20
Sat, Apr
0 New Articles

ክትገብሮ ዝግብኣካ ነገር ምግባር

Message 4
Typography
እግዚኣብሄር ኩሉ ሳዕ ናብቲ ንሱ ዝመደበልና ዕረፍቲ ክንኣቱ ምስ ደለየ እዩ። ሓደ ካብቲ ናብ ዕረፍቱ ክንኣቱ ዝድግፈና ነገራት ከኣ ክትገብሮ ዝግብኣካ ምግባርን ኣምላኽ ከኣ ግዴኡ ከም ዝገብር ምእማንን እዩ። ንነገራት ክትገብሮ ስለ ዝግብኣካ እምበር ኣምሳያኡ ገለ ነገር ተጸቢኻ ምግባሩ ናይ ዘይምእማን ዘይኮነ ናይ ምጥርጣር መግለጺ እዩ። ብዙሕ ጊዜ እግዚኣብሄር ገለ ምእንቲ ክገብረልና ነገራት ንገብር ኢና። እቲ ዝተጸበናዮ ምስ ዘይፍጸም ከኣ ኣብ ክንዲ ሓሳብ ኣምላኽ በዚ ውሱን ኣእምሮና ከም ዘይውሰን ምእማን ምስ ኣምላኽ ምጉርምራም ይቐለና።

ከምዚ ክንከውን ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዘይኮነ ነቲ ግዴና ፈቲናን ተረዲእናን ንግበሮ እግዚኣብሄር ግዴኡ ከም ዝገብር ከኣ ንእመኖ እምበር ኣይንጠራጠር። ኣብ ቃል ኣምላኽ ነቲ ዝግብኦም ብፍታው ብምግባር በረኸት ኣምላኽ ዝተቐበሉ ሰባት ኣለዉ፣ ንሳቶም ኣምላኽ ግዴኡ እንተዘይገበረኸ ዝብል ጥርጥር ስለ ዘይነበሮም ነቲ ዝገበርዎ ብንጹህ ልቢን ብምሉእ ፍቓዶምን ጌሮሞ ስለዚ ኣብነቶም ክንስዕብ ይግብኣና። ህይወቶም ክንመሃረሉ ስለ ዘሎና ኣካይዳኦም ከነጽንዖ ጽቡቕ እዩ።

1.  ኣብ ቃና ናይ ገሊላ  ዝነበሩ ተዓጠቕቲ ዮሃ.2፣5,9

እቶም ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ኣብቲ መርዓ ዝነበሩ ተዓጠቕቲ ዝተኣዘዝዎ ኣብ ምግባር ጽቡቕ ኣብነት  እዮም። ማርያም ኣደ ጎይታ ንሱ ዝበሎም ክገብሩ ምስ ነገረቶም ንትእዛዙ ብተገዳስነት ይጽበይዎ ኔሮም። ነቲ ኣጋንእ ማይ ክመልእዎ ምስ ኣዘዞም ከኣ ኣፍ ንኣፉ መሊኦሞ። ኣብቲ ዘመን እቲ ማይ ከምዚ ናይ ሎሚ ብምምሕዳር ከተማታት ናብ ውሽጢ ገዛኻ ይመጽኣካ ኣይነበረን። ከምዚ ሎሚውን ኣብ ብዙሓት ዘይማዕበላ ሃገራት ዘሎ እቲ ማይ ካብ ሓንቲ ብዓዲ እትውነን ዒላ ይቕዳሕ እንተኔሩ ብርቱዕ ጻዕሪ ከም ዝሓተቶም ፍሉጥ እዩ። እቲ ዝዓበየ፣ ዝጸበቐን ዝኸበደን ግደ ናቱ ከም ዝነበረ ስለ ዝፈለጡ ግን ምስ ብርቱዕ ጻዕሪውን እንተኾነ ነቲ ኣጋንእ ኣፍ ንኣፉ ኣብ ምምላእ ኣይተሃከዩን፣ ብመጠን እቲ ዝመልእዎ ማይ ድማ ወይኒ ረኺቦም። ነቲ ኣጋንእ ከምቲ ዝግባእ እንተ ዘይመልእዎ ኔሮም ብመጠን እቲ ዘጉደልዎ ማይ ወይኒ ምጎደሎም ኔሩ። ንኣብነት ሓደ ሊትሮ ማይ ምጉዳል ሓደ ሊትሮ ወይኒ መጉደለሎም ኔሩ። ንሳቶም ግን እሙናት ስለ ዝነበሩ ነቲ ኣጋንእ ኣፍ ንኣፉ ብምምላእ ወይኒ ዝመልአ ኣጋንእ  ኣብ ምቕራብ ግዴኦም ኣበርኪቶም። ኣምላኽ በቲ ዘየገድስ ዝመስለና ከም ምምላእ ማይ ዝኣመሰለ ቀለልቲ ነገራት ስለ ዝፍትነና ንዝእዝዘና ነገራት ከነቕልበሉን ብጥንቃቐ ክንትግብሮን ይግብኣና።

2.  እቲ ሓሙሽተ ጎጎ ስገምን ክልተ ዓሳን ዝነበሮ ቆልዓ ዮሃ.6፣9

ብዛዕባ እቶም ጎይታ ብተኣምራት ዝመገቦም 5000 ሰብኡት ብዙሕ ተዘሪቡ እዩ፣ ብዛዕባ እቲ ንመግቦም ክኸውን ዝነበሮ ኩሉ ዘወፈየ ቆልዓ ግን ከምቲ ዝግባእ ዝተባህለ ኣይመስልን። እቲ ቆልዓ ንዕኡ ካብ ሓደ መዓልቲ ንላዕሊ ከብልዖ ዝኽእል መግቢ ተማሊኡ ኔሩ። ዘለዎ ትሕዝቶ ብምሉኡ ናብ ጎይታ ከቕርቦ ምስ ተሓተተ ግን ኣየዕጠጠየን። ምናልባት ዓቢ ሰብ ኔሩ እንተ ዝኸውን እቲ ዛንታ ካልእ ክኸውን ምኸኣለ። እቲ በዓል ሓሙሽተ ጎጎን ክልተ ዓሳን ሰብኣይ ዘይኮነ ቆልዓ ምንባሩ እምበኣር ምስቲ ጎይታ ዝመሃሮ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክንኣቱ እንተደሊና ከም ቆልዑ ክንከውን ከም ዘሎና ዝጠቅስ ትምህርቲ ዝሳነ እዩ። ምሉእ ምትእምማኑ ኣብ እግዚኣብሄር ዝገብር ልቢ እንተሎካ ልክዕ ከም ናይቲ ቆልዓ ዘሎካ ዘበለ ትህብ እምበር በቲ በጃኻ ዕሽርካ ኣምጽእ፣ ሓንቲ ሃብ እሞ ሚእቲ ኮይኑ ክመጽኣካ፣ እንተ ሂብካ እግዚኣብሄር ናይ ግድን ክህበካ ኣለዎ ዝብል እምነት ዘይብሉ ናይ ስስዐ ትምህርቲ ኣይትተሓዝን ኢኻ። እምነት ማለት ነቲ ኣምላኽ ከተምጽኦ ዝሓተተካ ብዘይ መሐለውታ ብምሉኡ ምምጻእ ማለት እዩ። ብዙሓት ግብሪ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ከይንርኢ ጌሩና ካብ ዘሎ ነገራት ሓደ ከኣ እዚ እዩ። ኣሸበሸብ እግዚኣብሄር ቃሉ እንተ ዘይሓለወ ካብ ጥፍኣት ዘድሕነካ መሐለውታ ምትራፍ። እግዚኣብሄር ብኩለንትናና ክንድገፎ ስለ ዝድልየና ህይወትና ከምኡውን ዘሎና ዘበለ ኩሉ ብምልኣት ከይሃብናዮ ንበረኸት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ገለ ነገር ክንገብር ክሓተና ከሎ፣ ዘይንኽእሎ ነገር ከም ዘይሓተናን ካብቲ ንሕና ንግምቶን ንሓስቦን ንላዕሊ ካብኡ ብሉጽ ነገር ከም ዘውጽእን ክንኣምን ይግብኣና።

