18
Thu, Apr
0 New Articles

ኣንድርያና ኒኮላይ ኣብ ሩስያ ናይ ኮሚኒስት መንእሰያት መራሒት(ሓምሻይ ክፋል)

Imapct of Gospel
Typography

ኮሚኒስታውያን ሃገር ከለና ከምዘይብልና፤ ዜግነት ከለና ከም ካልኣይ ዜጋ እንተቖጸሩና'ኳ ንዓናስ ብኢድ ዘይተሰረሐት። ነደቕትን ናይ ምድሪ ጠቢባንን ዘይረኣይዋ ቅድሚ ምስራት ዓለም ቅድሚ ኣቦታትና ኣብርሃምን ይስሓቕን ያዕቆብን ዝተሰረሐት ሃገር ኣላትና። ብደም እቲ ገንሸል ዝጸረየት ቅድስቲ ሃገር ኣላትና። መንግስተ ሰማያት!! እወ። ድሕሪ ሞትና ምስ ጎይታና ሓቢርና ምንባር እንጅምረላ ሃገር ኣላትና።


 

ካብ ግሽነትን ካብዚ ግዚያዊ ድንኳንናን ሓሊፍና ኣብ እግሪ እቲ ልዑል ከቢብና እፎይ እንብለላ። እቶም ብክርስቶስ ዝኣምኑ ድማ ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል ዝዕደሙላ ሃገር ኣላትና። መንግስተ ሰማያት!! ለይትን መዓልትን ብዘይምቁራጽ ናይ መላእኽቲ መዝሙር፤ እልልታን ሽብሸባን ዝስምዓላ ንሕና ድማ ከም መላእኽቲ ኬንና ተለዊጥና ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን እንኾነላ መዕቆቢትን ርስትን ኣላትና። መግረፍቲ፤ ቃንዛ፤ ጥሜት፤ መከራ፤ ምረት። ቅንኢ ከምኡ'ውን ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ። ሓው ኣብ ልዕሊ ሓዉ ዘይጨኻኸኑላ ርስትን ሃገርን ኣላትና። ብቓል ምስክርነቶምን ብደም እቲ ገንሸልን ንዓለም ዝሰዓሩ። ብደም እቲ ገንሸል'ውን ክዳውንቶም ሓጺቦም ዘጽረዩ ቅዱሳን ደቂ-ዓዲ ከኣ ኣለዉና። እወ። ሰማያውያን ደቂ-ዓዲ። ትምህርትን ፍልጠትን ከለና ከም ሓንቲ ዘይንፈልጥ መሃይማን እኳ እንተቖጸሩና ንሕና ግና ነቲ ንዓለም ዕሽነት ናይ ጥበብ ግና መጀመርታ ዝኾነ የሱስ ፈሊጥና ኣለና። እዚ ከኣ ብብዝሒ ጥበብና ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ዝፋኑ ብምምብርካኽ እዩ። ብእምነት ናይ ምድሕን ምስጢር ካብኦም ሰዊሩ ንዓና ገሊጹልና ኣሎ። እወ ነቲ ናይ ፍልጠት ኩሉ መጀመርያ ዝኾነ የሱስ ፈሊጥና ኣለና።

ሎሚ መልክዕ እንዳሃለወና ብሰንኪ ስለ እምነትና እንሓልፎ ዘለና መከራ፤ ቃንዛን ስቓይን ገጽና እንተተደወነ እኳ። እቲ ሰመያዊ ኣቦና በቲ ካብ ገጹ ዝወጽእ ናይ ብርሃን ጸዳል ናይ ሓቅን ጽባቐን ጨረር ኣብ ልዕሌና ክበርህ ከሎ ሽዑ ጽቡቓት ኣወዳትን ኣዋልድን ክንከውን ኢና። እቲ ብዘይዕረፍቲ እንሰርሖ ዝነበርና ኣድካሚ ስራሕ ምስቲ ቁርን ዛሕልን ተደማሚሩ ኣዝዩ እንተጎደኣና እኳ ንጎይታ ክንዝክር ከለና ግና መከራና ንርስዕ።

ሓደ ግዜ ዘይኣመሎም ንምግላጹ ዘጸግም ቁርን ቀዝሕን ከሎ ብለይቲ ጸዊዖምና። እቲ ልሙድ ስቅያት ምስ ተቐበልና ንኹላትና ናብ ሓደ ቦታ ወሰዱና። በቲ ጸልማት። እቲ ቦታ ሜዳ መሲሉና ክንጉዓዝ ከለና እቲ በረድ ሃሚሙ ክልተ ሜትሮ ንታሕቲ ናብ ጉድጓድ ሒዙና ኣተወ። ኣዚና ካብ ምስንባድና ዝተለዓለ ከም ምዉታት ኬንና ወደቕና። ኣብ ታሕቲ ድማ ከምዚ ቆጽሊ ዝመስል ዝተቖራረጸ ነገር ተቐቢሉ ወሓጠና። ከም ገለ ኢልና ምስ ተንሳእና ኩሉ ኣካልና በቲ ረቂቕ እሾኽ ዝመስል ነገር ተወጋጊኡ ረኸብናዮ። ብቅጽበት ድማ ገጽናን እግርናን ሓቢጡ ከሕክኸና ጀመረ። እንተሓሸና ኢልና ኣብ መሬት ጠንቀላዕላዕ በልና። እቲ ቆጽሊ ግና ዝገደደ ክወግኣና ጀሚሩ። ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ ጎቲቶም ኣውጽኡና። በቲ ግዜ'ቲ ኩላትና ብሕሽዅሹኽ "ኣጆኺ ጎይታ ክመጽእ እዩ" እንዳተበሃሃልና ንሓድሕድና ክንጸናናዕ ዘሓደርናላ ለይቲ ፈጺማ ኣይትርስዓንን። እቲ ዝሓበጠ ክፋል ኣካላትና ዓይንናን ኣፍንጫናን ምፍላዩ ክሳብ ዘጸግም ተሓዋዊሱ ነበረ። መን መን ምዃኑ ኣብ ዘይፍለየሉ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስቓይ ከለና እቶም ወተሃደራት ገዲፎምና ከዱ።

ሽዑ ኣብቲ ጸልማት ቦታ ዝረኣናዮ መልኣኽ ክሳዕ ሕጂ እዩ ዘደንቐና። ቁመቱ ንውሕ ዝበለ፤ ክዳኑ ብዓቢ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ዝተኸበበ ጸጕሩ ክሳብ ክሳዱ ዝወረደ ዝመስል ኣብ ኢዱ ናይ ወርቂ ዝመስል ዘንጊ ዝሓዘ ኣብ ገጹ ዓቢ ርሕራሔ ዝንበቦ። ዘይንቀሳቐሳ ትኩር ኢለን ዝጥምታ ኣዒንቲ ዘለውኦ። ዝወደዮ ጫማ ካብ ወርቂ ዝተሰረሐ ዝመስል ኣዝዩ ምልኩዕ። ፍሉይ ድምቀት ዘለዎ መልኣኽ ኣብ ቅድሜና ኣብ መንጎ መሬትን ሰማይን ኣብ ኣየር ደዉ ኢሉ ረኣና። እዚ ምስ ረኣና ኩላትና ኡይ ብምባል ኣብቲ ዝነበርናዮ ቦታ ጥንቅልዒት ወደቕና። ንሱ ግና ኢዱ ዘርጊሑ ንጹር ብዝኾነ ቋንቛ ሩስያ "ኣቱም እሙናት ባሮት ልዑል ኣምላኽ። ሰላም ንዓኹም ይኹን" በለና። መን ደፊሩ ይመልስ። እቲ ቅድሚ ገለ ደቓይቕ ድኻምን መግረፍትን ዘቁሰሎ ኣካልና በዚ ዝሰማዕናዮ ቃል ስለዝበርትዐ ገለ ከምዘይተፈጸመና ኬንና ብድድ ብድድ በልና። እንተኾነ ግና ናብ ድሕሪት ገጽና እንዳ ኣድሓርሓርና ብምኻድ ናብ ምድሪ ፍግም ኢልና ሰገድናሉ። ንሱ ግና ብዓቢ ናይ ቁጥዐ ዝመስል ድምጺ "ከይትገብርዎ ተጠንቀቑ" በለና።

ሽዑ ድማ ቃል ኣምላኽ ትዝ በለና እሞ ሓጎስ ብዝመልኦ ልብና። ነቲ ስጋ ዝለበስና ድኹማት ምዃንና ፈሊጡ ካብ ጓሂናን መከራናን ንኸናግፈና መልኣኹ ዝለኣኸልና ጎይታ ባረኽናዮ። ብኽያትና ኣቋሪጽና ንጎይታ ክነመስግን ከለና ድማ እቲ ተነፊሑ ሓቢጡ ዝነበረ ኣካልና ገለ ነገር ከይገበርናሉ ከም ቅጽበት ተፈዊሱ ከምቲ ናይ ቀደሙ ኮይኑ ምስ ረኣናዮ ናይ እግዚኣብሄር ሓለዋ ገረመና።

እታ ለይቲ ብኸምዚ ኩነታት በቲ ዝረኣናዮ እንዳተደነቕና። ሓንሳብ ሰሓቕ ሓንሳብ ንብዓት ኮንና። ብኣእዛንና ናይ መልኣኽ ድምጺ ብምስማዕናን። ነቲ ስለ ስሙ ዝመጸና ናይ ምድሪ መከራና ክኢልና ደው ክንበል'ውን ጸግኡ ዘብዝሓልና እግዚኣብሄር ኣምላኽና እንዳሓሰብና ክንድነቕ ከለና ነቲ ቅድም ዝረኣናዮ ዝመስል ሃሪ ዝመስል ክዳን ዝተኸደነ መልኣኽ ኣብ ማእከልና ተገለጸ። እንተኾነ ግና እዚ ከምቲ ቅድሚ ክልተ ስዓት ዝረኣናዮ ካልእ መልኣኽ ክንፊ ኣይነበሮን። ካብ ገጹ ዝወጽእ ዝነበረ ብርሃን ግና ናይ ምድፋእ ሓይሊ ስለዝነበሮ ብስንባደ ኡይ ኢልና ንድሕሪት ገጽና ወደቕና።

ንሱ ድማ መሊሱ ኢዱ ብምዝርጋሕ "ኣጆኹም በቲ ስለ ስመይ ዝበጽሓኩም ዘሎ ኩሉ ክፉእ ነገር ኣነ ምሳኻትኩም እየ። እቶም ኣቦይ ዝሰርሖም ሰማይን ምድርን ጸኒዕም ከም ዝነብሩ ከምኡ ስምኩም ኣብ ሰማያት ጸኒዑ ክነብር እዩ" በለና። ድምጹ እንዳሰማዕና ከለና። ገጹ ድማ ጸዳሉ ክግለጽ ዘይከኣል ከምቲ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ዓቢ ብርሃን  ወጋሕታ ኮይኑ። ሸውዓተ ቀንዴል ዝመስሉ ኣብ ጎድኑን ገጹን ዘብርሁ ብርሃን ኔሮሞ። ድምጹ ከም ብዙሕ መቓልሕ ዘለዎ ድምጺ ወይ ከኣ ከም ድምጺ ብዙሕ ማያት እዩ። ዙርያኡ ናይ ወርቂ ነጸብራቕ ኔርዎ። ጸጕሩ ድማ ጻዕዳ ከም ኣሳሓይታ ኮይኑ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ካብ የዒንቱ ሃልሃልታ ሓዊ ይወጽእ።

