19
Fri, Apr
0 New Articles

ዉሕስነት ሓዳር 6ይ ክፋል

Marriage & Relationships
Typography

ሻዱሻይ ክፋል (ሓፈሻዊ ምኽሪ ኣብ ልዕሊ ንጽህና)   ወዲ ፍቕሪ ዝሕዞ ብዓይኒ እዩ ክበሃል እንከሎ፣ ኣዋልድ ዓይነን ጽብቕ ኣክዳድናን መልክዕን ክርኣይ የብሉን ማለት ከም ዘይኰነ ክንርዳኣእ ይግባእ። ስለዚ ሰብኡት ካብ ናይ እግሪ ካልሲ ጀሚሮም ክዳኖምን ኣካላቶምን ብንጽህና ክሕልውዎ ይግባእ። ጸግሮም ከስተኻክሉ ጭሕሞም ክላጸዩ ኣስናኖም ብንጽህና ክሕልዉ ይግባእ። ሓደ ሓደ ሰብኡት ጭሕሞም ኣንዊሖም ክኸዱ ከለዉ ናይ ኣንስቶም ስምዒት ከም ዝጐድኡ ኣይርድኦምን እዩ። ዓቐኑ እንተ ሓሊፉ ከኣ ብንጽህና ንምሕላው ኣዚዩ እዩ ዘጸግሞም። ብዙሕ ርስሓት ክሕዝ ስለ ዝኽእል ሽታ ክገብር ይኽእል እዩ። ስለ ዝዋጋእን ዝሕርፍፍን ከኣ ናብ ሰብ ክትቀርብ ኣየኽእለካን እዩ። ካልእ ድማ ኣብ ትሽቱሽና ዝበቁል ጸጉሪ ካብ ረሃጽ ዝተላዕለ ሕማቕ ሽታ

ከስዕብ ስለ ዝኽእል ክላጸ ይግባእ። ሕማቕ ሽታ ኣሽንካይ ንፍቕሪ፣ ንዝዀነ ነገር ከም ዘበላሹ ተረዲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ንጽህንኦም ክሕልዉ ይግባእ።

ንዕቤት ፍቕሪ ዘጐልብቱ ምኽርታት

 

1 ብዝተኻእለ መጠን ናይ መርዓ ቃልኪዳን መዓልቲ ምዝካርን ምሕላውን። 

1.ጥፍኣት ምስ ዝፍጸም በደልካ ኣሚንካ ይቕሬታ ምሕታት። 

2.ምሕረት ንምግባርን ንምቕባልን ኩሉ ጊዜ ድልው ምዃን። 

3.ሰብኣይ ንሰበይቱ ሰበይቲ ድማ ንሰብኣያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓባራዊ ናብርኦም ዘካይድዎ ንጥፈታት ክደናነቑ ክመሳገኑ ክበረታትዑ ይግብኦም። 

4.ኣንስቲ ምስ ሰብኡተን ዘዕልላሉ ዝዛናጋዓሉ ጊዜ ከም ዘድልየን ክዘንግዓ የብለንን። 

5.ቅድሚ ዝዀነ ውሳኔ ምውሳድኩም ተመኻከሩ። 

6.ብግልጺ ፍቕሪ ምልምማድ ከምኡ ድማ ምክብባር። 

7.ኣነ ምባል ተሪፉ ንሕና ዝብል ቃል ምልምማድ። 

8.ኣብ ኩሉ ስፍራን እዋንን ንናይ ሓዳር መጻምድትኻ እሙን ምዃን። 

9.ምስ ካልእ ኰይንካ ንናይ ሓዳር መጻምድትኻ ዘይምሕማይ። 

10.ገንዘብን ንብረትን ሓባራዊ ሃብቲ ምዃኑ ምፍላጥ። 

11.ኣብ ምዕባይ ቆልዓን ምሕደራ ቤተሰብን ምምኻርን ምስምማዕን የድሊ። ክልተ እንተ ዘይተሰማሚዖም ኣብ መንጐ ዉሉዱን ቤተሰብን ወገናውነት ክፍጠር ስለ ዝኽእል ምጥንቃቕ ኣዚዩ ኣድላዪ እዩ። 

