ኣብ ሃገረ ህንዲ ከተማ ኦሪሳ ክርስትያናት ግዳያት መጥቓዕቲ ሂንዱ ይዀኑ ኣለዉ። እቶም ዕጡቓት ሂንዱ እቲ ኣብ ነሓሰ ብዑጡቓት ተኸተልቲ ማኦ ዝተቐትለ መራሒኦም ስዋሚ ላክሳማናዳ ሳራስዋቲ ዝተባለ ሕነ ንምፍዳይ እዮም ነቶም ኣብ ግዝኣት ኦሪሳ ዝርከቡ ክርስትያናት ክቐትሉን ከጽንቱን ተበጊሶም ዘለዉ።
ብመስከረም 13 ኸኣ ኣብ ግዝኣት ኮራፑት እት ርከብ ቤተክርስትያን ናይ ኣንቻላ ዝተባለት ዓዲ ዘቃጸሉ። ብመስከረም 14 ኸኣ ን14 ኣባይቲ ክርስትያናት ኣቃጺሎም። ክሳብ ሕጂ ኸኣ 50 ክርስትያናት ከም ዝተቐትሉ 100 ቤተክርስትያን ከም ዝዓነዋ 20.000 ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ተዓቒቦም ከምዘለዉ ኣስታት 50.000 ኸኣ ኣባይቶም ሓዲጎም ኣብ ፈቐዶ ስንጭሮን በዓትን ተሓቢኦም ከም ዘለዉ ጽብጻብ ይሕብር
ስለዚ ኩላትና ኣመንቲ ስለ እዞም ኣብ መከራ ዘለዉ ኣሕዋት ንጸሊ ኣምላኽ ከኣ ረድኤትን ሓገዝን ክኮኖም ትብዓትን ጸጋን ክህቦም ከኣ ንጸልየሎም።
ኣብ ሃገረ ህንዲ ከተማ ኦሪሳ ክርስትያናት ግዳያት መጥቓዕቲ ሂንዱ ይዀኑ ኣለዉ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode