26
Fri, Apr
0 New Articles

‎“ብመንፈስ ድኻታት . . . ብጹኣን እዮም።” ማቴ.5፣3‎

Message 2
Typography

ጎይታ የሱስ ነቲ ኣብ ማቴ.5-7 ዘሎ ናይ ከረን ስብከቱ ክጅምሮ ከሎ “ብመንፈስ ድኻታት መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ ብጹኣን እዮም” ብምባል ጀሚርዎ (5፣3)። ነቲ ኣብ ሰለስቲኡ ምዕራፋት ዘሎ መሰረታዊ ትምህርቲ ክርስትና በዚ ሓሳብ እዚ ምጅማሩ ከኣ ብመንፈስ ድኻ ምዃን ኣብ ክርስትያናዊ ጉዕዞና ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ይእምተልና። ድኻ ማለት እንታይ ማለት እዩ፣ ብመንፈስ ድኻ ምዃንከ?


ብቀሊል ኣገላልጻ ድኻ ማለት ንምንባር ዘድልይዎ መሰረታዊ ድሌታቱ ከማልእ ዘይክእል ስለዚ ከኣ ብካልኦት ክማልኣሉ ዝጽበ ማለት እዩ። ድኻ ስእነቱ ከይሓባብአ ካብቶም ክሕግዝዎ ዝኽእሉ ሓገዝ ዝጽበ እዩ። ብመንፈስ ድኻ ዝኾነ ሰብ እምበኣር መንፈሳዊ ህይወቱ ከምቲ ዝግብኦ ከም ዘይኮነ ፈሊጡ ካብ እግዚኣብሄር ሓይሊ ንምቕባል ኩሉ ሳዕ ምሉእ ትውክልቱ ኣብ ኣምላኽ ዝገብር ማለት እዩ። ብመንፈስ ድኻ ዝበሃል ኣብ ገዛእ ርእሱ ሰናይ ከም ዘየለ ፈሊጡ ብስጋ ዘይምካሕ ሰብ እዩ። ኣማኒ ንምዃን ናትካ ግብሪ ገዲፍካ በቲ ንሓጥእ ዘጽድቕ ኣምላኽ ክትኣምን ስለ ዘድልየካ (ሮሜ.4፣5) ብመንፈስ ድኻ ኮይኑ ዘይጀመረ ሰብ ሓቀኛ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ጎይታ ብመንፈስ ድኻታት ክኾኑ ዝምህሮም ዘሎውን ነቶም ብመንፈስ ድኻታት ኮይኖም ዝጀመሩ ደቀ መዛሙርቱ እዩ። ስለዚ ብመንፈስ ድኻ ኮይንካ ድሕሪ ምጅማር ኣብ ጉዕዞ ዝሃብተምካ ክመስለካን ካብቲ ቅኑዕ መገዲ ክትወጽእ ስለ ዝከኣል ግን ብጥንቃቐ ክንመላለስ ይግብኣና። ነዚ ጽቡቕ ኣብነት እትኾነና ማሕበር ሎዲቅያ እያ። ማሕበር ሎዲቅያ ብመንፈስ ድኻታት ኮይኖም ብዝጀመሩ ኣመንቲ ዝቖመት ማሕበር እያ ኔራ። ብዙሕ ነገር እናሰለጠላ ምስ ከደ ግን “ሃብታምን ፈሳስን እየ፣ ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን” (ራእ.3፣17) ናብ ምባል በጺሓ። መንፈሳዊ ኣዒንታ ስለ ዝዓወረ ከኣ ሓቀኛ መንፈሳዊ ኩነታታ  ጠፊእዋ። ብመንፈስ ድኻ ኮይንካ ድሕሪ ምጅማርካ ብመንፈስ ዝሃብተምካ መሲሉካ ክትጋገ ትኽእል ኢኻ። ብኣንጻር ማሕበር ሎዲቅያ እቲ ናብ ገነት ተዘሪፉ ሰብ ክዛረበሉ ዘይተፈቕደ ዘይንገር ዘረባ ዝሰምዐ (2ቆረ.12፣4) ሃዋርያ ጳውሎስ በቲ ዝበጽሖ መንፈሳዊ ደረጃ ከይተነየተ “ኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ኽረኽቦ፣ ንቕድሚት እደፍእ ኣሎኹ እምበር፣ ቅድሚ ሕጂ ከም ዝረኸብክዎ ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከም ዝኾንኩ ኣይኮነን። . . . ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፣ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፣ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፣ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጎዩ ኣሎኹ።” ኢሉ (ፊሊ.3፣12-14)። ብመንፈስ ድኻ ምዃን እምበኣር ብድሕሬኻ ዘሎ ዘሐብን ድዩ ዘሕፍር ብዘየገድስ ናብቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ሕንጹጽ ዕላማ፣ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ብክርስቶስ የሱስ ምጉያይ ማለት እዩ። ብመንፈስ ድኻ ምዃን ማለት እግዚኣብሄር ካብቲ ንስኻ እትልምኖን እትሓስቦን ንላዕሊ ክህበካ ከም ዝደሊ ፈሊጥካ ንእኡ ዝኸውን ምድላው ምግባር ማለት እዩ። እምበኣርከስ ንሕናውን ብመንፈስ ድኻታት ምዃንናን ዘይምዃንናን ክንምርምር ይግብኣና። ከም ማሕበር ሎዲቅያ ምስ መዛኑናዶ ንወዳደር ኣሎና ወይስ ከም ጳውሎስ ንቕድሚት ንጎይይ? ብዛዕባ ዘሕለፍናዮ ጊዚያት  ነስቆርቁር ወይ ንሕበንዶ ወይስ ኣምላኽ ዝሓይሽ ኣዳልዩ ከም ዘሎ ኣሚንና ነመስግን?

