26
Fri, Apr
0 New Articles

ፍቓድ ኣምላኽ

Message 4
Typography

ጸሎት ክንጽሊ ሎና፡ መልሲ ምእንቲ ኽንረክብ እዘን ክልተ ነገራት ኣገደስቲ እየን። ጸሎት ስቕ ኢልካ፡ ንንፋስ ምዝራብ ወይ ድማ ኣብ ጸልማት ምትኳስ ኣይኰነን። ናብ መን ከም እንጽሊ፡ እንታይ ከም እንጽልን መልሲ ጸሎት ከም ዘሎን ፈሊጥናን ኣሚንናን ኢና እንጽሊ። እብ 116' ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ከስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ክመጽእ ዝደሊ፡ ንሱ  ዘሎን ነቶም ዝደልይዎ ዓስቢ ከም ዝህቦምን ክኣምን ይግብኦ እዩ' ይብለና።


 

ተስፋታት ኣምላኽ ኣብኡ(ማለት ኣብ ኣምላኽ) እወ እዩ፡ 2 ቈረ 120 ስለዚ፡ ኣምላኽ ነቲ ዝኣምን ኵሉ ይከኣል እዩ፡ ይብል። ማር 923 ኣብዛ ካልኣይቲ ጥቕሲ እንተተመልከትና የሱስ ናብዛ ምድሪ ካብ ዘምጽኦ፡ ሓደ ከምቲ ኣብ ሉቃ 4 ተጻሒፉ ዘሎ፡ ንእሱራት ምውጻእ ሓራ ክገብር እዩ። ኣብ ግብ 1038'ውን ነቶም ሰይጣን ዝሰዓሮም ኵሎም እናሕወየ፡ ይብል። ስለነ፡ ነቲ ወዱ ብኣጋንንቲ ተታሒዘዝተሸገረ ሰብኣይ፡ እቲ ተስፋ ኣምላኽ እወ እዩ ነይሩ። ግን ብሸነኽ እቲ ሰብኣይ እምነት ይድለ ነይሩ። 

ኣብ ሓደ ውሱን ጉዳይ ኣምላኽ እንታይ ምኳኑ እንተፈሊጥና፡ እቲ ዝለመንናዮ ነገር ንኽፍጸም እምነትና ወሳኒ እዩ። ኣብ ካልእ ክፍሊ ወንጌል፡ ዕላማ የሱስ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ክነሱ፡ ብዘይ ምእማኖም ግና ምንም ሓይሊ ክገብር ከም ዘይከኣለ ነንብብ። ማር 1124 ከኣ ኣንብብ። ስለዚ እቲ ዝኣምን ሰብ ከም ዝተቀበለ እናኣመነ እዩ ዝጽሊ። እምነት ግና ኣምላኽ ከም ዝኽእል ምእማን  ወይ ምፍላጥ ጥራይ ማለት ኣይኰነን። ነዚሞ እቲ ዘይኣምን ሰብ ጥራይ ዘይኰነ ሰይጣን'é ይኣምን እዩ። እምነት ግና ኣምላኽ ከም ዝኽእልን፡ ነቲ ዝለመንካዮ ሕጂ ከም ዝተቀበልካዮን ተኣሚንካ ምምስጋንን እዩ።

በቲ ሓደ ወገን ድማ ብዛዕባ እቲ እንጽልዮ ነገር ኣምላኽ ምኳኑ ምፍላጥና ንእምነትናን ንመልሲ ጸሎትናን ሓጋዚ እዩ። ኣምላኽ ግሉጽ እዩ። ኣምላኽ ንፍ  ዘይፍለጥ ሚስጢር ኣይገበሮን፡ ንፍ ኣፍሊጡ እዩ። ንዓና ብግሊ ድማ ብዝተፈላለየ የፍልጠና እዩ፡ ፍልጠናን ክመርሓናን ድማ ቃል ኣትዩ እዩ። ገለ ካብቲ ዘፍልጠና መገድታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1. ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ግሉጽ ኣምላኽ ንዓናን፡ ንዕለታዎñ ምርሒት ዝኾነናን ቃል ኣምላኽ ዘለዎ መጽሓፍ እዩ። ስለዚ ነቲ ሓፈሻዎñ ኣምላኽ ኣሜን ክንብሎ ይግባእ። ንኣብነት ሓደ ዝሓመመ ክርስትያን፡ ክፍወስ ድዩ ኣይፍወስን፡ ፈሊጥካ ንምጽላይ ኣምላኽ ተወሳ ፍሉይ ምርሒት ክሳብ ዘይሃበ ቃል ኣምላኽ ብቑስሉ ዝሓወ ስለ ዝብል ከም ዝፍወስ ኣሚንካ ጸሊና ከተመስግን፡ ዘኽእለካ ንጹር ቃል ኣምላኽ ኣሎካ።