ኣብ ትሕቲ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ሓያል ዝኾነ ጓህሪን ዘቃጽል ሃልሃልታ ሓውን ይርአ ነበረ። ክዛረበና ከሎ ድማ ምስ ነፍሲ ወከፍ ቃል። ሰይፊ ዝመስል ብልጭታ ናይ ሓዊ ይወጽእ ነበረ። ሽዑ ኩላትና በቲ ዝረኣናዮ ተሰናቢድና ኣብ ዝወድቕናዮ ከለና ንድሕሪት ገጽና ኣድሓርሓርና። ኣብቲ ዝወደቕናዮ ኬንና ድማ እቲ ብፍርሂ ዝረዓደ ኣካልና ፈጥፈጥ ክብል ጀመረ። ካብዚ ኩሉ ነፍስና ምጽዋሩ ዝሰኣነቶ ግና እቲ ካብ ዓይኑን ካብ ገጹን ዝወጽእ ዝነበረ ናይ ብርሃን ጸዳል ነጸብራቕ እዩ ዝነበረ። ኣብ ቅድሚኡ መን ደው ክብል ይኽእል? ጸግኡ እንተዘይድግፈና ኔሩ ከም ማይ ፈሲስና ከም ስምዒ ድማ መኺኽና ምተረፍና ኔርና።

እንተኾነ ግና ንሕና ስጋ ዝለበስና ሰባት። ኢዱ ዝሰረሓትና ድኹማት ምዃንና ስለዝፈልጥ ኣብ ቅድሚኡ ደው ከብለና ዘኽእል ጸጋ ሂቡ ደው ኣበለና። "ክብረይ ኣብ ማእከልኩም ክገልጽ እየ። እንሆ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ። ነዚ ንስኻትኩም ትርእይዎ ዘለኹም ክርእዩ ብዙሓት ተመንዮም ግና ኣይረኣይዎን። እንሆ ክብረይ ኣብ ማእከልኩም ምእንቲ ክገልጽ ኢለ ተገሊጸ ኣለኹ። እቶም ተጊሆም ዝደልዩኒ ይረኽቡኒ እዮም። ከምዚ ናትኩም የዒንቶም ተኸፊተን ዝርእዩኒ ውሑዳት ህዝቢ ሕጂ'ውን ኣብዚ ዘመን ኣለውኒ። ከምቲ ቀደም ዝገበርክዎ ሕጂን ንዘለኣለምን ድማ ክገብር እየ። እንሆ ሎሚ መከራኹም ኣብቂዑ እዩ። ካብዚ ቦታ እትወጽሉ ሰዓት ኣብ ድማ ቅድሜኹም እዩ። በቲ ዝፍጸም ኩሉ ክብረይ ከይትትንክፉ ተጠንቀቑ። እዚ ኩሉ ስለ ስመይ ግበርዎ። ነዚ ንስኻትኩም ዝረኣኽሞ ዝረኣዩ። እቲ ኣባኻትኩም ዝወረደ ኩሉ ድማ ዝወረዶም ብዙሓት ህዝብታት ኣብ ምሉእ ዓለም ኣለዉኒ። ከመይሲ እቲ ብፈተና ዝጸንዕ ብሩኽ እዩ" በለና።

