25
Thu, Apr
0 New Articles

“እቲ ሒደት ዚሕደገሉ ኸኣ ሒደት እዩ ዜፍቅር” ሉቃ.7፣47

Message 4
Typography

ሓደ ጊዜ ጎይታ የሱስ ተዓዲሙ ናብ ቤት ሓደ ፈሪሳዊ ኣትዩ። ኣብ ቤት ኣትዩ እቲ ይግባእ እዩ ዝበልዎ እንግዶት እናገበሩሉ ከለዉ ከኣ ሓንቲ ኣብቲ ዓዲ ዝነበረት ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ቅዱይ ቅብኢ ዝሓዘ ብልቃጥ ሒዛ ብምምጻእ ኣብ ጥቓ እግሩ ደው ኢላ እናበኸየት በቲ ንብዓታ እግሩ ከተጠልቅዮ፣ ብጸጉሪ ርእሳ እግሩ እናደረዘት ከኣ በቲ ቅዱይ ቅብኢ ክትለኽዮ ጀመረት። እቲ ዝዓደሞ ፈሪሳዊ ነታ ሰበይቲ ይፈልጣ ስለ ዝነበረ ጎይታ ነብይ ዝበሃል ክንሱ መን ከም ዝኾነት ዘይምፍላጡን ገለ ዘይምባሉ ገሪምዎ። ሽዑ ጎይታ ብልቡ እንታይ ከም ዝሓሰበ ፈሊጡ ብሓደ ምስላ ጌሩ ነቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ሕቶ ዝኸውን መልሲ ሂብዎ (ሉቃ.7፣36-50)። እቲ ጎይታ ዝተዛረቦ ቀንዲ ሓሳብ "እቲ ብዙሕ ዝተሓድገሉ ብዙሕ ከም ዘፍቅር እቲ ሒደት ዝተሓድገሉ ከኣ ሒደት ከም ዘፍቅር" እዩ።


 እዚ ዛንታ እዚ ኣብ ካልእ ክፍሊ (ማቴ.26፣6-13) እንተርኢናዮ ገለ ካብቶም ነዛ ሰበይቲ ንጎይታ ቅዱይ ቅብኢ ክትለኽዮ ዝረኣዩ ደቀ መዛሙርቱ ‘ጥፍኣት' ኢሎሞ እዮም። ከምቲ ጎይታ ኣብ ምስላኡ ዝጠቐሶ እቶም ክልተ ሰባት ዕድኦም ምስ ተሓድገሎም እቲ 500 ዲናር ዝተሓድገሉ ካብቲ 50 ዲናር ዝተሓድገሉ ብዝበለጸ ነቲ መለቅሒ ከም ዘፍቅሮ ተዛሪቡ ኣሎ። እዚ ቅዱይ ቅብኢ ምልካይ ነታ ሰበይቲ ግቡእ ነቶም ካልኦት ግን ጥፍኣት ዝመሰሎም እምበኣር እታ ሰበይቲ ብዙሕ እቶም ካልኦት ግን ሒደት ስለ ዝተሓደገሎም እዩ። ንምዃኑ ብዙሕን ሒደትን ዝሕደገሎም ሰባት ኣለዉ ድዮም? ብዙሕ ዝተሓድገሉ ብዙሕ፣ ሒደት ዝተሓድገሉ ከኣ ሒደት ስለ ዘፍቅር ብዙሕ ንከነፍቅር እንታይ ክንገብር ኣሎና?

