19
Fri, Apr
0 New Articles

ልብጥ ዝበለ ምዃን

Message 4
Typography

"ናብ መልኣኽ ማሕበር ሎዲቅያውን ጽሓፍ፣ እቲ ኣሜን፣እሙን ሓቀኛ ምስክር፣ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ፣ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘይምዃንካ፣ ግብርኻ እፈልጥ ኣሎኹ።ብኻ ዝሑል ወይስ ምውቕ ምኾንካ። ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፣ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ።ሃብታምን ፈሳስን እየ፣ ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካ፣ ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ። ምእንቲ ኽትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ኻባይ ክትዕድግ፣ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕንክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ኽዳውንቲ፣ ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኮሓለሉውን ኩሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣሎኹ። ኣነ ነቶምዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖም እቐጽዖምውን እየ። ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ። እንሆ፣ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል ኣሎኹ።ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፣ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፣ ንሱውን ምሳይ። ከምቲ ኣነውን ዝሰዓርኩእሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩ፣ ነቲ ዚስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።" (ራእ.3፣14-22)


ጎይታኣብዚ ንገዛእ ርእሱ ከምቲ ቃሉ ብርግጽ ዝፍጸም ‘እቲ ኣሜን' ኢሉ ይገልጻ። ብተወሳኺውን ንሱ እቲ ንሓቂ ከም ዘላቶ ዝገልጻእሙንን ሓቀኛን እዩ። ንሱ መጀመርታ (ጀማሪ) ፍጥረት ኣምላኽ እዩ። ንሱ ነቲ ናይ መጀመርታ ፍጥረት ዝፈጠረን ነቲ ብሞቱንትንሳኤኡን ከኣ ነቲ ሓድሽ ፍጥረት ዝጀመረን እዩ። ‘ንሱ ቅድሚ ኩሉ እዩ' (ቆለ.1፣17) - ፈጣሪ ናይቲ ዝርአንዘይርአን፣ መጀመርታን መወዳእታን እዩ።

ኣብዚእምበኣር ኤዛቤላት ኮነ ትምህርቲ ሓሶት ዘይብላ ቤተክርስትያን እንሀት። እቶም ኣባላታ ክፉኣት ወይ ዘይስነ ምግባራውያንኣይነበሩን። እንተኾነ ግን ሓዊ ኣምላኽ ዝነበሮምውን ኣይኮኑን። ንሳቶምሲ ‘ልብጥ ዝበሉ' እዮም ኔሮም (ጥ.16)። ቅኑዕ ሰረትእምነት ዝነበሮም ግናኸ ምስ ሰረተ እምነቶም ዝሞቱ ሰባት ኔሮም። ብስነ ምግባሮም ዝድነቑ ብመንፈሳውነቶም ግን ዝሞቱ ኔሮም።

ጎይታልብና ብፍቕሪ ኣምላኽን ብፍቕሪ ኣሕዋትን ዝነድድ ክኸውን ይደሊ። ቃሉ "እቲ ሓዊ ወርትግ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ይንደድ፣ኣይጥፋእ።" ዘሌ.6፣13 ይብል።

ኣብዚተምሳል ናይቲ ወደ መዝሙር የሱስ ክኾኖ ዘለዎ ንቡር ኩነታት ንርኢ። ካብዚ ዝትሕት ኩሉ ትሕቲ-ንቡር እዩ። እታ እትነድድቆጥቋጥ ሓዊ ክሳዕ ዝሃለዋ ሓሸራታት ኮነ ጀርምታት ብህይወት ክህልዉ ኣይክእሉን እዮም። ልብና ብሓዊ መንፈስ ክቃጸል ከሎ ድማዝኾነ ካብ ፍቕሪ ዘይኮነ ነገር ኣብ ልብና ክህሉ ኣይክእልን እዩ።

ውዑይ፣ዝሑል ወይ ከኣ ልብጥ ዝበልና ከም ዝኾንና ንፈልጠሉ ሓደ መንገዲ ኣሎ፣ ‘ውዑይ' ምዃን ማለት ንካልኦት ብምዉቕ (ውዕዉዕ)ፍቕሪ ምፍቃር ማለት እዩ። ‘ዝሑል' ምዃን ማለት ንካልኦት ይቕረ ዘይትብልን ምረት ዝመልኦን ምዃን ማለት እዩ። ‘ልብጥ ዝበለ'ምዃን ማለት ከኣ ኣብ ካልኦት ምረት ኮነ ፍቕሪ ዘይምህላው ማለት እዩ።