ኣብ ቅድሜና ኮይኑ ክዛረበና ከሎ እቲ ከም ድምጺ ብዙሕ ማያትን ዓበይቲ ማዕበላትን ዝመስል ዓብን ንነብሲ ዘጸናንዕን ድምጹ ንኣእዛንና መሊእዎ ነበረ። ብዛዕባቲ ዝሃበና ናይ ተስፋ ቃል እንዳ ኣስተንተንና ክንድነቕ ከለና ሓንቲ ካብ ሃሪ ንላዕሊ ዝምልስላሳ ጽብቕቲ ኢድ ንመላእ ኣካላትና ካብ ጸጕሪ ርእስና ክሳብ ጽፍሪ እግርና ዳህሰሰትና እሞ ከቢድ ድቃስ ወሰደና። ንኽንደይ ደቓይቕ ዝኣክል ከምዝደቀስና ክንገልጾ እኳ እንተዘይከኣልና ምናልባት ግና ኣብ ህይወትና ምሉእ ከምኡ ዓይነት ናይ ዕረፍቲ ድቃስ ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን እዩ ኢልና ንሓስብ። ካብ ድቃስና ክንነቅሕ ከለና ሓደስቲ ሰባት ኬንና ተንሳእና። ንሓድሕድና እንዳተጠማመትና ድማ ክንድነቕ ጀመርና። ከመይሲ ኣበይ ከም ዝጸናሕና ይኹን እንታይ ከም ዝኾንናን ኣይንፈልጥን ነበርና።

ነቲ ቅድሚ ቅሩብ ደቓይቕ ምስና ኮይኑ ዝዛረበና ዝነበረ ወዲ ልዑል ኣምላኽ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ግና ደሊና ስኣንናዮ። ንየማነ ጸጋም ቀባሕባሕ እንተበልና ኣብቲ ወዲቕናዮ ዝነበርና ናይ በርድ በዓቲ ሰኣንናዮ። ዋላ'ኳ ምኽንያቱ እንተዘይፈለጥናዮ ኩላትና ግና ገጽና ብንብዓት ይሕጸብ ነበረ። ኩላትና ልክዕ ከምዚ ንብዙሕ ዘመናት ምሳና ዝነበረ ኣዚና እንፈትዎ ዘመድ ወይ ፈታዊ ዝተፈለየና ክንመስል ልብና ብናፍቖት ጎይታ ተቓጸለ። እንገብሮ ምስ ጠፈኣና ከኣ ንሓድሕድና ክሳድ ንክሳድ ተሓቛቑፍና አይ አይ ኢልና በኸና። ነብስና ንየሱስ ጸሚኣ። እወ። ነቲ ዝተሰወረና። ነብስና ድማ ልዕሊ ዓቐን ዝናፈቐቶ። ነቲ ንጽምእና ርውየት ንጥሜትና ጽጋብ ንድኻምና ድማ ዕረፍቲ ዝኾነና ጎይታ ካበይ እሞ ክንምጽኦ? ሓንቲ ካብ ሩማንያ ዝመጸት ሓፍቲ ድማ ዓው ኢላ "ኦ ጎይታ ኣነን ብጾተይን እንታዎት ኢና? ንስኻ ኣብ ማእከልና ተገሊጽካ ክንርእየካሲ ንሕና እንታዎት ኢና? እቲ ቅዱስ ቃልካን መንፈስካን ምኣኸለና ኔሩ" እንዳበለት ኣምሪራ በኸየት። እወ። ኣዝዩ ዘደንቕ ጎይታ ኣለና።

እቲ ንኣብርሃምን ይስሃቕን ያእቆብን ዝሃቦም ተስፋ እንዳዘከረ ንዓና ድማ ተገሊጹልና። መከራና ኣረሲዑና። ብድሕርዚ ድማ ኩላትና ኮፍ ኢልና ብዛዕባቲ ዝሰማዕናዮ ቃል ከነስተንትን ጀመርና "ነዚ ንስኻትኩም ትርእይዎ ዘለኹም ክርእዩ ..... ከምዚ ናትኩም መከራ ዝወረዶም ህዝቢ ኣለዉኒ ..... ካብዚ እትወጽሉ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኹም እዩ ..... ክብረይ ከይትትንክፉ ተጠንቐቑ ...." ዝበለና ቃል ነፍሲ-ወከፍና በብውልቅና ከነስተንትኖ ጀመርና። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት ከለና ሓሙሽተ ኮሚኒስታውያን ወተሃደራት ከምቲ ልሙድ ብበትሪ እንዳቐጥቀጡ ከውጽኡና ኢሎም ዋዕዋዕ እንዳበሉ መጹ። እንተኾነ ግና ንዓና ምስ ረኣዩ ኣብ ውሽጢ ቅሩብ ካልኢታት ጸጥ ኢሎም ከም ዓንዲ ፈዚዞም ተረፉ። ንሳቶም ንዓና ንሕና ድማ ንዕኦም ንሓድሕድና እንዳተጠማመትና ኣብ ማእከልና ጸጥታ ነገሰ። እቲ ዝተፈጸመ ነገር እንተዘይፈለጥናዮ'ኳ ሎሚ ግና ናይ ትእዛዝ ጭድርታ፤ ምጉብዕባዕን ጽያፍ ቃላትን ህጣሞም ጠፍኡ። ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ደቓይቕ ዝኸውን ከምዚ ኢሎም ድሕሪ ምጽናሕ ድማ እቲ ኣብ ገጾም ዝርአ ዝነበረ ናይ ፍርሃትን ስንባደን ስምዒት ከይተቐየረ በታ ዝመጽዋ ተመሊሶም ከዱ። ንሕና ድማ ብስንባደ "እንታይ ደኣ ኮይኖም?" ተበሃሃልና። ዝተፈላለዩ ፍርሃት ዝፈጠሮም ሓሳባት እንዳሓሰብና ከለና ካልኦት ክልተ ወተሃደራት እንደገና መጹና። እዚኦም'ውን ከምቶም ናይ መጀመርያ ተዓኒዶም ንከባቢና ድሕሪ ምዕዛብ ሓንቲ ቃል ከይተዛረቡ ዳርጋ ሃዲሞም ከዱ። ስለዚ ድማ "ሎሚ በቃ ክቐትሉና ደልዮም ኣለዉ" በልና። ጎይታ'ውን ካብዚ እትወጽሉ ግዜ ኣብ ቅድሜኹም እዩ ኢሉና ስለዝነበረ ነዚ ምስኡ እንዳኣተኣሳሰርና ስንባድና መሊሱ ዓዘዘ። ምሉእ መዓልቲ ካብኡ ከይተንቀሳቐስና ወዓልና። ክልተ መዓልቲ፤ ሰለስተ መዓልቲ እንዳበልና ንሓደ ሰሙን ዝኸውን መግረፍቲ፤ ጸርፊ፤ ምኹዓት ይኹን ድኻም ዝበሃል ከይረኣና ቀነና። ቅድሚ ሕጂ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ድማ ንመዓልቲ ክልተ ሰለስተ ግዜ ዝኸውን ባኒ፤ ዝበሰለ ድንሽን ቆጽሊ ሻሂ ዘይብሉ ብጫ ሻሂን ክህቡና ጀመሩ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሳይቬርያ ሓደ ሰብ ንሞት እንተተፈሪዱ ምግቢን ሻሂን ይወሃቦ እሞ ኣብ መበል ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ይርሸን። ንሕና ድማ ነዚ ስለእንፈልጥ ከም ሰብ መጠን ምስንባድና'ኳ እንተዘይተረፈ ተስፋና ግና ኣብ የሱስ ገበርና። ገጽ እቶም ቀዳሞት ናይ እምነት ኣቦታትና ሃዋርያትን ነብያትን እንርእየሉ ብናይ ሞት ሰረገላ ድማ ገጽ ጎይታና እንርእየሉ ግዜ ከም ዝኣኸለ ተረደኣና። ሓጎስ፤ ስንባድ ከምኡ'ውን ትብዓት ተሓዋዊሶምና ንሓድሕድና ክንጠማመትን ክንጸናናዕን ደቓይቕ ሓለፍ። መሊስና ድማ "ኣብዘን ዓሰርተ ሓሙሽተ ናይ መከራን ናይ ገሃንምን ዓመታት ሓንቲ ደቒቕ እኳ ትኹን ናይ ሰላም ኣየር ከየስተንፈስና ነቶም ስሌና እህህ ዝበሉ ህዝቢ ኣምላኽ ድማ ብዛዕባቲ ጎይታ ዝገበረልና፤ ዝተዛረበናን ዝተገለጸልናን ከይመስከርናሎምዶ ክንመውት ኢና? ታሪኽናዶ ኣብዚ ናይ በረድ ስፍራ ተቐቢሩ ክተርፍ እዩ? ብኣምላኾም ተስፋ ጌሮም ብዙሕ ተሳቕዮምሉ ከብቅዑ ከድሕኖም ስለዘይከኣለ ሞይቶም ክንበሃል" ዝብሉን ካልኦት ሓሳባትን ንኣእምሮና ኣናወጽዎ። ኣዒንትና ናብቲ ኣብ ቅድሚአን ዝነበረ ጥራይ ተተኺለን ንብዓትና ድማ ከም ጉድ ክፈስስ ጀመረ።

