18
Thu, Apr
0 New Articles

ታሪክ (ምስክርነት) ኤም ኤይ ጋብሪኤል

Imapct of Gospel
Typography

ኣቐዲሙ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣል-አዝሃር ካይሮ ግብጺ ብታሪኽ ምስልምና ፕሮፌሰር ነበር

ኣብ ኣል-ኣዝሃር(ተደናጊረ) ኩሉ ተሓዋዊስኒ ከምዝነበረ

ቅድሚ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ኣብቲ እቶም ውሩያት ፕራሚዳት ግብጺ ዝርከብሉ ከተማ ጊዛ ናይ ሓደ መስጊድ ኢማም እየ ነይረ። (ሓደ ናይ መስጊድ ኢማም ዘለዎ ደረጃ ጽፍሒ ምስቲ ኣብ ክርስትና ናይ ሓንቲ ማሕበር ፓስተር ዘለዎ ስልጣን ዝመሳሰል እዩ።) ነፍሰወከፍ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ካብ ሰዓት 12 ክሳዕ 1 መልእኽቲ ናይታ ሰሙን እሰብኽን ካልኦት ዝተፈላለዩ ስርሓት የካይድን ነበርኩ።


ኣብ ሓንቲ ዓርቢ መዓልቲ እቲ ዝሰብኮ መልእኽተይ ጅሃድ እዩ ነይሩ። ነቶም ኣብ ቅድመይ ኣብ ምድሪ ተቐሚጦም ዝነበሩ 250 ሰማዕተይ ድማ ከምዚ ክብሎም ጀመርኩ ኣብ እምነት ምስልምና ጅሃድ ማለት ንሙስሊማን ህዝብታትን ንምስልምናን ካብ መጥቃዕትታት ተጸባእቲ ምክልኻል ማለት እዩ። ምስልምና ማለት ናይ ሰላም ሃይማኖት ማለት ስለዝኾነ ኣንጻር እቶም ዝጻረርዎን ዝዋግእዎን ኣካላት ጥራይ ዝላዓል/ዝዋጋእ እዩ እንተኾነ እዞም ከሓድቲ ኣምላኽ ዝኾኑ ኣህዛባት ጠዋያት ክርስትያናት መጉሃይቲ ኣላህን ኣይሁድን ነቲ ናይ ኣላህ ቃላት ኣይአመኑዎን እዮም። እዚ ምስ በልኩ ካብ ቁርኣን ጠቂሰ ከምዚ በልኩ

 

"ንፍትሓዊ ዕላማ ጥራይ እንተዘይኮይኑ ከይቕተል ኣላህ ዝኸልከሎ ዘበለ ንሓደ እካ ኣ            ይትቕተል" ሱራ 17።-33።።

 

እቲ ክቡር ቁርኣን።- ነዚ ቃልዚ ከምዚ ኢለ ክዛረቦ ከለኹ ካብቲ ኣብ ምሉእ ዓለም እተፈለጠ ኣብ ግብጺ-ካይሮ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ኣል-ኣዝሃር ሽዑ ተመሪቐ ምስወዳእኩ እዩ ዝነበረ። እቲ ዩኒቨርስቲ ከም መንፈሳዊ ስልጣን (ማእከል) ናይቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተዘርገሐ እምነት ምስልምና ኮይኑ የገልግል ነበረ። ኣብቲ ዩኒቨርስቲ እናማሃርኩ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ከኣ ኣብዛ መስጊድ እዚኣ ኢማም ኮይነ የገልግል ነበርኩ።

 ኣብታ መዓልቲ እቲኣ እምበኣር ከምቲ መንግስቲ ግብጺ ዝኽተሎ ፍልስፍና ገይረ ብዝዕባ ጅሃድ ዝዳለኽዎ ስብከተይ ስበኽኩ። ዩኒቨርስቲ ኣልኣዝሃር ናብቲ ብፖለቲካ ኪረአ ከሎ ቅኑዕ ዝኾነ ምስልምና ከነተኩር ከምዘሎና ይገብር። ብኻልእ ሸነኹ ድማ ነቲ ምስ ስልጣን ወይ መንግስቲ ናይ ግብጺ ዝጻረር-ዝጋጮ መዳያት ምስልምና ዓቢጥዎ ይሓልፍ ነበረ። ነቲ ዝማሃሩኒ እየ ዝሰብኽ ነይረ። ግና ብውሽጠይ በቲ ሓቀኛ እንታይነት ናይ ምስልምና ተጨነቕኩ። ይኹን እምበር ነቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣልኣዝሃር ዝረኸብኩዎ ስራሕን ክብረትን ክዕቅቦ እንተኾይነ ነዚ ናይ ውሽጠይ ሓሳባት ኣብ ውሽጠይ ከትርፎ ብግዲ እዩ። ዳሓር ከኣ ነቶም ካብ ኣጀንዳ ኣልኣዝሃር ተፈልዮም ዝኸዱ ሰባት እንታይ ከምዝረኽቦም እኮ እፈልጥ እየ። ዕጫ ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ኣልኣዝሃር ካብ ስራሕ ምብራርን ኣብ ዝኾኑ ካልእ ናይ ግብጺ ዩኒቨርስቲ ተቐባልነት ምሳኣንን እዩ።።

