወትና ፈውሲ ዝኾና ቃል ነንብብ: "ኦም በለስ ኣይክትዕምብብን፡ ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልም፡ ግርሁ ምግቢ ኣይኪህብን እዩ፡ ኣባጊዕ ካብ ደምበ ኺጠፍኣ፡ ኣሓውን ኣብ ደምበታት ኪሰአና እየን። ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፡ ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ" (3:17-18)   

ይቕጽል