26
Fri, Apr
0 New Articles

ዘይኩነታዊ ፍቕሪ ኣምላኽ

Message 4
Typography

ኣብመጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሄርን ህዝቡን ከም ሰብኣይን ሰበይትን ይግለጹ እዮም። ንኣብነት ኣብ ብሉይ ኪዳን "ፈጣሪኺሰብኣይኪ እዩ እሞ፣ ስሙ እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት እዩ። እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስውን ተበጃዊኺ እዩ።" ኢሳ.54፣5፣ከምኡ ድማ "ግናኸ ኣቱም ቤት እስራኤል ከምታ ንሰብኣያ እትጠልም ሰበይቲ ጠለምኩምኒ፣ ይብል እግዚኣብሄር።"ኤር.3፣20 ዝብል ሓሳባት ንረክብ። እዚ ሓሳባት መንፈሳዊ ምንዝርና እንታይ ምዃኑ ንምርዳእ ይጠቕመና እዩ። ህዝቢኣምላኽ ካብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ተኣልዮም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ምስ ዝኸዱ ከም ዝመንዘሩ ይዛረብ። ከምቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ዘፍቅራኣምላኽ ከኣ ንህዝቡ ከምኡ እዩ። ኣብ ዘጸ.34፣15 "ደድሕሪ ኣማልኽቶም ምስ ዝምንዝሩ ንኣማልኽቶም ድማምስ ዝስውኡ ከይዕድሙኻ እሞ ካብ መስዋእቶም ከይትበልዕ ኣዋልዶም ድማ ነወዳትካ ኸይትወስድ እተን ኣዋልዶም ከኣ ደድሕሪኣማልኽተን ኪምንዝራ ኸለዋ ንደቅኻ ድማ ደድሕሪ ኣማልኽተን ከየመንዝራኦም ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኪዳን ኣይትእቶ።"ይብል። 


ኣብ ሓዲሽ ኪዳንውን ኣብ 2ቆረ.11፣2 "ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ እሞ፣ ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፣ ንሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ።" ይብል። ነዚ ዝመሳሰል ጥቕስታትውን ኣብ ኤፌ.5፣24-28 ፣ ራእ.19፣7 ፣ ራእ.21፣9 ንረክብ። እዚ ዓይነት ርክብ ንኣእዛን ገለ ሰባት ዘይምቹእ እኳ እንተኾነ ቃል ኣምላኽ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ህዝቡን ዘሎ ርክብ ከምዚ ዓይነት ርክብ ከም ዝኾነ ይምህር። እዚ ብዝምድና ሰብኣይን ሰበይትን ዝግለጽ ዝምድና እግዚኣብሄርን ህዝቡን ሓደ ዓቢ ነገር የመልክተልና። ንሱ ከኣ ኩሉ ሓጢኣት ኣንጻር ፍቕሪ ዝግበር ዓመጻ ምዃኑ እዩ

ኣብ መጽሓፍ ሆሴእ ኣምላኽ ንሰባት ዘለዎ ዘይኩነታዊ ፍቕሪ ንመሃር። እግዚኣብሄር ብሆሴእ ክዛረብ ምስ ጀመረ ንሆሴእ እታ ሃገር ካብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብይ ምንዝርና ትምንዝር ኣላ እሞ ኪድ ውሉድ ምንዝርና ዘለዋ ሰበይቲ ምንዝርና ኣእቱ(ሆሴ.1፣2) ኢልዎ። እግዚኣብሄር ንሆሴእ ከምቲ ንሱ ኣብ ህዝቡ ዘለዎ ስምዒት እናተሰምዖ ምእንቲ ከገልግል ኣመንዝራ ክፈቱን ከእቱን ይነግሮ። ነብይ ጾር እግዚኣብሄር ዝጸውር ባርያ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ከኣ ሆሴእ ኣመንዝራ ኣእትዩ (ተመርዕዩ)። ምምንዛር ማለት ንዘይናትካ ምዃን ማለት እዩ። ኣመንዝራን ዘይእምንትን ምዃና እናፈለጥካ፣ ንስኻ እናደለኻያ ንሳ ግን ንኻልኦት እትኸውን ከተፍቅር ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ክቡር ኣንባቢ ምርዑው እንተኾንካ እዚ ነገር ኣጸቢቑ ክርድኣካ እዩ። ሰብኣይ ንሰበይቲ ናቱ ጥራይ ንኽትከውን እዩ ዘፍቅራን ሰበይቱ ክትከውን ዝወስዳን ኪዳናዊ ፍቕሪ ዘፍቅራን። ነታ ብኪዳን ሰበይትኻ ክትከውን ዝወሰድካያ ምስ ካልእ ክትዝሙ እንተትረኽባ እንታይ ዓይነት ስምዒት ምተሰምዓካ? እግዚኣብሄር እምበኣር ካብዚ ብዝሓለፈ ብዙሕ ጓሂ ይስምዖ እዩ። ከምቲ ኣብ 1ጴጥ.1፣19 ከምኡውን 1ቆረ.6፣20 ዘሎ ናቱ ምእንቲ ክንከውን ብደም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ስለ ዝዓደገና ክንሓጥእ ከሎና ነቲ ዘፍቀረናን ንእኡ ጥራይ ክንከውንን ብክቡር ዋጋ ዝዓደገናን ፈቃር ኣምላኽና ነጉህዮ ከም ዘሎና ክንዝክር ይግብኣና እዩ።

