20
Sat, Apr
0 New Articles

እስከ ንጸልይ

Message 2
Typography
ብክርስቶስ ኣሕዋትና ኣብ ኩሉ ስፍራ ዘለኹም : ዘለናዮ ጊዜ ከም እተስተውዕልዎ ገጽ እግዚኣብሄር እንድልየሉ ጊዜ እዩ ። ዙርያና እንተ ርኣና እንርእዮን እንሰምዖን እንታይ እዩ ፧ ጊልያ ኤልሳእ ኣብ ዙርያኡ ንዝነበሩ ሰራዊት ጸላእቱ ምስ ረኣየ ኣዚዩ ተጨኒቑ ፤ እንታይ ክንገብር ኢና ፧ በለ ። ኤልሳእ ግና ከምዚ በለ : ዎ እግዚኣብሄር ይልምነካ ኣሎኹ ክርእስ ኣዒንቱ ኽፈት : ኢሉ ጸለየ ። 2ነገ6:15-17 ።
 
ኣሕዋተይ ኣዒንትና ጐይታ ክኸፍቶ ክንጽሊ ኣሎና ። ምእንቲ ገጽ እግዚኣብሄር ክንደሊ 2ዜና 7:13-14 ነዚ ቃል ብተደጋጋሚ ክነንብቦ ኢና እንርአ : ግና ለውጢ ዘይብሉ እዩ ኮይንና ዘሎ : ንምንታይ ይመስለኩ : ካብ ውሽጢ ልብና ንእግዚኣብሄር ስለ ዘይጠመትናዮ እዩ ። ከምቲ ጐይታ ዝደልዮ ልቢ ሒዝና ክንዲ ንቐርብ ንዓለም እናጠመትና ንቐርብ: ማለት ክልተ ኣማራጺ ሒዝና ኢና እንቐርብ ። 

እስከ ካብቶም ሙኩራት ቀደም ዝሓለፉ ቁዱሳን ክንጠቅስ : ህዝቢ ነነዌ ዮና3:5-10 ካብ ዓበይቶም ክሳብ ንኣሽቶም ወጮ ተኸድኑ : ይብለና : የገርም እዩ ። እቲ ንጉስ እዉን ከይተረፈ ክዳን ንግስነቱ ሰንድዩ ወጮ ተኸድነ ። ገለገለ ኣሕዋት ከምዚ ንብል ኢና : እቶም ሰባትሲ ይጹሙ እቶም ህጻናትን እንስሳታትን ግን እንታይ ገይሮም እዮም ዝጾሙ : ንብል ። እግዚኣብሄር ዝደሊ ግና ከምዚ ሓቀኛ ምምላስ እዩ ዝደሊ ። ነህምያ 1:1 እንተ ርኢና : ነህምያ ደሃይ ኣሕዋቱን ህዝቡን ክሓትት ከሎ ኢና እነንብብ ። ከምዚ ኸኣ ይብል ፍቕዲ 4 : እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ ሓያሎ መዓልታት ሓዚነ እናነባዕኩ ተቐመጥኩ : ይብል ። ነህምያ ከምዚ ኢሉ እናሓዘነ ብጾምን ብጸሎትን  ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቀረበ ። ንሱ ከምዚ ኢሉ ምስ ቀረበ ብድሕሪ እዚ : እቲ ንጉስ ገጹ ምስ ረኣየ ሓተቶ (ነህ2:2) ፍታሕ ከምጽኣሉ ከሎ ዝደለኻዮ ሕተት ክብሎ ንርኢ : ኣምላኽ ይመስገን ።

 

  ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ : ግና ከመይ ኢልና ኢና ሕጂ ናይ ዝሓለፉ ነገርና ረሲዕና ከምቲ ሰብ ነነዌ ዝገበርዎ ልብና ኣጽሪና ገጽ እግዚኣብሄር ንድሊ:  እወ ጾር ኣሕዋትናን ህዝብናን ኣቦታትናን ኣዴታትናን ከምኡውን ጾር መንእሰያትና ይሰማዕ : ተመሳሲልካ ጉዕዞ ንግደፍ ። ኣሕዋት : ምምስሳል እዩ ንዓና ሃሲና ዘሎ : እስከ ከምቲ ንኣብርሃም እግዚኣብሄር ተፈለ ዝበሎ እስኪ ንሕናውን ንፈለ ። ብብዙሕ ነገር ክንነቅሕ ዝግብኣና ንሕና ግን ንድቅስን ንስሕቕን ኣሎና : እንተዘይነቓሕና ነገራት ኣይክልወጡን እዮም ። ከምቲ ጐይታ ኣብ ፈትና ከይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን ማቴ 26:41 ዝበለና : እቲ ቀደም ዝሓለፈ ሕምቀትና ገዲፍና ሕጂ ንንቃሕ : እግዚኣብሄር ነገርና ክልውጦ እዩ : ኢሰ 55:6 <<ንእግዚኣብሄር በቲ ዚርከበሉ ጊዜ ድለይዎ : ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ ። ረሲእ መገዱ : ዓመጸኛ ኸኣ ሓሳቡ ይሕደግ : ናብ እግዚኣብሄር ይመለስ : ንሱ ኸኣ ኪምሕሮ እዩ : ኣዝዩ ይቕረ ይብል እዩ እሞ : ናብ ኣምላኽናውን ይመለስ።>> እግዚኣብሄር ይርድኣና ጐይታ ይባርኽኩም ኣጆና ክረድኣና እዩ ።