24
Wed, Apr
0 New Articles

ኣብ ቃሉ ምጽናዕ

Message 4
Typography
ሓደ መዓልቲ ጎይታ የሱስ ብእኡ ንዝኣመኑ ኣይሁድ “ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፣ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። ንሓቂ ክትፈልጥዋ ኢኹም፣ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፣” ኢልዎም (ዮሃ.8፣31-32)። ንሳቶም ጥዑይ እምነት ስለ ዘይነበሮም ናይ ማንም ባሮት ኮይኖም ከም ዘይፈልጡ እኳ እንተ መለሱሉ ንሱ ግን ሓጢኣት ዝገብር ዘበለ ኩሉ ባርያ ሓጢኣት ምዃኑ ነጊርዎም (ዮሃ.8፣34)። ክርስትና ሓደ መዓልቲ ብጎይታ ድሕሪ ምእማንና ኣብ ቃሉ ብምጽናዕን ነታ ሓቂ ብምፍላጥን ካብ ኩሉ ፍቓድ ኣምላኽ ከይንገብር ዝኽልክለና ነገራት ሓራ እናወጻእና እንኸደሉ ህይወት እዩ። ኣብ ቃል ጎይታ ምጽናዕ ማለት ስብከት ምስማዕ፣ መዝሙር ምፍታው ወይ ስነ መለኮት ምምሃር ማለት ኣይኮነን። እዚ ነገራት እዚ ምናልባት ክሕግዘና እምበር ሓቂ ከፍልጠና ኣይክእልን እዩ። ሓቂ ፈሊጥና ሓራ ክንወጽእ እንተኾንና ንቃል ኣምላኽ ጊዜ ሂብና ከነንብቦ፣ ከነስተንትኖን ክግለጸልናን የድሊ። ምንባብን ምስትንታንን ብትግሃት ክንገብሮ ዘሎና ናትና ግደ እዩ።

ምግላጽ ቃል ኣምላኽ ከኣ እቲ መንፈስ ጥበብን ምግላጽን ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ዝገብሮ እዩ። ስለዚ ህይወትና ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ እናወሰኸ ምእንቲ ክኸይድ ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕን ጎይታ ክገልጸልና ክንጽሊን የድሊ። ንቃል ኣምላኽ ከም ዝኾነ መጽሓፍ ከተጽንዖን ክትሽምድዶን ዝከኣል እዩ። ጥቕስታት ፈሊጥካ ማለት ግን ሓቂ ፈሊጥካ ማለት ኣይኮነን። ጎይታ ንሓቂ ከም ዝፈለጥናያን ዘይፈለጥናያን ክንመዝነላ እንኽእል ንጽርቲ መምዘኒት ሂቡና ኣሎ። እታ ዝፈለጥናያ ሓቂ ሓራ ተውጽኣና ኣላዶ የላን? ሓቂ ፈሊጥና እናበልና ሓራ ንወጽእ እንተ ዘየሊና ወይ እታ ዝፈለጥናያ እታ ጎይታ ዝበላ ሓቂ ኣይኮነትን ወይ ከኣ ከምቲ ዝግባእ ጌርና ኣይፈለጥናያን ኣሎና ማለት እዩ። ዝኾነ ዓይነት መንፈሳዊ ፍልጠት ንኣምላኽ ባህ ዘብሉ ሰባት ኣብ ምግባርና ዘይሕግዘና እንተ ኾይኑ ከንቱ እዩ። ከምቲ ብዓውደ ትምህርቲ ስነ-ቕመም ዘምጻእካዮ ዲግሪ ኣብ መንፈሳውነትካ ዋላ ሓንቲ ተራ ዘይብሉ፣ ሓራ ዘየውጽእ መንፈሳዊ ፍልጠትውን ጥቕሚ የብሉን። ካብ ምፍላጡ ከኣ ዘይምፍላጡ ይምረጽ። ሎሚ ሰብ ዝኾነ ነገር (ዋላ መንፈሳዊ ፍልጠት) ክእክብ ዝደልየሉ ዘመን ስለ ዝኾነ ፍልጠትና ምስ ጎይታ ጥቡቕ ርክብ ብምምስራት ዝርከብ ሓቀኛን ሓራ ዘውጽእን ፍልጠት ክኸውን ይግባእ። ብመጠን ብዝሒ ዓመታትናን መንፈሳዊ ፍልጠትናን ካብ ስስዐ፣ ፍትወት ዓለም፣ ፍትወት ገንዘብ . . . ሓራ ንወጽእ እንተ ዘየሊና መወዳእታና ኣይክጽብቕን እዩ። ስለዚ ካብቲ ብሓሶት ፍልጠት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነፍሕ እምበር ዘይሃንጽ ናይ ዘመንና ሃተውተው ክንጥንቀቕ ኣሎና።

 

ንሓደ ብጎይታ ዝኣመነ ሰብ ‘ብመንፈሳዊ ህይወትካ ክትዓቢ ትደሊ ዲኻ?’ ኢልካ ምሕታት ስግንጢራዊ ሕቶ ይመስል ይኸውን። ጎይታ ነቲ ንሰላሳን ሸሞንተን ዓመታት ሓሚሙ ዝነበረ ሰብኣይ ‘ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ?’ ኢሉ ከም ዝሓተቶ (ዮሃ.5፣1-14) እንተ ዘኪርና ግን ኣይክገርመናን እዩ። ንክትዓቢ ዘድልየካ ነገራት ከይገበርካን ነቲ ካብ ምዕባይ ዝኽልክለካ ነገራት ከይገደፍካን ክትዓቢ ኣይከኣልን እዩ። ቃል ኣምላኽ ንምጽናዕን ንምምርማርን ዝኸውን ጊዜ ከይገበርካ ክትዓቢ ስለ ዝተመነኻ ጥራይ ክትዓቢ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሓቂ እንተ ዘይፈሊጥካ ሓራ ክትወጽእ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ሓቂ ከኣ ቃል ኣምላኽ እዩ (ዮሃ.17፣17)። ንቃል ኣምላኽ ጊዜ ሂብካ ከየጽናዕካዮን ክግለጸልካ ከይጸለኻን ሓቂ ክትፈልጥ ኮነ ክትዓቢ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ሰባት ዝርአ ዓቢ ፍልልይ ከኣ ካብዚ ዝብገስ እዩ። እታ ንካልኦት ዝተገልጸትሎምን ሓራ ዘውጽኣቶምን ሓቂውን ናትካ ክትከውን ናብ ኣምላኽ ክሳዕ ዘይጸለኻን ብእምነት ምሳኻ ክሳብ ዘይተወሃሃደትን ሓራ ኣይተውጽኣካን እያ። ንካልኦት ሓራ ዘውጽአት ሓቂ ንዓኻ ሓበሬታ ጥራይ ክትከውን ትኽእል እያ። ስለዚ ሓቂ ፈሊጥና ሓራ ምእንቲ ክንወጽእ ናብ ጎይታ ኣዚና ንጥበቕ ኣብ ቃሉ ከኣ ንጽናዕ።