24
Wed, Apr
0 New Articles

እግዚኣብሄር ነቶም ድኹማት ይሕግዞም

Message 4
Typography

ዓለም ኣምላኽ ነቶም ንርእሶም ዝሕግዙ እዩ ዝሕግዝ ዝብል ብሂል ኣለዋ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን  ኣምላኽ ነቶም ንገዛእ ርእሶም ክሕግዙ ዘይክእሉ ከም ዝሕግዝ ይዛረብ። ንሱ ኣምላኽ ናይቶም ድኹማትን ሓጋዚ ዘይብሎምን እዩ። ንሱ ባዕሉውን ንርእሱ ከም ኣምላኽ ዘኽታማት፣ መበለታትን መጻእተኛታትን ይገልጻ። ኣብ ዘዳ.10፣17-18 "እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፣ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፣ ጎይታ ጎይተት፣ እቲ ዓብዩ፣ እቲ ሓያል፣ እቲ ዜፍርህ ኣምላኽ፣ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ፣ መማለዲ ኸኣ ዘይቕበል እዩ። ንሱ ንዘኽታማትን መበለታትን ፍትሒ የውጽእ፣ ንስደተኛውን ይፈቱ፣ እንጌራን ክዳንን ከኣ ይህቦ።" ይብል።


 ንሳቶም ብሰባትን ብትሕዝቶኦምን ክሕገዙ ስለ ዝኽእሉ ንርእሱ ከም ኣምላኽ ናይቶም ሃብታማትን ሓያላትን ኣይገለጻን። ንሱ ኣምላኽ ናይቶም ሓገዝ ሰብን ደገፍ ገንዘብን ዘይብሎም ድኹማትን ሓጋዚ ዘይብሎምን እዩ። ኣምላኽ ወገን ናይቶም ድኹማት እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ንዓናውን ቅድሚ ምሕጋዙ ከድክመና ዝደሊ። ኣብ ህይወት ጳውሎስ ሓይሉ ክገልጽ ምስ ደለየ ንጳውሎስ ንኸድክሞ ግራጭ ሂብዎ። ጳውሎስ ኣብ 2ቆረ.12፣7-10 "ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፣ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፣ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፣ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ። እዚ ኻባይ ኪርሕቕ፣ ብዛዕባኡ ንጎይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፣ ንሱ ኸኣ፣ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ፣ ጸጋይ ይኣኽለካ፣ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሓድር፣ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እምበኣርከ ምስ ዝደክም፣ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፣ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፣ ብጸርፊ፣ ብሓሳር፣ ብምስጓግ፣ ብጸበባ እሕጎስ እየ።" ኢሉ። ኣብ ሃብትኻን ኣብቶም ዓቢ ጽልዋ ዘለዎም ኣዕሩኽትኻን ክሳብ ዝተደገፍካ እግዚኣብሄር ከም ድላይካ ክትከይድ ክሓድገካ እዩ፣ ነቲ ሓገዙ ደሊኻ እትጽልዮ ጸሎትውን ኣይምልሶን እዩ። ምስ ደኸምካን ኣብ ሰብኣዊ ነገራት ዝነበረካ ትውክልቲ ምስ ገደፍካዮን ግን ሽዑ ኣዚኻ ክትባረኽ ኢኻ። ምስ ደኸምና ጥራይ ኣብ ኣምላኽ ምውካል ስለ ንጅምር ድኹምን ዝሕግዞ ዘይብሉን ምዃን በረኸት እዩ። ንጉስ ኣሳ ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ዝሓገዞ ሰብ ኔሩ። ሓደ ክብድ ዝበለ ሕማም ምስ ሓመመ ግን ኣብ ኣምላኽ ምውካል ሓዲጉ ኣብ ሓካይም ተወኪሉ። ቃል ኣምላኽ "ኣሳ ኸኣ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመት መንግስቱ ኣእጋሩ ሓመመ፣ እቲ ሕማሙ ኣዝዩ ብርቱዕ ኮነ። በቲ ሕማሙ ግና ንሓኪማት እምበር፣ ንእግዚኣብሄር ኣይደለዮን። ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ . . . " ይብል (2ዜና.16፣12-13)። ኣሳ ንጉስ ስለ ዝነበረ ነቶም ዝበለጹ ሓካይም ክኸፍሎም ይኽእል ኔሩ፣ እንተኾነ ግን እቲ ዝነበሮ ጽልዋን ሃብትን ካብቲ ዝነበሮ ሕማም ክፍውሶ ኣይከኣለን። ኣብ ኣምላኽ እንተ ዝውከል ክንደይ ጽቡቕ ኔሩ! እቲ ጌጋ ኣብ ሓካይም ምውካሉ እምበር ብሓካይም ምሕካሙ ኣይነበረን። ኣምላኽ ጥራይ ሓጋዚኻ ክኸውን እቲ ዝበለጸ ነገር እዩ። ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ብሉጽ ነገር ክገብር ትደሊ እንተኾንካ ብተደጋጋሚ ኣብ ቅልጽም ስጋ ካብ ምውካል ከውጽኣካ ክፍትን እዩ። ኣብኡ ጥራይ ምእንቲ ክትውከል ከኣ ከድክመካ እዩ።