12.ኣጋጣሚ ኣብ ዝተረኽበሉ ኩሉ ብሓንሳብ ንምዃን ዘይምርሳዕ። ብሓንሳብ ምዃን ማለት ማዕዶ ንማዕድ ኰይንካ ምጥምማት ማለት ዘይኰነስ ሓቢርካ ምዝንጋዕ ሓቢርካ ምብላዕን ምኩልላስን ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ድማ ብዛዕባ ኣድለይቲ ዝበሃሉ ጉዳያት ምዝታይ እዩ ዘጠቓልል። 

13.ኣምላኽ ብዛዕባ ዝሃቦም ሓዳር ፍቕሪ ዉሉድ ካልእ በረኸትን ምምስጋንን ብዛዕባ ንሓድሕዶም ንኣምላኽ ንምምስጋን ዘይምዝንጋዕ። 

14.ኣብ ስራሕ ንሓድሓድካ ምድግጋፍን ሓደ ክደክም ከሎ ከኣ ብዝከኣሎ ምሕጋዝ ነቲ ፍቕሪ ንኸይዝሕትል ይድግፎ እዩ።

 

ኣይትከላኸሉ ንዝብል ቃል ዘይምጥሓስ 

ኣምላኽ ንመርዓ ዝፈጠሮ ሰባት ድሌት ጾታዊ ርክብ ብሓቀኛን ንጹሁን ፍቕሪ ኣብ ሓዳሮም ክለማመዱ መታን እዩ። ድሌት ግብረ ስጋ ምስ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝፍጠር፣ ከም ናይ ኤሊክትሪክ ሓይሊ ዘሎዋ ስሚዒት እዩ። እዚ ናይ ተፈጥሮ ስሚዒት ሓቀኛ ትርጉም ዝህልዎ ኣብቲ እግዚኣብሄር ቀዲሱን ባሪኹን ዝፈጠሮ ሓዳር ጥራይ እዩ።“ ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ክትረኽቡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ኣይፈለ ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ከይፍትነኩም ከኣ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ” 1ቆሮ 7፣5።ቃል ኣምላኽ ከም ዝምህረና ሰብኣይን ሰበይትን ብጾምን ጸሎትና ናብ እግዚኣብሄር ክቐርቡ እንተ ደልዮም ተመኻኺሮምን ተሰማሚዖምን ንዝተወሰን ጊዜ ጥራይ ክኽውን ኣለዎ። ካልእ ድማ ርክብ ዝቋረጸሉ እዋናት ኣብ ግዜ ጥንሲ። ኣብ እዋን ጽግያት ከምኡ እውን ኣብቲ ሕማምን ጥዕናን ዘይስማዕካ ጊዚያት ክኸውን ይግባእ። ካብዚ ወጻኢ ግና ነናቶም ዓራት ፈልዮም ዝድቅሱ እንተ ዀይኖም ንናይ ሰይጣን ፈተና ዝተቓልዑ ከም ዝዀኑ እዩ ዘጠንቅቐና።በዚ ኣጋጣሚ ሓደ ሐደ ኣብነታት ምጥቃስ ነዚ ትምህርቲ ከራጉዶ ስለ ዝኽእል እስከ ገለ ኣብነታት ክንጠቅስ። ክልተ መንእሰያት ቅድሚ ጐይታ ምርካቦም ሓዳር ይገብሩ እሞ ድሕር እዚ ከኣ ወንጌል ብስራት ሰሚዖም ንጐይታ የሱስ ከምናይ ግሊ መድሓኒኦም ተቐቢሎም ኣባል ቤተ ክትርስትያን ብምዃን ኣምልዀ ጀመሩ። ድሕሪ መርዐኦም ቁሩብ ጸኒሖም እዮም ቆልዑ ወሊዶም። ኣብ ክርስትና ህይወት ዘርኣይዎ ዕቤት ተመጣጣኒ ኣይነበረን። እታ ሰበይቲ ካብቲ ሰብኣይ ብመንፈሳዊ ህይወታ ቐዲማ ስለ ዝዓበየት በቲ ዝተዋህባ ጸጋ ከተገልግል ጀመረት።

