25
Thu, Apr
0 New Articles

“እንታይ ትደልዩ ኣለኹም?” ዮሃ.1፣38

Message 4
Typography

ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ነቶም ምስክርነት ዮሃንስ መጥምቕ ሰሚዖም ዝሰዓብዎ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ‘እንታይ ትደልዩ ኣለኹም' ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ ሓቲትዎም። እዚ ሕቶ እዚ ዝኾነ ንጎይታ ክስዕብ ዝደሊ ሰብ ክሕተቶ ዘለዎ ሕቶ እዩ። ጎይታ ነዚ ሕቶ እዚ ሰባት ንብዙሕ ዕላማታት ከም ዝስዕብዎ ስለ ዝፈልጥ እዩ ኣምጺእዎ። ገሊኦም ስጋዊ ፈውሲ፣ ገሊኣቶም ንሽግሮም ዝኸውን ጊዚያዊ መፍትሒ፣ ገሊኦም እንጌራ . . .  ደልዮም ንዝተፈላለየ ዕላማ ይስዕብዎ ኔሮም። ሎሚኸ ስለምንታይ ንጎይታ ንስዕቦ ኣሎና?


ጎይታ ኣብተን ኣብ ምድሪ ዝጸንሓለን ዓመታት  ሕሙማት ይፍውስ፣ ምውታት የተንስእ፣ ኣጋንንቲ የውጽእ፣ ጥሙያት ይምግብ እኳ እንተነበረ ነዚ ኩሉ ግን ከም ቀዳማይ ዕላማ ጌሩ ሰሪሑሉ ኣይፈልጥን እዩ። እዚ ኩሉ ዝጠቐስናዮ ተግባራት ኣብተን ድሕሪ ሰላሳ ዓመቱ ዝነበራ ሰለስተ ዓመታት ዝገበሮ እዩ። ስለዚ ድማ እዚ ነገራት እዚ እቲ ናይ ተልእኾኡ ቀንዲ ነገር ከም ዘይነበረ ምፍላጡ ኣጸጋሚ ኣይኮነን። እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ሕቶ "መምህር፣ ኣበይ ሰፊርካ ኣሎኻ?" ብዝብል ካልእ ሕቶ መሊሶሞ፣ ጎይታ ከኣ "ንዑ ረኣዩ" ኢልዎም፣ ሽዑ መዓልቲ ከኣ ምስኡ ውዒሎም። እዞም ሰባት ንጎይታ ምድራዊ ረብሓ ደልዮም ኣይቀረብዎን፣ ነቲ መምህሮም ዝነበረ ዮሃንስ መጥምቕ ይኣምንዎ ስለ ዝነበሩ ግን ነተን "እንሆ፣ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ" ከምኡውን "እንሆ ገንሸል ኣምላኽ" ዝበለን ቃላት (ዮሃ.1፣29, 36) ኣጸቢቖም ኣቕሊቦምለን ስለ ዝነበሩ እዚ ዝተመስከረሉ ሰብኣይ እንታይ ዓይነት ናብራ ከም ዝነበር ኣብ ሰፈሩ ከይዶም ክርእይዎ ደልዮም። በታ ዝተላለይዎ መዓልቲ ድማ ምስኡ ውዒሎም። ኣብ ዮሃ.6 እንተርኢና ግን ብዙሓት ካልእ ዕላማ ዝነበሮም ሰባት ከም ዝነበሩን ካብቶም ካብ 5000 ዝበዝሑ እንጌራ ዝበልዑ ሰባት 12 ጥራይ ከም ዝተረፉን ንርኢ። ካብዚ ድማ ጎይታ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜውን ብዙሓት ሰባት ኣምላኻዊ ንዘይኮነ ዕላማ ንየሱስ ይስዕብዎ ከም ዝነበሩ ክንርዳእ ንኽእል። ኣብ ዘመንናውን ሰባት ብዝተፈላለየ ዕላማ ንጎይታ ከም ዝስዕብዎ ክንፈልጥ ይግብኣና።

ዘለናዮ ዘመን ናይ መወዳእታ ዘመን ከም ምዃኑ መጠን እቲ ኣብ ጢሞቴዎስ ተጠቒሱ ዘሎ ባህርያት ሰባት ብዝተዓጻጸፈ ዓቐን ዝረኣየሉ እዋን እዩ። ስለዚ ድማ ቀዳምነት ዘይግብኦ ነገራት ቀዳምነት ሒዙ እቲ ዘለኣለማዊ ነገራት ከኣ ሸለል ተባሂሉ ይርአ ኣሎ። ወንጌል ሃብትን ጥዕናን ጥራይ ከም ዝኾነ እቲ ንኣምላኽ ባህ ዘብል ናብራ ምንባር ሸለል ተባሂሉ ስስዐ ብጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጎልቢቡ ዝስበኸሉ ዘመን ኣርኪብና ኣሎና። ንስኻ/ኺኸ ንጎይታ ስለምንታይ ትስዕቦ/ብዮ ኣሎኻ/ኺ? ምድራዊ ነገራት ክሰልጠልካ፣ ክትጥዒ፣ ክትህብትም፣ ጽቡቕ ሓዳር ክህልወካ . . . እዚ ነገራት እዚ እንተ ዘይኮነልካኸ እንታይ ክትገብር ኢኻ? ብዙሓት ንመንፈሳውነት ከም ሓደ ናይ ኣነባብራ ቅዲ ብምውሳድ ክሳዕ እቲ ዝደልይዎ ሸቶ ዝወቕዑ ንምብጻሕ ከም ድልድል ተጠቒሞሙሉ እዮም። ኣብቲ ዝደልይዎ ምስ በጽሑ ከኣ ወይ ፈጺሞም ገዲፎሞ ወይ ድማ ናይ ትርፊ ጊዜ ንጥፈት ጌሮሞ። ነፍሲ ወከፍና እምበኣር ህይወትና ክንምርምርን ካብ ጎይታ እንታይ ንደሊ ከም ዘሎና ከነነጽርን የድልየና። ኣምላኽ ጽቡቕ ነገራት ክህበካ ምድላይ ወይ ምሕታት ጌጋ ኣይኮነን፣ ኣብኡ ተወሲንካ ምትራፍ ግን ነቲ ኣምላኽ ዘዳለወልካ ክቡር ነገር ሸለል ምባል እዩ። ኣምላኽ ኣብ ሎሚ ክንነብር እምበር ብሕሉፍ ክንጠዓስን ከነስቆርቁርን ስለ ዘይደልየና ኣብ ሕሉፍ ህይወትና ተጋጊና እንተ ነበርናውን ሕጂ ክንምለስን ነቲ ንሱ ዝሓተተና ሕቶ ቅኑዕ መልሲ ክንህበሉን ንኽእል ኢና። እግዚኣብሄር ንእኡ ባህ ዘብሉ ብቑዓት ሰባት ክንከውን ስለ ዝደልየና ነገራት ከምቲ እንደልዮ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ዕላማና ንእኡ ባህ ንምባል ክኸውን ኣለዎ። ንእኡ ባህ ንምባል ከኣ ዘዝለመንናዮ ተቐቢልና ካብ ምኻድ ሓሊፍና ምስኡ ክንውዕል የድልየና።