24
Wed, Apr
0 New Articles

ንእግዚኣብሄር ምጽባይ

Message 4
Typography

እብ 6፡11 << ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር ፡ ድንዙዛት ከይትኾኑስ ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት እዚ ኼርኢ ፡ ንደሊ ኣሎና ፡፡ >>እዛ ጥቕሲ ነቶም ሰብ እብራውያን እተጻሕፈት እያ ። እዞም ሰብ እብራውያን ተብሂሎም ዘለዉ ኣመንቲ ፡ ንቕዱሳን ብዙሕ ዘገልገሉ ጽቡቕ ግብሪ ዝነበሮም ሰባት b ምስ ጎይታ ንሓያለ ዓመታት እተመላለሱ ፡ ንስሙ ዝገበርኩምዎ ፍቕሪ ዝርስዕ ገፋዒ ኣምላኽ ኣይኮነን ተባሂሉ እተመስከረሎም ፡ ብዘይካ እዚ ድማ ካልእ ብብዙሕ ጽቡቕ ነገር እተመስከረሎም ሰባት እዮም ፡፡ እምበኣርሲ ነዞም ሰባት እዩ እቲ መልእኽቲ ፡ ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር ድንዙዛት ከይትኾኑስ ፡ እናበለ ዝዛረቦም ዘሎ ፡ ነዞም ብዙሕ ብጽቡቕ እተመስከረሎም ሰባት እዩ ድንዙዛት ከይትኾኑ ዝብሎም ዘሎ ፡፡ ንኣና ናይዚ ጊዜ ኣመንቲ ደኣ እንታይ እዩ ኾነ እቲ መልእኽቲ ፧ ንሱ ኾይኑ እቲ መልእኽቲ ብዚበልጸ እዩ ንኣና ዝምልከት ::


ኣብቲ መልእኽቲ ፡ ድንዙዛት ከይትኾኑስ ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ክትወርስዋ ይብል ፡፡ ክልተ ነገራት እዩ ጠቒሱ ዘሎ ፡ እምነትን ትዕግስትን ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ጊዜ እዩ ክልተ ነገራት ብሓንሳብ ዚጠቅስ ፡ ንኣብነት ሰብኣይን ሰበይትን ፡ ጸጋን ሓቅን ፡ ፍቕርን ለውሃትን ፡፡ ብዘይካ እዚ እውን ክልተ ብሓንሳብ እተፈጥሩ ኣለዉ ፡ ንኣብነት ክልተ ኣእጋር ፡ ክልተ መንፈርፈር ኣዕዋፍ ፡ እወ እዚ ክልተ ብሓንሳብ እተጠቕሰ ክፈላለ ኣይክእልን እዩ ። ሓደ ካብቲ ሓደ እንተፈለኻዮ ሳዕቤኑ ቀሊል ኣይኮነን ፡፡ ስለዚ እዩ ኸኣ ጎይታ ብዛዕባ ሰብኣይን ሰበይትን ክዛረብ ከሎ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን ነቲ ሰብ ዘጋጠሞ ሰብ ኣይፍለዮ ኢሉ እተዛረበ ፣ማቴ19፡6 ፡፡ እወ እዚ

ክልተ ሓደ እምበር ክፈላለ ዘይክኣል እዩ ፡፡ ናብቲ መልእኽትና እንተ ተመልሰና እውን ፡ እምነትን ትዕግስትን ክፈላለ ኣይክእልን እዩ ፡፡ እንተ ኣሚንካ እኹል እዩ ዝብሉ ኣይተሳእኑን ፡ ግናኸ ክርስትና ምእማን ጥራይ ከም ዘይኮነ ኣብዚ ጥቕሲ ተገሊጹ ኣሎ ፡፡ ኣብ ክርስትና ምእማን ጥራይ ኣይኮነን ዘድሊ ኣብቲ ምእማን ውን ትዕግስቲ ክህልዎ  ኣለዎ ፡ እንተዘይኮነስ ድንዙዛት ክንከውን ኢና ፡፡ ከምቶም ነታ ተስፋ ዚወርስዋ ምእንቲ ክንመስሎም እምበር ድንዙዛት ከይንኸውንሲ እምነትን ትዕግስትን እዩ ዘድልየና ፡፡ ኣብ ምሳ27፡18 ከምዚ ይብል <<ንበለስ ዚከናኸን ፡ ፍሬኡ ይበልዕ ፡ ንጎይታኡ ዚከናኸን ከኣ ይኸብር >> ፣ ንጎይታኡ ዚከንኸን ማለት ንጎይታኡ ዚጽበ ማለት እዩ ። ንጎይታ ዚጽበ ይኸብር እዩ ፡፡ ኣብርሃም ነቲ ጎይታ ዚሃቦ ተስፋ ምስ ተቐበለ ንዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ብእምነትን ብትዕግስትን ምስ ተጸበየ ንተስፋኡ ጨቢጡ ፡ ዮሴፍ እውን ነቲ ዝርኣዮ ራእይ ምስ ርኣየ ንዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ብእምነትን ብትዕግስትን ምስ ተጸበየ እዩ ናብ ንግስነት መጺኡ ፡፡ ሎሚ ግና ዝኾነ ሰብ ነቲ ዝደለዮ ቀልጢፉ ክረኽቦ እዩ ዚደሊ ፡ ትዕግስቲ ጌሩ ክጽበ ኣይደልን እዩ ፡ ንዝኾነ ነገር ብሃወኽ እዩ   ዝደልዮ ፡፡ አረግ ቁሩብ መጽናዕቲ ኣይወስድን እዩ ፡፡ ተሃዊኽካ ዝገበርካዮ ከጣዕሰካ ከሎ ብኻ ቁሩብ ጸኒሐ ኢልካ ኢኻ ትሓዝን ፡፡

   ኣብ 1ጴጥ5፡6 ቃል ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ይምዕደና <<ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ ፡፡ >> ኣብ ኣምባቆም 2፡1,2 ከምዚ ይብለና << ኣብቲ መሓለውየይ ደው ክብል  ብርግጽ.. ክመጽእ ኣይኪድንጉን ድማ እዩ እሞ ፡ እንተ ደንጎየ እኳ ተጸበዮ ፡፡ >> እግዚኣብሄር ኣብቲ ምዱብ ጊዜኡ እዩ ዝህበና ፣ የሱስ ናብዚ ዓለም ኣብ ምዱብ ጊዜኡ እዩ መጺኡ ሓንቲ ደቒቕ ኣይደንጎየ ኣይቀልጠፈ ፡፡ ጎይታ ኣብ ምዱብ ጊዜኡ ክረድኣና እዩ ፡ እቶም ምንቕቓሕ ናይዛ ምድሪ እንጽበ ኣብ ምዱብ ጊዜኡ ጎይታ ክገብሮ እዩ እሞ ደጊም ብጸሎት ተጊህና ብእምነትን ብትዕግስትን ንጎይታ ንጸባበዮ ፡ በዚ ውን ብኹሉ ንቑሓት እምበር ድንዙዛት ኣይክንኸውንን ኢና ። ክብሪ ኹሉ ንእግዚኣብሄር ይኹን ፣ ጐይታ ኣዕዚዙ ይባርኽኩም ።
 
መጺሔት ሻሎም