18
Thu, Apr
0 New Articles

እታ ዝዓበየት ትእዛዝ

Message 4
Typography
ሓደ ምሁር ሕጊ ንጎይታ ምእንቲ ክፍትኖ ኢሉ “መምህር፣ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ እያ?” ኢሉ ሓቲትዎ (ማቴ.22፣36-40)። ጎይታ ከኣ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ። እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፣ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፣ እያ። ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ ኣሎ፣” ኢልዎ (ማቴ.22፣37-40)። ሎሚኸ እታ ዝዓበየት ክንፍጽማ ዘሎና ትእዛዝ ኣየነይቲ እያ? ልቢ ሰብ ብባህሪኡ ብዝገበሮን ዘይገበሮን ኣገናዕ ክበሃል ስለ ዝደሊ እቲ ዘይዝሙ እታ ኣይትዘሙ እትብል፣ እቲ ዘይሰርቕ እታ ኣይትስረቕ እትብል፣ እቲ ዘይቀትል ከኣ እታ ኣይትቕተል ትብል ትእዛዝ እታ ዝዓበየት ትእዛዝ ክትኮነሉ እዩ ዝደሊ። መልሲ ጎይታ ግን ሎሚውን ኣይተለወጠትን።

ኩሉ ሕግን ነብያትን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ፣ ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓሳብካን ኣብ ምፍቃር ከምኡ ድማ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣብ ምፍቃር ተጠቕሊሉ ኣሎ። ካብ ዝኾነ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመሃር ከሎና እምበኣር ናብዚ ጎይታ ዝዓበየ ኢሉ ጠቒስዎ ዘሎ ትእዛዝ ብኸመይ የብጽሓና ኢልና ክንሓስብ ኣሎና። እቲ ሃብታም ጎበዝ ከም ዝነኣድ ተኣማሚኑ ምስ መጸ ጎይታ የሱስ ግን ኩሉ ሕግን ነብያትን ብዛዕባ ዘይምስራቕ፣ ዘይምዝማው፣ ዘይምስራቕ ወይውን ብዛዕባ ኣቦኻን ኣዴኻን ምኽባር ከም ዘይኮነ ነጊርዎ። ንመብዛሕትኡ እቲ ትእዛዛት ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ይሕልዎ ከም ዝነበረ ምስ መለሰ እታ ዝተረፈቶ ነገር እዩ ነጊርዎ (ማቴ.19፣16-22)። እታ ዝተረፈቶ ምስ ተነግረ ከኣ ነታ ዝዓበየት ትእዛዝ ከም ዘይሓለዋ ተፈሊጡ። ንሕናውን ኩሉ እሙንነትና፣ ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላውናን ኣገልግሎትናን ነታ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣምላኽ ንምሕላው ምዃኑ ክንርዳእ ይግብኣና። ከም ናይቲ ሃብታም ጎበዝ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ከተፍቀሮ ይከኣል ይኸውን፣ ብዘይ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ግን ንኣምላኽ ብምሉእ ልብኻ፣ ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓይልኻን ከተፍቅሮ ኣይከኣልን እዩ ። ንኣምላኽ ብምልኣት ምፍቃር ጽቡቕ ግብሪ ካብ ምግባር ዝሓለፈን ንፍቓድ ርእስኻ ሞይትካ ንፍቓድ ኣምላኽ ምንባር ማለት እዩ። እዚ ከኣ ድሕሪ ሞት ክርስቶስ ጥራይ እዩ ተኻኢሉ (2ቆረ.5፣15 ፣ ገላ.2፣20)። ጎይታ የሱስ ተፍቅሩኒ እንተኾንኩም ትእዛዛተይ ሓልዉ ኢሉ ኣሎ (ዮሃ.14፣21,23)  ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ እንገልጸሉ ቀንዲ መንገዲ በቲ ኣብ ቃሉ ዝተገልጸልና ሓቂ ምንባር እዩ። ቃሉ ዘይኣገዳሲ ወይ ሸለል ዝበሃል ዋላ ሓንቲ ስለ ዘይብሉ ኣብኡ ተወኪልና ንመርምሮን ንግበሮን። ሽዑ በቲ ጎይታ ዝህበና ሓይሊ ንኣምላኽ ብኹለንትናና ንብጻይና ከኣ ከም ነፍስና ምፍቃር ክንክእል ኢና።                               


ሰባት ብምንታይ የለልዩና ኣለዉ?



ጎይታ የሱስ ኣብተን ኣብ ምድሪ ዝነበረለን ናይ መወዳእታ መዓልታት ንደቀ መዛሙርቱ ኣእጋሮም ሓጺብዎም። ሽዑ ከኣ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፣ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፣ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፣ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ። ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፣ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኩሉ ኺፈልጥ እዩ።” ኢልዎም (ዮሃ.13፣34-35)። እስኪ ህድእ ኢልና ርእስና ንመርምር። ሰባት ብፍቕርናዶ ሰዓብቲ ጎይታ ምዃንና ይፈልጡና ወይስ ብካልእ?

