20
Sat, Apr
0 New Articles

ምፍታን እምነት

Message 4
Typography

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፈተና ብዙሕ ጊዜ ተዛሪቡ ኣሎ። ገለ ካብኡ ምስ እንርኢ ‘ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር ናብ ፈተና ኣይተእትወና’ ኢልና ክንጽሊ ከም ዘሎና (ማቴ.6፣13)፣ ኣምላኽ እሙን ስለ ዝኾነ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ክንፍተን ከም ዘይሓድገና(1ቆረ.10፣13)፣ ኣብ ፈተና ምእንቲ ከይንኣቱ ክንጽሊ ከም ዘሎና (ማቴ.26፣41) . . . ክንጠቅስ ንኽእል። እዚ ዝጠቐስናዮ ኩሉ ኣሉታዊ ወገን ናይ ፈተና ክኽውን ከሎ ብካልእ ወገንውን ፈተና ናብ ዝበለጸ ደረጃ መንፈሳውነት እንሰጋገረሉ መሳገሪ ከም ዝኾነ ተጠቒሱ ኣሎ። 


ያእቆብ ኣብ መልእኽቱ “ኣሕዋተየ፣ በበይኑ ዝኾነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፣ ንኹሉ ኸም ሓጎስ ቁጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፣ ብሓንቲ እኳ ኸይጎደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኮኑ፣ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ፍቕሪ ይሃልዋ።” ቀጺሉውን “ተፈቲኑ ምስ ወጸ፣ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፣ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።” ኢሉ (ያእ.1፣2-4,12)። ልክዕ ከምቲ ሓደ ተመሃራይ ነቲ ዝተማህሮ ብግቡእ ዝሓዞን ዘይሓዞን ንምፍላጥ ከይተፈተነ ናብቲ ዝቕጽል ደረጃ ትምህርቲ ዘይሓልፍ፣ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትናውን ሓቅነት እምነትና ከይተፈተነ ናብቲ ዝቕጽል ደረጃ መንፈሳውነት ክንሓልፍ ኣይንኽእልን ኢና። ብዙሕ ክትመሃር፣ ብዙሕ ክትፈልጥ፣ ብዙሕ ክትትንትን ኮነ ብዙሕ ክትዛረብ ይከኣል እዩ፣ እምነትካ ተፈቲና ሓቅነታ ክሳዕ ዘይተረጋገጸ ግን ብመንፈሳዊ ህይወትካ ክትዓቢ ኣይከኣልን እዩ። ከምቲ ሓቀኛ ፍልጠት ዘሎ ናይ ሓሶት ፍልጠትውን ኣሎ፣ ከምቲ ህያው እምነት ዘላ ምውትቲ እምነትውን ኣላ። እምነትካ ህያው ድያ ወይስ ምውትቲ ምእንቲ ክትፍለጥ እምበኣር ክትፍተን ብግዲ እዩ።

 ብዙሕ ጊዜ ነቲ ኣቐዲምና ዝርኤናዮ ንፈተና ዝምልከት ጥቕስታት እናጠቐስና ካብቲ ሓቅነት እምነትና ንምፍታን ዝመጽእ ኩነታትውን ክንሃድም ንፍትን ኢና። ንብዙሕ ዓመታት ከኣ ግብሪ ዘይብላ ምውትቲ እምነት ሒዝና ክንስና ሓቀኛ እምነት ዘሎና እናመሰለና ተጠቢርና ንነብር። እምነትና ብምፍታና ትዕግስቲ ምእንቲ ክንፈሪ እግዚኣብሄር ብኽትሓልፎ ዘየመኒ ኩነታት የሕልፈና እዩ። በቲ ንሱ ክንሓልፎ ዝፈቐዶ መገዲ ክንሓልፍ እንተ ዘይደሊና ግን ከይዓበና ክንነብር ኢና። ሓደ ተመሃራይ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ትምህርቲ ስለ ዝጀመረ ጥራይ ሎሚ ዓመት ዓስራይ ክፍሊ በጺሑ ክንብል ንኽእልዶ? እንተ ነፍዐ ዓስራይ ክፍሊ ካብኡ ተረፈ ግን ትሕቲ ዓስራይ ክፍሊ ከም ዝጸንሕ ብሩህ እዩ። ክሳዕ ራብዓይ ክፍሊ ጽቡቕ ክመሃር ድሕሪ ምጽናሕ ፈተና ኣይገብርን እየ እንተ ኢሉኸ ናብ ሓምሻይ ክፍሊ ክሰግር ይፍቀደሉዶ? እምበኣርከስ ልክዕ ከምቲ ሓደ ተመሃራይ ዓመት ምሉእ ከየብኮረ ተማሂሩ ከብቅዕ ፈተና ስለ ዘይሓለፈ (ስለ ዘይገበረ) ናብቲ ዝቕጽል ክፍሊ ዘይሓልፍ ነቲ መንፈሳዊ ፍረ ንኽንፈሪ ዝመጽኣና ፈተና ከም ሓጎስ እንተ ዘይቆጺርናዮን ብህድኣት እንተ ዘይተቐቢልናዮን መንፈሳዊ ደረጃና ክውስኽ ኮነ እቲ ነቶም ተፈቲኖም ዝወጹ ዝወሃብ ኣኽሊል ክንቅበል ኣይንኽእልን ኢና። ኩነታት ከባቢና ክቕየር፣ ዘይምችኡና ሰባት ካብ ጥቓና ክርሕቁ፣ ንህይወትና ዝብድህ ኩነታት ክለዓለልና . . . ክንደይ ሳዕ ጸሊና ንኸውን? እቲ ኣብ ህይወትና ፍረ መንፈስ ንምፍራይ (ሓደ ካብኡ ትዕግስቲ እዩ) ዝሕግዘና ኩነታት ንሱ ስለ ዝኾነ ግን ኣምላኽ ከየልዓሎ ከምኡ ኢሉ ክነብር ይኽእል እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ብዛዕባ ብጊዝያዊ ብዘልኣለማዊ ነገራት ስለ ዝግደስ ኣብ ህይወትና ኣምላኻዊ ባህርይ ንምምዕባል ዝሕግዝ እንተ ደኣ ኮይኑ ነቲ ‘ኣዝዩ ክፉእ’ ዝበሃል ኩነታትውን ኣየልዕሎን እዩ። ንሕና ካብኡ ክንሃድምን ንኣምላኽ ዘይበቕዑ ሰባት ኮይንና ዘመንና ክንውድኦን ግን ይከኣል እዩ።