3.  እቶም ሸውዓተ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃ.21፣1-6

ድሕሪ ትንሳኤ ጎይታ ገለ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ብመሪሕነት ጴጥሮስ ዓሳ ክገፉ ከይዶም። ምሉእ ለይቲ ፈቲኖም ከኣ ዋላ ሓደ ዓሳ ክሕዙ ኣይከኣሉን። ሽዑ ጎይታ መጺኡ ንመርበቦም ናይ የማን እታ ጃልባ ኣቢሎም ክድርብይዎ ኣዚዝዎም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ተልመዴን ገፈፍቲ ዓሳ ኣይነበሩን፣ ብውሑዱ ነቲ ባሕሪ ከም ከብዲ ኢዶም ዝፈልጥዎን ንምግፋፍ ዓሳ ኣጸቢቖም ዝመልክዎን ሰለስተ ሰባት ኔሮሞም እዮም። ድሕሪ ምሉእ ለይቲ ምግፋፍ ናብ የማን እታ ጃልባ ኣቢሎም መርበቦም ክድርብዩ ምስ ተነግሩ እንታይ ሓድሽ ነገር ኣሎ ብምባል ኣይተጠራጠሩን፣ ነቲ ጎይታ ዝኣዘዞም ብምትግባር መርበቦም ምስሓብ ክሳብ ዝኣብዮም ኣዝዮም ብዙሓት ዓሳ ገፊፎም። ሎሚኸ ጎይታ ነቲ ምሉእ ለይቲ ዝጸዓርናሉ ጉዳይ ተመሊሱ ከልዕሎ ከሎ ንእዘዞዶ ወይስ እንታይ ሓድሽ ነገር ኣሎ ኢልና ንሓትት? ነቶም ዓሳ ናብ የማናይ ወገን ናይታ ጃልባ ምምጻእ ንዓና ዝምልከት ስራሕ ኣይኮነን፣ ንሕና ንሕተቶ ዘሎና መርበብና ናብ የማናይ ወገን ናይታ ጃልባ ምድርባይ እዩ።

ክርስትያናት ብዙሕ ጊዜ ንጋገዮ ነገር እንተሎ ነቲ ዝግብኣና ከይገበርና ነቲ ንዓና ዘይምልከተና ክንገብር ምፍታን እዩ። ነቲ ኣጋንእ ማይ ምምላእዶ ይኸብድ ወይስ ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ምልዋጥ? ነተን ሓሙሽተ ጎጎን ክልተ ዓሳን ንጎይታ ምውፋይዶ ይቐልል ወይስ ንዓኣተን ንሓሙሽተ ሽሕ ሰብኡት ከም ዝኣኽላ ምግባር? መርበብካ ካብ ዝኾነ መኣዝን ናይታ ጃልባ ናብ የማናይ ወገና ምድርባይዶ ወይስ ነቶም ኣብቲ ባሕሪ ዘይነበሩ ዓሳ ናብ የማናይ ወገን እታ ጃልባ ከም ዝእከቡ ምግባር ይቐልል? እቲ ዝኸበደ ግደ ናይ ጎይታ እኳ እንተኾነ ንሱ ግን ንሰባት ብምስታፍ ነቲ ናብ ወይኒ ዝልወጥ ማይ ናይ ምምላእ፣ ነቲ ንብዙሓት ንበረኸት ዝኸውን መግቢ ናይ ምውፋይ ከምኡ ድማ ነቶም ብትእዛዝ ጎይታ ናብ የማናይ ወገን ናይታ ጃልባ ዝተኣከቡ ዓሳ ናይ ምግፋፍ ክብሪ ሂብዎም። ብዙሕ ጊዜ ማይ ክትመልእ ትኽእል ኢኻ፣ እቲ ጎይታ ኣዚዙካ እትመልኦ ማይ ግን ንወይኒ ዝኸውን ማይ እዩ። ጎይታ ንዝበለካ ነገር ብሸለልትነት ምግባሩ ካብቲ ዝመስለካ ንላዕሊ ዝተዓጻጸፈ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ። ሓንቲ ሊትሮ ማይ ምጉዳል ዋላ ሓንቲ ኣይመስልን ይኸውን፣ ሓንቲ ሊትሮ ወይኒ ምጉዳል ግን ክንድቲ ናይ ማይ ቀሊል ኣይኮነን።  እተን ዘለዋኒ ጎጎን ዓሳን ንበይነይ ክበልዐን እየ ክትብል ትኽእል ኢኻ፣ ክርሳዕ ዘይብሉ ግን ግብሪ ኣምላኽ ክትርኢ ድማ ኣይክትክእልን ኢኻ። እግዚኣብሄር ክንገብሮ ዘይንኽእል ወይ ዘይብልና ነገር ስለ ዘይሓተና ብዘይብልናን ንሕና ክንቆጻጸሮ ብዘይንኽእልን ነገራት ካብ ምጭናቕ እቲ ክንገብሮ ዝተኣዘዝና ንግበር እሞ ነቲ እንጭነቐሉ ባዕሉ ክገብሮ እዩ።

ዝግብኣና ንምግባር ጎይታ ይደግፈና!