 

ናይ ዘመንና ክርስትና ድኹምን ልክዕ ከምቲ ካልኦት ሃይማኖታትን ጌርዎ ዘሎ እዚ ጎይታ ዝበሎ ፍቕሪ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ስለ ዘየለ እዩ። ማሕበራት ኮነ ውልቀ ሰባት ኣብ ናይ መን ይዓቢ ውድድር ስለ ዝተጸምዱ ንሓድሕድካ ምፍቓር ክትርኢ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ዝኾነሉ እዋን እዩ። ርእሱ ዝፈቱ ሰብ ካብ ምብዝሑ ዝተላዕለ ንጎይታ ዘቐድሙን ንኣሕዋቶም ዘፍቅሩን  ኣመንቲ ዝወሓዱሉ ዘመን እዩ። ጎይታ ከምኡ ስለ ዘይበለ እቲ ትኽክለኛ ዝኾነ ሰረተ እምነትውን ሰዓብቲ ጎይታ ምዃንና ክምስክረልና ኣይክእልን እዩ። እቲ ቀንዲ ንሰባት ካብ ኣመንቲን ካብ ቤተክርስትያንን ክሃድሙ ዝገብሮም ዘሎ ነገር ከኣ እታ ሰዓብቲ ጎይታ ምዃንና እትምስክር ኣብ ነንሓድሕድና ክትህሉ ዘለዋ ፍቕሪ ዘይምህላዋ እዩ። ከም ውልቀሰባት ኮነ ከም ሕብረታት ኣብ ነንሓድሕድና ፍቕሪ እንተ ዘይብልና ከም ሰዓብቲ ጎይታ ክንፍለጥ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ‘ክርስትያን’ ዝበሃል ኮነ እታ ኣካል ክርስቶስ ትበሃል ‘ቤተክርስትያን’ ብስስዐ፣ ፍትወት ገንዘብ፣ ፍትወት ተድላ፣ ባእሲ፣ ሻራ፣ ምፍልላይ ዝርግርግ . . . ዝልለዩ እንተኾይኖም እቶም ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘለዉ ሓቀኛ ክርስትያንን ሓቀኛ ቤትክርስትያንን ኣይኮኑን። ሕብረት ብሰባት ስለ ዝቐውም ጎይታ ነንሓድሕድና ክንፋቐር ትእዛዝ ሂቡና ኣሎ። ቅድሚ ኩሉ ከኣ ነፍሲ ወከፍና ህይወትና ከነቕንዕ ኣሎና። ቃል ኣምላኽ ነንሓድሕድና ክንፋቐር ብግልጺ ስለ ዝምህር ንእኡ ክንእዘዞ እምበር ብካልእ መንፈሳዊ ንጥፈታት ክንትክኦ ክንፍትን ኣይግባእን። ምስ ሓውካ ተቐያይምካ፣ ይቕረ ምባል ኮነ ምሕታት ኣቢኻ ከሎኻ ኣምላኽ ክባርኸካ ምጽባይ ዕሽነት እዩ። ጥዑይ መንፈሳዊ ህይወት ክህልወና እንተኾይኑ ኣዒንትና ተኸፊቱ ካብ ቃሉ ክንደይ ጎዲልና ከም ዘሎና ክንፈልጥ የድልየና። እታ ንጎይታ ኣብ ምድሪ ክትውክሎ ዝተመስረተት ማሕበር ክርስቶስ ምሕረት ብዘይገብሩ፣ ንሓዎም ብዘየፍቅሩን ስለ ዝተቐየሙ ንመገላግልቶም ሰላም ብዘይብሉን ‘ኣገልገልቲ’ ክትምራሕ ከላ ክንነብዕ ዘይግባእ ኣይኮነን። ከም ኩሎም ኣመንቲ ኣገልገልቲውን እናዓበዩ ዝኸዱ ሰባት ስለ ዝኾኑ ክጋገዩን ክወድቁን ይኽእሉ እዮም። ኣብ ውድቀቶም ዝነብሩን ይቕረ ንዘይ ምባሎም ቃል ኣምላኻዊ መርትዖ ዝደልዩሉን እንተኾይኖም ግን ኣሽንኳይዶ ኣገልገልቲስ ኣመንቲ ምዃኖምውን ኣጠራጣሪ እዩ። ውህበት ክህልወና ይኽእል እዩ፣ ውህበት ኣሎካ ማለት ግን ህይወትካ ጥዑይ እዩ ማለት ኣይኮነን። እቲ ዘገድስ ህይወት እምበር ውህበት ምህላው ወይ ዘይምህላው ኣይኮነን። እቶም ንእሱርን ሕሙምን ዝበጽሑዎም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣትዉ ከለዉ (ማቴ.25፣31-40) እቶም ብስም ጎይታ ብዙሕ ሓይሊ ዝገበሩ ዓመጽቲ ግን ኣይፈለጥኩኹምን ተባሂሎም እዮም (ማቴ.7፣20-23)። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ዘብለና ህይወትና እምበር እቲ ንጥቕሚ ማሕበር ዝወሃበና ውህበት ኣይኮነን። ኣምላኽ ሕያዋይ ስለ ዝኾነ ዋላ ዘይእዙዝ ህይወት እንተሎካ በቲ ዝሃበካ ውህበት ጌሩ ንካልኦት ክበጽሕ ይኽእል እዩ። ብውህበታት ተታሊልካ ህይወትካ ብዓመጻ እንት ወዲእካዮ ግን ግዴኻ ምስቶም ገበርቲ ዓመጻ እዩ።

