16
Tue, Apr
0 New Articles

ኣንድርያና ኒኮላይ ኣብ ሩስያ ናይ ኮሚኒስት መንእሰያት መራሒት(ሻዱሻይ ክፋል)

Imapct of Gospel
Typography
ብኸምዚ ኩነታት ኬንና ብዘይ ኣዛዚ ብዘይ ዋርድያን ብዘይ ገራፍን ምሉእ መዓልቲ ውዒልና ንምሸቱ’ውን ቀጸልናዮ። ሳይቬርያ ማለት ናይ ዓለም መወዳእታ ቦታ ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ ዝርከብ ጭው ዝበለ ሰብ ዘይነብረሉ ናይ በረድ በረኻ እዩ። ሓደ ሰብ ካብዚ ዘለናዮ ክፉት ቤት ማእሰርቲ እንተወጸ እኳ ከምልጥ ኣይክእልን እዩ። ከመይ’ሲ ብእግሩ ሃዲሙ ይኹን ተጓዒዙ ኣብ ዝበጽሖ የብሉን። ገፊሕ ናይ በረድ በረኻ፤ ኣዝዩ ቆራርን ዘይምቹእን ቦታ እዩ። ኣብ ሳይቬርያ ከምቲ ኣብ ካልእ ዓለም ዝርአ 12 ሰዓታት ጸሓይ 12 ሰዓት ድማ ጸልማት ዝበሃል ነገር የለን። 6 ወርሒ ጸልማት ክኸውን ከሎ 6 ወርሒ ድማ ብርሃን ኣሎ። እንተኾነ ግና። ንማለቱ ብርሃን ይርአ እምበር ሙቐት ዘለዎ ናይ ጸሓይ ብርሃን ኣይረኣይን እዩ።

እምበኣርሲ ብሰንኪ እምነትና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ኢና መከራ ንጸግብ ኔርና። ካብ ኩሉ ዝገርመና ዝነበረ ግና ንሳቶም ካብ ጸጕሪ ድቢ ዝተሰርሐ ርጕድ ካቦትን ተወሳኺ መደረብታን ተኸዲኖም ኣብ ሰስዓቱ ክልተ ሊትሮን ፈረቓን ቮድካ ይሰትዩ። ብተወሳኺ ድማ ጮማ ስጋ ይምገቡ። ምስዚ ኩሉ ግና “ቆሪሩና” ይብሉ። ንሕና ከኣ ብኣንጻሩ ብግቡእ ከይተመገብና። ካምቻ ይኹን ኮስትሞ ከይተኸደንና ን24 ሰዓታት ኣብቲ በረድ ክንውዕል ከለና ኣዝማ፤ ሕማም ቁሪ ይኹን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ሓማማት ኣይቀርቡናን ኔሮም። እዚ ድማ ካብ ጎይታ ኮይኑልና ሎሚ ክሓስቦ ከለኹ ነቲ ባዕለይ ዝሓለፍክዎ ኩነታት እኳ ንምእማኑ የጸግመኒ። ጎይታ ከንዲ ምንታይ ይጥንቀቐልና ከም ዝነበረ ክሓስቦ ከለኹ ኣዝዩ ይደንቐኒ።

 

ከምዚ ኢልና ብዘይሓታቲ ብዘይገራፊን ብዘይስራሕን ኣብቲ ዝተኣከብናዮ ቦታ ወዓልና። በቲ ዝኾነ ነገር እንዳተደነቕናን እንዳተገረምናን ምጥምማት ጥራይ ኮንና። እቲ ዝፋለጥን ዘይፋለጥን ድማ ኩሉ ብግልጺ ክጠማመት ጀሚሩ። ሓደ ነቲ ሓደ ብምርኣይ ናቱ ቁስሊ፤ ጉድኣትን ስንክልናን ብምርሳዕ ብዛዕባቲ ኣብ ብጻዩ ዝርእዮ ዘሎ ጉድኣት ምጉሃይን ምብካይን ጥራይ ኮነ። ኩሉ ሰብ ርእሱ እንዳነቕነቐ “ንዓኻ ድማ ከምዚ ጌሮምኻ? ንዓኺ’ውን እዚ ወሪዱኪ? ጎይታ ይመስገን። ክንደይ ዓመት ኣብዚ ተኣሲርካ? ንስኻ/ንስኺ ኸ?” ዝብሉ ሕቶታት ምስቲ ሰሓቕን ብኽያትን ተሓዋዊሱ ነቲ ቦታ ሓድሽ ሬሳ ዝወጾ እንዳ ሓዘን ኣምሲልዎ ነበረ። ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ኣብ ርሑቕ ደው ዝበሉ ድኻምን ተስፋ ምቑራጽን ዝንበቦም ወተሃደራት ብሸለልትነት ይዕዘቡና። “ትም በሉ። ተንስኡ። ኩዓቱ” ዝብላ ቃላት ከይተውጽኡ ዝተበሃሉ ይመስሉ። ንሕና ድማ በቲ ንርእዮ ዝመበርና እንዳተደነቕና “ሎሚኸ እንታይ ኮን ይህሉ ይኸውን? ወይ ክውድኡና እዮም ወይ ድማ በቶም ጨካናት ድብታት ከብልዑና እዮም” እንዳበልና ብፍርሃትን ምጥርጣርን ፈዚዝና ነበርና። ብዝኾነ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝፍጸም ክሳብ ንፈልጥ ዕላልና ቀጸልና። ኣብ ፈቐድኡ ብናይ ሓጎስ ንብዓት ዝተሰነየ ዕላል ይቕጽል ነበረ። “ኣነ እከለ እየ። እነ ከኣ እከሊት እበሃል። ኣነ ጀነራል እከለ እየ። ኣነ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ናይ ሓይሊ ባሕሪ ናይ ፍሉይ ሓይልታት ኮማንዶ ኣዛዚ ዝነበርኩ እከለ እየ። ኣነ ኸኣ ኣባል ኮሚኒስታውያን ተመሃሮ ዝነበርኩ እዩ። ኣነ ድማ ንሓሙሽተ ደቓይቕ ዝኸውን ብዛዕባ የሱስ ስለዝሰማዕኩ ኣማኒ ኢኻ ተባሂለ ተኣሲረ። ሽዑ ክሕዙኒ ከለዉ ኣማኒ ከም ዘይኮንኩ ንኸረድኦም ብዙሕ እኳ እንተጸዓርኩ ሰማዒ ስኢነ ተገፊፈ ኣብዚ መጺአ። ኣብዚ ምስ መጻእኩ ግና ነቲ ሰናይ ዝኾነ የሱስ ረኺበዮ” ይብሉ። ሓደ ድሕሪ ሓደ ክምስክሩ ከለው ድማ ከባቢ ሰዓት 3 ድ.ቀ. ኮነ። ኣብ መንጎ እዚ ድማ ሓደ ዘሰንብድ ታሪኽ ተሰምዐ። ሓንቲ ጸጕራ ዝተወናጨረት። የማነይቲ ዓይና ብማህረምቲ ዝፈሰሰት። እንግድዕኣ ብሰንኪ ብርቱዕ ማህረምቲ ተሰቢሩ ብግቡእ እኳ ኮፍ ክትብል ዘይትኽእል ሓንቲ ኣረጊት ሓፍቲ እንዳሰሓቐትን ኣብ ገጻ ድማ ናይ ዓወት ስምዒት እንዳተነበባን ተንበርኪኻ ክትዛረብ ጀመረት። ብዛዕባ ዘሕለፈቶ ናይ ቤት ማእሰርቲ ዘመናን ከመይ ኢላ ተታሒዛ ከምዝመጸትን። ከምኡ’ውን ካብቲ ቅድሚ ምትሓዛ ዝነበራ ህይወት ንላዕሊ በቲ ኣብዚ ናይ ምድሪ ሲኦል ዝኾነ ሳይቬርያ መጺኣ ስለ ጎይታ ዝተቐበለቶ መከራ ሕጉስቲ ከም ዝኾነት ክትምስክር ጀመረት። ንሳ ክትምስክር ከላ ኩላትና ገጽና ብንብዓተ ተሓጸበ። “ናይ ኮሚኒዝም በዓል ክነኽብር ካብ ሰልፊ ተመሊስና ናብቲ መኣከቢ ኣደራሽ ምስ እተና ሓፍትና ንበላ እሞ ኣንድርያና ከምቲ ልሙድ በቲ ሓያል ዘረባኣ ንኣምላኸይ ክተባጭወሉ ምስ ሰማዕኩ ክዕገስ ኣይከኣልኩን። “ልዕሊ ሌኒን መራሒ ልዕሊ ኮሚኒዝም ድማ ሰልፊ ኣብ ዓለም የሎን። ሓሳባውያን እንተሊኹም ውጹ” ምስ በለት ከኣ ጎይታይ ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ክገልጽ ከምዘለኒ ልበይ መስከረለይ። ነቲ ዝመጸኒ ራእይ ክቋወም ስለዘይከኣልኩ ድማ ወጺአ ርእሰይ ገለጽኩ። ሽዑ ኣንድርያና በቲ ጫምኣ ሕቖይን እንግድዐይን ምስ ረገጸትኒ የዕጽምተይ ተሰበረ። ነቲ ቃንዛ ምጽዋሩ’ኳ እንተሰኣንኩ ተበራቲዐ ግና “ነፍቅረኪ ኢና” ኢለያ ንሕና እንዳበኸና ንሳ እንዳሰሓቐት ተፈላሊና። እንሆ ድማ ኣብዚ ቦታ ካብ ዝመጽእ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ኮይኑኒ።” በለት

