18
Thu, Apr
0 New Articles

ኣምላኽ ንህይወተይ ዕላማ ነይርዎ

Salvation
Typography
ኣብ ሓንቲ ንእሽቶይ ቑሸት ናይ ኣልጀርያ ሽዱሽተ ኣባላት ካብ ዘለዋ ስድራቢት ተወሊደ። ስድራቤተይ ዘይተማህሩ ኣስላም ስለዝነበሩ ብትውልዲ ኣስላማይ እየ። ህጻን ከለኹ ስለ ዝሓመምኩ ሓኪም ንወለደይ ንኽልተ መዓልቲ ጥራይ ጸኒሐ ከም ዝመውት ነጊርዎም ግናኸ ኣይሞትኩን። ኣምላኽ ንህይወተይ ዕላማ  ኔርዎ። ስድራቤተይ ቁርኣን ኣብ ዝማሃረሉ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ኣእተዉኒ። ሃገረይ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ፈረንሳ ስለዝነበረት ኣነን ስድራቤተይን በቲ ግዝኣት ኣዚና ኢና ተሳቒና።

ኣቦይ ቡዙሕ ግዜ ይእሰር ኔሩ እቲ ዓቢ ሓወይ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናይ ግዝኣት ፈረንሳ ንኽዕስክር ስለ ዝተገደደ ስድራቤተይ ብዘይ ሓጋዝን ኣላይን ነዊሕ ግዜ ስለዝገበሩ ካብ ገዛና ወጺና ናብ ካልእ ቦታ ክንከይድ ተገዲድና።

 

ሓደ ማዓልቲ ውግእ ሕድሕድ ኣልጀርያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ኣዕሩኽተይ ከለኹ ሃንደበት  ተኹሲ ተኸፊትልና፣ ኩሎም ምሳይ ዝነበሩ ክሞቱ ከለዉ ቀሊል መውጋእቲ ኣጋጢሙኒ ኣነ በይነይ ደሓንኩ። ኣምላኽ ንህይወተይ ዕላማ ኔርዎ። ኣብ ሕክምና ለይትን ማዓልትን ብዙሓት ዝሳቐዩን ዝሞቱን ይርእይ ነይረ። ብኣምላኽን ብምዕራባውያንን ብዙሕ ጉህየ። ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ ግን ኣልጀርያ ካብ መግዛእቲ ነጻ ስለዝወጸት ብዙሕ ተሓጊሰ። ተማሃራይ 2ይ ደረጃ ኣብ ዝነበርኩሉ ኣዋን እምነት ምስልምና ብተዋፍይነት ይከታተል ስለዝነበርኩ ንቡዛሓት ተማሃሮ ኣብነት ኮይነ እየ።

 

ዋላካ መግዛእቲ ፈረንሳ እንተኣብቐዐ ለውጢ ስለዘይነበረ ባዶነት ይስማዓኒ ሰላም ሲኢነ። ገለ ሰባት ናይ መንነት ሽግር እዩ እካ እንተበሉ ንዓይ ከምኡ ኣይነበረን። ንምንታይ እየ ተፈጢረ ምስ ሞትኩኸ ኣበይ እየ ክኸውን፣ ቀስ ብቐስ ዝነበረኒ ተዋፋይነት ጎዲሉ ንሽሙ ጥራይ ኣስላማይ ኮንኩ። ኣምላኽ የለን ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ ብምንቅስቓስ ናይ ተማሃሮ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝካየድ ናይ ኮሚኒስት ትምህርቲ ክሳተፍ ጀሚረ። መስተ ይስቲ፣ ሽጋራ የትክኽ፣ ንምዝራቡ ዘሕፍረኒ ሕሱር ነገር ይገብር፣ ዝተደናገርኩን ዝጠፋእኩን ኮይኑ ተሰማዓኒ። ዝለዓለ ዝከታተሎ ዓይነት ትምህርቲ ቁጽሪ ስለዝነበረ ናይ ብሌዝ ፓስካል ናይ ቁጽሪ ምሁር ዝጸሓፎ መጻሕፍቲ፣ ኣምላኻ ኣሎዶ የለን ዝብል ካልእ ፍልስፍና ኣንቢበን ኣጽኒዐን። ዋላካ ፓስካል ብናይ ጠላዕ ይዛረብ እንተነበረ ብዝዕባ ህላወ ኣምላኽ ሕቶ ኣላዓዒልለይ ንኽደልዮ ዘለኒ ናህሪ ወሲኽለይ።

 

ንዝላዓለ ትምህርቲ ናብ ኣሜሪካ ከድኩ። ብምኽንያት ፈረንሳውያን ዘውረዱልና በሰላ፣ ብዛዕባ ወጻእተኛታት ሕማቕ ኣራኣእያ እዩ ኔሩኒ። ግናኸ ኣምላኽ ንህይወተይ ዕላማ ኔርዎ።

 

