20
Sat, Apr
0 New Articles

ካብ ሞት ዝሕይል

Salvation
Typography

ካብ ዓቃባዊ ቤተሰብ ኣብ ዒራቕ ኢየ ተወሊደ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ከሎኹ መምህረይ ምስልምና ብመሓመድን ተካእቱን ዝመርሕዎ ውግኣትን ኩናትን ከመይ ከምዘስፋሕፍሐ ክገልጽ ከሎ ኩሉ ግዜ ይርበሽ ነበርኩ ዋላ ኣብቲ ናይ ምስልምና ጸሎት ከባቢኦምን ኩነታቶምን እንተዘይኮይኑ ስነስርዓቶምን ጠባዮምን ክቕየር ናብ ኣምላኽ ዝጽለ ጸሎት የለን ዋላ'ካ መምህረይ ብዛዕባ እስላማዊ ጅግንነት ውግኣትን ኩናትን ይዛረብ እንተነበረ ኣነ ግን ጽልኢ ቂም ምቕታልን ስርቅን ዘተባብዑ ገበን ኩናት ገይረ ተረዳእክዎም


ግዜ ምስ ሓለፈ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወዲአ ናብ ሰራዊት ክጽምበር ተገደድኩኣብ ሰራዊት ናይ ዝተደረዐት ታንኪ መራሒ ኮንኩ ኣብ መጀመርታ 1980ታት ኩናት ዒራቕን ኢራንን ምስ ተወልዐ ኣብቲ ኩናት ምስታፍ ኣበኹ ኣብ ክንዲ ምቕታልን ዕንወትን መንገዲ ሰላምን ፍቕርን መረጽኩ ምርጫይ ሓደገኛ ሳዕቤን ከምጽእ ከምዝኽእል ግዜ ማእሰርቲ ስቓይ ምናልባት'ውን ሞት ምኻኑ ተረዳኣኒ ካብ ሰራዊት ከምልጥ ወሰንኩ ነቶም ብጾተይ ወተሃደራት ምሳይ ክኸዱ ዝደልዩ እንተኾኑ ምስ ሓተትክዎም ኣበዩኒ እሞ በይነይ ብመንጎ ከቢድ ደብዳብን ሓደገኛ ነቶግትን ሓሊፈ ብተኣምራት ኣብ ገዛይ ኣብ ከተማ ኢል ሞሱል በጻሕኩ

ኣብ ገዛ ምስ በጻሕኩ ስድራይ ናብቲ ግንባር ከይደ ኩናት ክቕጽል እምበር ክቕበሉኒ ዋላ ኣብ ገዛ ክጸንሕውን ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ እንታይ ደኣ ናብቲ ግንባር ተመሊሰ ኩናት ክቕጽል ከገድዱኒ ክፍትኑ ከለዉ ገረመኒ ስለዚ ካብታ ሃገር ኣምሊጠ ናብ ሶርያ ክኸይድ ወሰንኩ

  ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዶብ ሶርያ ክሰግር ከለኹ ብክልተ ንሰራዊት ዒራቕ ሓበሬታ ዝህቡ ዝነበሩ ሰበኽ ሳግም ተታሓዝኩ ንሳቶም ኣብ ከተማ ‘'ራቢያ'' ናብ ሰራዊት ዒራቕ ኣረከቡኒ። ኣብኡ ከኣ ድሕሪ ብርቱዕ ምስቓይ ገጸይ ብሽፍኑ ክርሸን ክወስዱኒ እጽበ ነበርኩ

ኣብ ክንድኡ ግን ናብ ባቕዳድ ዝርከብ ማእከል ስለያ ዒራቕ ሰዲዶም ኣብኡ ብኽድዓት ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ወሰኑ (ኣብ እዋን ኩናት ካብ ሰራዊት ምህዳም ክድዓት ኮይኑ ብሞት ከቕጽዕ የኽእል) 16 ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰራዊት ኮይነ ፍርዲ እጽበ ነበርኩ። ኣብ መወዳእታ ናብ ቤት ፍርዲ ተወሰድኩ'ሞ እቶም ክልተ ዝሓዙ ሰበኽ ሰገም ከም ቀንዲ መሰኻኽር እቲ ፍርዲ ኮይኖም ገጠሙለይ እብቲ ከቢድ እዋን ካብዚ ሓደገኛ ኩነታት ከውጽኣኒ ናብ ኣምላኽ ጸለኹ ብዘገርም እቲ ቤት ፍርዲ ብጉድለት ጭብጢ ነጻ ለቐቐኒ። ምኽንያቱ ሓደ ካብቶም መሰኻኽር ጸማምን ዓባስን ስለዝነበረ ብሕጊ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክምስክር ዘይክእል ስለዝነበረ ኣብዛ ህሞት እዚኣ ዓሚቕ ፍቕሪ ናይቲ ዘድሓነኒ ኣምላኽ ተሰመዓኒ። ብዛዕብኡ ከኣ ዝያዳ ምትእምማን ሓደረኒ

