18
Thu, Apr
0 New Articles

ዉሕስነት ሓዳር 5ይ ክፋል

Marriage & Relationships
Typography

ኩራ (ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ) ዕላልን ጸወታን ምኽርን ንምህናጽ መጻምድትኻ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝግበር ናይ ዝርርብ ወይ ኰምኒኬሽን ኣምር ብዝተፈላለየ መንገዲ ክግለጽ ይኽእል እዩ። ሰብ ሓዳር ብዘረባ፣ ብጸወታ፣ ብምክሪ ጌሮም ሓሳብ ንሓሳብ ብምልውዋጥ ስሚዒታቶም ክገላለጹ ይኽእሉ እዮም። ኩሉ ግና ንምትህንናጽን ሓደ ድማ ነቲ ሓደ ንምድጋፍን ክኸውን ኣለዎ። ኣምላኽ እቲ ብርቱዕ ነቲ ድኹም ክድግፎ እዩ ኣዚዙና ዘሎ። "ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ኹሉ ድማ ኩራ ምንጽርጻር ክፍኣት ጸርፊ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ...ንሓድሕድኩም ድማ ኣይትተሓሳሰዉ" ቆለ 3፣8-9። 

ቁጥዓ ሓርቖት ክፍኣት ጸርፊ ዘነውር ዘረባ ወዘተ ሎሚ ካብ ብዙሓት ክርስትያናት ቤተሰብ ስለ ዘይትኣልዩ ማኣለያ ዘይብሉ ሓዳር ፈሪሱን፣ ብዙሓት ቤተሰባት ከኣ ኣብ ምግሩምራምን ሓዘንን ወዲቐን ይረከባ ኣለዋ። ናይዚ ኩሉ ሳዕቤን ግና ሰብኣይን ሰበይትን ኣንደበቶም ስለ ዘይተገዝረን ቋንቋኦም ድማ ስለ ዝተባላሸወ ጥራይ እዩ። ስለዚ ኣዩ ቃል ኣምላኽ ደጋጊሙ "ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትምልሱ ምእንቲ ክትፈልጡ ዘረባኹም ብጨው ዝተቓመመ ኹሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን" ቆለ 4፣6 ዝብለና። 

ናይ ክርስትያን ጨው መንፈስ ቁዱስ ምዃኑ ኩላትና ንፍልጦ ኢና። ብመንፈስ ቅዱስ ተሰኒዩ ብጸጋ ድማ ተቓሚሙ ዝወጽእ ቃል ንዝተሰብር ዝጽግን ንዝቖሰለ ዝፍውስ ንዝሓዘነ ድማ ዘጸናንዕ እዩ።ሰብ ከም ዘለዎን ምስ ኩሉ መንነቱ ሰባት ክቕበልዎ እዩ ዝደሊ። ናይ ዝሓለፈ ናይ ሎሚ ጠባይን ባህልን ኣመለኻኽታ ኩሉ ሕጂ ክልወጥ ኣለዎ ምባል ንናይ ሓዳር መጻምድትኻ ኣብ ዝገደደ ጸገምን ሽግርን ምእታው እዩ። ምኽንያቱ ናይ ሓደ ሰብ ባህሪ ምስ ተፈጥራዊ ባህሪ ምስ ከባቢኡ ምስ ናይ ቤተሰባዊ ሕብረተሰብ ዝተኣሳሰረ ስለ ዝዀነ ቀስ ብቐስ እምበር ብቕጽበት ናብቲ ንሕና እንደልዮ መንገድ ከነምጽኦ ኣይንኽእል ኢና። 

 ንሰብ ብግዴታን ብንትርኽን ብጭቕጭቕን ክንልውጦ ኣይንኽእልን ኢና። ኩሉ ጊዜ ለውጢ ጥንቃቐ ዝሓትት ጉዳይ እዩ። ንሰብ፣ ብፍላይ ድማ ንሰብ ሓዳር ክንልውጦ እንተ ደሊና ብፍቕሪ ንዕኡ እናመሰልናን ከይሰልቸወናን ብጥበብን ብትዕግስትን ክኸውን ይግባእ።ንኻልእ ንምልዋጥ እስኪ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝተጠቕመሉ ሜላ ወይ ጥበብ ንርኣይ። "ካብ ኩሉ ሓራ ክነሰይ ኣነ ብዙሓት ምእንቲ ኺረብሕ ንርእሰይ ባርያ ኹላቶም ገበርክዋ። እቶም ኣይሁድ ምእንቲ ክረብሕ ምስ ኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ዀንኩ። እቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ክረብሕ ከኣ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ-ባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኰንኩ ክንሰይ ከምቲ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ ኰንኩ....ኣነ ነቶም ዱኹማት ምእንቲ ክረብሕ ድማ ምስቶም ዱኹማት ድኹም ኰንኩ። ብኹሉ መንገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኼድሕን ንኹላቶም ኩሉ ዀንኩ" 1ቆሮ9፣19-22። ከምይ ዝበለ ዘገርም ምግላጽን ፍቕርን ኰን እዩ እዚ? ናይቲ ሃዋርያ ቀንዲ ዓላማ ነቶም እዚ ናተይ እዩ ኢሎም ንዝሓዝዎ ዘይጠቅም ነገር ንዝሓዙ ሰባት ካብ ዘለዉዎ ኣደራዕ ነጻ ንምውጻኣ ዝተጠቕመሉ ሜላ እዩ። እዚ ማለቱ ድማ ናቱ ጽድቂ ምዝራብን ምንጽብራቕን ማለቱ ዘይኰነስ ነቶም ሰባት ከም ዘለውዎ ተቐቢሉ ብፍቕሪ ድማ እናሓብሓበ ንስሚዒታቶም እውን ከይጐድአ ንሰባት ምስ ክርስቶስ ንምትዕራቕ ዝገብሮ ዝነበር ኣካይዳ እዩ፣፣  