ተመሊስና ክንሓስብ ከለና ድማ "እዚ ኣብ ዘመንና ዘሎ ናይ መከራ ባርነት ካብ ዝቐትለና ናይ ክብሪ ሞት ሞይትና ገጽ ጎይታና ምርኣይ ይሕሸና" እንዳበልና ንሓስብ። ነፍሲ-ወከፍና ብዛዕባ ገዛእ ነብስናን ብዛዕባ ጎይታን እንዳሓሰብና የዒንትና ድማ ንቕድሚት ፈዚዘን እንዳጠመታ ኣብቲ ኮፍ ዝበልናሉ ብሓሳብ ግዒዝና ነበርና። እወ። እታ ክፍእቲ መዓልቲ። ልብና ብሓሳብ ህልም ኢሉ ብጭንቀትን ብተስፋ ምቑራጽን ዝተመላእናላ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኣጆኻ ኢሉ ከጸናንዕ ሓይልን ዓቕምን ዝሰኣነላ እቲኣ ፍልይቲ መዓልቲ'ሲ ጎይታ ንዘለኣለም ኣየምጽኣያ። እወ። ከም እዮብ ደጊምና ንብል ኣለና። እቲኣ ክፍእቲ መዓልቲ ዝተረግመትን ጸልማትን ትኹን። ናይ ተስፋ ብርሃን ከኣ ኣይብርሃያ። ግን ከኣ እቲ ግዜ ሓሊፉስ እንሆ ታሪኹ እኳ ተጻሒፍ ክንበብ በቂዑ። ናይ ኣምላኽና ፍቕሪ፤ ሓይሊ፤ ክእለት፤ ብርታዐን ርሕራሔን ዝገርም እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ድማ ሰዓት ሓደ ድ.ቀ. ክኸውን ከሎ ሓደ ብረት ዘይሓዘ ወተሃደር ናባና መጸ። "ኩሉኹም ወጺእኩም ኣብዚ ቦታ ደው በሉ" በለና። ካብ ስንባደ ዝተለዓለ ኩሉ ኣካላትና ኤለትሪክ ከም ዝሓዞ እንዳኣንፈጥፈጠ ከመይ ኢልና ከም ዝተንሳእና ከይተረደኣና ብድድ በልና።