ሓደኣማኒ ‘ምስ ዝኾነ ሰብ ዋላ ሓንቲ የብለይን' ክብል ከሎ ልብጥ ዝበለ ይኸውን። የሱስ "ኣብ ነንሓድሕድኩም ቂም እንተዘይብልኩም በዚ ሰባት ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ክፈልጡ እዮም" ኢሉ ድዩ? ኣይበለን። ኣብ ካልኦት ሕማቕ ኣረኣእያ ዘይምህላውመለለዩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣይኮነን (ዮሃ.13፣35)

ኣብልብና ንኣመንቲ ኣሕዋትና ዝኸውን ምዉቕ ፍቕሪ ክህልወና ይግብኦ። ፍቕሪ ሓደ ጽቡቕ ባህርይ እምበር ጽልኢ ዘይምህላው ኣይኮነን።

ካብመንፈስ ምረት ነጻ ድሕሪ ምዃን ንልብኻ ብጽርይታ ጥራያ ምሕዳግ ልብጥ ዝበለ ናብ ምዃን ዝመርሕን ካብቲ መጀመርያኻ ናብ ዝገድድኩነታት ዘብጽሕን መንገዲ እዩ (ሉቃ.11፣24-26)

ዓለም‘ካብ ጥራሕካ ምዃን ገለ ምህላው ይሓይሽ' ትብል። ከምኡ እንተኾይኑ ገለ ሰብ ካብ ዝሑል ምዃን ልብጥ ዝበለ ምዃን ከም ዝሓይሽክሓስብ ይኽእል እዩ። ጎይታ ግን ከምኡ ኣይብልን'ዩ፣ ንሱስ "ብኻ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምኾንካ" ይብል። ንሱ ካብ ፍርቂ ዝልቦምምሉእ ብምሉእ ዓለማውያን ኮይንና ክርእየና ይመርጽ።

እቲልብጥ ዝበለን ተመሳሲሉ ዝነብርን ክርስትያን ንመልእኽቲ ወንጌል ካብቲ ዘይኣምን ዓለማዊ ንላዕሊ የጽርፎን ይጎድኦን። እቲዘይኣማኒ ስም ክርስቶስ ስለ ዘየልዕል ንወንጌል ዘምጽኣሉ ጸገም የለን። እቲ ተመሳሲሉ ዝነብር ፍርቂ ዝልቡ ክርስትያን ግን ስምክርስቶስ ስለ ዝጠቅስ ብዓለማዊ ኣነባብራኡ ንስም ክርስቶስ ኣብ ማእከል ኣህዛብ የጽርፎ።

እቲዝሑል፣ ዓለማዊ ዘይኣማኒ ካብቲ ልብጥ ዝበለ ብጽድቂ ገዛእ ርእሱ ዝእመን ፈሪሳዊ ንላዕሊ መንፈሳዊ ኩነታቱ ናይ ምፍላጥ ተኽእሎኣለዎ (ማቴ.21፣31ርአ)

ስለዚእዩ እምበኣር ጎይታ ካብ ልብጥ ዝበሉ ዝሑላት ኮይንና ክርእየና ዝደሊ። ብግብራዊ መግለጺ እንተ ርኢናዮ ካብ ፍቕሪ ገንዘብ፣ቁጥዓን ዘይንጹህ ሓሳባትን (ሰለስተ ዓይነት ሓጢኣት ከም ኣብነት ንምውሳድ) ሓራ ክትከውን ድሌት ዘይብልካ እንተኾይኑ ወደመዝሙር የሱስ ካብ ትበሃል ዘይኣማኒ ምዃን ይሓይሽ። ካብ ነቲ ልብጥ ዝበለ ነቲ ዝሑል ዝያዳ ተስፋ ኣሎ። ዘገርም እዩ፣ ግንከኣ ሓቂ እዩ።