ንኣይሁድ ብሕጊ ነቶም ድኹማት ድማ ብድኻሞም እናወቐሰ ናብ ክርስቶስ ከምጾም ከም ዘይክእል እቲ ሃዋርያ ኣጸቢቑ እዩ ዝፈልጥ። ነዚ ድማ እዩ ጥበብን ጥንቃቐን ብዝተመልኦ ኣካይዳ ንኣምላኽ ደስ ዘብል ስራሕ ዝሰርሐ። ንናይ ሓዳር ምጻምድቲ ብጸይትና ወይ ብጻይና ናይ ምዝራብ ክእለትን ትብዓትን ናይ ኣተሓሳስባ ኣገላልጻ ክህልዋ/ክህልዎ ክንገብር እንተ ዀይና ልክዕ ከምቲ ሃዋርያ ገዛእ ርእስና ንመጻምድትና ኣሕሊፍና ብምሃብ እዩ ዝፍጸም። እዚ ኸኣ ንመጻምድትና ምህናጽ እዩ። ሰብኡት ክንዲ ገዛን ካልእን ክሃንጹ ዝጓየዩ ኣቐዲሞም ናይ ኣንስቶም ሞራልን መንፈስን ክሃንጹ ይግብኦም። እዚ ድማ ናይ ሓደ መዓልቲ ስራሕ ዘይኰነስ ናይ ምሉኡ ዕድሜኦሞ ተግባር ምዃኑ ተረዲኦም ናይ ፍታው ሓላፍነቶም ክዋጽኡ ይግባእ። ናይቲ መንፈሳዊ ሰብ ሓደ ተልእኹኡ ነቲ ድኩም ሰብ ምሽካም እዩ።

 

ናይ ሓዳር መጻምድትኹም ህይወት ክትሃንጹ ከለኹም ነዞም ዝዕቡ ሜላታት ንምጥቃም ፈትኑ። 

•1.  ቅድሚ ዘረባ ምጅማርኩም ናይቲ ኩነት ምቹእነት ኣስተውዕሉ። 

•2.  ኣብ ምዝርራብኩም ናይ ሓዳር ብጻይኩም ከይጐዳእ ብምባል ኣብቲ እተቕረብዎ ሓቂ ሓሶት ኣይትወስኹሉ። 

•3.  ክትዛረቡ ከለኹም ኩሉጊዜ ንናይ መጻምድትኹም ሓሳብ ክትፈልጡ ተጋደሉ እምበር ስለምንታይ ናተይ ጥራይ ዘይተሰምዐ? ኣይትበሉ። 

•4.  ኣብ ጊዜ ምዝርራብኩም ኣነ ጥራይ ይፈልጥ ዝብል መንፈስ ፈጺምኩም ኣይተንጸባርቑ። ዘይምፍላጥኩም ንባዕሉ ምፍላጥ ምዃኑ ኣይትዘንጉዑ። ስበ ንበይኑ ኩሉ ነገር ክፈልጥ ከም ዘይክእል ፍለጡ። 

•5.  ብዛዕባ ናይ ሓዳር መጻምድትኩም ዝምልከት ምንም ነገር ብግምት ወይ ብይኸውን ኣይትዛረቡ። 

•6.  ንፉዓት ሰማዕቲ ክትኰኑ ተጋደሉ፣ ነዚ ድማ ትዕግስተኛ ክትኰኑ ከም ዝግባኣኩም ኣይትረስዑ። 

•7.  ብዙሕ ተዛራቢ ወይ ተጨቓጫቒ ኣይትኹን። ኣናተዛረብኩም ኣብ ትኸድሉ ጊዜ እናቐለልኩም ከም እትከዱ ኣይትዘንጉዑ። "ሰብ ብምላሽ ኣፉ ይሕጐስ" ምሳ 15።23።

 

•8.  ናይ ሓዳር ብጻይኩም ዘረብኡ ከይወደኣ ከሎ ናይ ፍርዲ ወይ ናይ ወቐሳ ቃል ኣይትዛረቡ።ንምሳሌ ዝኣክል ሰብኣይ ዘይኣመሉ ካብ ስራሕ ደንጉዩ ናብ ገዛ ይመጽእ ንበል። ገና ኣብ ገዛ መጺኡ ኰፍ ከይበለ ድማ ሰበይቱ ስለምንታይ ኣምሲኻ? ኢላ ሕቶ ተቕርበሉ። እቲ ሰብኣይ ድማ ዘምሰየሉ ምኽንያት ንምግላጽ "ልክዕ ካብ ስራሕ ክወጽእ ክብል ሓንቲ ሓፍቲ ደዊላትለይ...." ኢሉ ገና ዘረብኡ ከይወደኣ ከሎ ሰብይቱ ቅልጥፍ ኢላ "ንሱ እሞ ኣመልካ እዩ ምስ ዝዀነት ጓል ከተዕልል ውራይ ገዛኻ ክትርስዕ ናይ ግድን እዩ" እላ ክትኩሪ ትጅምር። እሱ ድማ ርግእ ኢሉ " ከምኡ መዓስ ኰይኑ ወረግ እታ ዝደወለትለይ ጓል ምሳይ ሓቢራ ኣብ ቤተክርስትያና እተገልግል ዲያቆን ሓፍቲ እያ? ሓደ ወንጌላዊ ሓውና ሓሚሙስ እንታይ ንግበር ኢላ እያ ደዊላትለይ። ኢሉ ይገልጸላ። እታ ሰብይቱ ዝሓሰበቶን እቲ ሰብኣያ ዝበላን ዘራኽብ ጉዳይ ኣለዎ ዶ? ናይ ብዙሓት ሰብ ሓዳር ሽግር እዚ እዩ ዝመስል። ስለዚ ንጠንቀቕ። ናይ ብጻይና ዘረባ ሰሚዒና ከይወዳኣና ናትና ስሚዒት ኣይነንጸባርቅ። 

•9.  ኩሉ ጊዜ ኣብ ኩሉ ነገር ክንሰማማዕ ከም ዘይንኽእል ምርዳእ። ዘይምስምማዕ ድማ ምንዕዓቕ ከም ዘይኰነ ኣስተዎዕሉ። 

•10.ብዝተኻእለ እኳ ሓቢርኩም ክልቴኹም ጸልዩ። ሓደ ነቲ ሓደ ድማ ይጸልየሉ።  

•11.ንናይ ሓዳር መጸምድትኹም ከማኹም ክኸውን ኣይተገድድዎ። ዝዀነ ሰብ ብኹሉ ነገር ንኻልእ ክመስል ብፍጹም ኣይክእልን እዩ። 

እቶም ሓቢሮም ቃል ኣምላኽ ጸጽንዑ ዝጽልዩ ሰባት ሓቢሮም ተኸኣኢሎም ንኽንበሩ ጥራይ ዘይኰነስ ሓቢሮም ንኽዘራረቡ፣ ንኸዕልሉ፣ እቲ ውሽጣዊ ስሚዒታቶም ንኽገላለጹ ብፍጹም ከም ዘይሽገሩ ተረዲእኩም ነዚ ጥበብ እዚ ኣበርቲዕኩም ክትሕዝዎ ተጋደሉ ኣምላኽ ድማ ክህበኩም እዩ።

 

ርክብኩም ንምፍታሽ 

•1.  እስከ ሕሰቡ ንናይ ሓዳር መጻምድትኹም ሓሳብ ርእይቶ እምነትን ምኽርን ብኣኽብሮት ሰሚዕኹም ዝተቐበልኩሙሉ ጊዜያት ይፍለጠኩም ዶ? 