እቲ ሰብኣይ ካብ ባህሊ ዝወረሶ ጠባይ ስለ ዘይሓደጐ ትርጉም መርዓ ስለ ዘይተረድኦ ንሰበይቱ ብዝግባእ ክንከባኸ ዘድልያ ኩሉ ክገብረላ ፍቕሪ ከርእያ ኣይከኣለን። እቲ ፍቕሮም ዉዑይ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜያት ድማ ንዝተወሰነ ጊዜ ዝባኑ ሂብዋ ይድቅስ ነበረ። ሰበይቱ ዝደለየቶን ዝተጸበየቶን ስለ ዝሰኣነት ንምዃኑ ኣነን ንስኻን ሰብኣይን ሰበይትን ዶ ኣይኰናን? ኢላ ሕቶ ኣቕረበትሉ? እቲ ዘሕዝን እቲ ሰብኣይ ጥፍኣቱ ኣሚኑ፣ ተጣዒሱ ምሕረት ክንዲ ዝሓታ ዘይተጸበየቶ ልባ ዝሰብር መልሲ ሃባ። ሰበይቱ ዘይተጸበየቶ መልሲ ምስ ረኸበት ሓዳር ከምዚ እንተ ዀይኑ ደኣ ይትረፈኒ ኢላ ሰብኣያን ቆልዕታን ጠንጢናቶም ካብ ቤታ ወጸት። ንጐይታ ድማ ሓደገቶ። ሰብኣይ ከኣ ሰበይቱ ምስ ሓደገቶ እሞ ድማ በይኑ ምስ ኰነ ትርጉምን ጥቕምን ናይ ሰበይትን ሓዳርን ተረድኦ። ንሰበይቱ ካብ ዝኾብሎሎቶ ንኽመልሳ ዘይተኣደን ጻዕሪ እኳ እንተ ካየደን ሽማግሌታት እውን እንተ ለኣኸ ክሰልጦ ኣይክኣለን። ኣብ መወዳእታ ድማ ሰበይቱ ኣደ ደቁ ሲኢኑ ንሱ ምስ ደቁን ጥራይ ተረፉ።

ካልእ ኣብ ሓደ ገጠር ዝተፈጸመ እዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ንጐይታ ከም መድሓኒኦም ተቐቢሎም ኣብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ሓቢሮም እዮም ዘገልግሉ። እታ ሰበይቲ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ዓራት ፈልያ በይና ክትድቅስ ጀመረት። ሰብኣይ እቲ ንሱ ብዘይፈልጦ ምኽንያት ተፈጢሩ ዘሎ ጉዳይ መዕለቢ ክገብረሉ ኢሉ ንበይኑ ብዙሕ ጊዜ ፈቲኑ ምስ ተሓለለ፣ ብዛዕባ እቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ጸገም ንናይ ቤተ ክርስትያን ሽማግለታት ነጊሩ መፍቲሒ ክረኽብሉ ተማሕጸኖም። ንስቶም እውን ብወገኖም ብዙሕ ጸዓሩ። ሰበይቲ ግና ክትልወጥ ኣይከኣለትን። ሰብኣይ ካብ ሎሚ ጽባሕ ይሓይሽ ይኸውን ኢሉ ብተስፋ እናተጸበየ ዓመት ሓለፈ። ድሕሪ እዚ ግና እቲ ፈተና እና ሓየለ ኸደ። ቀስ ብቀስ ምስታ ኣብ ገዝኦም ትቕመጥ ዝነበረት ንሰበይቱ ሓፍታ ርክብ ጀመረ። እታ ሓፍታ ክርስትያን እኳ እንተ ዀነት ንእስነት ስለ ዘሎ ነቲ ሰብኣይ ሓፍታ ዘቕርበላ ዝነበረ ጻዊዒት ክሳብ መወዳእታ ክትቃወሞ ኣይክኣለትን። ድሕሪ እዚ ድማ ክልቲኣቶም ኣብ ሓጥያት ይወድቁ እሞ ኩሉ ይፈልጥ። ሰበይቱ እዚ ነገር ምስ ሰመዓት ብዙሕ ከተንጸርጽር ትጅምር። እቲ ጸገም  ካብ ናይ ግሊ ጉዳይ ሓሊፉ ናይ ቤተ ክርስትያን ጸገም ክኸውን ጀመረ። ናይ ብዝሓት ሰባት ህይወት ተበላሸወ። እቲ ናይ ህይወት ምስክርነት ኩሉ ተበላሸወ። እዚ ዝዀነ ሰባት ንኣምላኽ ስለ ዘይፈርሑን ትርጉም ሓዳር ስለ ዘይተረድኦምን ጥራይ እዩ። ከምቲ ቃሉ ዘጠንቅቐና ኸኣ እታ ሰበይቲ ንሰብኣያ ንፈተና የሕሊፋ ሃበቶ።