 ምፍታን እምነት ኩሎም ብጎይታ ዝኣመኑ ሰባት ዝሓልፍዎን ክሓፍልዎ ዘለዎምን ኩነታት እዩ። ንዓና ይፈለጠና ኣይፈለጠና ህይወትና መዓልታዊ ትፍተን እያ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ትእዛዛቱ ዝሕልዉን ዘይሕልዉን ከም ዝፈተኖም ድሕሪ እቲ ናይ ኣርብዓ ዓመት ጉዕዞ እዩ ነጊርዎም። ንኣብርሃም ወድኻ ሰውኣለይ ክብሎ ከሎውን ነዚ እንተ ሓሊፍካዮ ከምዚን ከምትን ክገብረልካ እየ ኣይበሎን። ተፈቲኑ ምስ ወጸ ግና ብርእሱ ምሒሉሉ። ንእዮብውን ብዛዕባ እቲ ምስ ሰይጣን ዝተዘራረብዎ ነገር ብምንጋር ነዚ ፈተና እዚ ክትሓልፎ ኣሎካ ኣይበሎን። እዮብ መከራ ቅድሚ ምርካቡ ንሱን ሰበይቱን ኣመንቲ ኔሮም፣ ዝነበሮ ኩሉ ምስ ተወስዶን ብሕማም ምስ ተወቕዐን ግን እምነቱ ህያው፣ እምነት ሰበይቱ ግን ምውትቲ ምንባረን ተራእየን። እምነት ማለት ምሉእ ትውክልትኻ ኣብ ክእለትን ፍቕርን ኣምላኽ ምግባር ማለት ስለ ዝኾነ ክንፍተን ከሎና ንክእለትን ፍቕርን ኣምላኽ ንኽንጠራጠሮ ንሕበል ከም ዘሎና ክንፈልጥ ኣሎና።  እዮብ በቲ ጽንኩር ኩነታት ክሓልፍ ከሎ “ሓንትስ ኣኻይዳይ ኣብ ቅድሚኡ ኤቕንዕ እምበር፣ ንሱ ይቕተለኒ፣ ኣነስ ካልእ ትጽቢት የብለይን።” (እዮ.13፣15) ብምባል ደስ ዘብል ዘረባ ተዛሪቡ። ተፈቲኑ ዝወጽእ እቲ ንእግዚኣብሄር ብክብደት ዝሓልፎ ዘሎ ኩነታት ዘይመዝኖ ሰብ እዩ። እግዚኣብሄር ከምቲ ንኩነታት እዮብ ዝቆጻጸሮ ዝነበረ ንረስኒ ናይቲ ንምኹላዕና ዝመጽእ ሓዊውን ከም ዝቆጻጸሮ ክንፈልጥ ኣሎና። 

 ምፍታን እምነት መንፈሳዊ ፍረ ንምፍራይ ዝሕግዘና ነገር ስለ ዝኾነ ንጊዚኡ ብዘይ ምቹእ ኩነታት ንሓልፍ እንተሃለናውን ጎይታ እንታይ ክንመሃር ይደልየና ከም ዘሎ ንሕተቶ። እቲ ብእኡ ብምሕላፍና ዝፈሬናዮ መንፈሳዊ ፍረ ምስ ርኤና ከኣ እንቋዕ ብእኡ ሓለፍኩ ናብ ዝብል ምርዳእ ክንበጽሕ ኢና። 

ጎይታ ይደግፈና!!