•2.  እስከ ሕጂ ድማ ንናይ ሓዳር ብጻይኩም ሓሳብ ርእይቶን ምኽርን ዘይተቐበልኩሙሉ ጊዜያት ድማ ዘክሩ። 

•3.  ብዛዕባ ንሓድ ሕድካ ምክብባር እስኪ ንሓድሕድኩም ተዘራረቡ። ምስ ተዘራረብኩም ድማ በደልቲ ኰይኑ እንተ ተሰሚዕኩም ይቕሬታ ተሓታተቱ። ኣምላኽ ረዲእኩም ድማ ንሓድሕድኩም ትከባበሩ ወይ ትፋቐሩ እንተ ዀይንኩም ንኣምላኽ ኣመስግኑ። ካብዚ ንታሕቲ እንዝርዝሮም ናይ ሓዳር መምሪሒታትን ጥቕስታትን ሓቢርኩም ተዛተይሎም። 

ሀ ኩሉ ጊዜ ንናይ ሓዳር መጻምድትኹም ንኽትሰምዕዎ ድልዋት ኩኑ ሓደ ተዛሪብ ከይወደኣ ኣይትዛረቡ። ምሳሌ 18፣13 ያቆ 1፣19። 

ለ ቅድሚ ንምዝራብ ምህዋኽኩም ኣቐዲምኩም ሕሰቡ። ክትዛረቡ ከሎኹም ድማ እቲ ካልእ ሰብ ከም ዝሰምዓኩምን ከም ዝቕበልኹም ጌርኩም ተዛረቡ። ምሳሌ 15፣23, 29፣20, 1ጴጥ 3፣10። 

ሐ ንሓቂ ብፍቕሪ ተዘራረቡሉ። ይኹን ኣምበር ነቲ ነገር ኣይተጋንንዎ። ኤፌ 4፣15 ቆሌ 3፣9 

መ ንናይ ሓዳር ብጻይኩም ንምሕዛን ወይ ንምኹራይ ኢልኩም ስቕ ኣይትበሉ። ንምንታይ ክትዛረቡ ከምዘ ይደለኹም ቀልጢፍኩም ንገርዎ።  

ሰ ኣይትጻልኡ። ዘይምስምማዕ ምጽላእ ከም ዘይኰነ ተረድኡ። ምሳሌ 17፣14 20፣3 1ቆሮ 13፣13 ምሳሌ 14፣29 15፣1 25፣15 29፣11 ኤፌ 4፣26። 

ሸ ምስ ተጋገኹም ወይ ምስ በደልኩም ቀልጢፍኩም በደልኩም ትኣመኑ። ያቆ 5፣16 መጻምድትኹም ይቕሬታ ምስ ሓተተኩም ይቕረ በልሉ። ነቲ ይቕረ ዝበልኩሙሉ በደል ኣይትዘክርዎ። ምሳሌ 17፣9 ኤፌ 17።9 ኤፌ 4፣32 ቆለ 3፣13 1ጴጥ 4፣8።

 

ቀ ካብ ጭቕጭቕን ክትዕን ራሓቑ። ምሳሌ 10፣9 17፣9 20፣5። 

በ ነቲ ሓደ ኣይትዀንንዎ ኣይትውቀስዎ፣ ኣብ ክንድኡ ኣጸናንዕዎ ኣበረታትዕዎን ኣንጽህዎን። ምሳሌ 25፣11 ሮሜ 14፣13 ገላ 6፣1 1ተስ 5፣11። 

ተ ናይቲ ሓደ ጸገም ከም ናትኩም ጸገም ጌርኩም ቁጸርዎ። ነቲ ሓስቡ ድማ ኣይትንጸጉዎ። ናይ ሓሳብ ፍልልይ ከም ዘሎ ኣይትረስዑ። ናይቲ ሰብ ስሚዒትን ድሌትን ከም ናትኩም ጌርኩም ውሰድዎ። ፊሊ 2፣14 ኤፌ 4፣2።

 

ናይ መርዓ ጽንብል ወይ ናይ ሕጽኖት ጊዚያት

 

ኣብ ዕለተ መርዓ ዝረኣ ሓጐስን መዝሙርን ፈንጠዚያንን ነቲ ተዓዝቢ ኹሉ መርዓ ክገብር እዩ ዝደፋፍኦ። በቲ ጓሳ ማሕበር ወይ ሽማግሌ ዝፍጸም ናይ ቃል ኪዳን ስነ ስርዓት ንሙሉእ ዘመን ዕድሜኻ ዝርሳዕ ኣይመስልን እዩ። "እዛ ቐለቤት ድማ ንናይ ቃል ኪዳና ምልክት ይህበኪ ወይ ይህበካ ኣለኹ ተባሃሂሎም ቀለበት ኣብ ኣእዳዎም ክለዋወጡ ከለዉን ነታ ኣብ ኢዶም ዝእተውዋ ቐለበት ድማ ብዝርኣይዋ እኳ ሓጐሶም ልዕሊ ዓቕሞም ኰይኑ መጻኢ ህይወቶምን ፍቕሮምን ልኽዕ ከምታ መዓልቲ መርዖኦም ብኹነታት ዘይቅየርን ብድሆ ድማ ዘይገጥሞምን እዩ ዝመስሎም። 

ኣብ ዕለተ መርዓ ዝግበር ብዙሕ ነገራት ነናቱ ትርጉም እኳ እንተ ሃለዎ ምስቲ ድሒሩ ዝስዕብ ናይ ሓዳር ህይወት ክወዳደር እንከሎ ግና ኣርተፊሻል ወይ ጊዚያዊ ሓጐስ እዩ። ሓዳር ከምቲ ናይ ሰሙናት ናይ ሕጽኖት ጊዝያት እንተ ዝኸውን ኔሩ፣ ዓለምና ካብ መድረኽ ሓዘንን ጓሂን ሓሊፋ ናይ በረኸትን ሓጐስን ዓለም ምዀነት ኔራ። እቲ ዘብለጭለጭ ናይ መርዓውቲ ህይወት ናብቲ ሕቀኛ ዝዀነ ውረድ ደይብ ዝመልኦ ናብራ ኣትዩ ምስ ዝፍተን ከምቲ ተመጺዩ ዝተወደአ ካሬሜላ ጣዕሙ ወዲኡ መቐረቱ ዘጥፍእ ልክዕ ከምኡ ድማ ናብቲ ዝመጸጸ ናይ ህይወት ምዕራፍ ምስ ተሰጋገረ፣ መርዓውን መርዓትን ነቲ ናይ ግዜ መርዐኦም ክዳን ምስ ኣውጽእዎ፣ ሹዑ እዩ መንነቶም ኩሉ ብሓቂ ክገሃድ ዝጅምር። ኣብዚ ድማ እዩ ምፍጣጥን ንትርኽን ዝጅምር። 

ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ሰብኣይን ሰበይትና ካብ ክልተ ዝተፈላለዩ ማያት ዝተቐድሑ ስለ ዝዀኑ፣ ኩሉ ጊዜ ማይን ጸባን ኰይኖም ይጓዓዙ ማለት ኣይኰነን። ክልተ ሰባት ኩሉ ጊዜ ብኹሉ ነገር ይሰማምዑ እዮም ማለት፣ ነቲ ኣብ ደቂ ሰባት ዘሎ ዝተፈላለየ ባህሪ ምኻሓድ ማለት እዩ። ናይ ሓሳብ ፍልልይ እንድሕር ሃልዩ ናይ ግድን እዩ ዘይምርድዳእ ክህሉ። እዚ ጹሑፍ ድማ ነቲ ዘሎ ዘይምርድዳእን ዘይምስምማዕን ከመይ ጌርካ ከም ትፈትሖ እዩ ዝሕብር። ዘይምርድዳእን ባእስን ናቱ ዝዀኑ ምኽንያታት ኣለዉዎ። ሰብ ደሓንን ሰላምን እዩ ዝደሊ ግና ካብ ትምኒት ስጉኡ ዝወጽእ ቃልሲ ኣለዎ። "እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ውግእን ባእስንሲ ካበይ እዩ ዝመጽእ ዘሎ? ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዝዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን?" ያቆ 4፣1። ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝመጽእ ምፍሕፋሕን ውግእን ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብለና በቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ህይወቶም ዘሎ ድሌትን ስሚዒትን ሓሳብን ወዘተ ከይተሰማምዑን ከይተቓደውን ምስ ዝተሪፉ ኣብ ኣእምሮኦም ዓቢ ዝዀነ ጭንቀት ምስ ዝፍጠር እዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ንስሚዒታቶም ምቁጽጻር ተሳኢንዎም፣ በቲ ንሶም ዘቕረብዎ ግትር ሓሳብ ተደፋፊኦም ምስ ናይ ሓዳር መጻምድቶም ኣብ ምቅሕሓር ይኣትዉ። ንግሌና ምንም እኳ ካብ መስመር እንተ ዘየስሓተና ከምዚ ዝዓይነቱ ነገርሲ ገጢሙና ይፈልጥ እዩ። ከምዚ ዓይነት ዘጋጠመኩም ሰባትከ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ወይ መፍቲሒ ወሲድኩም? እስከ ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ተመለከቱ። 

•1.  ከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝረኣናዮ ኩራ ጽልኢ ከምኡ'ውን ቁጠዓ ብኣገባብ እንተ ተታሒዞም ጠቐምን ኣወንታውን ዝዀኑ ጐንታት ኣለውዎም እዮም። ኩሉ ጊዜ ሰብ ሓዳር ክፈልጥዎ ዘለዎም መንነቶም ከም ዘለዎ ክቕበልዎ ፍቓደኛታት ክዀኑ ይግብኦም። ዘይምርድዳእ ክመጽእ ከሎ ከምዚ ሓደ ዓቢ መዓት ወይ ጉድ ዝመጾም ዘሎ መሲልዎም ብዛዕባ ሓዳሮምን ፍቕሮምን ኣብ ስግኣት ክወድቁ ኣይግባእን። ብዛዕባ ሓደ ሓሳብ ምርድዳእ ምስ ዝስእኑ እዚ ከጋጥም ከም ዝኽእል ፈሊጦም ነቲ ነገር ብርጉኡ መንፈስ ክቕበልዎ ኣለዎም። ቃል ኣምላኽ " ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ" ምሳ 27፣16።ከም ዝብል ንሓድሕድና ሲሒሉ ናብ ሓደ መንገዲ ከምጻና ይኽእል እዩ። 

2. ዘይምርድዳእ ክፍጠር እንከሎ ብምንም ዓይነት ስቕ ኢልኩም ኣይትሕለፍዎ። "ካብ ነገርሲ ጾምካ ምሕዳር" ዝብል ብሂልን ኣተሓሳስባን፣ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ለውጢ ዘይኰነስ መመሊሱ እዩ ነቲ ዘሎ ጸገም ዘጋድዶ፣፣ እዚ ድማ ናይ ዱኹማት ኣበሃህላ እዩ። ገለ ገለ ሰብ ሓዳር ብዛዕባ ጸገሞም ንምዝርራብን ለውጢ ንምምጻእን ይፈርሑ። ስለዚ ክዘራረቡ ብፍጹም ኣይደልዩን እዮም። እቲ ዘገርም ግና እቶም ዘይዘራረብሎምን ዝሃደሙሎም ጉዳያትን ካብቶም ቀንዲ ቀዳሞት ናይ ዘይምርድደኦም ጸገማትን ሳዕቤናትን እዮም። እዚ እናፈልጡ ክነሶም ምስ ጸገሞም እህህ እናበሉ ዘመኖም ይሓልፍዎ። " ስቕ ምባል ወርቂ እዩ" እኳ እንተ ተባህለ ካብ ነገር ግና መህደሚ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። 

 ኣባ ጐብየ ኣብ ዙርእያ ዝጐድኣ እንተ ዘየል ካብቲ ተጻዒንዋ ዘሎ ካብ ኣምኒ ዝገድድ መሸፈኒኣ ርእሳ ኣውጺኣ ቀስ ኢላ ክትከይድ ትፍትን። ገለ ትፈርሖ ነገር ምስ ዘጋጥማ ግና ብቕጽበት ርእሳ ናብ ውሽጢ ኣካላታ ትሓብኦ። ብድሕርዚ ዋላ ተንከባለልዋ ዝደለዩ ተገብርዎ ትንፋሳ ሓቢኣ እያ ስቕ ትብል። ስለምንታይ እንተ ተብህለ ካብቲ ተሓቢኣትሉ ዘላ ኣውጽኢ ምንም ክገብራ ዝክእል ኣካል ከመዘየለ ርግጸኛ ስለ ዝዀነት እያ። 