እስኪ ኣብ ህይወት ኤልያስ ዝገበሮ ንርአ። ኣብ እስራኤል ጥሜት ምስ ኮነ ንኤልያስ ኣብ ከባቢ ሓደ ሩባ ኣቐሚጡ ብኳዃት ይምግቦ ኔሩ። "ቃል እግዚኣብሄር ድማ፣ ካብዚ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ኺድ እሞ ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተሓባእ። ኪኸውን ከኣ እዩ፣ ካብቲ ርባ ኽትሰቲ ኢኻ፣ ኣብኡ ኺምግቡኻ ድማ ንኳኻት ኣዚዘ ኣሎኹ፣ ኢሉ መጾ። ከይዱ ኸኣ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ገበረ። ከይዱውን ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተቐመጠ። እቶም ኳዃት ድማ ብጊሓት እንጌራን ስጋን፣ ምሸትውን እንጌራን ስጋን የምጽኡሉ ነበሩ፣ ካብቲ ርባ ኸኣ ይሰቲ ነበረ።" (1ነገ.17፣2-6)። እቶም ኳዃት ክልተ ጊዜ ኣብ መዓልቲ እንጌራን ስጋን የምጽኡሉ ኔሮም፣ ኣብቲ ርባ ከኣ ኩሉ ጊዜ እኹል ማይ ኔሩ። እዚ ነገር እዚ ብምድግጋሙ ኤልያስ ካብ ኣብ ኣምላኽ ኣብቲ ርባን ኣብቶም ኳዃትን ንምውካል ክፍተን ይኽእል ኔሩ። ስለዚ ድማ እግዚኣብሄር ነቲ ንኤልያስ ዝምግበሉ መንገዲ ክልውጦ ደልዩ፣ "ኮነ ድማ፣ ኣብታ ሃገር ዝናም ስለ ዘይዘነመ፣ ድሕሪ ሓያሎ ጊዜ እቲ ርባ ነጸፈ።" (1ነገ.17፣7)። ሓደ ንግሆ ኤልያስ ናብቲ ርባ ምስ ከደ ነጺፉ ጸኒሕዎ። እቲ ነቲ በላዒ ስጋ ዝኾነ ኳኽ ብተኣማንነት ስጋ ናብ ኣገልጋሊኡ ኤልያስ ከም ዘብጽሕ ዝገበሮ ኣምላኽ ካልእ መንገዲ ከም ዝገብር ክእመን ይከኣል እዩ። ስለዚ ኣምላኽ ንኤልያስ ናብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና ክኸይድ ኣዚዝዎ። ኣብኡ ድማ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ዝምግብ ሃብታም ነጋዳይ ዘይኮነስ ሓንቲ ኣረጊት፣ ሓጋዚ ዘይብላን ድኻን መበለት ኣዳልዩ ጸኒሑ። ንሳ እታ ንኤልያስ ንምምጋብ ክትምረጽ ትኽእል ናይ መወዳእታ ሰብ እያ ኔራ። መንገዲ ኣምላኽ ግን ከም መንገዲ ሰብ ስለ ዘይኮነ ንሱ ንኣኣ መሪጹ። ኣምላኽ እምነትና ኣብኡ እምበር ኣብቲ ሓገዝ ዝተረኽበሉ መንገዲ ምእንቲ ከይንገብር በቲ ንሕና ዘይንጽበዮ መንገዲ ምስራሕ ባህ ይብሎ።

"ኣሕዋተየ፣ ኣብቲ ጽውዓኹም እማ ተመልከቱ ብዙሓት ብስጋ ለባማት፣ ብዙሓት ስልጡናት፣ ብዙሓት ጭዋታት ኣይተጸውዑን። ኣምላኽ ግና፣ ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ፣ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ፣ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፣ ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ። ስጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕውን፣ ኣምላኽ ነቲ፣ ኣነ ገለ እየ፣ ዚብል ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፣ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኮነን ሓረየ።" (1ቆረ.1፣27-29)። እቶም ንብዙሕ እዋናት ዝመገቡና ኳዃት ምምጻእ ኣብ ዘቋርጹሉ ጊዜ ኣገራሚ ነገር ክፍጸም እዩ። ሽዑ ድማ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ምውካል ንጅምር። እቲ ክሕግዘካ ዘተስፈወካ ሰብ ቃሉ እንተ ዘየኽበረ ኣይተጉረምርም። ኣምላኽ ኣብኡ ጥራይ ምእንቲ ክትውከል እቲ ዘተስፈወካ ሰብ ከም ዘይሕግዘካ ይገብር እዩ። እግዚኣብሄር ቀናእ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ክብሩ ንዋላ ሓደ ኣየማቕልን እዩ። "ኣነ እግዚኣብሄር እየ፣ ስመይ እዚኣ እያ፣ ክብረተይ ከኣ ንኻልእ፣ ምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ።" (ኢሳ.42፣8)። ስጋና ኣብ ቅልጽም ስጋን ገንዘብን ናይ ምድጋፍ ዝንባለ ስለ ዘለዎ ‘ብዘይካይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልውኻ' ዝብል ቃል ደጋጊምና ክንሰምዖ ዘሎና ቃል እዩ። ኣምላኽ ብኩሉ ነገራትና ኣብኡ ክንውከል ይደልየና። ሽዑ ምሉእ ህይወትና ብዓወት ክንነብር ኢና።