 

ካልእ ድማ ከምዚ ክብል ቀጸለ “ኣብ ማእከል ዓቢ ኣኼባ ከለና ሓንቲ ንብዙሕ እዋን ዘሸገረትና ጉዳይ ብድንገት ስልዝተገለጸትለይ ብሃንደበት ኣብቲ ደዉ ኢለዮ ዝነበርኩ ኮይነ “ሃሌሉያ! ጎይታ ይመስገን” ኢለ ተዛረብኩ። እቲ ጉባኤ ንብዙሕ እዋን ዝተሸገረሉ ናይ ከዋኽብቲ ናይ ብርሃን ዓመትን (Light Year)። ከምኡውን መንነት ናይቲ ኣብ ወርሒ ዘሎ ግመ ዝመስል ነገር ብመጽናዕቲ ስለዝረኸብክዎ ፍሉይ ሽልማት ተዳልዩለይ ከሎ “ሃሌሉያ” ብምባለይ ተሰናቢዶም ሓደ ዓቢ ሰብ ኣብ ዘይግብኦ ነገር ኣሚኑ ተባሂለ ሽልማተይ ተሪፉ ኣነ ድማ ናብ ሳይቬርያ ተላኢኸ። ኣብዚ ካብ ዝመጽእ ድማ ዕስራ ዓመታት ኮይኑኒ” በለና። ኩላትና ናይ ሳይቬርያ ቅዱሳን በቲ እንሰምዖ ዝነበርና ገጽና ብንብዓት ይሕጸብ ኔሩ። እንተኾነ ግና ናቶም ብኽያት ንበይኑ ናተይ ብኽያት ድማ ንበይኑ እዩ ኔሩ።

ሓንቲ ድማ ተንሲኣ “ኣነ ኣብ ቤት ትምህርትና ናይ ተመሃሮ ሕብረት ጠርናፊት እየ ኔረ። ለካስ ኣነ ከይፈለጥኩ እቲ ናይ ክልተ ዓመት ዓርከይ  ንጎይታ የምልኽ እዩ ኔሩ። ኣብተን ናይ መወዳእታ 6 ኣዋርሕ ከኣ ጠባዩ ፈጺሙ ተቐይሩኒ። ዋላ ንኽዘናጋዕን ክናፈስን ንደገ ምውጻእ ገዲፍዎ። ካባይ ተፈልዩ ዝኸደሉ ቦታ ከምዘለዎ ድማ ፈሊጠ። ሓንቲ መዓልቲ ታሪኽ ናይ የሱስ ክርስቶስን ኣብ መስቀል ብዛዕባ ምማቱን ምስ ነገረኒ ብጣዕሚ ሰሓቕኩ። እቲ ታሪኽ ምስ ሰማዕኩ ካብ ምግራመይ ዝተለዓለ “ስለ ሓጥያት ደቂ-ሰባት ክብል ነብሱ ንስቓይን ንመስቀልን ኣሕሊፉ ዝህብ ንሱ ሓደ ዓሻ ክኸውን ኣለዎ” ብምባል ተላገጽኩ። “እዚ ናትካ የሱስ ንዘይረብሕ ዕላማን ሰዓቢ ንዘይረኽበሉ ሰልፍን ክብል ህይወቱ ዝኣክል ዓቢ ነገር ካብ ዝህብሲ እነተዝተርፎ ምሓሸ ኔሩ። ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ” በልክዎ። ወሲኸ ድማ “ገለ ምዒዱ ዝመልሶ ዘመድዶ ኣይነበሮን ኮይኑ?” ክብል ሓተትክዎ። ንሱ ግና ተስፋ ከይቆረጸ ይምስክረለይ ኔሩ። ኣብ መወድእታ ድማ ንሱ’ውን ንሓዋሩ ጠፈአ። ምናልባት በታ ዝወጻ ተታሒዙ ወይ ከኣ ተቐቲሉ ይኽውን ዝብል ግምት ኣለኒ። ዋላ’ኳ ንሱ ይጥፋእ እምበር እቲ ዝተዛረበኒ ቃል ግና ኩሉ ግዜ ኣብ ልበይ ይድውል ኔሩ። “ኣብ መስቀል ዝሞተ እኳ ስለ ሓጥያትኪ ክብል እዩ” ዝብል ቃል ዕረፍቲ ከሊኡኒ። “እዚ ከይፈለጠኒ ከሎ ስለ ሓጥያተይ ክብል ዝመውት መን እዩ?” ዝብል ሕቶ ኣብ ውሽጠይ ክመላለስ መዓልታት ሓለፉ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንጎይታ ድሕሪ ምቕባለይ ድሕሪ ሓደ ዓመት ብፍሉይ ትእዛዝ ሓፍትና እንድርያና ናብዛ መጽረይትን ስርናይ ካብ ክርዳድ መፍለይትን ዝኾነት ሳይቬርያ መጺአ። ኣብዚ ካብ ዝመጽእ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ጌረ ኣለኹ። እግዚኣብሄር ይመስገን!! ኣንድርያና ድማ ኣብ ዘላቶ ጎይታ ይባርካ ንሕና ግና ብዛዕባኣ ካብ ምጽላይ ዓዲ ኣይክንውዕልን ኢና። እወ እቲ ንሳውል ዝለወጠ ኣምላኽና ንዓኣ’ውን ክልውጣ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ኣፍቅርዋ” ብምባል ዘረባኣ ምስ ወደአት ካልእ ድማ ቀጸለ። ከምዚ እንዳበሉ ታሪኾም ክገልጹ ከለው ከኣ ኣብ መወዳእታ “ኣንድርያና ኣምጺኣትኒ …. ኣንድርያና ሒዛትኒ … ንሳ ቀጥቂጣትኒ” ይብሉ።