 ናይ ሓደ ሓደ ሰብ ሓዳር ባህሪ ድማ ካብዚ ተፈልዩ ኣይረኣን እዩ። እቲ ህልዊ ኩነታት ሰላም ዘሎ እንተ መስሎም ሕጉሳት መሲሎም ንምስሓቕን ንምዕላልን ንምጽዋትን ይፍትኑ። ከባቢኦም ግና ከምቲ ዘይደለይዎ ወይ ድማ ነገራት ኣንጻር ስሚዒታቶም እንተ ኸይዱ ቐልጢፎም ስቕ ናይ ምባል ስጉምቲ ዝወስዱ። ብድሕሪዚ ዋላ ተኣምር እንተ ተፈጥረ ንዐኦም እንታዮም ኣይከነን። ገለ ገለ ድማ ንናይ ሓዳር ብጻዮም ንምጉዳእ ስቕ ምባል ከም ሓደ ዓቢ ናይ ውግእ መሳርሒ ጌሮም ይወስድዎ። ብእኳ እቲ ከረድእዎን ክዛረብዎን ዝፈተንሉ ኣጋጣሚ ብኡ እኳ ኣፉ ይሓትም።  

ድሕሪ ስቕታ ዝመጽእ ነገር እንተ ሃልዩ ኸኣ ሓብርካ ዘይምዕላል፣ ዘይምብላዕ፣ ብሓንሳብ ዘይምድቃስን ዓቢ ዝዀነ ናይ ግብረ ስጋ ርክብ ማዕቐብ ምግባርን እዩ። ብፍላይ ድማ ኣሓት። 

ናይዚ ጸገም መፍቲሒ እንታይ እዩ? ነቲ ኣብ ናይ ስቕ ምባል ድፋዕ ዝኣተወ ሰብ ብኸመይ ተውጽኦ? ከምይ ጌርካ ኸ ከም ዝዛረብ ትገብሮ?  ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ መጽሓፍ ቁዱስ ጭብጥታት እናምጻና እንታይ ዓይነት ጻዕሪ ክንገብር ከምዘሎና ክንድህስስ ኢና። ንምዃኑ መጽሓፍ ቁዱስ ብዛዕባ እቶም ስቕ ዝብሉ ተዋሳእቲ እንታይ ይብል?  

"ኣቱም ሰብኡት ጸሎትኩም ምእንቲ ከይዕገት ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኸበርክምዎን ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብኣእምሮ ንበሩ" 1ጴጥ 3፣7።ቃል ኣምላኽ ድኹማት ፍጥረት እየን ክብል ከሎ፣ ብዛዕባ ናይ ኣካል ብቕዓት ወይ ናይ መንፈስ ብርተዓ እዩ ዝጐድለን ኢሉ እኳ ግልጺ እንተ ዘይገበረ። ኣንስቲ ግና ብኣካላዊ ብቕዓት ኰነ ብመንፈሳዊ ጥንካሬ ምስ ኣወዳት ማዕረ ከም ዘይኰና፣ ካብ ቃል ኣምላኽን ብተወሳኺ እውን እቲ መንጐ ኣውዳትን ኣዋልድን ጎሊሑ ዝርኣ ካልኣ ተወሳኺ ረቛሒታት እውን መረጋገጺ እዩ። እቲ ቐንዲ ቁም ነገር ወዲ ድዩ ጓል ትብርትዕ? ዘይኰነስ ነቲ ካብ ክልቲኣቶም ወገን ብናይ ስቕታ መንፈስ ተወቂዑ ዘሎ ወዲ ይኹን ጓል ከመይ ጌርካ ካብዚ መንፈስ ኣውጺካ ናብ ምርድዳእ ተምጽኦ ዝብል እዩ።  

"ብኣእምሮ ሓቢርኩም ንበሩ" ዝብል ቃል ኣምላኻዊ መምርሒ ብኽልቲኣቶም ወገን ኣተክሮ ክረክብ ዝግብኦ ጉዳይ እዩ። ናይ ብዙሓት ክርስትያናት ኣባይቲ ክንዲ ናይ ሓጐስን ናይ ምስጋናን ከምኡ ድማ ናይ መዝሙር ኣባይቲ ዝዀና ናይ ሓዘንን ብኽያትን ምረትን ቤት ዝመለኣንን ብዝሓት ዝተሰብሩ ዝረከብሎን ቤተ ኰይነን ዘለዋ፣ መንፈሳዊ ምስትውዓል ስለ ዝጠፍኣ ጥራይ እዩ። ቃል ኣምላኽ "እቲ ዘየስተውዕል ህዝቢ ክግልበጥ እዩ" ይብል። እቲ መፍቲሒ ድማ " ምጥንቃቕ ክሕልወካ እዩ ምስትውዓል ድማ ከድሕነካ እዩ" ዝብል ቃል ከኣ ስለ ዘሎና ወሲና ኣብ ውሽጢ ምስትውዓል ክነብር ይግብኣና።  

"ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኸበርክምዎን" ዝብል መምሪሒ ንሰብኣይን ንሰበይትን ከም ዝተዋህበ ኢና ንርኢ። ምኽባርን ምቕብባልን ንሓዳር ኣዚዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ። እዚ እንተ ድኣ ሃልዩ ብዙሓት ሰብ ሓዳር ኣብ ሓደ ገዛ እናነበሩ ኣብ ነናቶም ናይ ስቕታ ገዛ ኣይክነብሩን እዮም። ንሕና ንናይ ሓዳር ብጻይና ነኽብሮ ኣካልና ስለ ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነስ ብንብዓትን ብጸሎትን ካብ ኣምላኽ ዝረኸብናዮም ኩብራት ህያባት ስለ ዝዀኑን ጐይታ በቲ ኩቡር ደሙ ዝዓደጐም ንመንግስቱ ዝመረጾም ዋጋ ናይ መከርኡ እውን ስለ ዝዀኑ እዩ። እቲ ናይ ሓዳር ሓቂ እዚ ኰይኑ ከብቅዕ ግና ብዝሓት ሰብ ሓዳር እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም በረኸትን ጸጋን ንምክፋል ብምሕንጋድ፣ ንምዝርራብን ንዕላልን ዓቅሚ ስኢኖም ብናይ ስቕታ ልጓም ንዝተወቕዑ ኣሓዋትና፣ ብቓል ኣምላኽ መሰረት ካብቲ ሒዞሞ ዘለዉ ዘይምዑሩይ መንገዲ ክወጽኡ ብኸመይ ኰን ክንድግፎም ንኽእል? 

"እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና ድኻም እቶም ዱኹማት ክንጸውር ንርእስና እውን ባህ ከይነብል ይግብኣና እዩ። ነፍሲ ወከፍና ንብጻዩ ምእንቲ ኺሃንጾ ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ" ሮሜ 15፣1-2።

 

ሀ ብመጀመርያ እዚ ከምዚ ዓይነት ጸገም ዘለዎ ሰብ ጸገሙ ንረደኣሉ። 

ለ ጸገሙ ምስ ፈለጥና ድማ ምቹኡ ቦታ መሪጽና ብፍቕርን ትሕትናን ነዘራርቦ። 

ሐ ዝስምዖ ኩሉ ክዛረብ ነተባባዓዮ። ብጽሞና ኸኣ ንስማዓዮ። 

መ መልሲ ክህብ ከሎ ዋላ ጌጋ ይኹን ከይንወቕሶ ከይንፈርዶ ከይንስሕቖ ዘይከነ ስሚዒት ከይነርእዮ ንጠንቀቕ። 

ሰ ነቲ ስቕታ ዘጥቅዖ ናይ ሓዳር መጻምድትና ንሕና ብኹሉ ኣቛልቦና ከም እንሰምዖ ከም እንጥንቀቐሉን ከም እነፍቅሮን ከም ዝፈለጠን ዝተረድኦ ርግጸኛታት ምዃን። ካብ ናይ ቀደም ንላዕሊ ኣብና ተቐባልነት ከም ዝረኸበን ሓሳቡ ክገልጽ ድማ ምቹእ ባይታ ከም ዝፈጠርናሉን ነቲ ተቓሪጹ ዝነበረ ዝርርብ ወይ ኰምኒኬሽን ንኽቕጽሎ ማዕጾ ከም ዝኸፈትናሉ ከም ዝተረድኦን ከም ዝፈለጠን ርግጸኛታት ምኻና ንናይ ሓዳር ብጻይና እንፈልጠሉ ፉሉይ ሜላ እዩ። 

3 ንጽልእን ንምቅሕሓርን ቀንዲን ዝተለምደን ምኽናያት ሰብኣይን ሰብይትን ብዛዕባ ሓደ ሓድሽ እርእስቲ ኣልዕሎም ክዘራረቡ ከለዉ፣ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ እቲ ተላዒሉ ዘሎ ሓድሽ ኣርእስቲ ተዘራሪቦም መዕለቢ ዝገብርሉ፣ ኣብ መንጐ ዝርርቦም ነቲ ቀደም ዘባኣሶም ኣርእስቲ እሞ ድማ ተረሲዑስ ይቕረ ዝተባህልሉ ጉዳይ ከም ኣብነት ወይ ማስረጂ ምቕራብ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ጉዳይ ኣልዒልካ ምዝርራብን ብኡ ድማ ምውቕቓስን ምንም ፋይዳ ከም ዘይብሉ ፈሊጦም ክሓድግዎ ኣዚዩ ኣድላዪ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ንመጻኢ ዘይምትእምማንን ናይ ሕልና ወቐሳን ይኣሊ እዩ። 

4 ነቲ ጸገም ምግፋጥ፣ ንሓድሕድካ ድማ ዘይምውንጅጃልን ዘይምንህሃርን። 

ሀ ናይ ሓዳር ብጻይኩም ከተእምንሉ እትኽእሉ ብቖዕን ጭቡጥን መረዲኢ ይሃልኹም። 

ለ ብምንም ዓይነት ካብ ኣርእስትኹም ኣይትውጹ። ናይ ትማሊ ንትማሊ ሓሊፉ እዩ። 

ሐ ዝርርብኩም ብዝተኻእለ ምስ ቤተሰባዊ ዝምድና ኣይተተሓሕዝዎ ። 

መ ጽልእን ዘይምርድዳእን እንተ ተላዒሉ ናይ ብጻይኩም ክርስትያናዊ ህይወት፣ ድኻም ዓሌት፣ መልክዕ፣ ስራሕ፣ ክእለትን ድኹም ጐኑን ኣይትተንክፉ። 

ሰ ድራማ ኣይትስርሑ። እዚ ማለት ንመጻምድትኹም ንኸተጨንቑ ናብቲ ንስኹም ዝደለኹምዎ ብስምምዕ ዘይኰነስ ኣገዲድኩም ናብቲ ናትኩም ድሌ ከተእትውዎ መታን ምብካይ ምጫዳር ባዕለይ ክመውት እየ ኢልካ ምፍርራህ፣ ዝዀነ መፍቲሒ ከምጽእ ከም ዘይክእል ፍለጡ። ኩሉ ጊዜ ጸገም ዝፍታሕ ብፍቕርን ብልዝብን ጥራይ ምዃኑ ተረድኡ። 

•5   ዘሕርቕን ዘዛርብን ነገር እኳ እንተ ኣጋጠመኩም ዘጋጠመኩምን ዝስምዓኩምን ስሚዒታት ኩሉ ኣብ መጻምድትኹም ኣይትደርብይዎ። ወቐሳን ኣሽሙርን ኩሉ ካብ ኣፍኩም ይርሓቕ። እቲ ክትዛረብዎ እትደልዩ ኩሉ ብኣእምሮን ከም መንፈሳዊ ሰብ ከኣ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብለና ዘረባና ኩሉ ብጸጋ ብጨው ዝተቓመመ ይኹን። 

•6   ጸገምን ወቐሳን ጥራይ ምዝራብ ዘይኰነስ ናይ መፍትሒ ሓሳብ ድማ ኣቕርቡ። 

•7   ክትዘራረቡ ከለኹም ንመጻምድትኹም ኣይትዀንኑ ወይ ኣይትውቀሱ። ንስኻ ኩሉ ጊዜ ዶ ኣብ ሰዓትካ ትኣቱ ኢኻ? ንስኺ እኰ ደንቆሮ ዘይርድኣኪ ኢኺ? ወዲ ኩሉ ከማኻ እንተ ዝከውን ኔሩ ብኻ ከይተፈጥረ ተትተርፍ፣ ንስኺ ኸኣ ሰበይቲ ተባሂልኪ ወዘተ ዝኣመሰሉ ቃላት ንናይ ግላዊ ህይወት ዝትንክፉ ስለ ዝዀኑ ካብዚ ዓይነት ኣበሃህላ ክንርሕቕ ኣዚዩ ኣድላዪ እዩ። 

