24
Wed, Apr
0 New Articles

እናወሰኸ ዝኸይድ ብርሃን

Message 4
Typography

ፍቓድኣምላኽ ደቁ እናወሰኸት ብእትበርህ መንገዲ ክመላለሱ እዩ፣ ምሳ.4፣12። ነዚ ዕላማ እዚ ክኾነና ከኣ እቲ ንመንገድናመብራህቲ ንእግርና ከኣ ብርሃን ዝኾነ ቃሉ ሂቡና፣ መዝ.119፣105። ከምቲ ኣብ መዝ.138፣2ዘሎ ከኣ ንስሙን ንቓሉን ሓለፋ ኩሉ ነገራት ኣኽቢርዎ። እዚ ከምቲ ንስም እግዚኣብሄር ምስ ዝኾነ ካልእ ስም ዘይነመዓራርዮከምኡ ከኣ ንቃሉ ኣዚና ከነኽብሮ ከምዘሎና የመልክተና። ጎይታ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበሩ ኣይሁድ ንስርዓት ዓበይቲምስ ቃል ኣምላኽ ማዕረ ይሰርዕዎ ኔሮም። የሱስ ከምኡ ብምግባሮም ንቃል ኣምላኽ ከንቱ (ዘይጠቅም) ከም ዝገበርዎ ብተሪርመግናሕቲ ነጊርዎም፣ ማር.7፣6-13። እዚ ንትምህርትና እዩ ተጻሒፉ። ንሕናውን ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ ስርዓታት ካብ ማእከልናከነወግድ ኣሎና። ቃል ኣምላኽ ንሓጢኣትን ንስርዓት ሰባትን ክልቲኡ ምንጩ ካብ ግዝኣት ጸልማት ስለ ዝኾነ ብማዕረ ይቃወሞ።ንሕናውን ንኽልቲኡ ክንጸልኦን ካብ ክልቲኡ ክንሕሎን ይግብኣና።


ጳውሎስናብ ቤርያ ምስ መጸ ሰብ ቤርያ ንናይ ጳውሎስ ትምህርቲ ቅድሚ ምቕባሎም ሓቂ እንተኾይኑ ንምፍላጥ ብጽሑፋት (ብሉይ ኪዳን)መርሚሮሞ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ "ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነብሩ ዝበለጸ ደግታት ነበሩ" ግብ.17፣11 ኢልዎም። ከምዚ ዝበለጽሑፋት ናይ ምምርማር ልምዲ ስለ ዝነበሮም ከኣ ብትምህርትታት ናይቶም ድሒሮም ዝመጹ ብዙሓት ሰበኽቲ ንየው ነጀው ኣይተደፍኡን።ስለዚ ድማ ጳውሎስ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ንምቅዋም ናብ ሰብ ቤርያ ዝብል መልእኽቲ ክጽሕፍ ኣየድለዮን። እዚ ናይ ሰብ ቤርያኣካይዳ ኩልና ክንስዕቦ ዘሎና ጽቡቕ ኣብነት እዩ። ዝኾነ ሰብ ደረጅኡ ብዘየገድስ (ከም ጳውሎስ ዝበለ ሃዋርያ እንተኾነውን)ትምህርትታቱ ምስ ቃል ኣምላኽ ይሰማማዕዶ ኣይሰማማዕን ከይመርመርና ክንቅበሎ ኣይግብኣናን። ሓደ ሰብ ፍርሃት ኣምላኽ ከለዎውንኣብ ገለ ነገራት ክጋገ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ዳዊት ‘ከም ልቢ ኣምላኽ' ዝኾነ ሰብኣይ እኳ እንተ ነበረ እስራኤላውያን ነቲሙሴ ዝገበሮ ናይ ኣስራዚ ተመን ክሰግዱሉ ከለዉ ስቕ ኢሉ ርእይዎም እዩ። እቲ ክንዲ ዳዊት ዓቢ ዘይነበረ ህዝቅያስ ግንድርቅምቅም ኣቢሉ ኣልይዎ፣ 2ነገ.18፣4