 

ኩላትና ኮፍ ኢልና ከለና ሓደ ኣቦ ተንሲኦም “እስከ ኩላትና ብሓባር ስለ ኣንድርያና ንሓጺር ግዜ ክንጽሊ ኢና” በሉና። ኩላቶም ድማ ዓው ኢሎም ብዛዕባይ ክጽልዩ ጀመሩ እሞ ኣነ ከኣ በቲ ዝሰምዖ ዝነበርኩ እንዳተደነቕኩ ብንብዓት ተሓጸብኩ። “ኦ ጎይታ ንኣንድርያና ብነብስና ቀይራ። ንሕና ሞይትና ንሳ ትድሓነልና። ንነብሳ ብነብስና ተክኣያ” እንዳበሉ ይጽልዩ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ናይ ኣንድርያና ክፍኣትን ብርታዐን  እንዳዘከሩ ይበኽዩ። ኣነ ድማ ከብደይ ምኽኣል ኣብዩኒ ገጸይ ብንብዓት እንዳተሓጸበ ብስንኪ ብኽያት’ውን ምዝራብ እንዳጸገመኒ ከምዚ ክብሎም ጀመርኩ “እንሆ ኣነ’ውን ኣብዚ ካብ ዝመጽእ 15 ዓመታት መሊአ። ናብ ጎይታ ቅድሚ ምምጻአይ ኣነ’ውን ኣብ ሓደ ናይ መንእሰያት ናይ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ኣባል ኔረ” እንዳበልኩ ብሰንኪ እምነተይ ዝበጽሓኒ መከራን ዝኸፈልክዎ ዋጋን። የማነይቲ ጡበይ ከምዝተቖረጸት ናይ መሰንገለይ 6 የዕጽምቲ’ውን ከም ዝተሰበራ ድሕሪ ምግላጽ ኣብ ሕቖይ ዘሎ ዝተቦጀለ ስጋን ኣብ ከባቢ ብርከይን ሰለፈይን ዘሎ ናይ ቁስሊ ሕበጥን ከርእዮም እንዳፈተንኩ ከለኹ ዝነበርክዎ ከባቢ ክሳብ ዝርስዕ ፈጺሙ ተለወጠኒ። ኣብዚ ተኣኪብና ብዛዕባ ዝሓለፍናዮን ዘጋጠመናን ዘስካሕክሕ ኩነታት እንዳተዘራረብና ከለና ንህይወተይ ዘገረመ ሓድሽን ፍሉይን ነገረ ተፈጸመ። ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ንነብሰይ ተለዊጣ ረኸብክዋ። መንፈሳዊ ኣዒንተይ ተኸፊተን ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም ኣተኹ። እዚ ኩሉ ግዜ እንርእዮ ሰማይ (ህዋ) ክግለጽ ብዘይከኣል ፍሉይ ሕብሪ ወቂቡን ደሚቑን ረኣኽዎ።

 

ንሰማይ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ለጥ ኢሉ ተዘርጊሑ ርኤኽዎ። ኣብዚ ፍሉይን ሕብሩ ክግለጽ ዘይከኣልን ጠፈር (ህዋ) ልክዕ ከምቲ ናይ ወጋሕታ ጸሓይ ኣብቲ ሰፊሕ ባሕሪ ክትዓርፍ ከላ ዝፈጥሮ ብልጭልጭ ዝብል ብርሃን ዝመስል ነገር እርኢ ነበርኩ። በብቑሩብ ድማ እቲ ዝረእዮ ዝንበርኩ ብልጭልጭ ዝብል ከምዚ ዓፍራ ዝመስል ብርሃን እንዳሰፈሐን እንዳቀረበን ክመጽአ ጀመረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተገለጸ ድማ መቑጸሪ ዘይብሎም ኣእላፍት መላእኽቲ። ዕድሚኦም ብግምት ካብ 25-30 ዓመት ዝኸውን። ማእከላይ ቁመት ዘለዎም። ጸጕሮም ዝተጠቕለለ ግን ከኣ ካብ ክሳዶም ብዙሕ ዘይወረደ። ረቒቕን ብልጭልጭ ዝብልን ክዳን ዝተኸደኑ ምልኩዓት መላእኽቲ ከሸብሽቡን ክዝምሩን ከለዉ ረአኹ። ኣኻናፎም ንሓድሕዱ ከይተተናኸፈ ብስርዓት ይሰግዱ ነበሩ። እዞም ዝርእዮም ዝንበርኩ መላእኽቲ ኣብ ማእከሎም ሃጓፍ እኳ እንተዘይነበረ እቲ ዘብለጭልጭ ኣኽናፎም ከንቀሳቕስዎ ከለዉ ግና ኣይተናኸፉን እዮም። ብዘይ ምቁራጽ ይዝምሩን ይሰግዱን። ከምዚ ዓይነት መዝሙር ሰሚዐን ርእየን  ኣይፈልጥን እየ። እንታይ ከም ዝኾንኩ ኣይፈልጥን ኣፈይ ግና ከም ዓባስ ኮንኩ። ኣዒንተይ ግና ንብዓት የውሕዛ ነበራ። እቶም ኣብ ጥቃይ ከቢቦምኒ ዝነበሩ ናይ ሩስያ ቁዱሳን ከኣ በቲ ዝሰማዕክዎ ታሪኽ ጉህየ ዝበኪ ዘለኹ መሲልዎም ገሊኦም ሓብሮም ምሳይ ይበኽዩ ነበሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ። ካብ ማእከል እቶም ብዝሖም ኣሻሕ ግዜ ኣሻሕ። ኣእላፍ ግዜ ኣእላፍ ዝኾኑ መላእኽቲ ሓደ ቁመቱ ንውሕ ዝበለ። መልክዑ ፍሉይ ዝኾነ ካብ ኣዒንቱ ሃልሃልታ ሓዊ ዝወጽእ። ኣብ መዓንጥኡ ናይ ወርቂ ዕጣቕ ዝነበሮ። ክብሩ ንምግላጽ ዘጸግም። ካብ ዓይኑን ካብቲ ኣብ ዙርያኡ ዝኸበቦ ናይ ብርሃን ጨረርን’ውን ናብ ነፍሲ-ወከፍና ከም ዘንጊ እንዳተወርወረ ከመጽእ ከሎ ርኤኽዎ።

