25
Thu, Apr
0 New Articles

ሐቂ ክርድኣካ ምእንቲ ንበረሉ

Message 2
Typography

ሓቂ እንተነቢርካላን ተኣዝካያን ጥራይ ከም ትርድኣካ ካብ ዝግለጸለይ ቅሩብ ጸኒሐ እየ። ማለት ትምህርቲ መጽሐፍ ቅዱስ ክሳዕ ኣብ ብሎ ህይወትና ኣሃሂድና እንነብረሉ ክረብሓና ኣይክእልን'ዩ። እ ምርዳእ እ ኣብ ናይ ብሉይ ኪዳን ነብያትን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ሃርያትን ሕምብርቲ እዩ ነይሩ። ግን ብሓት ክርስትያን ኣሕተይ በ ነገር እዚ ምሳይ ስለ ይሰማምዑ ቅሩብ ጽም ከይተሰምዓኒ ኣይተረፈን።

  ሕመረት ናይዚ ርድኢተይ ከምዚ እዩ። ኣብ መንጐ ጭብጢን (fact)) ሓቅን (truth) ዓቢ ፍልልይ ኣሎ። ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ሓቂ ካብ ጭብጢ ንላዕሊ እዩ። ጭብጢ፡ ግሉል (detached)  ግኡዛውዊ (impersonal)  ዝሑልን ህይወት ዘይብሉን ኽውን ይኽእል እዩ። ሓቂ ግን በንጻሩ ምውቕ ህያው መንፈሳዊ እዩ። ንምሳሌ ሓደ መንፈሳዊ ጭብጢ ኣብ ኣእምሮ ንዓመታት ሒዝካ ኣብቲ ሞራላዊ ባህርያትካ ግን ምንም ለውጢ ዘይብልካ ክትከውን ዝከኣል እዩ። ሓቂ ግን እተድሕንን እትሃንጽን እትልውጥን ኰይና ነቲ ዝነብረላ ኵሉ ሳዕ ዝያዳ ዝተዋደሰን ትሑትን ሰብ ትገብሮ እያ። ስለዚ መንፈሳዊ ጭብጥታት ነቶም ዝሓዝዎ ህይወት ዝልውጥ መንፈሳዊ ሓቅታት ዝኸውን፡ ካብታ ምእዛዝ ዝጅመረላ ደቂቕ ጥራይ እዩ። እምነት፡ ኣብቲ ሰብ ንየሱስ ክርስቶስ ብየዘየላውል መገዲ ጐይታ ክትገብሮ  ቁርጺ ውሳነ ምስ ረኸበት፡ ሽዑ እያ ሓቂ እቲ ናይ ምብራህን ምድሓንን ተግባራ ክትሰርሕ እትጅምር።


ጐይታ ነቶም ተቓነቐንቱ ዝተዛረቦም ቃል ኣብ ዮሃ 7፡17 'ፍቃዱ ክገብር ዝደሊ እንተሎ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተኾይኑ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተዘኾይነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ክፈልጥ እዩ' ዝብል ኣሎ። እዚ ቃል እዚ ኸኣ እዩ፡ ሰፊሕን ክቡርን ዝኾነ መኽዘን ሓቕታት፡ መፍትሕ ኰይኑ ዝፍተልና ማለት 'ፍቃዱ ፈሊጥና ምግባር'። ነቲ ትምህርቲ ጐይታናን ሃዋርያቱን ምስጢሩ ክርድኣና ንኽንእዘዝ ፍቃደኛታት ክንከውን ኣሎና። ኣብቲ ታሪኽ ቤተክርስትያን እንተረኣና፡ ምንቕቓሕ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ኹሉ፡ እዚ ርድኢትን ኣመላኽታን እዚ ነይሩ። ብሓቂ ኸኣ ሓንቲ ህያውን እተነቓቐሐትን ማሕበር ካብ ሐንቲ ምውትቲ ማሕበር እትፍለ ኣባላታ ንሓቂ ንምግባር ብዘለዎም ድልውነት እዩ። እታ ምውቲ ማሕበር ነታ ሓቂ ብሽፋና ጥራይ ከትቕበላ ላ ብውሽጣ ግን፡ ርእሳ ንሓቂ ኣይተግዝእን። እታ ሓቀኛ ማሕበር ግን ፍቃድ ኣምላኽ ንምግባር ዝወሰነት ብምኻና ሓይልን ቅልጽምን  እግዝኣብሄር ኣብኣ ይግለጽ እዩ።

 መንፈሳዊ ጭብጥታት፡ ነቲ ነብዪ ኤልያስ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ቅድሚ ሓዊ ካብ ሰማይ ምውራዱ ብኣገባብ ኣነባቢሩ ዘዳለዎ ጽፉፍ ግና ዝሑል መስዋእቲ ይመስሉ። ልቢ ነቲ ዝሐዘቶ ፈንያ ኢዳ ኣልዒላ በቲ ሓቂ ምስ እትማረኽ ግን ልክዕ ከምቲ ሓዊ ካብ ሰማይ ወሪዱ ነቲ መስዋእቲ ዝበልዖ፡ ለውጥን ምብራህን ምቕዳስን ምምላስን ይህሉ። እቶም መንፈስ ከይመሃሮም ቃል ጥራይ ዝመሃሩ ማሕበራትን ውልቀ ኣመንትን (ከምዚኦም ዝበሉ ኸኣ መሊኦም ኣለው) እታ ሓቂ ካብቲ ንዕኦም ዝመስሎም ዕሙቅ ኢላ ከም ዘላ ምርኣያ ጸጊምዎም ኣሎ።

 ሓቂ እትርድኣና ኣብኣ ብግብሪ ምስ እንሳተፍ ጥራይ እዩ። ናትና እዩ ክንብሎ እንኽእል ምስ እንምከሮ ጥራይ እዩ። ቅዱስ ጐርጐርዮስ ናይ ሲና ኣብ 14 ክፍለ ዘበን ዝነብር ዝነበረ ኣብ መንፈሳዊ፡ ምርዳእን ምስታፍን/ምግባርን ዘይፈላለ እዩ ኢሉ ይምህር ነበረ ከምዚ ኢሉ ፡'እቲ ትእዛዛት ከይገበረ ኣብኡ ዘሎ ንትእዛዝ ክመሃር ጥራይ ዝፍትን ሰብ ነቲ ንሓቂ ገዲፉ ንጽላሎታ ዝሕዝ ሰብ ይመስል'። ምርዳእ ናይታ ሓቂ ዝተዋህበ ግን ነቶም ገበርትን ተሳተፍትን እዩ። ካብዚ ወጻኢ እንረኽቦ ጥበብ ቄናን እዩ።

 እምበኣር ነዛ ቀላል እትመስል ርድኢት፡ ካብቲ ዝደርበናያ ቦታ ኣልዒልና ኣብ ማሕበር ክርስቶስን ኣብ ግሊ ህይወትናን፡ ሰፈራ መሊስና ንሃባ። ትእምርትን ተኣምራትን ክትሰርሕ እያ።///