19
Fri, Apr
0 New Articles

‎እግዚኣብሄር ጸለይቲ ሰባት ይደሊ‎

Message 4
Typography

ዝንበብ ጥቕሲ ሉቃ 2.25-26 , ሉቃ 2.36-38 ።

 

   ኣብዛ ምድሪ ምስ ኣምላኽ ብሰለስተ ነገር ኢና እንመላለስ ካብዚኣተን ሓንቲ ምስ እነጉድል : ልክዕ ከም ሓንቲ ክፍሊ ቤትና ብሰለስተ የዕኑድ ዝቖመት እሞ : ሓንቲ ካብተን የዕኑድ ከነውድቕ ማለት እዩ ። ሓንቲ እንተነቒዓ ወይ እንተ ወዲቓ ምጽናዕ እታ ቤት ኣብ ሓደገኛ ዝኾነ ኩነታት እዩ ዝርከብ ። ምስ ኣምላኽ ድማ ብሰለስተ የዕኑድ ኢና ደው ኢልና ክንመላለስ እንኽእል : ቀዳማይ ዓንዲ ቃል ኣምላኽ : ካልኣይ ጸሎት : ሳልሳይ ሕብረት እዩ ። ካብዘን ፈለማ ዝበልናየን የዕኑድ : ሓንቲ እንተ ነቒዓ ወይ እንተ ወዲቓ ምጽናዕ እታ ቤት ኣብ ሓደጋ እዩ ዝርከብ። እቲ ዝገርም ግን ናይ ገሊአን ነፍሳትና እዚ ሰለስተ የዕኑድ ቤቶም ነቒዑ ጥራይ ዘይኮነስ ወዲቑ እዩ ። ወዲቑ ካብ ኮነ ምጽናዕ ቤቶም(ቤትመቕደሶም) ከመይ ኣሎ ፧ ኣምላኽ ይርድኣና: የዕኑድ ቤትና ከመይ ኣሎ ሎሚ ፧ ቃል ኣምላኽ ነዚ ምድራዊ ስጋና ‘ምድራዊ ድንኳን’ ኢሉ ይጽውዖ ። ሕጂ ግና ክንዘራረበሉ ደልየ ዘሎኹ እቲ ሓደ ዓንዲ ማለት ዓንዲ ናይ ጸሎት እዩ ። ናይ ጸሎት ዓንዲ ቤትና ከመይ ኣሎ ፧ ናይ ሕልፍኚ ቤትና ከመይ ኣላ፧ ረሲሓ ደሮና መሊኣ ዘይትቕረብ ቤት ድያ ኮይና ዘላ ፧


ሃና ጓል ፋኑኤል ምስ ሰብኣያ ንሸውዓተ ዓመታት ድሕሪ ምቕማጣ ትፈትዎ ሰብኣያ ብሞት ምስ ተፈልያ : ካልእ ሰብኣይ ከይደለየት ንኹሉ ስዒራ ኣብ ቤት መቕደስ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክትነብር ወሰነት ። ሃና ካልእ ትደሊ ኣይኮነትን ነይራ : ንሳ ቤት መቕደስ እትፈቱ ካብኡ ምውጻእ ዘይትፈቱ ዝነበረት ሰብ እያ ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል ‘ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሓይሽ እያ እሞ ኣብ ድንኳን ረሲኣን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓላው ደገ ምዃን ይሔሸኒ።’ (መዝ84.10) እወ : ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ብዙሕ ነገር ኣሎ።

 