ዝኾነ ኾይኑ እቲ ኣብ ኣልኣዝሃርን ኣብ መስጊድን ዝምህሮ ዝነበርኩ ትምህርቲ ምስልምና ካብ እቲ ጌና ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ ከለኹ ምሉእ ብሙሉእ ብቓለይ ሸምዲደዮ ዝነበርኩ ዝተፈልየ እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዘጨነቐኒ ጉዳይ ድማ ብዛዕባ ናይ ፍቕርን ሕያውነትን ይቕርታን ምስልምና ክሰብኽ ምስተነገረኒ እዩ። ሽዑ ኣብቲ ኣዋን እቲ እቶም ንሓቐኛ እስልምና ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ዘተገበኦም (ጥሩፋት) መሰረታውያን ኣስላም ኣብያተ ክርስትያናት ብቦምባታት የባርዑን ክርስትያናት ይቐትሉን ነበሩ።።

እቲ ግዜቲ ናይ ጅሃድ ምንቅስቓስ ኣብ ግብጺ ኣዝዩ ተበራቲዑ ዝነበረሉ ግዜ እዩ።። ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ናይ ዝተፈጸሙ መጥቓዕትታትን ባርዕ ቦምባታትን ናይ ዜና ጸብጻባት ምስማዕ ልሙድ እዩ። ሓደ መዓልቲ ብኣውቶቡስ እናተጋዓዝኩ ከለኹ ኣብ ሓንቲ ቤተክርስትያን ዝተደርበየ ቦምባ ኪነቱግ ከሎ ብዓይነይ ዝረኣኽሉ ኣጋጣሚ እቲ ጉዳይ ክሳዕ ክንደይ ኣካል ናይ ዕለታዊ ናብራና ኮይኑ ምንባሩ ዘረጋግጽ እዩ። ሽዑ ካብቲ 400 ሜትር ርሕቀት ዝነበረት ቤተክርስትያ ዝወጸ ትኪ ነቲ ሰማይ ክዕብልኾ ከሎ እዕዘቦ ነበርኩ። ብመሰረቱ ኣብ ሓንቲ ኣጸቢቓ ኣብ ምስልምና እተሰረተት ስድራቤት እየ ዓብየ።። ኣብ ርእሲዚ ታሪኽ ምስልምና ኣጽኒዐ እየ። ምስዚ ኣብ ዝኾነ ጥሩፍ ጉጅለ ተሳቲፈ ኣይፈልጥን እየ።።እንተኾነ ግን ሓደ ካብቶም ሙስሊም ኣዕሩኽተይ ኣባል ናይ ሓንቲ ክርስትያናት ኣብ ምሕራድ ኣበርቲዓ ትነጥፍ ጉጅለ ነበረ። ንሱ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሃንደበት ብዛዕባ ምስልምና ክግደስ ዝጀመረ ቅድሚኡ ግን ኣብቲ ዝፈትዎ ትምህርቲ ስነ ቅመማ (ኬሚስትሪ) ጥራይ ዘድህብ ሰብ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግና ኣብ ተግባራት ጅሃድ ዝጋየ ሰብ እዩ። ሓደ መዓልቲ ከምዚ ዝብል ሕቶ ኣቕረብኩሉ፣ " ስለምንታይ ኢኻ ንጎረባብትናን ነዞም መተዓብይትናን ዝኾኑ ደቂሃገርና ትቐትል ዘሎኻ?" በቲ ዘቕረብኩሉ ሕቶ ኣዝዩ ተናደደን ተገረመን።። ቅድሚ ኩሎም ኣስላም ንስኻ ነዚ ክትፈልጥ ይግባኣካ ነይሩ። ክርስትያናት ናይ ምስልምና ጻዊዒት ኣይተቐበልዎን።። እምነቶም ኸተግበሩ መሰል ንኽህልዎም ኪኸፍልዎ ዝግባእ ጀዝያህ (ግብሪ) ከኸፍሉና ድማ ፍቓደኛታት ኣይኮናን።። ስለዚ እቲ እንኮ ዘለዎም ዕጫ ሴፍ እስላማዊ ሕጊ ጥራይ እዩ።