ብድሕሪኡ ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ኩናት ተመሊሰ ክሳተፍ ተገደድኩ'ሞ መሊሰ ንርእሰይ ታንኪ ክትዝውር ረኸብክዋ ሕሉፍ ተመኩሮ ፈተነ ምምላጠይ ብዘየገድስ እንደገና ከምልጥ ወሰንኩ ኣብዚ ግዜ'ዚ ናብ ከባቢ ዶብ ኢራን ተብል ከተማ ኮርደስታን ሃደምኩ

ን400 ማይል ብነቶግቲ ዝተቐብሮ ቦታ ሓሊፈን ጎቦታት ደይበን ኣብ ዶብ በጻሕኩ ኣብ ሓደ ዝያዳ ንቤት ማእሰርቲ ዝመስል መዓስከር ስደተኛታት ተቐየድኩ። ኣብኡ ምህሮ ምስልምና ክንትግብሮ ተገደድናስለዚ መሊሰ ክሃድም ወሰንኩ። ኣብዚ ግዜ'ዚ ግን ናብ ፓኪስታን ብዘይ መግብን ማይን ዳርጋ ክሳብ ክመውት ዝደሊ ንሰለስተ መዓልታት ብእግረይ ተጋዓዝኩብሰሪ እቲ ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታንን ዝነበረ ወጥሪ ኣብ ዶብ ዝነበረ ሓደጋ ብዘየገድስ ክሳብቲ ናብ ህንዲ ክሰግር ዝወሰንክሉ ኣብ ፓኪስታን ዓመት ብዘይ መጽለሊ ነበርኩ ሕጂ'ውን ኣምላኽ ብተኣምራት ኣናገፈኒ ኣብዚ ኩሉ ግዝያት ኣምላኽ ኣብ ጎድነይ ኮይኑ ካብዚ ኩሉ ሓደጋ ከምዝሓለወኒ ተሰመዓኒ ከመይ ዝበለ ሰናይ ነገር የዳልወለይ ከምዝነበረ ግን ኣይፈልጥን ነበርኩ

ኣብ ካትማንዱ ዋና ከተማ ነፓል ደቡባዊ ቻይና ምስ በጻሕኩ ኣምላኽ ብቐጥታ ክተሓሓዘኒ ጀመረ ኣብኡ ሓሚመ ናብ ሆስፒታል ምስ ከድኩ ምስ ኣብቲ ናይቲ ሆስፒታል ዝነበረ ኮሚተ ክርስትያናት ትሰርሕ ነርስ ተራኸብኩ

ንሳ ምስ ካብ ኩሉ ዓለም ዝመጹ ማሕበረኮም ሚስዮናውያን ኣላለየትኒ ንሶም ኣብ ሓደ ደላ ኤም ሃውስ ዝተባህለ ቦታ ይነብሩ ነበሩ

እዞም ሰባት ናብዚ ርሑቕ ቦታ'ዚ ሓደ ዕላማ መምጽኢኦም ንክርስቶስ ንምግልጋል ጥራይ ነበረ ንሳቶም ወንጌል የሱስ ክሰብኩ ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሆስፒታላትን ቦታታት ድኻታትን ከዱ ናብ ቤቶም ክኸይድ ተዓደምኩ'ሞ ከይተማታእኩ ከድኩ

ኣብኡ ምስ ከድኩ ከኣ ፍቕሪ ለውሃትን ብስምቲ ንኹሉ ሰብ ገዛእ ርእሱ ዝሃበ የሱስ ድሌት ምሕጋዝ ድኻታት ዝተመልኡ ግሩሃት ሰባት ረኣኹ

በቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኩሎም እቲ ዝበለጸ ሕክምናዊ ክንክን እንዳተገብረለይ ኣብ ቤቶም ንሰላሳ መዓልታት ጸናሕኩ እቲ ግዜ'ዚ ኣብ ሂወተይ ዝበለጸ ግዜ ነበረ ብዛዕባ'ቲ ኩሉ ግዜ ሂወተይ ዝሓለወ ሕያዋይ ኣምላኽ የሱስ ክርስቶስ ተምሃርኩ ንግሆ ንግሆ ልክዕ ከምዚ ጎይታ የሱስ ባዕሉ ምሳና ከምዝነበረ ምስጋና ክንዝምርን መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕን ኣብ ዙርያ ጣውላ ንእከብ ነበርና ብድሕሪ'ዚ ዝነበረ ግዜ ነፍሲ ወከፍ ሚስዮናዊ ናብ ዕዮ ወንጌሉ ይኸይድ ነበረ