ክቡር ኣንባቢ እግዚኣብሄር ናቱ ጥራይ ክንከውን ዓዲጉና ኣፍቂሩና፣ ኩሉ እዋንውን ብኩነታት ዘይትጽሎ ፍቕሪ የፍቅረና ኣሎ። ኣብ ዙፋን ልብኻ ገንዘብ፣ ክብረት፣ ስልጣን፣ ኣንነት፣ ኣገልግሎትውን . . . ምቕማጥ እምበኣር ነቲ እግዚኣብሄር በይኑ ክውንኖ ዝደሊ ሓሳብካን ልብኻን ብካልእ ምምላእ እምበኣር መንፈሳዊ ምንዝርና እዩ። ከምቲ ኣብ ያእ.4፣4 "ኣትን ዘመውቲ ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን?" ዝብሎ ንዓለም ምፍቃር ነቲ ዘፍቀረካ ኣምላኽ ምጽላእን ዘማዊ ምዃንን እዩ። ስለዚ ምስ ዓለም ዘለና ርክብ ብምቑራጽ ፍቕርና ንኣምላኽ ክንገልጽ ይግባእ።

ኣብ ትንቢት ሆሴእ እግዚኣብሄር ነታ ብምንዝርና ካብኡ ዝረሓቐት ሃገር ስለ ዘፍቀራ ናብ በረኻ ከም ዝወስዳን ንበይና ምስ ኮነት ከም ዝዛረባን የተስፉ። ሽዑ ንለሰ ኣኮር ከም ደገ ተስፋ ከም ዝህባን በታ መዓልቲ እቲኣ ከምቲ ብመዓልቲ ንእስነታ ካብ ግብጺ ክትወጽእ ከላ ዝዘመረቶ ከም ትዝምርን ይዛረብ፣ ሆሴ.2፣14-15። እዚ ኣብዚ ለሰ ኣኮር ተባሂሉ ዘሎ ኣብ እያ.7፣24ጋግ ዓኮር ተባሂሉ ዘሎ ኣካን ብሰሪ ሕሩም ኣቕሓ ምውሳዱ ንሱን ዘለዎ ዘበለ ኹሉን ፍርዲ ኣምላኽ ዝተቐበሉሉ ቦታ እዩ። እግዚኣብሄር እታ ሃገር ካብ ምንዝርንኣ እንተ ተመሊሳ ነዚ ቦታ ፍርዲ ናብ ደገ ተስፋ ከም ዝልውጠላ ይዛረብ። ሰንደቕ ዓላማ እግዚኣብሄር ኣብቶም ዝጸውዖም ሰባት ፍቕሪ ስለ ዝኾነ ብከቢድ ኩነታት ከሕልፎም ከሎውን ናብ ዝበለጸን ዝጸበቐን ደረጃ ምእንቲ ከብጽሖም እዩ።  ኣምላኽ ንምኹላዕናን ንምጽባቕናን ብከቢድን መወዳእታኡ ንጽቡቕ ዘይመስልን ኩነታት ከሕልፈና ይኽእል እዩ። ኩሉ ከቢድ ኩነታት ንኽፉእና ከም ዘይኮነ ክንፈልጥን ካብ ምጉርምራም ተሓሊና ፍቕሪ ኣምላኽ ክንሓስብ ይግብኣና። እንተኣጉረምሪምና ግን ከምቲ ኣብ ኤር.6፣29-30 "መናፍሕ ፉፍ ይብል፣ እቲ ዓረር ብሓዊ ፈሊሑ ይውዳእ። እቲ ኽፉእ ምፍላይ ስለ ዝኣበየ፣ ድሌት እቲ ምኹላዕ ከንቱ ኮይኑ ተረፈ። እግዚኣብሄር ወጊድዎም እዩ እሞ፣ ውጉድ ብሩር ይበሃሉ" ዝብል ተጻሒፉ ዘሎ ኣምላኽ መናፍሑ ፉሕ እናበለ ከሎ እቲ ክፉእ ምፍላይ ስለ ዝኣበየ ድሌት ምኹላዕና ከንቱ ክኸውንን ውጉድ ብሩር ክንበሃልን ኢና። እምበኣርከስ ከምቲ ሰራሕ ወርቂ ኣብቲ ወርቂ ምስሉ ክሳዕ ዝርኢ ነቲ ወርቂ ደጋጊሙ ብሓዊ ዘሕልፎ እግዚኣብሄር ስለ ዘፍቅረናን ንእኡ ምእንቲ ክንመስልን ብብዙሕ ዝዓይነቱ ሓዊ ከም ዘሕልፈና ተረዲእናን ብንሓልፎ ኩነታት ፍቓዱ ክንደሊን መንገዱ ከነለሊን ይግብኣና። ንሱ እሙን ስለ ዝኾነ ልዕሊ ዓቕምና ክንፍተን ኣይሓድገናን እዩ።