ሓደ በዓል ዋኒን ንሰራሕተኝኡ ብዝሰርሖ ስራሕ ብገምጋም ክንድዚ እዩ ዝግብኦ ኢሉ እዩ ነቲ ሰራሕተኝኡ ዓስቡ ዝህቦ ፣ ካብኡ ንላዕሊ ግና ኣይህቦን እዩ ። እግዚኣብሄር ግና ዓስኻ ጥራይ ዘይኮነስ ዕጽፍን ድርብን ጌሩ ዝኸፍል ኣምላኽ እዩ ፣ ኣብ ምሳ 23፣17-18 ከምዚ ይብል <<ብርግጽ ዓስቢ ኣሎ ትጽቢትካ ከኣ ከንቱ ኣይክኸውንን እዩ እሞ ልብኻ ኹሉ መዓልቲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሃልዎ ደኣ እምበር ብሓጥኣተኛታት ኣይትቕናእ ፣>>
እቲ ንእግዚኣብሄር ዝጥምት ሰብ ዓስቢ ኣለዎ ። ብሓቂ እምነትና ከምዚ እንተኾይኑ ደኣ ኣዒንትና ናበይ ይጥምታ ኣለዋ ፧ ብሓቂ ናብ ከምቲ ዳዊት ኣብ መዝ 121፣1 ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣለኹ ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒ ፧ ዝበለ ናብ ኣኽራንዶ ንጥምት ኣሎና ፧ ዳዊት እንታይ ስለዝደለየ እዩ ከምዚ ኢሉ ፧ ረዲኤት ዝደሊ ሰብ መብዛሕትኡ ጊዜ ናብ ላዕሊ እዩ ዝጥምት ሙሴ ኣብ ዝጓዓዘሉ ዝነበረ ኣብ ውግእ ከይተረፈ ኣእዳዉ ንላዕሊ ይገብር ነይሩ ኩሉ ጊዜ ኣእዳዉ ንላዕሊ ዝገብር ሰብ ኣይክእልን ስለዚ ኣባኻ ይወድቕ ኣለኹ እዩ ዝብል ፣ እቲ ውግእ ድማ ጠጠው ይብል ጸላኢኻ ኢዱ እንተዘይ ኣልዒሉ ክትማርኾ ኣይትኽእልን ኣይትኽእልን ኢኻ ፣ ኢዱ ንላዕሊ እንተኣልዒሉ ግና ተሳዒረ እዩ ዝብል ዘሎ ስለዚ ኢድካ ንላዕሊ ምልዓል ከምዚ ትርጉሙ ካብ ሃለዎ ፣ ሙሴ ድማ ኣእዳዉ ንላዕሊ ከልዕል ከሎ ሓይሊ ወይ ረዲኤት ካብ ላዕሊ ከምዝቕበል ዘሎ እዩ ዘርእየና ።
ኣብ ዮሃንስ 14፣1 ጎይታ የሱስ <<ልብኹም ኣይሸበር ብኣምላኽ እመኑ ብኣይ እውን እመኑ>> ይብል ፣ ተስፍኡ ኣብ ዓለም ኣብ ሰባት ኣብ ገንዘብ ዝገብር ሰብ ብዝኾነ ዓይነት ስዒሩ ወይ ተዓዊቱ ኣይፈልጥን ስለምንታይ ይመስለኩም ፣ ናይ ሰባት ነገር ምናልባት ሓንሳብ ክልተ ሳብ ይገብር ይኽእል ካብኡ ወጻኢ ግን ክጸርፈካ እዩ ዝርከብ ። ስለዚ ከምዚ ኣብ ቃሉ ልብኹም ኣይሸበር ኢሉና ዘሎ ካብዚ ፍትወት ዓለምን ካልእን ተኣሊና ናብ እግዚኣብሄር እናጠመትና በቲ መገዲ እናተጓዓዝና ብሓቂ ዓስቢ ኣሎና ፣ የሱስ ጎይታ እዩ ። ኢሰ 43፣1 ሕጂ ግና ኣታ ያእቆብ እቲ ዝፈጠረካ ኣታ እስራኤል ድማ እቲ ዝደኮነካ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ተበጅየካ እየ እሞ ኣይትፍራሕ ፣ ስለዚ ተበጃዊና እግዚኣብሄር ስለ ዘሎና ክንፈርሕን ክንጠራጠርን ልብና ክንሽበርን ናብ ዘየድሊ መገዲ ክንኸይድ ኣይግባእን ፣ ኢሰ44፣1-2 ። ጥራሕ ብምሉእ ልብናን ሓሳብናን ናብ እግዚኣብሄር ክንትምት ኣለና ፣ ኣብ ምሳ4፣23 ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ ልዕሊ ኹሉ ንልብኻ ሓልዎ፣ ይብለና ፣ ስለዚ ካብቲ ዘየድሊ መገዲ ህይወት ዘይህብ ጉዕዞ ካብቲ ዘይሃንጽ ዘበለ ክንእለ ኣሎና ። ብምሉእ ልብና ናብ እግዚኣብሄር ክንትምት ኣሎና ።