 

እዚ ዝተገለጸ ከኣ እቲ ጎይታ ጎይቶት። ንጉሰ ነገስትን። ናይ ኩላ ዓለም ገዛኢ፤ ፈጣርን ተቖጻጻርን ዝኾነ የሱስ እዩ። ንሱ ብዘይከልካሊ ኣብ ማእከል እቶም ኩሎም መላእኽቲ ክመላለስ ከሎ። በቲ ኣብ ዙርያኡ ከቢብዎ ዘሎ መዝሙር ተዓጂቡ ከኣ ናብዝን ናብትን ክብል ከሎ ርኤኽዎ። ከመላለስ ከሎ እተን ጽቡቓት ኣዒንቱ ንኹላትና የቋምታና ነበራ። ኣብ መንጎ’ዚ። የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ ካብ ኣዒንተይ ተሰወረኒ። ብዙሕ ደሌኽዎ ግን ከኣ ብኣዒንተይ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን። ኦ! ጎይታይ ክንደይ ግሩምን ክንደይ ጽቡቕን እዩ። ካብቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ዝተለዓለ ነብሰይ ሰላም ሓጎስን ዕረፍትን ስለዝረኸበት ነቲ ዘለኽዎ ቦታ መከራ ረሳዕኩ። እቲ ስሊኡ መከራን ስቓይን ዝጸገብኩሉ ጎይታይ ክርእዮ ብዘይምኽኣለይ ዓው ኢለ “ኦ ጎይታ ኣበይ ኢኻ ዘለኻ?” በልኩ። ሽዑ እዮም ድማ እቶም ናይ ሳይቬርያ ሃዋርያት ሓደ ነገር ይርኢ ከም ዘለኹ ዝተረድኦም። “ግደፍዋ። ራእይ ትርኢ ኣላ ደሓር ክትነግረና እያ” እንዳተበሃሃሉ ክዘራረቡ ከለዉ እሰምዖም ነበርኩ። ኩሉ ናፍቖተይን ጽምኣተይን ንጎይታ መሊሰ ንምርኣይ እዩ ዝነበረ። ጎይታ ኣዝዩ ድንቅን መስተንክርን እዩ።  

 

ዝፈጠጣ ኣዒንተይ ከይተኸደና ንጎይታ ኣብ ዙርያ እቶም ኣእላፋት መላእኽቲ ክደልዮ ከለኹ ካብቶም መላእኽቲ ሓደ ልክዕ ደረጃታት ከምዝወርድ ዓይነት ኣንዳሰጎመ ናባይ ገጹ ብምቕራብ “ንመን ትደልዪ ኣለኺ?” ክብል ሓተተኒ። ኣነ ድማ ኣዒንተይ ካብቲ ሰቒለየን ዝነበርኩ ናይ ሰማያትን መላእኽትን ራእይ ከይነቐልኩ “እቲ ስሌኡ መከራ ዝጸገብኩሉ። ነብሰይ ዝፈተወቶን ናይ ውሽጠይ ጽምኣት ዝኾነን የሱስ ኣበይ ከይዱ?” ብምባል ዓው ኢለ ሓተትክዎ። ንሱ ከኣ ትኩር ኢሉ ጠመተኒ እሞ ነቲ ብድሕሪኡ ካብ ርእሱ ክሳብ እግሩ ብሰፊሕ ዝተዘርግሐ ብፍሉይ ሕበረ-ቀለማት ዘጌጸ ኣኽናፉ ናብ የማንን ጸጋምን እንዳኣንቀሳቐሰ “ኣብ መንጎ እዞም ተገሊጾምልኪ ዘለዉ መላእኽቲ ድለይዮ እሞ ክትረኽብዮ ኢኺ” በለኒ። ኣነ ድማ ብሃንቀውታ “ደልየ ስኢነዮ። ብዘይካ እቶም ዝዝምሩን ዘሸብሽቡን ዘለው ኣእላፋት መላእኽቲ ካልእ ይርኢ የለኹን” በልክዎ። ንሱ ድማ ኣዒንቱ ካባይ ከይነቀለ “ንጎይታ ክትርእዪ እንተደሊኺ ንሱ ዙርያኡ ኩሉ ብሓዊ ዝተኸበበ። ጽጕሩ ድማ ጻዕዳ ከም ኣሳሓይታ ኮይኑ ዝተኸደኖ ክዳን ድማ ካብ ናይ ኩላትና ዝጻዕደወን ዝጸበቐን እዩ። ዕጣቕ ሕቖኡ ድማ ናይ ወርቂ እዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ ናይዞም መላእኽቲ ናይ ስግደት ኣንፈት ተኸቲልኪ ክትረኽብዮ ትኽእሊ ኢኺ። ንሱ ፍሉይ እዩ ዝመስሎ ከኣ የሎን” በለኒ። ብድሕሪ’ዚ ድማ እተን ጎይታ ንምርኣይ ከርተት ዝብላ ዝነበራ ኣዒንተይ ዓረፋ። ጎይታይ ከምቲ እቲ መልኣኽ ዝነገረኒ ሕቖኡ ብናይ ወርቂ ዕጣቕ ተዓጢቑ ፍሉይን ኣዝዩ ውቁብን ዝኾነ ደሚቕ ሕብሪ ዘለዎ በዓል ዘፈር ክዳን ተኸዲኑ ረኤኽዎ። ምስ ረኸብክዎ ድማ ተሓጎስኩ።

 