2. ምስክርነት ኣብ መንፈስናን ካብ ኣሕዎትን። ነዚ ክልቲኡ ብሓደ ኣርእስቲ ጌርናኳ እንተተዛረብናሉ ኣምላኽ መጀመርታ ኣብ መንፈስና ምስክርነት ይህብ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ድማ፡ ዳግም ዝተወልደ ሰብ ህያው ዝኾነ መንፈስ ስለ ዘለዎን ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነን፡ ኣምላኽ ነቲ ሰብ ክዛረቦ ዝደሊ ነገር ኣብ መንፈሱ ክዛረቦ ይኽእል እዩ። ካብ ኣሕዎት ድማ ተመሳሳሊ ምስክርነት እንተሎ እዚ ኣምላኽ ፈሊ ንምፍላጥ  መረጋገጺ እዩ።

3. ኵነታት። ሓደ ሓደ እዎን ኵሉ ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘይተጻሕፈ ጥራይ፡ ኣምላኽ ፈሊና ንምፍላጥ ዘሸግረና እዎናት ኣሎ። ንመገሻ፡ ንስራሕ ካብ ክልተ ነገራት ንምምራጽ፡ ኣምላኽ ኣየናይ ምኳኑ ንምፍላጥ ኣምላኽ ኣብ ኵነታትካ ዝገብሮ ነገር ኣስተብህል። እዚ ምናልባት ምስቲ ኣብ ላዕሊ ጠዊስናዮ ዘሎና ሓቢሩ ይድ ነገር እዩ።

4. ብትንቢት። ኣምላኽ ነቲ ድሮ ኣብ ልብ ክገብሮ ጀሚሩ ዘሎ ነገር ብትንቢት ከረጋግጸልካ ይኽእል እዩ። ግብ 131-3 ኣንብብ።

ስለዚ ኵሉ ጊዜ መልሲ ዘለዎ ጸሎት ንምጽላይ እዘን ክልተ ነገራት ዘይፈላለያ እየን። ኣምላኽን እምነትን። ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ዘሎና ራእይ እንታይ እዩ? እግዚኣብሄር እቲ ዳሕረዎይ ዝናብ ከዝንበልና እሞ ወንጌል ብድንቅን ብተኣምራትን ክሰፍሕ ነፍሳት ድማ ክድሕነ ኣምላኽ ዓቢ ዝኾነ ነባሪ ምንቕ ክህበና ስሙ ኣብ ሃገርና ኽፍለጥን ኽፍራህን፡

-እግዚኣብሄር ምድራዎñ ሰላም ክህበና፡ ካብ ኵናት ከዕርፈና፡ ደጊም ዝፈስስ ደም ንቱ ትጠፍእ ነፍሲ ኣብ ምድርና ይህሉን፡ ሃዲእና ብዘይ ህውከት ንኣምላኽ ከነምልኽን ብኣዝመራን ብጠልን ክንባረኽ ደርቅን ፌራን ካብ ምድርና ኽጠፍእ፡

እዚ እምበኣር ብምልኡ ኣምላኽ እዩ። በዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠስናዮ ኣምላኽ ንምፍላጥ እንጥቀመሉ ኣገባብ ተጠቂምና እንተ መርመርናዮ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ። ስለዚ ነቲ ድሮ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌና 'እወ' ኢልዎ ዘሎ  ንሕና ድማ ኣሜን ኢልና ንቀበሎ። እቲ ናይ ምእማንና ሊቀ ካህናት ዝኾነ የሱስ ድማ ንሱ ኣሜንን እሙንን ስለ ዝኾነ ነቲ ንሕና ዝተኣመንናዮ  ሒዘኣብ ኣምላኽ ክረኣየልና እዩ። ስለዚ ö እዩ ኣብ ዮሃ 1414 ብስመይ ሓደ ነገር እንተለመንኩም ክገብረልኩም እየ ዝብል