20
Sat, Apr
0 New Articles

ንምንታይ ፍርዲ ?

Message 2
Typography

''ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቁርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ካብ ምውታት ዘተንስኦ እሞ  ብእኡ ንኹሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቂ ዝፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለዘሎ ሕጂ ኣብ ኩሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይንገር ኣሎ።" ግብ 17፡30-31

 ካብቲ እግዚኣብሄር ዝግለጸሉ  ባህርያት ሓደ ጽድቁ እዩ። ኣምላኽ ጻድቕ እዩ ክንብል ከሎና ቅኑዕ ዘይዕምጽ ፍርዲ ዘየዝብል ኣምላኽ  ማለትና እዩ። ንብዙሓት ኣምላኽ መሓሪ ወይ ፍቕሪ ዝዀነ ኣምላኽ እዩ። ብርግጽ ድማ ኣምላኽ ከምኡ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ ስለ ዝኾነ ድማ እዩ ገና ሓጥኣን ከሎና ነቲ ሓደ ወዱ ኣብ ክንዳና ክመውት እሞ ብሞቱ ንሕና ህይወት ክንረክብ ዝፈቐደ።


እንተኾነ ግና ኣምላኽ ብዛዕባ ርእሱ ንሙሴ ክዛረቦ ከሎ ንበዳሊ ከም ንጹህ ዘይርኢ ምዃኑ እዩ ገሊጹሉ። ኣምላኽ ግና ሰብ ክገብሮ ዘይክእል ነገር ሓቲቱ ኣይኮነን ንሰብ ናብ ፍርዲ ዘምጽኦ። ከምቲ ኣብ ሮሜ 3፡25 እነንብቦ፡'ንእኡ ከኣ ነቲ ቀደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሓደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ከርኢ ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ ' ይብለና። ስለዚ ኣምላኽ ንወዱ ኣብ ክንዳና ኣሕሊፉ ክህቦ ከሎ ጽድቁ እዩ ዘርኢ ነይሩ።   ምኽንያቱ ሓጢኣት ከይተቐጽዔ ሸለል ኢሉ ኪሓልፎ እዚ ምስቲ ቅዱስ ባህርዩ ስለ ዘይከይድ እዩ።

 

 ስለዚ ድማ ኣምላኽ እቲ ካብኡ ዝድለ ኵሉ ፈጺሙ ሰብ ኪንሳሕን ካብ ክፉእ መገዱ ኪምለስን ይጽበዮ ኣሎ።ሓንቲ መዓልቲ ግና ኣምላኽ ንዅሉ ዘይምእዛዝ መወዳእታ ኪገብረሉ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ንዓለም ብጽድቂ ዝፈርደላ መዓልቲ መዲቡ ኣሎ።

 

 እዚ ፍርዲ ጥራይ ተባሂሉ  ተጸዊዑ ዘሎ ግና ተራ ፍርዲ ኣይኮነን። ከም ጐይታ የሱስ ገይሩ ብዛዕባ እዚ ፍርዲ እዚ ዝተዛረበን ዘጠንቀቐን የሎን።ገሃነም ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ ደኣምበር ብመሰረቱ ንደቂ ሰባት ዝተዳለወ ኣይኰነን።ቃል ኣምላኽ ከምዝገልጾ ኣምላኽ ብጥፍኣት ሓደ ሓጥእ እኳ ዝሕጐስ ኣይኰነን ።

 

 ስለዚ ኣምላኽ ሎሚ ካባና ዝደልዮ እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ እቲ ሓጺርን ቀሊልን ምላሽ፡ ነቲ ብወዱ ኣብ መስቀል ዝገለጾ ፍቕሩ ኣዎንታዊ ግብረ መልሲ ምሃብ እዩ። ኣምላኽ ግዲኡ ፈጺምዎ እዩ፡ ተሪፉ ዘሎ ግደይን ግደኹምን እዩ።

 

 ስለዚ ኣምላኽ ምንም እኳ ገሃነም እሳት  ንሰብ ኢሉ እንተ ዘይፈጠሮ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ግና እቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ማለት ንጐይታና የሱስ ዘይተቐበልዎ ዘበሉ መወዳእታኦም ናብዚ  መሰክሒ ዝኾነ ቀላይ ሓዊ ምዃኑ ኣጠንቂቑን ሰብ ድማ ካብዚ ቁጥዓ ዝመልቈሉ መገዲ ኣዳልዩን ስለ ዝኾነ ብዝገብሮ ዘበለ ኵሉ ጻድቕ እዩ ። ከምቲ ንየሱስ ኣብ ክንዲ ኵላ ዓለም በጃ ኪኸውን ኪውፍዮ ከሎ  ጽድቁ ዘርኣየ፡ ከም ብመዓልትታት ኖህ ወይ ድማ ብመዓልትታት  ሶዶምን ጎመራን ነቶም ዝነጸግዎን ዘሽካዕለሉን መን እዩ ኣምላክ ዝበሉን ናብ ገሃነም እሳት ከውርዶም ከሎ ጽድቂ ኣምላኽ ደሚቑ ኪርአ እዩ።

 

"ኦ! ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላክ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኦ! ንጉስ ዘልኣለም፡ መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቕዱስ እሞ ኦ እግዚኣብሄር ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርን መን ኣሎ።እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተጋሂዱ እዩ እሞ ኩሎም ኣህዛብ ኪመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ኪሰግዱ እዮም።"

ራእ 15፡3-4 (ሓድሽ ትርጉም)