እዚ ጎይታ ዝጠቐሶ ምስላ ብዙሕ ዝተሓድገሉን ሒደት ዝተሓድገሉን ሰባት ከም ዘለዉ የስምዕ እዩ። እቲ ዝሕደግ እንታይ እዩ? ኢልና እንተሓቲትና ግን እቲ ኣብ ሰባት ዘሎ ርድኢት ደኣ እዩ ዝፈላለ እምበር ቃል ኣምላኽ ኩሉና ከም ዝሓጣእናን ካብ ክብሪ ኣምላኽ ከም ዝወደቕናን ስለ ዝምህር (ሮሜ.3፣23) ሒደት ወይ ብዙሕ ዝተሓድገልና ክመስለና ይኽእል እምበር ሒደት ዝተሓድገሉ ሰብ የለን። እቲ ቀንዲ ሽግርና ኣዝዩ ክፉእን ደሓን ዝኾነን ሓጢኣት ከም ዘሎ ምሕሳብ እዩ። ብኩሉ ወገናቱ ኣዝዩ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎ ሓጢኣት እኳ እንተሎ ዋላ እቲ ደሓን (ብዙሕ ዘየኽፍእ) ዝመስለና ሓጢኣት ካብ ኣምላኽ ንዘልኣለም ክፈልየና እኹል እዩ። ሓጢኣት ካብ ኣምላኽ ንዘለኣለም ክፈልየና ዝኽእል ኣዝዩ ሓደገኛ ነገር ስለ ዝኾነ ሕድገት ሓጢኣትና ክሳብ ክንደይ ክቡር ዋጋ ከም ዝሓተተ ክንፈልጥ የድልየና። እዚ ሒደት ወይ ብዙሕ ዝተሓድገሉ ዝብል ቃል ጎይታ ምስቲ ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን ዝበሎ ቃል እንተ ኣወዳዲርናዮ ነዚ ሓሳብ ጽቡቕ ክንርድኦ ኢና። ጎይታ ናብ ምድሪ ዝመጸ ሓደ ጻድቕ ስለ ዘይነበረ (ሮሜ.3፣10)፣ ኩልና ስለ ዝሓጣእናን (ሮሜ.3፣23) ብግብሪ ሕጊ ክንጸድቕ ስለ ዘይከኣልናን (ገላ.2፣16) እዩ።

ንስኻ ጻድቕ ከም ዝኾንካ ክመስለካ ይኽእል እዩ፣ ብየሱስ ክርስቶስ ዘይኣመነ ጻድቕ ግን የለን። ጎይታ ዘየድልዮ ሰብ እኳ እንተዘየለ እቶም ጻድቃን ከም ዝኾኑ ዝሓስቡ ግና ጎይታ ከም ዘድልዮም ኣይፈልጡን እዮም። ነዚኣቶም ከኣ ጻድቃን ኢኹም ዘይኮነስ ‘ከማኻትኩም ንዝኣመሰሉ ጻድቃን ኮይኖም ዝስምዖም ሰባት ክጽውዕ ኣይመጻእኩን' ኢልዎም። እዚ ናይ ስምኦን ፈሪሳውን ናይታ ሓጢኣተኛ ሰበይትን እምበኣር ልክዕ ከምኡ እዩ። ካብ ክልቲኦም ሒደት ወይ ብዙሕ ዝተሓድገሉ ዝበሃል ኣይነበረን። ኣተሓሳስብኦም ግን በበይኑ ኔሩ። ስምኦን ንጎይታ ምሳሕ ምዕዳምን ምስኡ ተመዓራሪኻ ኮፍ ምባልን ከም መግለጺ ናይቲ ዝተሓድገሉ ሒደት ሓጢኣት ኮይኑ ክስምዖ ከሎ ንሳ ግን ብዙሕ ከም ዝተሓድገላ ስለ ዝፈለጠት እቲ ፍቕራ ዝገለጸትሉ ነገርን መንገድን ነቶም ምስ ጎይታ ዓመታት ዝተመላለሱ ሰባትውን ‘ጥፍኣት' መሲልዎም እዩ። ስለዚ ንጎይታ ከምቲ ንደልዮን ከምቲ ዝግባእን ከይነፍቅሮ ዝገብረና ክንደይ ከም ዝተሓድገልና ዘይምፍላጥ ስለ ዝኾነ ኣምላኽ ዝሓደገልና ንኽገልጸልና ትሕት ኢልና ንሕተቶ።