19
Fri, Apr
0 New Articles

ሓልዮትካ ኣብ ኣምላኽ ምውዳቕ

Message 4
Typography

ቃል ኣምላኽ ንእግዚኣብሄር ዝሓሊ ኣምላኽ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ዘፍ.22፣8,14 ፣ 1ጴጥ.5፣7)። ኣብቲ ብዘይ ኣምላኽ ዝነበርናሉ ዘመንና እግዚኣብሄር ከም ሓደ ተጸባጻቢ፣ ብዛዕባ መዓልታዊ ህይወትና ፋዕራ ዘይብሉ ቀጻዒ ኣምላኽ ስለ ዝቐረጽናዮ ቃሉ ፈሊጥና ሓራ እንተ ዘይወጺእና ከይዓረፍና ክንነብር ኢና። እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኩሉ ህይወትና ይግደስ እዩ፣ ስለዚ ድማ እቲ ኣብ ህይወትና ከነቐድሞ ዘሎና ነገር እንታይ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ እምበር ነቲ ኣብ ምድሪ ንምንባር ዘድልየና ነገራት ሸለል ኣይበሎን። ጎይታ የሱስ ካብ መብልዕ ህይወት፣ ካብ ክዳን ድማ ስጋ ከም ዝበልጽ ድሕሪ ምምሃር ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ደሊና እንበልዖ፣ እንሰትዮን እንኽደኖን ከም ዝውሰኸና ተዛሪቡ (ማቴ.6፣33)። ጎይታ ብዛዕባና ከም ዝግደስ ስለ ዝነገረና ብዛዕባ እንበልዖ፣ እንሰትዮን እንኽደኖን ክንጭነቕ ፍቓዱ ኣይኮነን (ማቴ.6፣31)


ምጭናቕ፣ ክትገብሮ ዘይትኽእል ክትገብር ምድላይ ወይ ምፍታን እዩ። ጎይታ ክዛረብ ከሎ ‘ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብታ ቑመቱ ሓንቲ እመት ምውሳኽ ዚኽእል መን ኣሎ’ ኢሉ ተዛሪቡ (ሉቃ.12፣25)። ኣብ ቁመትካ ሓንቲ እመት ምውሳኽ ንኣምላኽ ቀሊል እዩ፣ ንሰብ ግን ኣይከኣልን እዩ። ምጭናቕ እምበኣር ንርእስኻ ኣብ ቦታ እግዚኣብሄር ምቕማጥን ንሱ ዝገብሮ ክትገብር ምፍታንን እዩ። ስለዚ ኣይትጨነቑ ክብለና ከሎ ነቲ ኣምላኽ ጥራይ ክገብሮ ዝኽእል ክትገብሩ ኣይትፈትኑን ኣይትድለዩን ማለቱ እዩ። ቃል ኣምላኽ ብህድኣት እናዓየና እንጌርና ክንበልዕ ይእዝዘናን ይምዕደናን እዩ (2ተሰ.3፣12)። ስለዚ እትበልዖ፣ እትሰትዮን እትኽደኖን ንምርካብ ምስራሕ ግቡእ እዩ። ብዝተኻእለካ መጠን ከነባብረካ ዝኽእል ጥዑይ ሞያ ምሓዝውን ሕማቕ ኣይኮነን። እቲ ክፉእን ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ምውጻእን ንስኻ ክትገብሮ ዘይትኽእልን ዘይተፈቕደልካን ክትገብር ምድላይ እዩ። እቲ ክንገብሮ ዝግብኣናን እንኽእሎን እንተ ጌርና እቲ ንኣምላኽ ዝምልከት ንእኡ ክንገድፈሉ ይግብኣና። ዘይምጭናቕ ዘይምሕሳብ ማለት ኣይኮነን። ነቲ ዝግብኣካ ሓሲብካን ኣስትውዒልካን ምግባር ሰናይ እዩ። ብዛዕባ ክትገብሮ ዘይትኽእል ምሕሳብን ምስልሳልን ግን ምጭናቕ እዩ። ንሓደ ኣብ ላዕሊ ዝተሰቕለ ነገር ብመደያይቦ ደይብካ ከተውርዶ ምፍታን ምሕሳብ እንተ ኢልናዮ ኣብ ልዕሊ ቁመትካ ሓንቲ እመት ብምውሳኽ ከተውርዶ ምፍታን ግን ምጭናቕ እዩ። ስለዚ ቃል ኣምላኽ እንታይ ይብል እንታይከ ኣይብልን ከነስተውዕል ጽቡቕ እዩ።

 

ካልእ ቃል ኣምላኽ ዝምህረና ነገር ኩሉ ሓልዮትካ ኣብ ኣምላኽ ምውዳቕ እዩ። ‘ሓልዮት ሓዳር/ናብራ’ ንኩሉ ህይወት ዘለዎ ሰብ እምበር ንሰብ ሓዳር ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። ጎይታ ኩልና ‘ሓልዮት ሓዳር’ ንልብና ከየኽብድ ክንጥንቀቕ ከም ዘሎና ምሂሩ ኣሎ (ሉቃ.21፣34-35)። ብዘይክኡ ዝኾነ ነገር ንልብና ክብሕቶ ስለ ዘይደሊ ብሓልዮት ሓዳር ከይንተሓዝ ይምህረና። “ንሱ ይሓልየኩም እዩ እሞ፣ ንኹሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” ማለት እምበኣር ኩነታት ብዘየገድስ ንስኻትኩም ንጎይታ ኣብ ልብኹም ኣንግስዎ፣ ንሱ ከኣ ነቲ ዝተረፈ ንጽቡቕኩም ክገብሮ እዩ ማለት እዩ። ምጭናቕ ኮነ ብሓልዮት ሓዳር ልብኻ ምኽባድ ካብ ኣምላኽ ክፈልየና ዝኽእል ‘ደሓን’ ዝመስል ሓጢኣት እዩ። ኣምላኽ ኣይትግበሮ ዝበለካ ምግባር ወይ ግበሮ ዝበለካ ዘይምግባር ሓጢኣት ምዃኑ እንተ ፈሊጥና ‘ኣይትጨነቑ’ እናበለ ምጭናቕን ‘ኩሉ ሓልዮትኩም ኣባይ ኣውድቕዎ’ እናበለ ሓልዮትና ኣብኡ ዘይምውዳቕን ካብቲ ‘ኣይትስረቕ’ ወይ ‘ኣይትዘሙ’ ዝብል ትእዛዛት ዘይንእስ ሓጢኣት ምዃኑ ክንፈልጥ ኢና። ኣምላኽ ብከመይ ዓይነት ከቢድ ኩነታት ንሓልፍ ከም ዘሎና ስለ ዝፈልጥ ነቲ ንጽቡቐይ ዝተሓገገ ትእዛዛትካ ምግባሩ ምእንቲ ክኽእል ጸጋ ሃበኒ ኢልና ክንጽሊ ይግብኣና። ሽዑ ነቲ ንሕና ክንገብሮ ዝተኣዘዝና ኩሉ ንምግባሩ ዝኸውን ጸጋን ጊዜን ክህልወና እዩ።