19
Fri, Apr
0 New Articles

‎ከምቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ምርኣይ‎

Message 4
Typography

ኣብ 1ይ ሳሙኤል እግዚኣብሄር ንሳኦል ዝትክእል ንጉስ ክቐብእ ምስ ደለየ ንሳሙኤል ናብ እንዳ እሰይ ልኢኽዎ። ሳሙኤል ከኣ ዘይቲ ኣብ ቀርኒ ሒዙ ድሕሪ ምኻድ ነቲ ኣቐዲሙ ዝርኣዮ ቦኽሪ ወዲ እሰይ ዝኾነ ኤልያብ ንምቕባእ ተደናዲኑ። እግዚኣብሄር ግና “ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፣ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቁመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፣ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፣ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፣” ኢልዎ (1ሳሙ.16፣7)። ምስ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ንምምልላስ ከምቲ ንሱ ዝርእዮ ምርኣይ ስለ ዘድሊ ንሱ ከመይ ከም ዝርኢ ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ። ኣብቲ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ዝተዛረቦ ዘረባ ተገሊጹ ዘሎ ቀንዲ ሓሳብ ኣምላኽ ከም ሰብ ከም ዘይርኢ እዩ።

 

 

ሓሳቡ ካብ ሓሳብና ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዝበለ ብምዃኑ ብምሕዳስ ሓሳብና ከይተለወጥና ከምቲ ንሱ ዝርእዮን ነቲ ንሱ ዝርእዮን ክንርኢ ኣይንኽእልን ኢና። ብጎይታ ድሕሪ ምእማንና ኣተሓሳስባና ቀስ ብቐስ እምበር ብቕጽበት ስለ ዘይልወጥ ንነገራት ከምቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ጌርና ዘይክንርእዮ ይከኣል እዩ። ጎይታ የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ (ማቴ.5-7) ንኣምላኽን ንገንዘብን ክንግዛእ ከም ዘይንኽእል፣ ካብ መብልዕ ህይወት ስለ እትበልጽ ብእንበልዖን እንሰትዮን ክንጭነቕ ከም ዘይብልና ከምኡውን ስጋ ካብ ክዳን ስለ ዝበልጽ ብእንኽደኖ ክንጭነቕ ከም ዘይብልና ምሂሩ ኣሎ። ናይ ከረን ስብከት ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ምስ ቀረቡ ንዓኣቶም ዝመሃሮም ትምህርቲ ስለ ዝኾነ ንኣመንቲ እምበር ንዘይኣመንቲ ዝተማህረ ትምህርቲ ኣይኮነን። ኣማኒ ኮይንካ እምበኣር ንነገራት ከምቲ ኣምላኽ ዝርእዮም ዘይክትርእዮም ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ድማ ብምሕዳስ ሓሳብካ እናተለወጥካ ብምኻድ ንነገራት ከምቲ ኣምላኽ ክትርእዮ ዝደልየካ ክትርኢ የድሊ።

 

እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ካብ ዝተዛረቦ ዘረባ እንወስዶ ቀንዲ ሓሳብ ኣምላኽ ከም ሰብ ከም ዘይርኢ እዩ። ኣምላኽ ብመምዘኒ ሰብ ኣይመዝንን እዩ። ስለዚ ንነገራት ከም ኣረኣእያ ሰብ እናረኣኻ ንኣምላኽ ባህ ዘብል ህይወት ክህልወካ ኣይክእልን እዩ። ንነገራት ከምቲ እግዚኣብሄር ዝርእዮ ክትርእዮ እንተ ክኢልካ ነቶም ንነገራት ከም ኣረኣእያ ኣምላኽ ክርእዩ ዘይከኣሉ ስጋውያን ክርስትያናትውን ጽላለ ዝመስሎም ስጉምቲ ክትወስድ ኢኻ። ብዙሓት ኣመንቲ ነቲ ጎይታ ዝመሃሮ ‘ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ’ ዝብል ትምህርቲ ከም ዝኸብዶም ካብ ዝገብር ነገራት እቲ ቀንዲውን ንነገራት ከምቲ ንሱ ዝርእዮ ክትርእዮ ካብ ዘይምድላይ ወይ ካብ ዘይምኽኣል እዩ። ሓደ መዓልቲ ጎይታ እናመሃረ ከሎ ሓደ ሰብኣይ “መምህር፣ ንሓወይ ርስተይ ክመቕለኒ በለለይ፣” ኢሉ ሓቲትዎ። ጎይታ ግን “ኣታ ሰብኣይ፣ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይሙኒ፣” ድሕሪ ምባል “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነትን እሞ፣ ተጠንቀቑ፣ ካብ ኩሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሓልዉ፣” ኢልዎም (ሉቃ.12፣13-15)። ክንደይ ካባና ኾን ሓውና ርስቲ ክመቕለና ወይ ድማ ስለ ርስቲ ካልኦት ብስም የሱስ ጸሊና ንኸውን? እቲ ብስሙ እንጽሊ የሱስ ግን ንሓዉ ዘይኮነስ ነቲ ሰብኣይ እዩ ህይወት ብብዝሒ ገንዘብ ከም ዘይኮነትን ርእሱ ካብ ኩሉ ስስዐ ክሕሉን ነጊርዎ። ሰብ ህይወት ብብዝሒ ገንዘብ ከም ዝኾነት ስለ ዝሓስብ ዋላ በቶም ኣመንቲ ዝበሃሉ ሰባት ገንዘብ ንምርካብ ዝግበር ሃለኽለኽ ንርኢ ኢና። እግዚኣብሄር ግና ንገንዘብ ከምቲ ሰባት ዝህብዎ ሚዛን ስለ ዘይህቦ ጎይታ ካብ ንሓዉ ናይቲ ሰብኣይ ነቲ ኣብ ማእከል ደቀ መዛሙርቱ ኮይኑ ዝመሃር ዝነበረ ሰብኣይ ክዛረቦ እዩ መሪጹ። ሎሚውን ነቶም ሰዓብቱ ዘበልና በተሓሳስባና ክንልወጥ እሞ ንነገራት ከምቲ ንሱ ዝርእዮ ጌርና ክንርእዮ ይደልየና። ከም ሰብ እንተ ርኢናዮ ዝግብኣካ ርስቲ ክትምቀል ምሕታት ዋላ ሓንቲ ዘይክመስለና ይኽእል እዩ፣ ጎይታ ግን ስስዐ ኢልዎ። ምኽንያቱ ‘እግዚኣብሄር ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን እዩ፣ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፣ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ’።