እቲ
መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ -
ንዂሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። ምልክት ድማእዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል
ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ
ተጸምቢሮም፡ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡
እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ። ሉቃስ 2፣10-14
ኣገልግሎት
መርበብ ሓበሬታ ብስራት ንኹሉኻትኩም ርሑስ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ይግበረልኩም እናበለት ኣዚ ዝመጽእ ዘሎ
ዓመት ዓመት ሰላም ቅሳነት ዓመት ራህዋ ብልጽግና፣ ዓመት እሱራትና ዝፍትሕሉ፣ ፍትሒ ዝነግሰሉ፣ ሓቂ ዝዕንብበሉ፣
ዓመጽ ዝእለየሉ ኣምላኽ ሰማይ ምድሪ ይግበረልና ትብል።
ብተወሳኺ መርበብ ሓብሬታ ብስራት ብፍሉይ ኣቀራርባን ትሕዝቶን ን2010 ተዳልያ ከም ዘላ ንኩሉኹም በጻሕታ ብሓጐስ ተበስር