•8   ምስ ናይ ሓዳር መጻምድትኹም ቁም ነገር እናዕለልኩም ከለኹም ዋዛን ቀልድን ኣዳላዪ ከም ዘይኰነ ተረድኡ ከመይሲ ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ። 

•9   ጥፍኣትኩም ክትሽፍኑ ኣይትፈትኑ። ብኣንጻሩ በደልኩም ኣሚኒኩም ንናይ ሓዳር መጻምድትኹም ምሕረት ሕተቱ።" ገበኑ ዝኽውል ኣይሰልጦን እቲ ዝናዘዘሉ እሞ ዝሐድጐ ግና ምሕረት ይረክብ" ምሳሌ 28፣13።

 

ከም እቲ ድሕሪ መርዓ ዘሎ ጸገምን መፍቲሒኡን ክንርኢ ዝጸናሕና ሕጂ ድማ ካብዚ ኣርእስቲ ከይወጻና ካልእ ነዚ ናይ ሓዳር ህይወት ዘበላሹው ነጥብታት ክንርኢ ክንፍትን ኢና። 

እንታይ ኰን ይኸውን ኣብተን ፈልማ ውሑዳት ሰሙናት ብፍቕሪ ማሚቕካ ክነስኻ ኣብቲ ዝመጽእ ጊዝያት ግና ኣብ ሓዳር ምትርማስን ካልእ ኣሉታዊ ነገራት ዝርኣ? ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓዳር ኣትዩ ንሓዘንን ስብራት ልብን ዝዀኑ ነገራት ከይዳህሰስናዮም ክንሓልፍ ኣይንደልን ኢና። 

ንሓዳር ካብቲ ሓደ ኣብ ጸገም ዝሸሞ ጉዳይ። እቲ ቃልቃል ዝበለ ፍቕሪ ብሰንኪ ሓደ ሓደ ዘይምርድዳእ ከም በረድ ክዝሕትል ከሎ እዩ። ኣብ ጊዜ ሕጸ ዝተሰወሩ ባህርያት ድሓሪ ኣብ ሓዳር ምስ ኣተኸ ዝገኣዱ ባህርያት እሞ ኸኣ ዝፈጥርዎ ዘይምርድዳኣ፣ ሳዕቤኑ ብሰንኪ ኣብ ጊዜ ሕጸኻ ወይ ቅድሚ መርዓኻ ዝነበረካ ህይወት ከምይ ምዃኑ ብዝግባእ ዘይምፍላጥ እዩ። 

ብዝሓት ሰባት ኣብ መንጐኦም ዘሎ ፍልልይ ብዝግባኣ ከይፈለጡ፣ ሓደ ነቲ ሓደ ከፍልጦ ዝግብኦ ነገር ሓቢኡ ብምሓዝ ቅድሚ ኣብ ሓዳር ምእታዎም ብዛዕባ እቶም ኣብ ሓደጋ ከውድቕዎም ዝኽእሉ ነገራት ብግልጺ ከይተዘራረቡ ብድፈኖ ድፈኖ ኣብ ሓዳር ዓለም ክኣትዉ ከለዉ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ዝተሓብኣ ነገር ዊዒሉ ሓዲሩ ነቲ ቤት ዘናውጽ ማዕበል ምልዓሉ ኣይተርፍን እዩ። ከምቲ ኣካን ኣብ እስራኢል ሕብኡ ሕርሚ ሒዙ ንውድቀት እስራኤላውያን ዝዀነ ከምኡ ድማ እቲ ኣብ መንጐ ሰብ ሓዳር ዝተሓብኣ ሕርሚ ንውድቀት እታ ዝተቐደሰት ቤት ክኸውን ይኽእል እዩ። 

ከምዚ ነገር ከጋጥም እንከሎ እቶም ከምዚ ክኸውን እዩ ኢሎም ዘይተጸበዩን ዘይተዳለዉን ሰባት ዝሕዝዎን ዝገብርዎን ምስ ጠፍኦም ካብ ስቕ ምባል ሓሊፎም ዝገብርዎ ምንም ነገር የብሎምን። ስቕ ምባል ኣብ ዘይጊዜኡ ዓቢ ሕማም ምዃኑ ይርስዕዎ። እንተ ዀነ ሚስጥር ኣብ ልዕሊ ሚስጥር ምውሳኽ ትርፉ ስቓይ ካብእ ሓሊፉ ድማ ሞት እዩ።

 

ገለ ግሌኦም ነቲ ኣብ ጊዜ ሕጽኦም ዝነበሮምም ፍቕሪ፣ መዓልታዊ ሓዊ እንተ ዘይወሲዀምሉ ከም ዝጠፍእ ዘንጊዖም፣ ኣብቲ ናይ ቀደም ዝነበሮም ፍቕሪ ጥራይ ክነብሩ እናደልዩ ገለ ነገር ከይወሰኹን ከይገበሩን ስቕ ኢሎም ኣብ ቤቶም ይቕመጡ። ገዝኦም መጸዊዒ ስም እኳ እንተለዎ መልኽዑ ግና ይሃስስ። ከምቲ ዝኣጐለ እንቓቖሖ ብደጊኡ ክትርኣዮ ከለኻ ጥዑይ ዝመስል ሓዳሮም ድማ ብደጊኡ ዝወቐበ ውሽጡ ግና ዝኣጐለ ናብራ ዀይኑ ይተርፍ።

 

ካልእ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ንፍቕሪ ዘቑሩሮ ነገር እንተ ሃልዩ፣ ኣብ ጊዜ ሕጸ ዝነበረ ናይ ጽሬት ጉዳይ ድሕሪ መርዓ ግና ብምርስዑ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ሰብኡት ኰነ ኣብ ኣንስቲ ብዙሕ ጊዜ ይርሳዕ እዩ። እዚ ካብ ከተማ ንላዕሊ ኣብ ገጠረ ጐሊሑ ይርኣ። እዚ ማለት ግና ሰብ ከተማ እውን ካብዚ ነጻ እዮም ማለት ኣይኰነን። 