   ሓቂ ንምርካብ ዝተገብረ ምርምር

ነቲ ዓርከይ ዝተዛረበኒ ዘረባ ዝጻረር ሓሳባት ንምርካብ ንቁራኣንን ካልኦት ምጻሕፍቲ እስላማዊ ሕግን ኣናኣጋማጠልኩ ክፍትሾም ተደፋፋእኩ። ካብቲ ምንባበይን ምምርማረይን ሓደ ኪልወጥ ዘይከኣል ክዉንነት ጨበጥኩ ንሱ ኸኣ ኣነ ኸም ሙስሊም ክልት ኣማራጺታት ጥራይ ከም ዘለዉኒ ተረዳእኩ፣

--- ነቲ ብእኡ ጌረ ስርሐይ ክሕሉ ዝኽእለሉ ዝኸስተነ እምነት ምስልምና ከም ናይ ሰላም ናይ ፍቕሪ ናይ ይቕሬታን ናይ ርሕራሔን እስልምና ማለት እቲ ንመንግስትን ፖለቲካን ባህልን  ግብጺ ከምዝምጥን ኮይኑ ተዓቂኑ ንዝተሰፍየ ምስልምና ኣሚነ ምቕባል፣

--- ንምስልምና ከምቲ ቁርኣንን ናይ መሓመድ ትምህርትታትን ዝገለጽዎ ጌረ ብምእማን ኣባል ናይቲ እስላማዊ ምንቅስቃስ ምኻን

ብዙሕ ግዜ ነቲ ዝኽተሎ ዝነበርኩ ዓይነት ምስልምና ብቑዕ ምኽንያታት ክረኽበሉ ኢለ ብሓሳበይ ክመራመር ኣንከሎኹ ንንብሰይ ከምዚ እናበልኩ ከእምና ፈቲነ ኣየ። " ካብቲ መስመር እካ ኣዚኻስ ኣይወጻእካን። ድሓር ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቁርኣን እውን እኮ ብዛዕባ ፍቕሪ ሰላም ይቕሬታን ርሕራሄንሲ ጥቕስታት ኣለዉ እዮም ሓንትስ ነቲ ብዛዕባ ጅሃድን ነቶም ዘይመስለሙ ብዛዕባ ምቕታልን ኣብ ቁርኣን ዝተጻሕፉ ጥቕስታት ሸፋፊንካን እናጎሰኻዮምን ምሕላፍ ጥራሕ ኣይትረስዕ 

ኣስዒበውን- ናብ ዝርዝር ትርጉም ናይ ቁርኣን ኣትየ ክመምን ብዛዕባ ጅሃድን ብዛዕባ ኣስላም ንዘይኮኑ ምቕታልን ዝትንክዩ ኩሎም ጽሑፋት ኣለልየ ከውጽኦም ከሎኹ ሸለል ክብሃሉ ዘይካኣሉ ብዙሓት ንቕትለታዊ ተግባራት ዝድግፉን ዘሳስዩን ጥቕስታት ረኸብኩ። ኩሎም ተመራመርቲ ምስልምና ኣብ ሓደ ነገር ይሰማሞዑ ዝኸነ ይኹን ኣስላማይ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይእመኑ (ንምስልምና ዘይቅበልዎ) ከምኡውን ኣብ ልዕሊ እቶም ከደዓት (ንምስልምና ጠንጢኖሞ ኻልእ እምነት ዚቕበሉ) ጅሃድ ኪፍጽም ይግብኦ ይብሉ። ኮይኑ ግን እቲ  ብዛዕባ ጅሃድ ዝተዘርበ ምስቶም ብዛዕባ ምስ ካልኦት ብሰላም ምንባር ዝተዘረቡ ጥቅስታት ፈጺሙ ዘይቃዶ ኣዩ። ስለዚ ኩሎም እዞም ኣብ ቁርኣን ዝረኸብክዎም ግርጭታት ኣብ እምነተይ ኣዝዩ ዓቢ ሽግር ኪፈጥሩለይ ጀመሩ። ኣብዚ ኪዝከር ዘለዎ መጀመርታ እቲ ካብ ሽዱሽተ ሽሕ ተመሃሮ 2ይ ብምውጻእ ብባችለር ዲግሪ ዝተመረቕኩሉ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ትምህርተይ ብድሕሪኡ ድማ እቲ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ኣርባዕተ ዓመታት ከምኡውን ኣብ መወዳእታ ዝሰዓበ ሰለስተ ዓመታት ናይ ዶክተሬት ዲግሪ ዝተማሀርክዎ ትምህርተይ ኩሉ ብዛዕባ ምስልምና ጥራይ ምንባሩዩ። ብርግጽ ብዛዕባ ጽሑፋት ምስልምና  ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ናይ ቁርኣን ትምህርቲ ኣጸቢቐ ዝፈልጥ እየ።