ሰብ ብዙሕ ይሓስብ ብዙሕ ይዛረብ ብዙሕ ይትምነ ፣ እቲ ዝፍጽም ግና እግዚኣብሄር እዩ ። ከምቲ ንስኻ ትሓስቦን ትደልዮን ዘይኮነ ዕጽፍን ድርብን ዝገብር እዩ ። ኢሰ55፣6 እምበኣርስ ከምቲ ቃሉ ንእግዚኣብሄር በቲ ዝርከበሉ ጊዜ ንድለዮ ዳሕራይ መገድና ምስ ስሓትና ከምቲ ኮይኑ ኢልና ካብ ነጉረምርም ። ኣብ ኢሰ 55፣12 ዘሎ ብሓጎስ ክትወጹ ብሰላም ድማ ክትስነዩ ኢኹም ኢሉና ኣሎ። እሞ እዚ ኩሉ ተስፋታት እንተሎና ደኣ ንምንታይ ንጭነቕ ፧ መጀመርታ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ እዚ ኩሉ ድማ ይውሰኸልኩም ኣሉና ኣሎ ማቴ 6፣33 ። እዚ ኩሉ ብእኡ እዩ ዝከውን ፣ ስለዚ ህይወትና እናተጠንቀቕና ንጎይታ እናጠመትና በዚ ክንጉዓዝ ይግባእ ። <<ብርግጽ ዓስቢ ኣሎ ትጽቢትካ ከኣ ከንቱ ኣይክኸውንን እዩ እሞ ልብኻ ኹሉ መዓልቲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሃልዎ ደኣ እምበር ብሓጥኣተኛታት ኣይትቕናእ ። >> <> <> <>
- ናይ ጸሎት ዋጋ ከይከፈልካ ካብ እግዚኣብሄር ምንቕቓሕ ኣይትጸበ ። (መጽሄት ተዳሎ )
- ጸላያይ ክርስትያን ሓያልዩ ፣ ብነገራት ዙርያኡ ኣይነቓነቕን እዩ ። (ቤንሂን)
- ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽ ምዃን ክንደይ ሰናይ እዩ
- ዝወሓደ ቓላት ኣብ ዘለዎ ዝበለጸ ጸሎት እዩ (ማርቲን ሉተር)
- እቲ ኣዝዩ ዝምብርከኽ ኣብሊጹ ይቐውም ። (ድ.ኤል.ሙዲይ)
- ናይ ገለ ሰባት ጸሎት ብኽልቲኡ ወገን ክቑረጽ የድልዮ ኣብ መጀመርታኡን ኣብ መወዳእታኡን ፣ኣብ ማእከሉ ድማ ሓዊ ክእጐደሉ ኣለዎ ፣ (ድ.ኤል.ሙዲይ)
- ጽሎት ውርጹጽነት ቃላት ዘይኮነ ናይ ልቢ እዩ ።
- ኩሉ ሓይልና ኣብ ጸሎት እዩ ዘሎ ። (ስፕርጀን)
ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ነሕዋት ይኹን ምስቶም ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይሓልፍ ዜፍቅርዎ ኹሎም ጸጋ ይኹን ።
መጺሔት ሻሎም
እግዚኣብሄር ዕጽፍን ካዕበትን ዝህብ ኣምላኽ እዩ ፣
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode