16
Tue, Apr
0 New Articles

እናወሰኽካ ምኻድ

Message 4
Typography

ዝኾነ ህይወት ዘለዎ ነገር ካብ ዝተወልደሉ ጊዜ ጀሚሩ ክሳብ ዝተወሰነ ዕድሚኡ እናወሰኸ ክኸይድ ባህርያዊ እዩ። ኣብ ዝተወሰነ ደረጃ ድሕሪ ምብጽሑ ከኣ እናኣረገ ናብ ናይ ህይወቱ ፍጻሜ ይበጽሕ። መንፈሳዊ ህይወትና ከኣ ምስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ቀዳማይ ክፋል ህይወትና ይመሳሰል እዩ። ዝውስኽ እምበር ዝጎድል መንፈሳዊ ህይወት ክህልወና ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን። ኣብ ምድራዊ ህይወት ሰብ ክሳብ ዝተወሰነ ደረጃ ዕድሚኡ እናወሰኸ (እናዓበየ) ክኸይድ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብቲ ጥርዚ ናይ ዕቤት ደረጃ ምስ በጽሐ ግን ናብ እርጋንን ሞትን ከንቆልቅል ይጅምር። መንፈሳዊ ህይወትና እምበኣር ምስቲ ቀዳማይ ክፋል ዕቤት ስጋዊ ህይወትና ይመሳሰል እዩ።


 

ኣብቲ ካልኣይ ክፋል ግን ስጋዊ ህይወትና ናብ እርጋንን ሞትን ከንቆልቅል ከሎ መንፈሳዊ ህይወትና ግን እናወሰኸ ክኸይድ ይግባእ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንስጋውን መንፈሳውን ህይወት ብምንጽጻር ክዛረብ ከሎ "እቲ ሽዓ ዚሓልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዘይብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፣ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፣ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ፣ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና።" ይብል (2ቆረ.4፣16-18)  እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እናኣረገን እናበስበሰን ክኸይድ ባህርያዊ ሕጊ እዩ፣ ነዚ ክውንነት እዚ ብዝተፈላለየ መንገዲ ከነናውሖ ዝከኣል እኳ እንተኾነ ነዚ ሕጊ እዚ ክስዕሮ ዝኽእል ሰብ ግን የለን። ብስጋ እናኣረግና ክንስና ግን ብመንፈስ ክንብርትዕን ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ክሕደስን ይኽእል እዩ። ስለዚ እምበኣር መንፈሳዊ ህይወትና ካብ ትማሊ ሎሚ፣ ካብ ሎሚ ከኣ ጽባሕ ክበልጽ ከም ዝኽእል ምፍላጥ ግቡእ እዩ።

ምዕባይ ወይ እናወሰኽካ ምኻድ ኣብ ስጋዊ ኮነ መንፈሳዊ ህይወትና ኣዝዩ ዘሐጉስ ነገር ስለ ዝኾነ ብኩሉ ወገን ህይወቱ ክዓቢ ዘይደሊ ሰብ ክትረክብ ዳርጋ ዘይከኣል እዩ። ከምቲ ኩሎም ወለዲ ደቆም ካብ ዕድመ ቁልዕነት (ህጻንነት) ሓሊፎም ኣባጽሕን እኹላትን ክኾኑሎም ዝብህጉ እግዚኣብሄርውን ካብታ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣሚንና ዳግም ዝተወለድናላ መዓልቲ ጀሚሩ እቲ ናብ ብጽሕና ከብጽሓና ዝኽእል ኩሉ ነገራት እናቐረበ እኹላት ኣወዳትን ኣዋልድን ክንኮነሉ ይደሊ እዩ። ነቲ ንሱ ዝቐረበልና ነገራት ብዝተጠቐምናሉ መጠን ከኣ ደረጃ መንፈሳውነትና ይፈላለ። ብጎይታ ካብ ትኣምን ብዙሕ ዓመታት ጌርካ ከተብቅዕ ነቲ ዝተዋህበካ ብግቡእ ብዘይ ምጥቃምካ ጌና ኣብ ደረጃ መንፈሳዊ ቁልዕነት ክትህሉ ይከኣል እዩ። ድሕሬኻ ብጎይታ ዝኣመኑ ሰባት ግን ነቲ ዝተዋህቦም ብግቡእ ብምጥቃሞም ካባኻ ዝበለጸ ደረጃ መንፈሳውነት ክህልዎም ይኽእል እዩ። ስለዚ ነቲ ዝተዋህበና ንፍለጦ፣ ፈሊጥና ከኣ ንጠቐመሉ።

እዚ ምስ ጊዜ እናወሰኽካ ዘይምኻድ ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያንውን ዝነበረ ሽግር ስለ ዝኾነ ነፍሲ ወከፍና ርእስና እናመርመርና ካብኡ ሓራ ክንወጽእ የድልየና። ጸሓፊ መልእኽቲ ናብ እብራውያን ገለ ሰባት ኣብቲ መምህራን ክኾኑሉ ዝግብኦም ጊዜ መሰረታዊ ትምህርቲ ዘድልዮም ቆልዑ ምንባሮም ተዛሪቡ ኣሎ (እብ.511-14)። ንጎይታ ዘሐጉሶ እንተ ዘይመርሚርና፣ ሓሳቡ እንተ ዘይፈሊጥናን ሓይሉ እንተ ዘይደሊናን ዓመታት ብምቑጻር ጥራይ ከነምጽኦ ንኽእል ለውጢ የለን። ዕድመ ቁልዕነትን ዕድመ ብጽሕናን ኣሎ፣ ኣብቲ ናይ ብጽሕና ዕድመኻ ቆልዓ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፣ ኣብቲ ናይ ቁልዕነት ዕድሜኻ ግን በጽሒ ክትከውን ኣይከኣልን እዩ። ስለዚ ብመጠን መዓልትታትና መንፈሳዊ ህይወትና ምእንቲ ክዓቢ ጥበበኛ ልቢ ክወሃበና ክንጽሊ ይግብኣና (መዝ.90፣12)

ብዙሕ ጊዜ እናወሰኽካ ትኸይድ ኣሎኻዶ ንዝብል ሕቶ ምምላስ ቀሊል ኣይኮነን። ይውስኽ ከም ዘለኹኸ ብከመይ ክፈልጥ ይኽእል ዝብል ሕቶ ከኣ ንሓትት። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 1ቆረ.13 ቆልዓ ከም ቆልዓ ከም ዝሓስብ፣ ልቢ ቆልዓ ከም ዘለዎን ከም ቆልዓ ከም ዝዛረብን ይነግረና። ንሱ ንባዕሉ ከምኡ ከም ዝነበረን ሰብኣይ ምስ ኮነ ግን ነቲ ነገር ቆልዓ ከም ዝሓደጎ ከኣ ይዛረብ። እናወሰኽካ ምኻድ እምበኣር ካብ ነገር ቆልዓ እናወጻእካ ምኻድ ማለት እዩ። ቀንዲ መለለዩ ቆልዓ ኣነ፣ ናተይ ንዓይ ዝብል ምዃኑ እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ 1ቆረ.3፣1-9 ቅንእን ባእስን ምህላው፣ ከም ባህሊ ሰብ ምኻድ፣ ሻራ ምግባር ከም ባህርያት መንፈሳዊ ቁልዕነት ተጠቒሱ ኣሎ። ሰብ ቆረንጦስ ከም ዝቐንኡን ዝበኣሱን፣ ከም ባህሊ ሰብ ከም ዝኸዱ፣ ኣነ ናይ ጳውሎስ ኣነ ናይ ኣጵሎስ እየ እናበሉ ከም ዝፈላለዩ ዝገበሮም እቲ ኣብ ቆልዑ ዝርአ ኣነ፣ ናተይ፣ ንዓይ ዝብል ጎይታ ሓራ ክንወጸሉ ዝደልየና ንርእስኻ ዘማእከለ ናብራ እዩ። እናወሰኽካ ትኸይድ ኣሎኻዶ ማለት እምበኣር ካብ ነገር ቆልዓ እናወጻእካዶ ትኸይድ ኣሎኻ ማለት እዩ። ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ካብ ኣተሓሳስባ መንፈሳዊ ቁልዕነት ትወጽእ ኣሎኻዶ የለኻን ምፍላጥ ከኣ ከቢድ ኣይኮነን። ብቃል ኣምላኻዊ መምዘኒ እምበኣር እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ብካልእ ወገን ከኣ ኣብዛ ዓለም ምስ ሰባት ስለንነብር ኣብ ዙርያና ዘለዉ ሰባት እናወሰኽና ንኸይድ ምህላውና ክምስክሩልና ይኽእሉ እዮም። ናይ ሰባት ምስክርነት ምሉእ እኳ እንተ ዘይኮነ ገለ ሓቂ ግን ክነግረና ይኽእል እዩ።

ብጸጋ ኣምላኽ ተመሊእና ክሳብ ዝተመላለስና መንፈሳዊ ህይወት ምውሳኽን ምሕዳስን እምበር ምጉዳልን ምእራግን ዘይብሉ ህይወት እዩ። ቃሉ ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ነቲ ቀዳማይ ግብሪ ግበሮ ስለ ዝብል ብንስሓ ናብ ጎይታ ትመሊስናን ካብ ሕሉፍ ተማሂርናን ዝሓይሽ ናብራ ንምንባር ንወስን። ኣምላኽ እንተወደቕናውን ዳግማይ ዕድል ከም ዝህብ ፈሊጥና ናብኡ ንጸጋዕ፣ ንሱ ከኣ ከዕብየና እዩ።