 

ብመንፈስ ድኻ ዝኾነ ሰብ ነቲ ዝተዋህቦ ክፍሊ ኣገልግሎት ብግቡእ ንምዕያይ ዘኽእል ጸጋ ክወሃቦ ይልምን እምበር ምስ ካልኦት ብምውድዳር ብድፍረት ኣየገልግልን እዩ። ‘ካብ በዓል እገለ ኣይሓምቕን’የ’ ብምባል ንገብሮ ነገራት እንተልዩና ካብ ብጽእና ርሒቕና ከም ዘሎና ክንፈልጥ ይግብኣና። ዋላ ብመንፈሳውነትና ምስ እንበልጾም ሰባት ብሓደ ከነገልግል ከሎና ከምቲ ዝግብኣና ንምግልጋልን ብዝተኻእለ መጠን ንዓኣቶም ንምሕጋዝን ጸጋ ክንልምን እምበር ንነፍስና ምስኣቶም ኣወዳዲርና ርእስና ክንንእድ ኣይግባእን። እዛ ብመንፈስ ድኻታት ትብል ሓሳብ ኣብ ብዙሕ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዙሕ መንገዲ ተገሊጻ ንረኽባ ኢና። ገለ ካብኡ ምስ እንርኢ፣  ብመንፈስ ድኻ ምዃን ማለት ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ምእማን፣ ኣብ ልቦናኻ ዘይምጽጋዕ፣ ኣብ ኩሉ መገድኻ ንእኡ ምሕሳብ፣ ባዕለይ ይፈልጥ ዘይምባል፣ ንእግዚኣብሄር ምፍራህን ካብ ክፉእ ምርሓቕን ማለት እዩ (ምሳ.3፣5-7)። ብመንፈስ ድኻ ምዃን ኣብ እግዚኣብሄር ምውካልን ትጽቢትካ ኣብኡ ምግባርን (ኤር.17፣7)፣ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገር ዋላ ሓንቲ ከም ዘይትፈልጥ እናተኣመንካ ብትሕትና ናብ ጎይታ ምቕራብ (1ቆረ.3፣18-20)፣ ገለ ከም ዘይኮንካ ምፍላጥ (ገላ.6፣3) እዩ።

 

ብመንፈስ ድኻ ምዃን ‘ባዕለይ እፈልጥ’ ምባል ገዲፍካ ምሉእ ትውክልትኻ ኣብ እግዚኣብሄር ምግባር ማለት እዩ። ብመንፈስ ድኻ ምዃን ኩሉ ሳዕ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ንምንባር ዘኽእል ጸጋ ምልማን እምበር ፍቓድ ኣምላኽ ክፈልጥ ኣይከኣልኩን ኢልካ ብመንገዲ ገዛእ ርእስኻ ምኻድ ኣይኮነን። ፍቓድ ኣምላኽ ፈሊጥካ ብእኡ ክትመላለስ እናተገብኣካ ብመገዲ ርእስኻ ምኻድ ሓጢኣት እዩ፣ ክንንስሓሉ ከኣ ይግባእ። ጎይታ እምበኣር ነቶም ካብቲ ንኣምላኽ ባህ ዘየብል መንገዶም ተነሲሖም ብመንገዱ ንምምልላስ ዝወሰኑ፣ ባዕለይ ይፈልጥ ከይበሉ ከኣ ነንመዓልቱ ከም ፍቓዱ ንምንባር ዘኽእሎም ጸጋ ዝልምኑ ሰባት እዩ መንግስተ ሰማይ ናታቶም እያ ኢልዎም። ንሕናውን ናብዚ ብጽእና እዚ ምእንቲ ክንኣቱ ነንሰዓቱ ከም ፍቓዱ ንምምልላስ ዘኽእል ጸጋ ክንልምን ይግብኣና።

                                 ጎይታ ይደግፈና!!