ኣብኡ ዝያዳ ብዛዕባ የሱስ። ንኻልኦት ሰባት ምጽላይ። ቅድሚን ድሕርን መግቢ ምጽላይን ጸሎት ‘'ኣቦና ኣብ ሰማይ ትነብር''ን ተምሃርኩ ንሳቶም ብዛዕባ በጃነት ሞት የሱስ ክርስቶስ ነገሩኒ ዝተሳደድኩን ሰላም ዝሰኣንኩን ስለዝነበርኩ ንፍቕሮም ኣዝየ ኣስተማቐርክዎ

ዋላ'ካ ምስኦም ክጸንሕ ብተደጋጋሚ እንተለመኑኒ ጌጋ ምርጫ ብምግባር ንዕኦም ሓዲገ ደድሕሪ ናጽነት ዝበሃል ክውነንት ዘይብሉ ሕልሚ ክጎዪ ሓደግክዎም

ስለዚ ንዕኦም ሓዲገ ናብ ታይላንድ ከድኩ። ብድሕሪ'ዚ ነዊሕ እዋን ከይገበርኩ ንገዛእ ርእሰይ ኣብ ከተማታትን ወደባትን ብድኻም ቀንፈዘው ክትብል ረኸብክዋ  ኣዝየ ተስፋ ቆሪጸ ናብቲ ሞት ዘስፋሕፋሓሉ ዓደይ ክምለስ ወሰንኩ

ምስ ተመለስኩ ኣብ ፍቕሪ ክርስቶስ ስለዝተኣመንኩ ዝኾነ እንተኾነ እንታይ ከምዝኸውን ኣይገደሰንን ልክዕ ምስ በጻሕኩ ብናይ ዒራቕ ስለያ ተታሒዘ ተመርመርኩ። ንሳቶም ከኣ ኣሲሮም ቀጥቀጡኒ ብድሕር'ዚ ብሓሶት ተኸሲሰ ናብ ቤት ፍርዲ ተወሰድኩ። ንሳቶም ከኣ ረቲዖም ክርሽኑኒ ተመነዩ

ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ፍቕሪ ጎይታን ሓልዮቱን ምሉእ እምነት ገይረ ከድኩ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ክንዲ ምርሻን ን20 ዓመታት ክእሰር ወሰነ ስለዘይረሸኑኒ ብሓጎስ ተዋሓጥኩ ከም እሱር ፖለቲካ ናብቲ ማእከላይ ቤት ማእሰርቲ ሰደዱኒ ኣብኡ ከኣ ክሳብ'ቲ መንግስቲ ዒራቕ ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ክለቅቕ ዝተገደደሉ ሓደ ዓመት ገበርኩ። (ሸሞንተ ሰብ መዚ ዒራቕ ብኩርዳውያን ተቓለስቲ ጅሆ ተወሲዶም ምስ ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ዒራቕ ተለዋዊጦም)

ምስ ፈነዉኒ ናብቲ ፍቕሪ ክርስቶስ ንመጀመርያ ዝረኸብክሉ ኣብ ካትማንዱ ዝነበረ ቤት ሚስዮን ክኽይድ ወሰንኩ ምብጋሰይ እናወጠንኩ ከለኹ ሰራዊት ዒራቕ ንኩወይት ወረራ'ሞ እንደገና ናብ ሰራዊት ክጽምበር ተገደድኩ ንመወዳእታ ግዜ ካብቲ ግንባር ናብቶም ኣብ ዶብ ስዑዲ ዓስኪሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣምለጥኩ ሰራዊት ስዑዲ ግን ኣብ ክንድኡ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ንእንስሳታት ዘገዳም እካ ዘይበቅዕ ጋቢያ ምድረበዳ ኣሰሩኒ

ጎይታ ኣበርቲዑኒ ክሳብ ዝፍታሕ ነዚ ከቢድ እዋን ተጻወርክዎ ናብቲ ምስ የሱስ ክነብርን ክመላለስን ዝሓገዙኒ ብጾተይ ወንጌላውያን ክርስትያናት ዝረኸብኩሉ ዩናይትን ስቴትስ ኣብ ምምላጥ ተዓወትኩስለዘይረስዓኒ ግናኸ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ወንጌል ንዝመርሓኒ ጎይታ ንሕጂን ንኩሉ ግዜን ከመስግኖ ኢየ

ንዘልኣለም ኣለም ክብሪ ንኣምላኽ። ኣሜን!