ጎይታይ ድማ በቲ ናይ ባሕሪ ማዕበላት ይኹን ናይ ሰማይ ነጎዳታት ዘይዳረጎ ዓቢ ድምጹ ብስመይ ጸወዓኒ። “ኣንድርያና። ነቶም ኣብ ዙርያኺ ዘለዉ ደቀይ ርእስኺ ግለጽሎም። እቲ ንሓድሕዶም ዝዛረብዎን ናይ ልቦም ጸሎትን ሰሚዐዮ ኣለኹ። ክሳብ ሕጂ ካብኦም ዝሰወርኩኺ ድማ ኣነ እየ። ሕጂ ግና ኣብ ማእከል ደቀይ ክገልጸኪ እየ። እቲ ብዛዕባኺ ዝጸለይዎን ዝለመኑንን ሰሚዓዮ ኣለኹ። በለኒ እሞ እቲ ኣብ ሰማያት ዝርእዮ ዝነበረኩ ራእይ ኩሉ ከም ቅጽበት ዓይኒ ተወሰደኒ። ኣዒንተይ ምርኣየን እንተኣቋረጻ’ኳ ነብሰይ ግና ኣብቲ ናይ ቅድም ፍሉይ ዝኾነ ሰመያዊ በረኸት ነበረት። ካብ ኩሉ ዝገረመኒ ድማ ነቲ ኣነ ዝርእዮ ዝነበርኩ ራእይን ዝሰምዖ ዝነበርኩ ድምጽን ዝሰምዑ ካልኦት ቁዱሳን’ውን ኣብ ጥቓይ ምንባሮም እዩ። እቶም ዝተረፉ ድማ ኩነታተይ ኣገሪምዎም ኣፍጢጦም ይርእዩኒ ነበሩ። ጸጥታን ህድኣትን ኣብ መንጎና ነገሰ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ክልተ ኣሓትን ሓደ ኣቦን እንዳሓንከሱን እናተደነቑን ናባይ ብምቕራብ “ንስኺ መን ኢኺ? በጃኺ ንገርና መን ኢኺ ትበሃሊ? እቲ ዝሰማዕናዮ ሕልሚ ድዩ ወይስ ጋህዲ? በጃኺ ንገርና?” ብምባል ኣዒንቶም ኣፍጢጦም ኣዋጠሩኒ። ኣነ ድማ ኩላቶም ትም ክብሉ ድሕሪ ምእዛዝ ካብታ ዝተቖረጸት የማነይቲ ጡበይ ዝወጽእ ዝነበረ ቁሩብ ደም ዝተሓወሶ ቀጢን ማይ ዝመስል ፈፋሲ እንዳጸረግኩ “ተፍቅሩኒ ዲኹም?” ክብል ሓተትክዎም። ርእሶም እንዳነቕነቑ ኣእዳዎም ዘርጊሖም “ነፍቅረኪ ኢና። ንስኺ ደኣ ምሳና ሓቢርኪ ስለ ጎይታ መከራ ዝጸገብኪ ከመይ ኢልና ክንጸልኣኪ። ኣሽንኳይዶ ንዓኺ ክብርቲ ሓፍትናስ ይትረፍ ነዞም ኮሚኒስታውያን እኳ ዝጸልእ ልቢ የብልና። ኣሽንኳይዶ ንዓኺ። ንኣንድርያና እኳ ኣይንጸልኣን ኢና። ነፍቅራ ኢና ከመይሲ ካብ ጎይታ ዝተመሃርናዮ እዚ ስለዝኾነ። ንስኺ ግና መን ኢኺ በጃኺ ታሪኽኪ ቀጽልልና” በሉኒ ኩሎም ኣብቲ ኮፍ ዝበልዎ ኮይኖም።

 

ኣነ ድማ ሓይለይ ኣኻኺበ ከምዚ ክብል ታሪኸይ ጀመርኩሎም “ካብቲ ዝነበረኒ ስልጣንን ሓይልን ዝተለዓለ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ካብ ዝነበረኒ ጽልእን ንኮሚኒዝም ካብ ዝነበረኒ ቅንኣትን ዝተለዓለ ንብዙሓት ክርስትያናት የሳድዶም ነበርኩ። እዚ እኩይ ስርሐይ እንዳሰፈሐ መጺኡ ሓደ ግዜ ኣብቲ መኣከቢ ኣደራሽ እቲ ልሙድ መደረይ ክምድር ከለኹ ኣመንቲ ስለዝረኸብኩ ኣብኡ ሒዘ ብዙሕ ድሕሪ ምስቓይ ናብዚ ናይ ምድሪ ሲኦል ዝኾነ ሳይቬርያ ከምዝለኣኹ ገበርኩ። እዚ ድማ ንዓይ ባህ ዘብል ኣብ ልዕሊ ምንባሩ ንሰልፈይ ካብ ዝነበረኒ ኣኽብሮት ተላዒለ ዝገብሮ ናይ እሙንነት ስርሕ’ውን ይመስለኒ ነበረ። በቲ ዝገበርክዎ’ውን ገና ስለዘይዓገብኩ ነቶም ኣመንቲ ብዝበለጸ ንምስቓይን እምነቶም ከም ዝኽሕዱ ንምግባርን ናብዚ ንኽመጽእ ኣብ መንገዲ ኣብ ጉዕዞ ከለኹ እቲ ጎይታይን ኣምላኸይን ዝኾነ። ከይፈለጥኩ ድማ ዘሳድዶ ዝነበርኩ ጎይታ የሱስ ኣብ መንገዲ ተጸብዩ ረኺቡኒ ….” እንዳበልኩ ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ዘጋጠመኒ ሓንቲ ከየትረፍኩ ኩሉ ነገርክዎም። ኣብ መወዳእታ ድማ ኩላቶም መንነተይ ከይፈለጡ “ንስኺ’ውን ካብ ኣንድርያና ዝበለጽኪ ሓያል ኔርኪ?” ኢሎም ክሓቱኒ ክሰምዕ ከለኹ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዝገንፈለ ስምዒተይ ክቆጻጸሮ ስለዘይከኣልኩ “ኣነ’ኳ ኣ .. ን .. ድርያ .. ና እየ” ኢለ ምስ ነገርክዎም ኩሎም በርቂ ዝሃረሞም ክመስሉ ጸጥ በሉ። ኣብ ጥቓይ ዝነበሩ ክልተ ኣረጋውያን ብስንባደ እንዳጠመቱኒ ከለዉ ትንፋሶም ሓለፈት (ሞቱ)። ካልኦት ድማ ብፍርሃትን ምድናቕን ተመሊኦም ኣብ መንጎ ምእማንን ዘይምእማንን ኮይኖም ይጥምቱኒ ነበሩ።

 