 

ነንሓድሕድና ከይንፋቐር ኮነ ካብኡ ሓሊፍና ክንቅየምን ክንበኣስን ዝገብረና እንታይ እዩ? ነሕዋትና ከም ዘይነፍቅር ዝገብረና ክብሪ ጎይታ ዘይኮነ ክብሪ ገዛእ ርእስና ምድላይ (ስስዐ) እዩ። ኩሉ ኣብ ውሽጢ ማሕበር ኮነ ኣብ መንጎ ማሕበራት ዘባእስ ነገራት ገንዘብ፣ ዝና፣ ክብሪ፣ ተድላ እዩ። ጎይታ እዚ ሓድሽ ትእዛዝ ነቶም ከም ናትና ድኻም ዝነበሮም ብተደጋጋሚ ከኣ ‘ ካብ ኩላትና መን ይዓቢ?’ ኢሎም ዝካትዑ ዝነበሩ ሃዋርያት ስለ ዝሃቦም ብጸጋ ኣምላኽ ምፍጻሙ ዝከኣል እዩ። ሎሚ ዘሎ መካትዒናን መባኣሲናንውን ገንዘብ ውሒዱኒ፣ ናይ ኣገልግሎት ደገ ከሊኦሙኒ፣ ነፍሳት ወሲዶሙለይ . . . ስለ ዝኾነ ከምቲ ናይ ሃዋርያት ካብ ኣነነት ዝተበገሰ እዩ። ዮሃ.13 ብምሉኡ እንተ ርኢናዮ ንሱ ፍቕሩ ምስ ኣርኣዮም እዩ ከምቲ ንሱ ዘፍቀሮም ነንሓድሕዶም  ክፋቐሩ ኣዚዝዎም። ንሓድሕድካ ከም ትፋቐር ዝገብረካ ነገር እምበኣር ጎይታ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘፍቀረካ  ምፍላጥ እዩ። ጎይታ ህይወቱ ክሳዕ ምሃብ ከም ዘፍቀረና እንተ ፈሊጥና ንዕኡ ባህ ንምባል ጥራይ ኢልናውን ነሕዋትና ከነፍቅሮም ኢና። ንሱ ከም ዘሎናዮ ከም ዘፍቀረና እንተ ተረዲእና ንኣሕዋትናውን ከም ዘለውዎ ንምፍቃሮም ኣይክንሽገርን ኢና። ነቲ ብክፉት ሳእኒ ሓመድ ክሰቲ ዝወዓለ ኣእጋሮም ምስ ሓጸቦምን ብጨርቂ ጌሩ ምስ ወልወሎን ካብ ናይ እገለ እግሪ ናይ እገለ ይጸሪ ወይ ይረስሕ ኣይበለን። ንሕናውን ኣእጋር ኣሕዋትና ክንሓጽብ እምበር ሓጢኣቶም ከነቃልዕን ምኽንያት ውርደት ከንኮኖምን ኣይግባእን።                            ኣብ ነንሓድሕድና ፍቕሪ  እንተ ዘይብልና ደቀ መዛሙርቲ ጎይታ ምዃንና ዝነግር መለለዩ የብልናን ማለት እዩ። እቲ ጎይታ ዝጠቐሶ መለለዩ ክሳዕ ዘይብልና ኣነ እገለ እየ እንተ በልናውን ዝሰምዓና ኣይክንረክብን ኢና። ስለዚ መኣዛ ክርስቶስ ኮይንና ንሰባት ናብ ህይወት ከነምጽእ እንተ ደሊና ይቕረ ክንበሃሃልን  ነንሓድሕድና ክንፋቐርን ይግብኣና።