ኣብዚ ቐረባ ጊዜ ዝሰማዕክዎ ዛንታ እሞ ኸኣ ልበይ ዝሰበረኒ ታሪኽ እስከ ከም ኣብነት ከቕርበልኩም። 

ሰብኣይን ሰበይትን ሓደሽቲ መርዓውቲ እዮም። ገና እታ ሕጽኖታ ዘይወድኣት መርዓት ጨጉራ ልኻይ ተለኽያ ብሻሽ ጌራ ምሽፋን ስርሓይ ኢላ ተተሓሓዘቶ። እቲ ነዚ ምጽዋሩ ዝስኣነ ሓድሽ መርዓዊ በጃኺ ናይዚ ልኻይ ጉዳይ ገለ ግበርዮ ምስ ተለኸኺ ድማ ቀልጢፍኪ ተሓጸብዮ ይብላ። መርዓት ግና ኣዚያ ሓንጋደት። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ምጭቕጫቕን ካባኡ ሓሊፉ እውን ምትህርራም ኣስዓበ። እቲ ወረ ድማ ካብ ገዛ ሓሊፉ ናብ ጐርቤትን መሓዙትን በጽሐ። እታ መርዓት ተመኺራ ቁሩብ ሰላም ተረኽበ። እንተ ዀነ ግና ኣይቀጸለቶን። ልኻይ ተለኽያ ከምኡ ኢላ ክትሓድር ጀመረት። እዚ ነገር ነቲ ሰብኣይ እምብዛ ስለ ዝመረሮ እንተ ዘይተሓጺብኪ ኢሉ ይቑጠዓ። ኣታ ሰበይቲ ሰብኣያ ኣብ ዘይብሉ ጊዜ ትሕጸብ እሞ ነቲ ርእሳ ተሸፊናትሉ ዝነበረት ሻሽ ግና ከይሓጸበቶ ደርብያቶ ትኸይድ። እቲ ዘይተዓደለ ሰብኣይ ግና ኣብቲ ናቱ ገዛ ሰላም ክሰፍን ብምባል ነቲ ዝደርበየቶ ሻሽ ኣልዒሉ ብዝግባኣ ሓጺቡ ጸጥሖ። 

ሰበይቲ ካብ ዝወዓለቶ ምሸት ምስ መጸት ነቲ ተሓጺቢ ተሰጢሑ ዝጸንሓ ሻሽ ኣልዒላ ብምጭናው "ጉድ እዩ ነዚ ሻሽ ግና መን ሓጺብዎ" ኢላ ትግረም። እንተ ዀነ እቲ ሽታ ምስ ተሓጽብ ካብቲ ዝነበሮ ገዲዱ ኣፍንጫ ዝስርስር እዩ ኰይኑ። ሰበይቱ በዚ ተናዲዳ ነቲ ምስጋና ዝጽበ ዝነበረ ሰብኣያ እዚ ዘይባሃል ጸርፍን ውርደትን ተዝንበሉ። እቲ ሰናይ ብምግባር ነት ኣብ ቤቶም ዝነበረ ጸገም ክፈትሖ ዝተጋደለ ሰብኣይ ዘይሓሰቦ ኣብ ካልእ ጸገም ተሸመ። መጨረሻ ካኣ ምትህርራምን ምፍልላይን ኰነ። ልኻይ ከይተረፈ ንሓዳር ዝኣክል ዓቢ ትካል ብዓቕሙ ከፍርስ ከሎ ዶ ንርኢ ኣሎና።   

ናይ ደቀንስትዮ ጽግያት ካብቲ ሓደ ንንጽህነአን ብዝግባኣ ከይሕልዋ ዝገብረን ነገር እዩ። ኩፍእ መልክዕ ብስም ይሽፈን ከም ዝበሃል ነዚ ናይ ኣዴታትና ጸገም ድማ ኣበባ ይብልዎ እምበር ዘለዎ ጸገምን ጣጣን ግና ኣዚዩ ብጣዕሚ ብዙሕ እዩ። እቲ ሕማሙን ዘኸትሎ ወጻኢታትን ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኰነን። እዚ ቅድሚ ወርሒ ወይ ድማ ኣብ ወወርሒ ዝመጽእ ጽግያት ንምቁጽጻር ናቱ ዝኸኣለ ፍልጠተን ትምህርትን የድልዮ እዩ። ኣብ ገጠር ዘለዋ ኣዋልድ ከም ደቂ ከተማ ስለ ዘይተዓደላ ብዙሕ ጸገም እዩ ዘለዎን። ዕርቃነን ዝሽፍናሉ ነቲ ዝመጸን ናይ ኣዴታት ድማ ዝከላኸላሉ ሞዴስ እኳ የብለንን። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ንጽህነኣን ክሕልዋ ብጣዕሚ እየን ዝጽገማ። 

ካልእ ድማ ቆልዓ ክወልዳ ከለዋ ዘለወን ጸገም እዩ። ቐልጢፈን ሕክምና ስለ ዘይረኽባ እቲ ኣብ ጊዜ ሕርሲ ዘጋጠመን ጉድኣት ቀልጢፉ ኣይሓውን። ንሽንትን፣ ንመሕቖፊ ቆልዓን ዝኸውን መሸፈኒ ጨርቂ እኳ የብለንን። ነቲ ቕልዓ ዘደቅሳሉ ናይ ቆልዓ ዓራት የብለንን። እዚ ምስቲ ኻልእ ተደሚሩ እቲ ዝዓበየ ናይ ጽሬት ጠንቂ ይከውን ማለት እዩ። ጽሬት እንተ ዘየለ ድማ ንፍቕሪ ዘሎና ድሌት እምብዛ እዩ ዝዝሕል። 

ካልእ ናይተን ኣብ ገጠር ዝነብራ ተወሳኺ ጸገም ኣብ ጥቐኣን ሽቓቕ ስለ ዘይረኽባ እዩ። ደገ ክወጻን ክሸናን ኣብ ዝደለያሉ ጊዝያት ጸልማት ግልባብ ብምግባር ኣርሒቐን እየን ናብ በረኻ ዝከዳ።

 

ካልእ ንጽህነኣን ከይሕልዋ ዝገብረን ቀንዲ ምኽንያት ናይ ባህሊ ተጽዕኖ እዩ። እዚ ድማ ክዳነን ክቕይራን ቅብኣት ክልከያን ጫማ ክወድያን ዝግብኣን ናብ መርዓ ናብ እንዳ ሓዘንን ናብ ሹቕን ካልእን ክኸዳ እንከለዋ እምበር ኣብ ገዛ ክዳን ምቕያርን ነፍስኻ ምልዓልን ከም ነውሪን ኣጸያፊ ነገር ጌረን እየን ዝወስድኦ

ናይ ዝሓለፈ ክፋላት ንምክትታል ነዞም ዝስዕቡ ክፋላት ጠውቑ

ዉሕስነት ሓዳር 01

ዉሕስነት ሓዳር 02

ዉሕስነት ሓዳር 03

ዉሕስነት ሓዳር 04