ኣብቲ መጽሓፍ ቁርኣን ኣብ ሓደ ቦታ ኣልኮላዊ መስተ ተኸልኪሉ ትረኽቦ ኣብ ካልእ ቦታ ግን ፍቑድ ኮይኑ ይጸንሓካ (ሱራ 5-90-91 ምስ ሱራ47-15 ኣነጻጽሮ)። ኣብ ሓደ ቦታ ክርስትያናት ንሓደ ኣምላኽ ዘምልኹን ዘፍቅሩን ኣዝዮም ጽቡቓት ሰባት እዮም። ስለዚ ምስኣቶም ምትዕርራኽ ትኽእሉ ኢኹም ኢሉ ይምህር (ሱራ 2።-62, 3።-113-114) ጸኒሑ ኸኣ ኣብ ካልእ ጥቅስታቱ ክርስትያናት ሃይማኖቶም ኪቕይሩ ወይ ከኣ ግብሪ ክኸፍሉ ኪግደዱ ኣለዎም፣ ብዝተረፈ ብሴፍ ኪቕንጸሉ ኣለዎም ይብል (ሱራ 9።-29)።

እቶም ምሁራት ኣስላም ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ግድላት ፍታሓት ከቕርቡ ይፍትኑ እዮም። እቲ ንዓይ ዝገረመኒ ግን ከመይ ኢሉ እዩ እቲ ሓያልን ብርቱዕን ኣላህ ክሳዕ ክንዲዚ ምስ ገዛእ ርእሱ ዝገራጮ  ወይ ከኣ ክሳዕ ክንድዚ ሓሳባቱ ዝቐያይር።

ንመሓመድ ነቲ ናይ ምስልምና ነብዪ ንርእሱውን ኣንተተዓዘብናዮ ንህይወቱ ኣብ መዓላ ዘውዓላ ምስ ቁርኣን ብዝጋጮ መገዲ እዩ። ቁርኣን ንመሓመድ ምሕረት ኣምላኽ ንዓለም ከርኢ ከምዝተላእከ ይነግረና ኣዩ እንተኾነ ግን ንሱ ሓደ ወተሃደራዊ ውልቀመላኺ ብምኻን ሓደጋ እናወደቐ ከጥቅዕን ኪቐትልን ንግዝኣቱ ዝምውለሉ ምርኮ ኪዘምት ኢና ንረኽቦ። እዚ ደኣ ከመይ ኢሉ ምስ ምሕረት ምግባር ዝቑጸር። ኣላህ እቲ ኣብ ቁርኣን ተገሊጹ ዘሎ ኣምላኽ እውን ንባዕሉ ዘፍቅር ኣቦ ኮይኑ ኣይንረኽቦን። ኣላህ ንርእሱ ሰባት ናብ ጌጋ ምምራሕ ዝብህግ ምኻኑ ቁርኣን ኣጸቢቑ ኣብሪህዎ ኣሎ (ሱራ 6።-39,126)። ኣላህ ባዕሉ ነቶም ናብ ጌጋ ዘውደቆም ሰባት ከምዘይሕግዞም (ሱራ 30-29)። እካ ድኣ ንሲኦል ከምዚመልእዋ ብምግባር ኪጥቀመሎም ከምዚደሊ ቁርኣን ኣጸቢቑ ኣብሪህዎ ኣሎ ሱራ(32-13)።

ምስልምና ብኣድልዎ ዝተባዕጠ ሃይማኖት እዩ --- ኣድልዎ ኣንጻር ደቀንስትዮ ኣድልዎ ኣንጻር ዘይመስለሙ ሰባት ኣንጻር ክርስትያናት ልዕሊ ኩሉ ግና ኣንጻር ኣይሁድ። ብቀንዱ ጽልኢ ናብ ውሽጢ መዛርዕ ምስልምና ተጸፍዩ ዝኣተወን ነቲ ሃይማኖት እቲ ደው ዘበለ ዓንድን እዩ።

ታሪክ ምስልምና እቲ ብፍሉይነት ዝተራቐቅኩሉ ዓውዲ ትምህርተይ ዝኾነ ታሪኽ ምስልምና  ናይ ደም ፈለግ ኢለ ጥራይ እየ ክገልጾ ዝኽእል።።

ሓደገኛ ሕቶታት

መጨረሽትኡ ንእምነት ምስልምናን ንቑርኣንን ዘሎኒ ነቐፌታዊ ሕቶታት ምስ ተመሃሮይ ከይነ ብግልጺ ኣብ ዝዘራረበሉ ደረጃ በጻሕኩ። ገለ ካብቶም ተመሃሮይ ኣባላት ናይ አሸበርቲ ምንቅስቓሳት እዮም ዝነበሩ እሞ ባኣይ ተናዲዶም " ንምስልምና ክትነቅፍ ኣይትኽእልን ኢኻ። እንታይ እዩ ወሪዱካ ዘሎ? ስቕ ኢልካ ትምህር እንተኾንካ ትምህር። ምስ ምስልምና ተሰማሚዕካ ትኸይድ" እናበሉ ኪቃወሙኒ ጀመሩ። ብኸምዚ መገዲ እቲ ዩኒቨርሲቲ እውን ነቲ ጉዳይ ሰሚዖሞ ኣብ ታሕሳስ 1991 ኣብ ቅድሚ አኼባ እቕረቡኒ። ነቲ ኣኼባ ኣሕጺረ ንምጥቕላል ኣነ ኣብ ልበይ ዝነበረ ኣነጺረ ነገርኩዎም። " ኣነ ድሕሪ ደጊም ቁርኣን ካብ ሰማይ ወይ ካብ ኣላህ እዩ ብቐጥታ መጺኡ ኢለ ክዛረብ ኣይክእልን እየ እዚ ቁርኣን እዚ ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ምግላጽ ክኸውን ኣይክእልንዩ"።

ብርእይቶኦም እቲ ዝበልኩዎ ኹሉ ኣዝዩ ዘርክስ ናይ ጸርፊ ቃላት እዩ። ሽዑ ኣብ ገጸይ ጡፍ ኪብሉለይ ጀመሩ። ሓደ ሰብኣይ እሞ ኸኣ። " ኣንታ ርኹስ ኣንታ ድቓላ።" እናበለ ይረግመኒ ነበረ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ድማ ብወገኑ ግዜ ከይወሰደ ካብ ስራሕ ኣውጽኣኒ። ንሱ እውን ኣይኣኸሎምን ንስለያዊ ፖሊስ ናይ መንግስቲ ግብጺ ሓቢሮም ኣእሰሩኒ። እቶም ስለያዊ ፖሊስ ከኣ ከም ንቡር ጌሮም ምቕያድ ገዲፎም ጨውዮም ብምውሳድ እዮም ኣሲሮምኒ። ካብዚ ንደሓር ዝቐጸለ ኩነታት ክትርዳእ እንተኾንካ ኣቐዲምካ ስድራ ቤተይ ይነብርሉ ናይ ዝነበሩ ሃዋህው ሓፈሻዊ ስእሊ ክትሕዝ የድልየካ።

ኣቦይ ኣብ ሓደ በዓል ሰለስተ ደርቢ ዓቢ ገዛ ዚውንን ሰብ እዩ ነይሩ። ምሉእ ስድራ ቤትና ማለት ወለደይ ኣርባዕተ ምርዑዋት ኣሕዋተይመምስ ሓዳሮም ከምኡ ከኣ ዘይተመርዓወ ሓወይን ኣነን ኣብዚ ገዛ ኢና ብሓባር ንነብር። ሓንቲ ምርዕውቲ ሓፍተይ ጥራይ ምስ ሰብኣያ ስለትነብር ምሳና ኣይትነብርን። ብዙሕ ኣፓርትማታት ዝሓዘ ስለዝኾነ ኩልና ብምቾት ኢና ንነብር። ኣብቲ ቀዳማይ ደርቢ ወለደይን እቲ ዘይተመርዓወ ሓወይን ኣነን ንነብር። ኣብቲ ልዕሌና ዘሎ ደርቢ ኣሕዋተይ መምስ ስድራ ቤቶም ይነብሩ ጽባሕ እታ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዝተሰናበትኩላ ዕለት ሰዓት ሰለስተ ናይ ንግሆ ኣቦይ ኣብ ማዕጾ ገዛና ምንኩሕካሕ ሰምዐ  ነቲ ማዕጾ ምስ ከፈቶ ካብ 15-20 ዝኾኑ ናይ ሩስያ ካላሺንኮቭ ጠመንጃ ዝዓጠቑ ሰባት ተሃንዲዶም ናብ ገዛና ኣተዉ ንሳቶም ወተሃደራዊ ክዳን (ዲቪዛ) ዘይኮነስተራ ሲቪላዊ ክዳን ተኸዲኖም ነበሩ ከይተዳሎኹ ከለኹ ኪሕዙኒ ምእንቲ እናጎየዩ ናብ ላዕላይ ደርብን ናብ ኩሉ ሸነኻት ናይቲ ገዛን ዝርው በሉ ብዙሓት ሰባት ኣብ ረርእሲ እናተደራረቡ ንቅጽበት ነቲ ቤት ስለዝወረርዎ ቀዲመዮም ከምልጥ ኣይከኣልኩን ኩላቶም ናብ ብዘሎ እቲ ገዛ ፋሕ ኢሎም ክመልእዎን ሓደ ካብኣቶም ኣብ ዝደቀስኩሉ ረኺቡ ኪሕዘንን ሓደ ኮነ

 ምስ ሓዙኒ እናጎተቱን እናኣዳፋኡን ኪወስዱኒ እንከለዉ ወለደይን ኩሎም ኣሕዋተይ መምስ ስድርኦምን ኣብ ጭንቀትን ፍርሕን ተዋሒጦም ይርእዩ ነበሩ ኩሎም ጎረባብቲ ሰፈርና ውን ነቲ ዓውዓውታ ሰምዕዎ

ሽዑ ናብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ዝመስል ስፍራ ወሲዶም ኣብ ሓደ ሸላ ኣእተዉኒ ንጽባሒቱ ወለደይ ድሃየይ ኪገብሩ ላዕልን ታሕትን በሉ፣ ናብ መደበር ፖሊስ ከይዶም ከኣ "ወድና ኣበይ ኣኣቲኹምዎ?" እናበሉ ኣበርቲዖም ሓተቱ፣ ግና ብዛዕባ ሃለዋተይ ዝፈልጥ ሰብ ኣይተረኽበን፣ ኣነ ኣብ ኢድ እቶም ናይ መንግስቲ ግብጺ ስለያዊ ፖሊስ እየ ብስቱር ተታሒዘ ዝነበርኩ

 

ቤት ማእሰርቲ ግብጺ

ኣብ ትሕቲ ስለያዊ ፖሊስ ግብጺ ንገለ ግዜ ምጽናሕ ንሓደ ኣሜሪካዊ ቤት ማእሰርቲ ካብ ምብጻሕ ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ ኣብ ሓደ ጸቢብ ክፍሊ ምስ ግብረ ሽበራዊ ተግባር ብምፍጻም ምስ ዝተኸሰሱ ክልተ ኣኽረርቲ ኣስላም ዳጎኑኒ እቲ ሓደ ፍልስጢኤማዊ እቲ ካልኣይ ከኣ ግብጻዊ እዮም

ንሰለስተ መዓልቲ መግብን ማይን ከልከሉኒ ተወሳኺ ስቃይ ዝኾነኒ ከኣ ናይቶም ምሳይ ዝነበሩ እሱራት ሕቶታት ነበሩ። እቲ ግብጻዊ እሱር " ናብዚ ቐይዲ እዚ ስለምንታይ ኣእትዮምኻ?" ብእትብል ሕቶኡ የጨንቐኒ ነበረ ኣነ ግን መልሲ ካብ ምሃቡ ብዝከኣለኒ ኩሉ ጸዓርኩ። ምኽንያቱ ንምስልምና ከምዝወቐስኩ እንተደኣ ፈሊጡ ኪቐትለኒ እውን ከይፍትን ፈራህኩ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ግና ስርሔይ ኣብ ኣል-ኣዝሃር ዩኒቨርሲቲ መምህር ኣብ ጊዛ ኸኣ ኢማም ምኻነይ ነገርክዎ ሽዑ ንቕጽበት በጻሕቱ ካብ ዘምጽኡሉ ኣስቤዛ ኣውጺኡ ማይ ዝመለአ ፕላስቲክ ጥርሙስ ቁሩብ ፋላፌልን ፒታን መግቢ ሃበኒ እሞ እቶም ፖሊስ ግና ዝኾነ ይኹን ነገር ንዓይ ከይህበኒ ኣጠንቂቖሞ ምንባሮም ነገረኒኣብ ራብዓይ መዓልቲ ኪምርምሩኒ ጀመሩ ነቲ ዚቕጽል ኣርባዕተ መዓልታት ከም ዕላማ ጌሮም ዝወሰድዎ ኣነ ንምስልምና ከምዝገደፍክዎ ክኣምነሎምን ናብኡ ዘብጽሓኒ ምኽንያት ክትንትነሎምን ንምግዳድ እዩ ነይሩ

እቲ ምርመራ ኣብ ማእከሉ ሓደ ዓቢ ጠርጴዛ ኣብ ዘለዎ ክፍሊ እዩ ተኻይዱ እቲ መርማርየይ ኣብ ሓደ ጎድኒ ናይቲ ጠረጴዛ ኮፍ ይብል ንኣይ ድማ ኣብ መንጽሩ በቲ ካልእ ጎድኒ ኮፍ ኣቢሉ ብድሕረይ ግን ክልተ ወይ ሰለስተ መኮንናት ደው ኢሎም ከም ዘንጸላልዉኒ ይገብር

ኩላቶም ወንጌል ተሰቢኹለይ ሃይማኖተይ ናብ ክርስትና ከምዝለውጥኩ ኣጸቢቖም ኣሚኖም ነበሩሞ ደጋጊሞም ዝውርውሩለይ ሕቶታት "ምስ ኣየናይ ፓስተር ኢኻ ተራኺብካ? ኣበየነይቲ ቤተ ክርስትያን ኢኻ ትመላለስ ኔርካ? ስለምንታይ ንምስልምና ክሒድካዮ?" ዝብሉን ተመሳሰልቲ ካልኦትን እዮም ሓደ እዋን መርማርየይ እናሓተተኒ ከሎ መልሲ ምሃብ ደንጉየዮ ተቖጥዐ እሞ ነቶም ብድሕረይ ዝነበሩ ክሳዱ ነቕነቐሎም። ቀጺሉ እቲ መርማሪ ሓንቲ ተወሊዓ ዝጸንሐት ሽጋራ ኣልዒሉ ኣብ ልዕሊ ኢደይ ኣልጊቡ ኣጥፋኣ። ናታ በሰላ ሎምውን ኣብ ኢደይ ኣላ። ሓሊፉውን ኣብ ከንፈረይ ከምኡ ጌሩ ኣቃጸለኒ። በሰላኣ ከኣ ሎምውን ንኣካፍታ ኣፈይ ዘይናቱ መልክዕ ኣልቢሳቶ ምሳይ ትነብር ኣላ። እቲ መርማሪ ኣብ ዝተቖጣዓሉ ግዜ ስር ኢሉ ናብታ ሽጋራን ናብ ገጸይን እናተመላለሰ ክልብልበኒ ሓደረ። እቶም ካልኦት መኮንናት ከኣ ኣብ ሞንጎ ኣብ ሞንጎ መብረ እናኣተዉ ብጽፍዒት ኣብ ገጸይ ይጭልቁጡኑ ነበሩ።

እቲ ኣብ ልዕለይ ዝተኻየደ መርመራ ብዝቐጸለ መጠን ኣብ ልዕለይ ዝወርድ ጸቕጢ እናበርተዐ ከደ። ሓደ ግዜ ሓደ ዓቢ መሳወሪ ሓዊ ዝኣገልግሎቱ ሓጺን ሒዞም ናብቲ ክፍሊ መጹ። ብውሽጠይ እዝስ ንምንታይ ኮን ኢሎሞ እዮም ኣናበልኩ ይሓስብ ነበርኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ እቲ መርመርየይ ነቲ ዘንጊ ሓጺን ኣልዒሉ ብእኡ ክጥውቐኒ ምስጀመረ ዕላማኦም ተረዳኣኒ። እታ መሳወሪት ሓዊ ዝኾነት ሓጺን ብፍላይ ከኣ ኣብ ሸነኽ እቲ ርእሳ ጋህሪ ክሳዕ ትመስል ረሲና ነበረት። ሓደ ካብቶም መኮንናት ከኣ ትቕብል ኣቢሉ ናብ ጸጋማይ ቅልጽመይ ኣልጊቡ ንገለ ደቓይቕ ኣጸቢቑ ጠወቀኒ።

ንሳቶም በዚ ኹሉ ሃይማኖተይ ናብ ክርስትና ከምዝለወጥኩ ክኣምነሎም ይደልዩ ነበሩ። ኣነ ግና "ኣነ ንምስልምና ኣይሓደግኩዎን እቲ ዝተረዳእኩዎ ነገር ጥራይ እየ ተዛሪበ። ኣነ ሓደ ተመራማሪ ናይ ፍልጠት ሰብ ከም ምኻነይ መጠን ብዛዕባ ምስልምና ዝኾነ ይኹን ኣርእስቲ ኣልዒለ ክካታዕ መሰለይ እዩ። እዚ ኣካል ናይ ስረሐይን ኣካዳምያዊ ህይወተይን እዩ። ብዝተረፈ ንምስልምና ገዲፈ ናብ ካልእ ሃይማኖት ክኣቱ ኢለ ሓሲበዮ እካ ኣይፈልጥን። ምኽንያቱ ምስልምና ማለት ንዓይ ደመይ ባህለይ ቓንቓይ ስድራቤተይ ኮታ እዛ ህይወተይ ማለት እዩ። ነዚ ዝለኩም መሰረት ጌርኩም ካብ ምስልምና ከምዝወጻእኩ እንተደኣ መዲብኩም ግና ሕራይ ኣውጽኡኑ። እወጽእ ካብ ምስልምና ብምውጸአይ ዕጅብ ኣይብለንን።"

እታ ኩርማጅ  

ኪሰምዕዎ ዘይተጸበይዎ መልሲ ኮኖም። ስለዚ ናብ ሓንቲ ዓራት ሓጺን ዘለዋ ክፍሊ እናኣዳፋኡ ወሰዱኒሞ ንእግረይ ምስ እግሪ እቲ ሓጺን ናይቲ ዓራት ኣልጊቦም ኣሰሩኒ።። ሽዑ ከም መፋወዚ ሞጎጎ ዝመስል ብካልስታት ዝተደረዐ ጉዝጋዝ ኣብ ልዕሊ ኣእጋረይ ኣንበሩ።። ሓደ ካልእ ወተሃደር ከኣ ኣርባዕተ ጫማ ዝምንውሑ ኩርማጅ ሒዙ ቀረበኒ።። ነእጋረይ ከኣ ክሻሙጠኒ ጀመረ።። ሓደ ካልእ ድማ ብክልተ ኣእዳዉ መተርኣስ ሒዙ ብትርኣሰይ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ከእዊ እንተጀሚረ ንገጸይ በታ መተርኣስ ዓፊኑ ድምጸይ ክሳዕ ዝሃጥም ይጸቕጠኒ። እንተኾነ ኣውያተይ ክግታእ ስለዘይተኸኣለ ሕጅውን ካልእ ወተሃደር ተወሰኸ እሞ ካልኣይቲ መተርኣስ ደሪቦም ምስቲ ሓጺን ክሳዕ ዝጣበቕ ጨፍልቑኒ።

 

ስቅያት ማህረምቲ ምስ በዛሓኒ ቀልበይ ኣጥፋእኩ። ኣብ ሞንጎ ብር ኢለ እንተረኣኹ ሕጅውን እቲ ወታሃደር ንእግረይ ብኹርማጅ ይቐልጦ ነበረ። መሊሱ ብሓንደበት ምህራመይ ኣቓሪጹ "ተንስእ ተንስእ" እናበለ ዝተኣሰርኩሉ ገመድ ፈትሖ።። ኣነ ግና ንምትንሳእ ሓይሊ ስኢነ ቀባሕባሕ በልኩ። ሽዑኡ ንወያ ኩርማጅ ኣልዒሉ ከይተረዳአኒ ሓፍ ክሳዕ ዝብል መሊሱ ክገርፈኒ ጀመረ።። 

ድሕሪ ገለ ግዜ ናብ ሓደ ነዊሕ መተሓላለፊ ባብ (ኮረድዮ) ወሲዶም ብኢዶም እናመልከቱ "ጉየ። ሀየ ቀልጥፍ!" በሉኒ እንተኾነ በየናይ ሓይሊ በየናይ ሕልና ወስ ምባል ሰኣንኩ። ሕጂ ድማ በታ ፍትንቲ ብልሓት ማለት በታ ኩርማጆም ንሕቖይ ክሓርስዎ ምስ ተተሓሓዙኒ ከይፈቶኹ ክሳዕ ዝጎዪ ኮንኩ። ኣብቲ ሓደ ጫፍ ናይቲ ኮረድዮ ዝጽበየኒ ዝነበረ ካልእ ወተሃደር ከኣ ተመሊስካ ናብታ ዝነበርካያ ጉየ! ጉየ እንድየ ዝብለካ ኣታ! እናበለ በእዳዉ ይደፋኣኒ ነበረ።። ለሽ ኢሉኒ እንደገና ክሳዕ ዝወድቕ ንድሕሪትን ንቕድሚትን ተመላለስኩ።። ዲሒረ ከምዝተረዳእኩዎ ዕላማ ናይዚ ጉያዚ ዝተገረፈ ኣእጋረይ ምእንቲ ከይሓብጥን ዝረአ ስምብራት ከይሓድግን ተባሂሉ እዩ ነይሩ ዕላማ ናይቲ ትንፋሰይ ክሳዕ ዝዕበስ ኣብ ኣፈይ ዝወተፉለይ መተርኣስ እውን ተመሳሳሊ ኣዩ

ካብኡ ቀጺሎም ናብ ሓደ ኣብ ክፉት ቦታ ዝርከብ መሐምበሲ ዒላ ዝመስል ቦታ ወሰዱኒ። እቲ ማይ ናብ በረድ ዝቐርብ ዛሕሊ ነበሮ። እቲ ኩርማጅ ዝሓዘ መኮነን "እቶ!" በለኒ። ክኣቱ ኢለ ስጉም ምስ ኣበልኩ እቲ ቀዝሒ በረድ ነእጋረይ ከም ሓዊ ምስነደፎ ንድሕረይ ነጢረ ክወጽእ ፈተንኩ። እንተ ኾነ ግን እታ ኩርማጅ ተዳልያ ጸኒሓ ብድሕረይ ሓሊባ ሓሊባ ሓደገትኒ።

ናይ ደመይ ሽኮር ውሑድ ስለዝኾነ በቲ ዛሕሊ ዝፈጠረለይ ጸቕጢ ሃለዋተይ ኣጥፊአ ዘርጋሕ ክሳዕ ዝብል ኮንኩ። ድሓር ምስተበራበርኩ ነብሰይ ብማይ ጀብጂበ ኣብታ መጀመርያ ኣእጋረይ ዝተገረፍኩላ ዓራት ተጋዲማ ረኸብኩዋ።