19
Fri, Apr
0 New Articles

እግዚኣብሄር ኩሉ ሳዕ ናብቲ ንሱ ዝመደበልና ዕረፍቲ ክንኣቱ ምስ ደለየ እዩ። ሓደ ካብቲ ናብ ዕረፍቱ ክንኣቱ ዝድግፈና ነገራት ከኣ ክትገብሮ ዝግብኣካ ምግባርን ኣምላኽ ከኣ ግዴኡ ከም ዝገብር ምእማንን እዩ። ንነገራት ክትገብሮ ስለ ዝግብኣካ እምበር ኣምሳያኡ ገለ ነገር ተጸቢኻ ምግባሩ ናይ ዘይምእማን ዘይኮነ ናይ ምጥርጣር መግለጺ እዩ። ብዙሕ ጊዜ እግዚኣብሄር ገለ ምእንቲ ክገብረልና ነገራት ንገብር ኢና። እቲ ዝተጸበናዮ ምስ ዘይፍጸም ከኣ ኣብ ክንዲ ሓሳብ ኣምላኽ በዚ

ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ነቶም ምስክርነት ዮሃንስ መጥምቕ ሰሚዖም ዝሰዓብዎ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ‘እንታይ ትደልዩ ኣለኹም' ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ ሓቲትዎም። እዚ ሕቶ እዚ ዝኾነ ንጎይታ ክስዕብ ዝደሊ ሰብ ክሕተቶ ዘለዎ ሕቶ እዩ። ጎይታ ነዚ ሕቶ እዚ ሰባት ንብዙሕ ዕላማታት ከም ዝስዕብዎ ስለ ዝፈልጥ እዩ

 ቃል ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ብዛዕባ ምሉእ ትውክልትኻ ኣብ ኣምላኽ ምግባር ክዛረብ ከሎ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ ይብል (ምሳ.3።5)። ኣምላኽ ኩሉ እንገብሮ ነገራት ብፍታውናን ብምሉእ ልብናን ክንገብሮ ስለ ዝደልየና ብዛዕባ ምውካል ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባ ምሉእ ምውካል ይዛረብ።

ዓለም ኣምላኽ ነቶም ንርእሶም ዝሕግዙ እዩ ዝሕግዝ ዝብል ብሂል ኣለዋ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን  ኣምላኽ ነቶም ንገዛእ ርእሶም ክሕግዙ ዘይክእሉ ከም ዝሕግዝ ይዛረብ። ንሱ ኣምላኽ ናይቶም ድኹማትን ሓጋዚ ዘይብሎምን እዩ። ንሱ ባዕሉውን ንርእሱ ከም ኣምላኽ ዘኽታማት፣ መበለታትን መጻእተኛታትን ይገልጻ። ኣብ

እምነት ምስ ኣምላኽ ኣብ ዝህልወና ምምልላስ ኣገዳሲት እያ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባኣ ብዙሕ ንጹር ትምህርትታት ምሂሩ እኳ እንተኾነ ብዛዕባ እምነት ዘሎ ዝተፈላለየ ግጉይ ርድኢታት ግን ከምቲ ዝግብኣና ካብ ምዕባይ ከልኪሉና ይርከብ። ካብቲ ብዙሕ መግለጺታት ናይ እምነት ሓደ ኣምላኽ ከምቲ ዝበሎ ከም ዝኾነ ምእማን እዩ።

 ሰባት ንኣምላኽ ንምሕጓስ ዝተፈላለየ ነገራት ይገብሩ እዮም። ንኣምላኽ ከተሐጉሶ ምድላይን ምጽዓርን እኳ ጽቡቕ እንተኾነ ቃሉ ብምምርማር እንታይ ከም ዘሐጉሶ እንተ ዘይፈሊጥካ ግን ከምቲ ንንጉስ ሳኦል ዝገጠሞ እቲ ንዕኡ ንምሕጓስ ኢልካ ዝገበርካዮ ነገር ዘየሐጉሶ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሳኦል ነቲ እግዚኣብሄር

ዝኾነ ህይወት ዘለዎ ነገር ካብ ዝተወልደሉ ጊዜ ጀሚሩ ክሳብ ዝተወሰነ ዕድሚኡ እናወሰኸ ክኸይድ ባህርያዊ እዩ። ኣብ ዝተወሰነ ደረጃ ድሕሪ ምብጽሑ ከኣ እናኣረገ ናብ ናይ ህይወቱ ፍጻሜ ይበጽሕ። መንፈሳዊ ህይወትና ከኣ ምስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ቀዳማይ ክፋል ህይወትና ይመሳሰል እዩ። ዝውስኽ እምበር ዝጎድል መንፈሳዊ

More Articles ...