ነቲ ራዕራዕ ዝብል ዝነበረ ንሰሙን ካብ መግረፍቲ ዝዓረፈን ነቲ ብድኻም ዝማሰነን ኣካላትና ሒዝና ዋላ'ኳ ኣእጋርና ብድኻም ራዕራዕ እንተበላ ነቲ ዝተኣዘዝናዮ ክንፍጽምን እቲ ዝኸውን ነገር ድማ ንምዕዛብ ወጺእና ኣብ ሓደ ቦታ እክብ ኢልና ደው በልና። ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ወተሃደራት ሓደ መንእሰይ ከኣ ብቑጠዐ ተመሊኡ ናባና ቅርብ ኢሉ "ሕጂ ኩሉኹም ነዚ መርዚ ሰቲኹም ክትሞቱ ኢኹም። እዚ መርዚ ሓያል ስለዝኾነ ምስ ሰተኹሞ ሓንቲ ደቒቕ እኳ ኣይክትጸንሑን ኢኹም። መዓናጥኹም በታቲኹ ክገላግለኩም እዩ። እንተኾነ ግና እዚ እምነትኩም ገዲፍኩም ናብ ናይ ሰውራ ደምበ እንተተመለስኩምን ምምላስኩም ድማ ብግብሪ እንተኣመስኪርኩምን ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም" እንዳበለ ብብዙሕ ጽያፍ ቃላት ጌሩ ክጻረፈና ጀመረ። ንዕኡ ምማትና እዩ ዝረኣዮ ኔሩ። ንዓና ግና ኣሳፊሕካ ይኹን ተኾርሚኻ ብዘየገድስ "ሞት" ማለት ንየሱስ እንርእየሉ ናብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ መሕደሪ ኣምላኽ እንሰጋገረሉ ናይ ህይወት ድንድል ምዃኑ ኢና እንርዳእ። ስለዚ ድማ ገና ዘረብኡ ከይወደአ እንዳሓንከስናን ሰንከልከል እንዳበልናን ናብኡ ብምቕራብ "ንዓይ ሃበኒ" "ንዓይ ሃበኒ" በልናዮ። "ነዛ ብልቃጥ ሂብካና እንተሞትና ነቲ ኣብዚ ዘሕለፍናዮ ናይ ስቓይን መከራን ዓመታት ብዓቢ ውዕለት መደምደምታ ጌርካልና ማለት እዩ። ነብስና ድማ ክሳብ መወዳእታ ክተመስግነካ እያ" እንዳበልና ክንሻሞ ምስ ረኣየና ተገሪሙ ነቲ ኣብ ኢዱ ሒዝዎ ዝነበረ ቢልቃጥ ከፊቱ ኣብቲ በረድ ኣፍሰሶ እሞ ካብቲ በረድ ድማ ልክዕ ካብ ዝፈለሐ ማይ ከምዝወጽእ ዓይነት ሃፋ ወጸ።

ሽዑ ድማ እቲ ወተሃደር ነቲ ተዓጢቕዎ ዝነበረ ብረት ብምስንዳው ከም ዝሰኸረ ሰብ ሰንከልከል እናበለ ኡይ ብምባል ወደቐ። በቲ ዝኾነ ነገር ድማ ስለዝሰንበድና ንሓድሕድና እንዳተጠማመትና ፈዚዝና ተረፍና። ንሱ ግና ኣብቲ ዝወደቖ ቦታ ኮይኑ "ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚረ ንስኹም ከም እትብሉኒ ክኸውን እየ። ንሕና ኮሚኒስታውያን ኩላትና ሞት ንፈርህ ኢና። ንስኻትኩም ግና ሞት እትንዕቁን ዘይትፈርሁን እንታይ ዓይነት ጉዳም ፍጡራት ኢኹም" በለና። ንሕና ድማ ኣሽንኳይዶ ተናኺፎምናስ ከይተንከፉን'ኳ ብዛዕባ የሱስ ምምስካር ባህ ስለዝብለና "ነዚ ኩሉ ዝገበሮ የሱስ እኳ እዩ" ብምባል ብዛዕባ የሱስ መስከርናሉ እሞ ኣብ ዘይተጸበናዮ ሰዓት ጎይታ ተቐበለ። ሓደ ሓደ ግዜ ጎይታ ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ዜሮ ሰዓት ጎይታ ዝቕበሉ ሰባት ይህበና ኔሩ።