“ናይዚ ኩሉ ስቓይ፤ መከራን ጓህን ጠንቂ ኣነ እየ። ጠንቂ ናይ ሕማምኩምን ሞትኩምን ካብ ስድራኹም ምፍልላይኩምን ኣነ እየ” ብምባል ድንን ምስ በልኩ ኩላቶም ካብቲ ዝነበርዎ ብምትንሳእ ሓቝፎም ክስዕሙኒ ጀመሩ። “ኣጆኺ ኣንድርያና። ሕጂ’ውን እንተኾነ ነፍቅረኪ ኢና። በሰንክኺ መከራ እንተጸገብና እኳ ብሰንኪ መከራኺ ድማ ንጎይታ ረኺብናዮን ንጎይታ ተፈሊና ከኣ ኣብቲ ስቓዩን መከራኡን ሓቢርናዮ ኢና። ከምዚ ሎሚ ጎይታ ዝገለጸልና ድማ ካብዚ ወጺእና ነዕርፈሉ መዓልቲ ኣብ ቅድሜና ኣሎ” በሉኒ እሞ ብድሕሪ’ዚ ኩላትና ተኣኻኺብና “ጸሎት ዝሰምዕ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኣሎ” ዝብል መዝሙርና ክንዝምር ጀመርና። ኣብ ከምዚ ኩነታት ገሊኦም ጥንቅልዒት ደቂሶም። ገሊኦም ፊቕ ኢሎም ይበኽዩ። ገሊኦም ድማ ብስንባደ ተዋሒጦም ነበሩ። መብዛሕቶም ግና በቲ ዝሰምዕዎ ተደኒቖም ይዘሉ። ይዝምሩ። የሸብሽቡ በቃ እንታይ ክብልኩም ኩሉ ንምግላጹ ዘጸግም ኔሩ። ከምዚ ኢሉ ሰዓታት ሓለፈ።

 

እዚ ኩሉ ክኸውን ከሎ እቶም ብርሕቀት ደው ኢሎም ዝነበሩ ወተሃደራት ብምግራም ካብ ምጥማትና ሓሊፎም ዝገብርዎ ጠፊእዎም ተዓኒዶም ይርእዩና ነበሩ። ትእዛዝ ይኹን መግረፍቲ ዝበሃል ካብ ዘይንርኢ ሰሙን ሓሊፉና ነበረ። ገለ ካብቶም ወተሃደራት እቲ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ምእማን ስኢኖም ንዓይ ጸዊዖም ሓተቱኒ እሞ ኣነ ድማ ኣንድርያና ምኻነይ ምስ ነገርክዎም ሰንቢዶም “ንስኺ ብሓቂ ኣንድርያና ኢኺ?” በሉኒ ብምግራም። ገሊኦም ንብዓቶም ምቁጽጻር ስኢኖም ኢዶም ኣብ ኣፎም ጌሮም ፈዚዞም ይጥምቱኒ ነበሩ። ገሊኦም “ከማኺ ክንከውን ንደሊ ኢና። ነቲ ንስኺ እትኣምንዮ ክንኣምን ኢና” በሉኒ። ሓደ ድማ “ንስኺ ብርግጽ ኣንድርያና ኢኺ? ምድሪ ሩስያ ተናውጺ ዝነበርኪ ሕጂ ደኣ ኣንታይ ወሪዱኪ ኢኺ ነታ ትጻረርያ ዝነበርኪ እምነት ዝተቐበልኪ። ይገርም እዩ። ክንኣምኖ የጸግመና እዩ። ንብዙሓት ቀጥቂጥኪ፤ ኣቐጥቂጥክን ኣሳዲድክን ሎሚ ግና ንባዕልኺ ግዳይ ኬንኪ ኣለኺ። እንታይ ስለዝገበሩልኪ። ብምንታይ ተኣምር ኢኺ ነዚ ናይ ሃጸይነት ዕላማ ክትስዕቢ ጀሚርኪ? ዶላርዶ ሂቦምኺ እዮም? በቃ ናይ ኣመሪካ ሲ.ኣይ.ኤ ስዒሮሙኺ? ዝገርም እዩ። ሕጂ እኳ ንስኺ ዝጸሓፍክያ ‘ኮሚኒዝም ብዓይኒ መንእሰያት ዓለም” እትብል ኣደናቒት መጽሓፍ እየ ዘንብብ ዘለኹ። ረኣዪ” እንዳበለ ናተይን ናይ ሓደ መንእሰይ ሰልፈኛን ስእሊ ዘለዋ ባዕለይ ዝጸሓፍክዋ መጽሓፍ ሃበኒ እሞ “ነዛ መጽሓፍ እንታይ ክገብራ?” ክብል ሓተተኒ። ኣነ ድማ ፍሽኽ ብምባል ነታ ዝሃበኒ መጽሓፍ ኣብ ትሕቲ እግረይ ጌረ ረገጽክዋ እሞ “እዚኣ ደጌታት ሲኦል እተርኢ ህይወት ዘይብላ ናይ ሳጥናኤል መጽሕፍ ብኢድ ሳጥናኤል ዝተጸሓፈት እያ። ነዚኣ ጽሒፈ ናብ ስሕተት ስለዝመራሕኩኻ ይቕሬታ ግበረለይ” ብምባል ደጊመ ብእግረይ ድሕሪ ምርጋጽ “ሕጂ ግና እቲ ሓቀኛ መጽሓፍ እዚ እዩ። ብኢድ ሰብ ዘይተጸሓፈ ብዛዕባ ምዉታት ዘይኮነስ ብዛዕባቲ ሓቀኛ ጎይታን ብዛዕባ መንግስተ ሰማያትን ዝዛረብ ሓቐኛ መጽሓፍ እዚ ጥራይ እዩ። ሰባት ከንብብዎ ዝግባእ ቅዱሳት ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ዝጸሓፍዎ እዩ። እዚ ረጊጸዮ ዘለኹ ግና ባዕለይ ዝጸሓፍክዎ መጽሓፍ ስለዝኾነ ምለሰለይ እሞ ኣነ ድማ ንዓኻ እዚ መጽሓፍ ክህበካ እየ” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል እንዳበልኩ ብዙሕ መስከርኩሉ። ብድሕሪ’ዚ ንብዓቱ እንዳደረዘ ብረቱ ብምድርባይ ኣብ ትሕቲ እግረይ ወደቀ። “ኣነ’ውን ከማኺ ክኸውን እደሊ ኣለኹ” ከኣ በለኒ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ብጻዩ’ውን ቀጸለ እቲ ካልእ’ውን ሰዓበ። ኩላቶም ድማ እቲ ተኸዲኖሞ ዝነበሩ ጃኬት ኣውጺኦም ከደኑኒ። ኣን ግና ጸለኹሎም እሞ ብድሕር’ዚ “ኣነ ጃኬት ተኸዲነ ኣሕዋተይ ግና ጥራሕ ዝባኖም ኮይኖም ክርኢ ኣይክእልን እየ” ብምባል ነቲ ጃኬቶም መለስኩሎም። ኣብ ሳይቬርያ ዝነበረና ፍቕሪ መቸስ ፍሉይ እዩ።

 

ስለ ጎይታን  ስለ እምነትናን እንኸፍሎ ዝነበርና ዋጋ ብመግረፍቲ፤ ብስቓይ ወይ ከኣ ብጥሜት ጥራይ ዝተደረተ ኣይነበረን። ዓለም ዝሃበቶም ክብሪ ጠንጢኖም ስለ ጎይታ ክብሉ ዝተሳቐዩን ዋጋ ዝኸፈሉን ብዝሓት ቅዱሳን ኣለዉ። እዚኦም ኣሕዋትና ገዛእ ነብሶም፤ ግዜኦም፤ ገንዘቦምን ቤቶምን ከይተረፈ ዝወፈዩ እዮም። ሓደ ካብዚኣቶም ዶ/ር ሰርጌ ይበሃል ስለ ጎይታ ተኣሲሩ ናብ ሳይቬርያ ካብ ዝመጽእ ሸውዓተ ዓመት ጌሩ ኣሎ። ኣብ ሰልፊ ፓዝ መበል ሳልሳይ ጸሓፊ ኔሩ። ኣብ ከተማ ሞስኮ ንዝነበራ ሕቡኣት ናይ ጸሎት ሕብረታት ከኣ ብመጕዓዝያ ንምድጋፍ ነፍሱ ዝወፈየ ኔሩ። ኩሉ ግዜ ረቡዕን ዓርብን ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት ካብኡ ሓሊፉ’ውን ክሳብ ለይቲ ኣብ ዝነበረ ክልተ እብረ እቶም ኣመንቲ ናይ ሕብረት ጸሎት ወዲኦም ክወጹ ከለዉ ብኣባላት ስለያ ኬ.ጂ.ቢ ተታሒዞም ከይእሰሩ ብምባል ከም ኣውቲስታ ናይ ከተማ ኣውቶቡስ ብምዃን የገልግሎም። እዚ ሓው ኣብ ትሕቲ ኣፍንጭኡ ገዚፍ ሰብ ስርሖ ጭሕሚ ንዓይኑ ድማ ዓቢ ናይ ዓይኒ መነጽር ብምግባር መልክዑ ይልውጥ። ኣውቶቡሱ ሒዙ ድማ ካብ መስመሩ ብምውጻእ ኣብቲ ዝተኣከብሉ ቦታን ኣከባብን ብምኻድ ጽዒኑ ካብቲ ከባቢ ይስውሮም። ንኹላቶም ኣበጻጺሑ ምስ ወደአ ድማ ኣብ መስመሩ ተመሊሱ ንኽልተ ሰዓታት ዝኸውን ሰሪሑ ነቶም ድሕሪኡ ዘለዉ የረክብ። ብኸምዚ መልክዕ ኣብ ሞስኮ ካብ ዘለዉ ኣገደስቲ ዝበሃሉ ኩሎም ኣብያተ ጽሕፈታት ዶክተር፤ ኢንጂነር፤ ምሁር ይኹን መሃይም ከይፈለየ ብኸምዚ የገልግሎም ነበረ። ካልእ ናይ ፋብሪካ መኪና ላዳ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ምስ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ፋይናንስን ኣወሃሃድቲ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ምስ ፕሮፌሰር ዮጉቪዮስ ዝተበሃለ ሓው ብምትሕብባር መዓልታዊ 15 ላዳታት ካብ ሰዓት ሰለስተ ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 5 ድ.ቀ ናይተን ለይቲ ተሰሪሐን ዝሓድራ ዝነበራ ላዳ ዝዓይነተን መካይን ሞተረ ንምፍታሽ ብዝብል ምኽንያት ነቶም ናይ ሕቡእ ጸሎት ኣገልገልቲ ዝኸውን ምሳሕን ድራርን ሙቐት ዝህብ ጮማን ስጋ ሓሰማን ካብ ገንዘቦም ኣብ ገዝኦም ሰሪሖም ብምጻሕ እቶም ቅዱሳን ከም ዝምገቡ ይገብሩ ኔሮም።

 

ብዘይካዚ ቪላድሚርን ኣንቶንያናን ዝተበሃሉ ኣብ ቼችንያን ኣብ ዩክሬይንን ናይ ማእለማ ጎልፎ ፋብሪካ ዝነበሮም ቅዱሳን ነቶም ን24 ሰዓታት ከይወጹ ኣብ ናይ ሕቡእ ሕብረት ጸሎት ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣሕዋት ነቲ ካብ መሸጣ ዝረኽብዎ ዝነበሩ መኽሰብ ከም ዕሽር ብምውፋይ ብገንዘቦም የገልግልዎም ኔሮም። ብተወሳኺ ድማ ኣብ መጀመርያ መዓልቲ ናይ ሰሙን (ሰኑይ) ከምኡ’ውን መጀመርያ መዓልቲ ናይ ወርሒ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ኩሉ ናይ መሸጣ ኣታዊ ብዝሑ ብዘየገድስ ነቶም ብሕቡእ ዝጽልዩ ኣሕዋት ይውፍይዎ ኔሮም።

 

ኣመንቲ ዶክተራትን ሓካይማትን ነቶም ሓሚሞም ዝመጹ ኣመንቲ ንምልላይ ዝጥቀሙሉ ምስጢራዊ ቋንቋ ኔርዎም። እቲ ዶክተር ወይ ሓኪም ነቲ ሕሙም እናመርመሮ ከሎ ኣብ መንጎ “መንጸር ዓይነይ ረሲዐያ መጺአ እሞ ከምጽኣ ሓንሳብ ተዓገሰኒ” ይብሎ እሞ እቲ ሕሙም ኣማኒ እንተዘይኮይኑ “ሕራይ ጸገም የለን” ይብሎ። ስለዚ ድማ እቲ ዶክተር ምርመርኡ ትም ኢሉ ይቕጽል ማለት እዩ። እቲ ሕሙም ብክርስቶስ ኣሚኑ ዝደሓነ ክርስትያን እንተኾይኑ ግና “ሰብ ብመነጽር ዓይኒ ዘይኮነስ ብልቡ እዩ ዝርኢ” ይብሎ እሞ በዚ ተፋሊጦም ከዕልሉ ይጅምሩ ማለት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰሉ ናይ ምስጢር ቃላት ብዙሕ ኔሮም። ንኣብነት ክልተ ኣመንቲ እንዳዕለሉ ከለዉ ሳልሳይ ሰብ እንተመጺዎም ዕላሎም ከየቋረጹ ኣከታቲሎም ክልተ ግዜ ይስዕሉ። እዚ ማለት ድማ “ድሕሪ 30 ደቓይቕ መሊስና ንራኸብ” ማለት ክኸውን ከሎ እቲ ካልእ ካብ ጅብኡ መንዲል ኣውጺኡ “እዚኣ ምሳኻ ሓዛ” እንተኢልዎ “ኣይትፍራህ ንበይኑ ወሲድና ብዛዕባ ጎይታ ንመስክረሉ” ማለቱ እዩ። እንተኾነ ግና እቲ ሓደ “ደሓን። ናተይ መንዲል ኣለኒ የቐንየለይ” እንተበሎ ግና “እዚ ሰብ ጠርጢረዮ ስለዘለኹ ኬ.ጂ.ቢ ክኸውን ስለዝኽእል ነብስኻ ኣድሕን” ማለት እዩ። “መንዲል” ማለት ትርጉሙ ንህይወት ይትክእ።

 