እቲ ሓደ ምኽንያት እግዚኣብሄር ንሰባት ሓዳር ዝሃቦም ሰባት ካብ ዙሙት ነጻ ወጺኦም ብቕድስና ህይወት ክነብሩ እዩ።”… ስጋ ንጐይታ ጐይታውን ንስጋ እዩ እምበር ስጋስ ንምንዝርና ኣይኰነን።… እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣርስኸ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደ ዶ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ እየ? ያእ ኣይፋለይን። ክልተ ሓደ ስጋ ኪኾኑ እዮም ብሁል እዩ እሞ፣ ምስ ኣመንዝራ ዝለገበ ምስኣ ሓደ ስጋ ኪኼኑ እዮም ብሁል እዮ እሞ ምስ ኣመንዝራ ዝለገበ ምስኣ ሓደ ስጋ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኺም? እቲ ምስ ጐይታ ዝለገበ ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ። ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰበ ዝገብሮ ዘበለ ሓጥያት ካብ ስግኡ ወጻኢ እዩ፣ ዚምንዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጉኡ እዩ ሓጢኣት ዝገብር” 1ቆሮ 6፣13-18።ካብ ሓዳር ወጻኢ ምስ ኣንጻር ጾታ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ኣብ ቅድሚ ኣግዚኣብሄር ዙሙት ምዃኑ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣምንዝራን ኣምንዝራታትን ከም ዝፈርድ ብግልጺ እዩ ዝዛረብ። እብ 13፣4። ነዚ እዩ ኣብ ቃሉ ካብ ምንዝርና ህደሙ ዝብለና። ዝሙት ኩፍኡ መርዚ እዩ። ንነፍሲ የጓሳቕል፣ ንመንፈስ የርክስ፣ ንሕጻናት ይበታትን ንሕማምን ንሞትን ይዳርግ። ካብ ዙሙት እንሃድመሉ እቲ እንኰ ኣማራጺ ቕዱስንኡ ዝሓለወ መርዓ ስለ ዝዀነ ንሓዳር ብጥንቃቐ ምሓዝ ኣድላይነቱ እዚ እዩ ኢልካ ክትገልጾ ዘይከኣል ኣዚዩ ዓቢ ኢዩ። 

ዝሙት

 ንሓዳርን ንቤተሰብን ኣብ ሕንፍሽፍሽን ኣብ ፈተናን ዘእትዎን ዘፍርሶን ቀንዲ ምኽንያት ብሰንኪ ኣብ መንጐ ሰብ ሓዳር ዘሎ ርክብ ግብረ ስጋ ዘይምስምማዕን ዘይምቅዳውን ዝተላዕለ ካብ ሓዳር ወጻኢ ዝግበር ምስ ካልኣ ሕብኡ ርክብ ወይ ተንኰል እዩ። ናይ ኩሉ ሰብ ተፈጥሮ ሓደ ዓይነት ስለ ዘይኰነ ኩላትና ድማ ልኽዕ ከምኡ ኣብ ሓዳር ዘሎና ኣመለኻኽታን ኣረኣእያን ሓደ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እዚ ዘለናዮ ዘመን ካብ ካልእ ዘመን ንላዕሊ ናይ ዙሙት ዘመን እዩ ክበሃል ይከኣል። መጺሄታት፣ ፊልምታት፣ ሬድዮታት፣ ደርፍታትን ቴሌቪዥናትን ኰታ ብሓፈሻ ብዙሓት መራኸቢ ብዙሓን መብዛሕተኡ ስርሐን ንዝሙት ምፍላጥ ወይ ምስፍሕፋሕ አዩ። ስለ ዝዀነ ድማ ዓበይቲ ይኽኑ ናኣሽቱ ኣእምርኦም ኩሉ በዚ ክፉእ መርዚ ተበሪዙ ዘሎ። ኣብ ዝዀነ ቦታን ሰዓትን ከኣ እዚ ጉዳይ ከም ሓደ ዓቢ ኣርእስቲ መዛረቢ ወይ መዛተዪ ኣርእስቲ እዩ።