ሃና ነዚ ምርጫ ወሰደት ። ኣብ ቤት መቕደስ ከኣ ብዘሎ ዘመና ብጾምን ብጸሎትን ንእግዚኣብሄር ከተገልግል ወሰነት ። እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ክሰርሕ እንተ ኾይኑ ጸለይቲ ሰባት እዩ ቅድም ዘተንስእ : እዞም ጸለይቲ ሰባት ቀንዲ መሳርሕቲ እግዚኣብሄር እዮም ። ብዘይ እዞም ሰባት ፍቓድ እግዚኣብሄር ክፍጸም ዝከኣል እኳ እንተኾነ ግናኸ እግዚኣብሂር ነዞም ሰባት እዩ ቅድም ዘተንስእ ። ከምቲ ባቡር ብዘይ ሓዲድ ዘይትኸይድ: ጸሎት ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ክፍጸም ዘንቀሳቕስ ሓዲድ እዩ ። ቃል ኣምላኽ “ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ ይኹን” ይብል ከምኡ ኢልና ኸኣ ክንጽሊ ይደልየና ኣሎ ። ሃና ብቐትሪ ጥራይ ዘይኮነስ ብለይትውን ተገልግል ነይራ እያ : እዚ ማለት ብለይቲውን ትጽሊ ነይራ እያ ። ሎሚ ግና : ይትረፍዶ ብለይትስ ብቐትሪ ዘይንጽሊ ክርስትያናት ኣዚና ብዙሓት ኢና ። ኣምላኽ መንፈስ ጸሎትን ምህለላን ይሃበና ። ናይ በረኸት ሰባት ክንከውን ይርድኣና ። ሃና ግና ክሳብ ናይ እርግና ጊዜኣ ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት ። ኣረግቶት ብለይቲ ክነቕሑ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ : ግናኸ ጸለይትስ ጸገም የብሎምን ። ሎሚ ናይ ጸሎት ዓንድና ጸኒዑ እንተ ኮይኑ ኣብ ጊዜ እርግናና’ውን ብጸሎት ንቑሓት ክንከውን ኢና : ክሳብ ናይ እርግና ጊዜኻ ብጸሎት ንቑሕ ምስ ኣምላኽ እትመላለስ ሰብ ምዃን ኣቤት ክንደይ ሰናይ እዩ ። ሃና ብዛዕባ ምምጻእ ክርስቶስ የሱስ ትጽሊ ስለዝነበረት : ምስ ረኸበቶ ንኣምላኽ ኣመስገነት : ኣብ ጊዜ እርግናኣ ከኣ ንመጀምርታ ጊዜ ኣብ ዓለም ወንጌል ዘበሰረት ኣገልጋሊት ኣምላኽ ክትከውን በቕዐት : ብሓቂ እግዚኣብሄር ዝባረኻ ሰብ እያ : ወንጌላዊት ሃና ። ከምቲዝበልናዮ ቀንዲ መሳርሕቲ እግዚኣብሄር ናይ ጸሎት ሰባት እዮም ። ናይ ሕልፍኚ ቤትኩም ሎሚ ኣጽርይዎ ረስሓት መሊኡ ክይህሉ : ድንኳንኩም ፈሪሱ ክይህሉ : እንተ ፈሪሱ ክትከል ስለ ዝኽእል ብጸጋ እግዚኣብሄር ተደጊፍኩም ትኸልዎ ። ኣምላኽ ክዓይይ ስለ ዝደሊ ኩሉ ሳዕ ጸለይቲ ሰባት ምስ ደለየ እዩ ። ጊዜኦም ብኸንቱ ዘጥፍኡ ዘይኮነስ ካብ ቤተመቕደስ ምውጻእ ዘይፈትዉ እዩ ዝደሊ ዘሎ ።

 

   ብዘይካ ሃና ጓል ፋኑኤል ካልእ ኣብነት ክኾነና ጠቒስናዮ ዘሎና ስምኦን እዩ ። ስምኦን ጻድቕ ብጽድቂ ዝመላለስ ሰብ እዩ ነይሩ ። ናይ ጸሎት ሰብ ክትከውን እንተኾይኑ ብጽድቂ እትመላለስ ሰብ : ብቕድስና እትመላለስ ክትከውን ኣሎካ ። ቅድስና ዘይብሉ ሰብ ናይ ጸሎት ሰብ ክኸውን ኣይክኣልን እዩ ። ስምኦን ምጽንናዕ እስራኤል ዝጽበ እዩ ነይሩ : ንሱ ክሳብ እርግናኡ ይጽበ ነበረ ። ከምቲ ዝበልናዮ ናይ ጸሎት ሰባት ኣብ እርግናኦም ውን ጸሎቶም ይቕጽሉ እዮም,። ንሱ መንፈስ ቅዱስ ዝነበሮ ሰብ እዩ ነይሩ ። ብሓቂ : ናይ ጸሎት ሰባት ጥራይ እዮም መንፈስ ቅዱስ ዘለዎም ሰባት ። ሎሚ ህልውና መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና እንደሊ ኩልና ኢና : ግናኸ ክነግረኩም ናይ ጸሎት ሰባት ጥራይ እዮም ብህልውና መንፈስ ቅዱስ ዝባረኹን ከይተናወጹ ዝመላለሱን ።

 

   እምበኣርሲ ቅድሚ ነዚ መልእኽቲ ምዕጻወይ : ሎሚ ከዘክረኩም ዝደሊ ጸሎት ትእዛዝ እዩ : እንተ ደሊኻ ትወስዶ እንተዘይደሊኻ ከኣ ትሓድጎ ኣይኮነን ። ጸሎት ዘይግብኣና ክነሱ ብምሕረት ኣምላኽ እተፈቕደልና እዩ ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል : “እግዚኣብሄር በቲ ዝርከበሉ ጊዜ ድለይዎ : ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ ።” ኢሳ 55:6 , ማቴ 7:7 , ፊሊ 4:6 ። ስለዚ ብተረዳእናያ ብምሉእ እምነት ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ ። ናይ ጸሎት ህይወትና ይተሓደስ : ብእኡ ውን ምስ እግዚኣብሄር ንመላለስ ። (እብ10:22) ። ክብሪ ኹሉ ንእግዚኣብሄር ይኹን : ይታ ኣዕዚዙ ይባርኽኩም ። <> <> <>