ኣብ ከተማ ሞስኮ ዝተኸፈለ ዋጋ ንምግላጹ ኣዝዩ ዘጸግም እዩ። በብመዓልቱ ብሕቡእ ንነፍሳት ዝምስክሩ ኣሕዋት ብሃንደበት ወተሃደራት መንግስቲ እንተሒዞሞም ናብ ቤት ማእሰርትን ናብ ሳይቬርያን ንኸይለኣኹ ምእንቲ ብርሑቕ ዝከታተሉ ኣባላት ፖሊስ ዝኾኑ ኣሕዋት ኔሮምና። ኬ.ጂ.ቢ ምስ ሓዝዎም ተቐቢሎም ብምውሳድ የህድምዎም። እዚ ኩሉ ክንገብር ከለና ግና ናይ መንግስቲ ሕጊ ንምጥሓስ ወይ ከኣ ገበን ክንፍጽም ኢልና ኣይኮንና። እንታይ ደኣ። እቲ ናይታ ሃገር ሕጊ ፖሊስ። ክርስትያናት እንተረኺብካ ብዘይ ገለ ሕቶ እሰሮም ወይ ቅተሎም ስለዝብል እዩ። እዚ ድማ ገለ ሓጥያት ወይ ገበን ከይገበሩ ብሰንኪ እምነቶም ጥራይ ስለዝኾነ እዩ። ዕዮ ናይ ጎይታ ከይቋረጽ ካብ ዝነበረና ቅንኣትን ብተወሳኺ’ውን ምድሪ ሩስያ ካብቲ ተታሒዛቶ ዝነበረት ከቢድ ናይ ኣጋንንቲ ማእሰርቲ ብብርሃን ወንጌል ሓር ኣውጺእና ነቲ ህዝቢ ንክርስቶስ ንክንማርኾ ካብ ዝነበረና ውሽጣዊ ቅንኣትን ሰናይ ሃቀናን ዝተለዓለ ምዃኑ ክትርድኡልና እደሊ። ናይ ፕረሲደንት ሚካኤል ጎርባቾቭ ዋና ኣማኻሪ ዝነበረን ካልኦት ክልተ ናይ ፕሮቶኮል ሹማምንትን። ናይ ሕቡእ ጸሎት ኣገልገልትን ቅቡኣት ሰበኽትን እዮም ኔሮም። መንግስቲ ከይፈለጦም ብስልጣኖም ንጎይታ የኽብሩ ኔሮም።

 

እቶም ኮሚኒስታውያን ብሰንኪ ቁሪ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ከም ሕማም ቁሪ፤ ኣዝማ፤ ሪሕን ሕማም ቅርጥማትን ተታሒዞም ይሳቐዩ ነበሩ። ሕማም ክስምዖም ከሎ ናብ ሆስፒታል ይውሰዱ እሞ ብመጀመርታ ክልተ ዓበይቲ ናይ በዓል ኣርባዕተ ሊትሮ ቮድካ ይወሃቦም። ኣካላቶም ክመውቕ ምስ ጀመረ ድማ መድሃኒት ይእዘዘሎም። እንተኾነ ግና እቲ ንሕማም ቁሪ ኢሎም ዝወሰድዎ መድሃኒት ሕማም ጨጎራ። እቲ ንሕማም ርእሲ ኢሎም ዝወስድዎ ድማ ሓማም ጸላም ከብዲ እንዳስዓበሎም ብዝተፈላለዩ ሓማማት ክሳቐዩ ይረኣዩ። ንሕና ግና ጥራይ ነብስና፤ ብጥሙይናን ምስ ቁስልናን ከለና ሕማም ዝበሃል ኣይቀርበናን ነበረ። እግዚኣብሄር ይመስገን!! ስሙ ብሩኽ ይኹን!! ለይቲ ካብ ድቃስና ኣብ ናይ ሓደ ሰዓት ፍልልይ እንዳ ቀስቀሱ ዝሑል ማይ ይደፍኡልና እሞ “ንየሱስ ከሓድዎ” ይብሉና። ምስዚ ኩሉ ግና ኣብ ማእከልና ሓደ እኳ ዝስዕል ወይ ትንፋስ ዝሓጽሮ ናይ ኣዝማ ሕሙም ወይ ከኣ ቁሪ ወሲዱ ዝሓመመ እሱር ኣይነበረናን።

 

ናትና ሕማም መግረፍቲ ዘስዓቦ ናይ ቁስሊ ቃንዛ እንተዘይኮይኑ ካልእ ገለ ሕማም ኣይነበረናን። ክሳብ ሕጂ ብዘይክዳን፤ ብዘይ ካቦትን ብዘይ ግቡእ መግብን ቁሪ ሳይቬርያ ተጻዊርና ሓሊፍናዮ። እዚ ድማ ጎይታ ስለዝረደኣና እዩ። ሓደሓደ ግዜ ከኣ ክሳብ ሕጂ ዘይንርስዖምን ዘገርሙናን ነገራት የጋጥሙና ኔሮም። ኮሚኒስታውያን ናባና ብምምጻእ ሕቖኦምን እግሮምን ክንደርዞም ይእዙዙና ነበሩ። ትእዛዝ ስለዝኾነ ኮፍ ኢልና ብውሽጥና እንዳጸለና ክንደርዞም ከለና ብምግራም “ካብ ኢድኩም ዝወጽእ ሓደ ሙቐት ኣሎ። ሓሓሊፉ ከኣ የንፈጥፍጠና” ይብሉና። ይረደኣዮም ኣይረደኣዮም ካብቲ ብበረድ ዝኸርደደ ኣካላትና ናይ መንፈስ ቅዱስ ሙቐት ወጺኡ ክትንክፎም ከሎ ይምስክሩልና ኔሮም። ሓደሓደ ግዜ ዓይንና ዓሚትና ክንጽልየሎም ከለና ናብና ድንን ኢሎም ይሰምዑና። ካብ ናትና ትዕግስቲ ንላዕሊ ምሕረት ጎይታ በዚሕሎም ካብ ሕማሞም ክፍወሱ ክንርኢ ከለና ከኣ ይደንቀና ኔሩ። እግዚኣብሄር ንህዝቡን ንፍጥረቱን ዘለዎ ፍቕርን ምሕረትን ኣዝዩ ዝገርም እዩ። ሕሰብዎ እሞ። ሕጂ እዚኣቶም ናይ እግዚኣብሄር ምሕረት ይግብኦምዶ? ኩሉ ተግባራቶም ክትርእዮ ከለኻ ከም ናይ ኤልያስ “ሓዊ ካብ ሰማይ ወሪዱ ይብላዕኩም” ዘብል እዩ። እቲ መልሲ ግና ፍሉጥ እዩ። እወ ምሕረት ኣምላኽ የድልዮም እዩ። ንሳቶም እንተዘይፈለጥዎ’ኳ እቲ ዝፈልጦም ጎይታ ግና በደሎም ይሓድገሎም ኔሩ።