 ቅድስናን ንኣምላኽ ምፍራሕን ኣብ ውሽጢ ሓዳርካ ጸኒዕካ ንኻልኦት ኣርኣያ ምዃን ከም ድንቁርናን ዕሽነትን ዝውሰደሉ ጊዜ ኢና በጺሕና ዘሎና። ሓደ ጊዜ ሓደ መርዓዊ ኣብታ ዝተመርዓወላ ምሸት ሰበይቱ ድንግል ኰይና ምስ ጸንሓቶ፣ ኣንቲ ክሳብ ሕጂ ከምይ ኢልኪ ተሰኪምክዮ ጸኒሕኪ? ሰብ ኣይደልየክን ድዩ? ኢሊዋ ይበሃል። ከምቲ ንሰምዖ ዘሎና ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ስባት ካብ ባህሪኦም ወጻኢ ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ክምርዓዉ ጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ሰዶማዊ ሓጥያት እዚ ሕጋውነት እናለበሰ ይኸይድ ኣሎ። ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብለና ሰባት ንኣምላኽ ክፈልጡን ክእዘዙን ፍቓደኛታት ስለ ዘይኰኑ ኣምላኽ ንዘይረብሕ ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም ይብለና። ፍጻሜኦም እውን ናይ ዘልኣለም ፍርድን መቕጻዕትን እዩ። ናይ ሰብ ዕድመ ካብ 960 ናብ 120 ዝወረደ ብሰንኪ ዙሙት እዩ። እግዚኣብሄር ሰብን ካልእን ብምፍጣሩ ዝተጣዕሰ፣ ንሰዶምን ጐመራን ብሓውንን ዲንን ዝቐጽዐን ብኻልእ ናይ ሓጢያት ምኽንያት ዘይኰነስ ብሰንኪ ዙሙት እዩ።እግዚኣብሄር ነቶም ብኣመንዝራታትን ብዙሙትን ዝተጠላለፉ ሰባት ሕጂ እውን ዝጠላለፉ ዘለዉ ካብዚ ዝተላዕለ ትርጉም ህይወት እንታይ ምዃኑ ጠፍኢዎም ዘሎ ሰባት ንዖም ዝኸውን ጹቡቕ ምኽሪን መጠንቀቕታን ኣለዎ።

“ወደይ ንቓላተይ ሓልዎ ንትእዛዛተይውን ኣባኻ ዕቖሮ። ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ። ንሕገይወን ከም መርዓት ዓይንኻ ሓልዎ ናብ ኣጻብዕካ እሰሮ ኣብ ሰሌዳ ልብኻውን ጽሓፎ። ካብ ሰበይቲ እማትካ ክትሕልወካ ካብቲ ልዙብ ቃላት እትዛረብ ጓና ሰበይቲ ምእንቲ ኺባልሃካ ንጥበብ ሓብተይ ኢኻ በላ ንኣእምሮ ኸኣ ኣማኒተይ ኢላካ ስመያ። ኣብ መስኰት ቤተይ ኰይነ ብዓይኒ ርግቢ ኣሳጊረ ኣማዕደኹ ኣብ ማእከል እቶም ዓያሹ ተመልከትኩ እሞ፣ ኣብ ማእከሎም መንእሰይ ልቢ ዜብሉ ጐበዝ ሬኤኹ። ንሱ በደባባይ ኣብ ጥቓ ቐራና መገዲ ሓሊፉ ናብታ ናብ ቤታ እትወስድ መገዲ ኣበለ። ምድሪ መስዩ ጽልግልግታ ዀይኑ ጸሊም ለይቲ ድቕድቕ ጸልማት ነበረ።እንሆ ኸኣ ሰበይቲ ክትቅበሎ ወጸት ክዳን ኣምንዝራ እተኸድነት ልባ ተንኰለኛ ንሳ ህውከተኛ ቀላልን እያ። ኣእጋራ ኣብ ቤታ ኣይዓርፍን፣ ሓንሳብ ኣብ ኣደባባይ ሓንሳእ ኣብ ዕዳጋ ሓንሳእ ከኣ ኣብ ቀራን መገዲ ኣድብያ ትጽንሕ። ሓዘቶ ሰዐመቶውን ዓይነ ዓይኑ እናጠመተት ከኣ በለቶ መስዋእቲ ምስጋና ከቕርብ ተመባጺዔ ነይረ እየ እሞ ሎሚ መብጽዓይ ፈጸምኩ። ስለዚ ኸኣ ክቕበለካን ገጽካ ኽደልን መጻእኩ እሞ ረኸብኩኻ። ኣብ ልዕሊ ዓራተይ ፍራሽ ብፈትሊ ግብጺ እተጠልፈ ዝንጉርጉር ምንጻፍ ኣንጺፈ ኣለኹ። ነቲ ምድቃሰይ ከርበ ዓልወ ቀረፍ ነጺገሉ ኣሎኹ። ሰብኣየይ ከረጺት ገንዘብ ኣብ ኢዱ ሒዙ ንነዊሕ መገሻ ኸይዱ እዩ፣ ኣብ ገዛ የሎን ወርሒ ፍጹም ብርሃን ምስ ኰነት እዩ ንገዝኡ ዝምለስ እሞ ንዓ ክሳዕ ዚውግሕ ብፍትወት ንርወ ብናይ ፍትወት ምትሕቑቛፍ ባህ ይብለና ብብዙሕ ጠበራ ኣስሓተቶ ብልዙብ ከናፍራ ሰሓበቶ። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝኹብከብ ብዕራይ ከመቲ ዓሳ ፍለጻ ንኸብዱ ኽሳዕ ዝስንጥቖ ብቕጽበት ዝእሰር ኸምቲ ንጥፍኣት ነፍሱ ምዃኑ ኸይፈለጠ ናብ መጻወድያ ዚሸብብ ዑፍ ኰይኑ ብኡቡኡ ሰዐበ” ምሳ 7፣1-23። 

ናይ ሰባት ናይ ጥፍኣት መንገዲ

 እምበርሲ ደቀይ ስምዑኒ ናብ ዘረባ ኣፈይ ከኣ ኣቕልቡ። ንሳ ንቡዙሓት ወጊኣ ኣውዲቓቶም ዝቐተለቶም ከኣ መሊኦም እዮም ቤታ ናብ ውሻጠ ሞት ዜውርድ መንገዲ ሲኦል እዩ እሞ ንልብኻ ናብ ጐደናኣ ኣቢላካ ኣይተዘንብሎ ብመንገዳ ኣይትስሓት” ምሳ 7፣24-27።እዚ ቃል ኣምላኽ ካብ ምሳሌ 7 ካብ መጽሓፍ ቁዱስ ዝተወስደ እዩ። ካብዚ ዝበልጽን ግልጽን ሓቐኛ ዝዀነ ምኽሪ ካልእ መን ክህብ ይኽእል? ሎሚኸ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዓለምና በጀካ ኣርገውትን ሕጻናትን ካልእ ኩሉ ጸኒቱ ዝብል ዘስካሕክሕ ዜና ክንሰምዕ እንከሎና ካብ ምንታይ ዝተላዕለ እዩ? ብሰንኪ ዙሙት ዝመጾ መዘዝ ዶኣይኰነን?

ካልእ ድማ ዙሙት ንኽዓቢ ምኽንያት ዝኸውን ዘሎ፣ ሰብኣይን ሰበይትን ብግልጽነት ብዛዕባ ዘለዎም ርክብ ተዘራሪቦም ሓደ ናይቲ ሓደ ድሌት ከማልኡ ስለ ዘይከኣሉ ጥራይ እዩ። ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ሰብኣይ ናይ ሰበይቱ ስሚዒት ክምግብን ክከናኸንን እንተ ዘይኪኢሉ ድሌታ ድማ እንተ ዘይተረዲኢላ ሓላፍነቱ ከተግብር ስለ ዘይከኣለ ንዙሙት ክትቃላዕ ናይ ግድን እዩ። ሰብኣይ ድማ ልክዕ ከምኡ።

እዚ ዓይነት ርክብ ብጥበብን ብጥንቃቐን ክትሓዝ ኣለዎ። ሰብኣይን ሰበይትን ከከም ደረጅኦም ክልቲኣቶም በብናቶም ቋንቋ ክረዳድኡ እንተ ኺኢሎም ዘጨንቕ ጉዳይ የብሎምን። ነቲ ሓደ ወገን ክመስሉ ኢሎም ንገዛእ ርእሶም ኣብ ጸገም ከውድቑ የብሎምን። እዚ እንት ደኣ ጌሮም ንፍቕሮም ካብ ውድቀት ከድሕንዎ ይኽእሉ እዮም።

ብዳታን ወዳጁ

ትርጉም ብኣገልግሎት ኤሪወንጌል

ናይ ዝሓለፈ ጹሑፋት ንምክትታል ነዞም ዝስዕቡ ሊንክታት ጠውቑ

01 ዉሕስነት ሓዳር

02 ዉሕስነት ሓዳር

03 ዉሕስነት ሓዳር

04 ዉሕስነት ሓዳር

05 ዉሕስነት ሓዳር