16
Tue, Apr
0 New Articles

‎ብኹሉ ኣመስግኑ‎

Message 4
Typography
“ኩሉሳዕ ተሓጎሱ ። ከየባተኽኩም ጸልዩ ። እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ : ብኹሉ ኣመስግኑ ።”1ተሰ 5:17 ።እቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ኩላቶም ካብ ካልኦት ኣህዛብ ኣዝዮም ፍሉያት እዮም ። ነዚ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ኣዝዮም ከስተውዕልዎ ይግብኦም ። ሓደ ካብቲ ዝፈልዮም ዓበየቲ ነገራት ከኣ ብኩነታት ዙርያኦም ከይተጸልዉ ንኣምላኽ ኩሉ ሳዕ የመስግኑ ብምዃኖም እዩ ። ኣቱም ባሮት እግዚኣብሄር : ንእግዚእብሄር ብለይቲ ኣመስግንዎ : ብቐትሪ ኣመስግንዎ : ኩሉ ሳዕ ኣመስግንዎ ። ኣብ ድንኳን ቤትኩም ድምጺ እልልታ ይሃሉ : ቤትኩም ብድምጺ መዝሙር ይምላእ ። ከተስተውዕልዎ ዘለኩም እንተሎ : ሰይጣን ከተመስግኑ ኣይደልየኩምን እዩ : ሰይጣን ከተማርሩ : ንዕድልኩም ክትነቕፉ እዩ ዝደሊ ። ሓንቲ ነገር ክነግረኩም : ዕድል ናትኩም የሱስ እዩ ። እስኪ ሕጂ : ዕድለይ የሱስ እዩ በሉ ። ትፈልጡ ኢኹም : መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተመስግኑ ምኽንያት ቅድም ርኸቡ ኣይብልን እዩ ። ኣቱም ሰባት : ከተመስግን ምኽንያት ዘይኮነ ዘድልየካ የሱስ እዩ ዘድልየካ። እተገብረልኩም ምሕረት ኣይትረስዑ : ንስኻትኩም ዘይግብኣኩም ዓቢ ምሕረት እተገብረልኩም ክቡራት ሰባት ኢኹም።

ኣብ ላዕሊ ከም ዘንበብናዮ : ቃል ኣምላኽ መጀመርታ ‘ኩሉ ሳዕ ተሓጎሱ’ ይብለና : እስኪ ሓንቲ ደቒቕ እኳ ትኹን ከይትሓጎስኩም ኣይትሕለፍኩም : ብይታ ተሓጎሱ እዚ ሓደ ካብ ፍቓድ ይታ እዩ ። እዚ ጓሂ ኣይበጽሓናን እዩ ማለትዶ እዩ ዝብሉ ኣለዉ ። ነዚ ክምልሶ እንተኾይነ ከምቲ ቃል ኣብቲ ጓሂኹም እውን ብጐይታ ተሓጎሱ እየ ዝብለኩም : ምኽንያቱ እቲ በጺሕኩም ዘሎ ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ : እዚ ማለት ከኣ ንሰናይኩም እዩ ። እወ ኣብቲ ቓል ‘ብኹሉ ኣመስግኑ’ ይብለና : ሓያሎ ሰባት ነታ ዓይነ ስውርትን ጸማምን ዝነበረት ሄለን-ከለር ደጋጊሞም በብዝረኸብዋ ከምዚ ኢሎም ይሓትዋ ነበሩ : ‘ሄለን ከምዚ ዝበለ ሽግር ብምህላውኪ ኣብ ኣምላኽ ኣማሪርኪ ትፈልጢዶ ፧’ ይብልዋ ነበሩ ። ሄለን ነዚ ክትምልስ ከላ ‘ኣነ ንኣምላኽ ከማርሮ ዘይኮነስ : ነቲ እተገብረለይ ውዕለት ክቖጽሮውን ኣይክእልን እየ’ በለት ። ሃሌሉያ : ሃዋርያ ጳውሎስውን ከምዚ ኢሉ ኣሎ ‘ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም : ብጸርፊ : ብሓሳር : ብምስጓግ : ብጸበባ እሕጐስ ኣለኹ’ 2ቆሮ12:10 ። እምበኣርሲ ንሕና ደኣ ካብዞም ሰባትዶ ፍሉያት ኢና : ሎሚ ከምዞም ሰባት ኣመስገንቲ እስኪ ንኹን ።

   ንዝነበረካ ጸቕጥን ክፉእ መንፈስን ዝቕንጥጦ ምስጋና እዩ ። ኣዝዩ ከቢዱካ ጸኒሑ ከተመስግን እንተጀሚርካ ብኡብኡ እቲ ከቢዱካ ዝጸንሐ ይቕንጠጥ እዩ ። ነቲ ብሉጽ ከምኡ ዝበለ ዘየልቦ ስም የሱስ ጸውዑ ። ንሱ ንኩለንትናኹም ፈውሲ እዩ : ብቓላት ከናፍርኩም ስሙ ባርኹ : ከም የሱስ ዝበለ የልቦን ።

   ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብለና : “እምበኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኩሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና : ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር : ነቕርብ ።” እብ13:15 ። ኣለዉ ገሊኦም ሰባት ናይ ጐይታ ከለዉስ ብዘይካ ንሽግሮም ካልእ ዘይርእዩ : ተጠንቀቑ ከምኡ እንተኾንኩም ሎሚ ብፍረ-ኸናፍርኩም ክትእመኑ ቃል ኣምላኽ ይነግረኩም ኣሎ ። ምምስጋን ጥራይ ዘይኮነስ ብፍረ-ኸናፍርኩምውን ተኣመንዎ : ኣመስግንዎ ። ክብሪ ኹሉ ንእግዚኣብሄር ይኹን : ብኹሉ ኣመስግኑ : ይታ ኣዕዚዙ ይባርኽኩም