ኣምላኽ ዝሕግዙንን ዘጸግዑንን ክርስትያን ስድራቤት ሂቡኒ ናብ ቤተክርስትያንን ናብ ገዝኦምን ቡዙሕ ጊዜ ዓደሙኒ። ሓደ ማዓልቲ ዶክተር ማርክ ሃና ዝተባህለ ክርስትያን ጸሓፊ  ንመጀመርታ ግዜ ሰሚዐዮ ዘይፈልጥ ብዛዕባ የሱስ በዓል ናዝሬት ክዛረብ ሰሚዔዮ ግን ኣይተቐበልኩዎን። ብድሕሪዚ ምስታ ብዙሕ ምቅርራብ ዝነበረናን ዘፍቅራ ኣደይ ወላዲተይ ከም ዝሞተት ሰሚዐ። ሃንደበት ምዕራፋ ክቕበሎ ኣይከኣልኩን። ኣደይ ብምስኣነይ ተስፋ ቖሪጸ፣ ንህይወተይ ጸሊዎ ኣብ ቡዙሕ ነገረይ ወደቕኩ። ህይወተይ ኣብዚ ከተብቕዕ ደሌኹ። ልክዕ ሰብ ይዛረበኒ ከም ዘሎ <<ህይወትካ ኣብዚ ከተብቕዕ ደሊኻ፣ ህይወትካ ኣብዚ ከምዘብቐዐት ቁጸራሞ ህይወትካ ንየሱስ ክርስቶስ ሃቦ።>> ዝብል ድምጺ ሰማዕኩ። ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ የሱስ ኣብ መስቀል ምእንታይ ዝገበሮ ሰሚዐዮን ኣብታ ዝተዋሃበትኒ መጽሓፍ ቅዱስወን ኣንቢበ ነይረ። ምንባብ ካብ ወንጌል የሃንስ ክጅምር ሓደ ሰብ ሓበረኒሞ ሓጥያተኛ ምኻነይ ኣምላኽ ንህይወተይ ከም ዝደልያ ፈለጥኩ። ስለዚ ንየሱስ ክርስቶስ ምእንታይ ከም ዝሞተን ዝተንሰአን ኣብ የማን ኣምላኽ ከም ዘሎን ኣሚነ መድሓኒየይን ጎይታይን ክኸውን ኣብ ህይወተይ ዓዲመዮ።

 

ጎይታ ምስ ተቐበልኩ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ መልእኽቲ ሮሜ ምዕራፍ 6 እንዳምበብኩ ከለኹ ክጥመቕ ከምዘሎኒ ተረድእኒሞ ምሉእ ብምሉእ ተጠሚቐ። ኣምላኽ እዩ ነዚ ኹሉ ጌርዎ ካባይ ኣይኮነን። ኣነስ ንኣምላኽ ደልዮዮን ተነሲሐን ነቲ ዝሃበኒ ነጻ ናይ ምድሓን ውህበት ተቐቢለዮን ጥራይ እየ።

 

ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል 36፣-25-27 ቅድሚ ምንባበይ ኣብ ህይወተይ ዝኸውን ዝነበረ ኣይርዳኣንን እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ኣብ ዘይተረዳእክዎ ኣብ ህይወተይ ቡዙሕ ጣልቃ ኣትዩ ንኽፈልጦውን ደልዩኒ እዩ። ንክርስቶስ ከፍቅሮን፣ ክእዘዞን፣ ከገልግሎን እዩ ባህገይ። <<እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ኹሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣቢሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ።>>1ጢሞቴዎስ 2፣4 ከምኡውን ኣብ ኤርምያስ 29፣11 <<ኣነ ዝሓስበልኩም ዘለኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ። መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፣ ሓሳብ ዳሓን እምበር ናይ ኩፉእ ኣይኮነን ይብል እግዚኣቢሄር>> ኣምላኽ ተስፋን መፈጸምታን ሂቡኒ ብሓቂ ኣምላኽ ንህይወተይ ዕላማ ኔርዎ። ብሩኻት የሕዋተይ ኣምላኽ ንህይወትኩም ውን ዕላማ ኔርዎ። ብሙሉእ ልቡኹም ክትደልይዎ እዩ ጸሎተይ። እዚ ድማ ምእንታይ ወይ ምእንቲ ኣምላኽ ዘይኮነስ ስሌኻ እዩ ኣምላኽ ይጽበየካ ኣሎ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዮሃንስ 14፣-6

<<የሱስ ከኣ፣መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እካ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።>> ይብል

ሮሜ 3፣23

<< ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም።>>

ዮሃንስ 3፣16

<< ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኩሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።>>

ናብ ኣምላኽ ተመለስ ህይወትካውን ንጎይታ ሃቦ፣ ንኽሕግዘካ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣድራሻ ጻሓፈለይ።

ኣምላኽ ይባርኽካ

   ካድር