ታሪኽክርስትናውን ናይ ብዙሓት ካባና ዝበለጸ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ኣብ ገለ ነገራት ግን ጌጋታት ዝገበሩ ሰባት ኣብነት ይህበናእዩ። እዞም ሰባት ካባና ዝበለጸ ፍርሃት ኣምላኽ እኳ እንተነበሮም ብሰሪ ዘይምስትውዓሎም ግን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘይርከብትምህርትታት ምሂሮም እዮም። ሎሚ ከኣ ሰዓብቶም ነቲ ናይ ዝሞቱ መራሕቶም ትምህርትታት ይደጋግምዎ ኣለዉ። እዚ ውጽኢት ናይቲ‘ኣብ ክንዲ ንፈጣሪ ንፍጡር ምምላኽን' (ሮሜ.1፣25) ካብ ናይቲ ፈጣሪ ናይ ፍጡር ቃላት ምቕባልንእዩ።

ጴጥሮስንሙሴን ኤልያስን ምስ የሱስ ምስ ሰርዖም፣ ኣብ መንጎኦም ደመና መጺኡ፣ እግዚኣብሄር ከኣ ገሲጽዎ፣ ማቴ.17፣4,5።ምስ ስም የሱስ ዝስራዕ ስም ሰብን ምስ ቃል ኣምላኽ ዝወዳደር ቃል ሰብን ክህሉ ኣይግባእን። ". . . ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ፣ ኩሉ ሰብ(ክሳዕ ክንደይ ቅዱስ ወይ ዓቢ እዩ ብዘየገድስ) ግና ሓሳዊ (ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየለ ነገርይምህር/ይሰብኽ እንተሎ) ምዃኑ ይረኸብ።" ሮሜ.3፣4። ዘይጋገ ሰብ የለን። እምበኣርከስ ዝኾነ ሰባኺቃል ኣምላኽ ሒዙ ክመጸና ከሎ ቃል ኣምላኻዊ ስልጣንን ሓቅነትን ናይ ትምህርቱ ከርእየና ንኽንሓቶ ተባዓት ክንከውን ኣሎና።       

ሓደንነዊሕ ጊዜ ሓቂ ከም ዝኾነ ትኣምኖ ዝነበርካ ነገር ቃል ኣምላኻዊ መሰረት ከም ዘይብሉ እንተፈሊጥካ፣ እዚ ከኣ ኣብ መንፈስካንሓሳብካን እንተተረጋጊጹልካ፣ ቃል ኣምላኽ ብጥንቃቐ ድሕሪ ምጽናዕን ካባኻ ንላዕሊ ቃል ኣምላኽ ምስ ዝፈልጡ ሰባት ድሕሪምምኽኻርን ሓደ ነገር ይተርፈካ። ምስ ኣምላኽን ምስ ሰባትን ብቕንዕና ክትመላለስ ትደሊ እንተኾንካ ሳዕቤኑ ብዘየገድስ ብቅልጡፍኣረኣእያኻ ለውጥ። እዚ ዝበዝሕ ጊዜ ንሓቂ ዘሎና ፍቕሪ ዝፍተነሉ እዋን እዩ። ካብቶም ግጉይ ርድኢት ዘለዎም ሰባት እንረኽቦዝነበርና ክብሪ ቅኑዓት ከይንኸውን ክኽልክለና ክፍትን እዩ። ምናልባት እግዚኣብሄር ነቲ ሓቂ ብቅንዕና ክንእዘዞ ንደሊእንተኾንና ንምፍላጥ ደጊሙ ክዛረበና ይኽእል እዩ። ተጋግየ ኔረ ንምባል ዝኸውን ትሕትናን ንርእይቶ ናይ ገለ ጽቡቕ ሚዛንእንህቦም ሰባት ከስግር ዝኽእል ትብዓት ከም ዘይብልናን እንተ ርእዩና ምስ ጌጋና ክንነብርን ነቲ ሓሶት ክንኣምንን ክሓድገናእዩ፣ 2ተሰ.2፣10,11።መንገዲ ቅንዕና እንተ መሪጽና ግን ኣብ ቃሉ ናብ ዘሎ ዝበለጸ ብርሃን ክመርሓና እዩ።